ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉዳት ንምዕባይ ዚኸውን ዜተኣማምን ምኽሪ

ውሉዳት ንምዕባይ ዚኸውን ዜተኣማምን ምኽሪ

ውሉዳት ንምዕባይ ዚኸውን ዜተኣማምን ምኽሪ

ሩት ኣብታ ንፈለማ ግዜ ነፍሰ-ጾር ዝዀነትላ እዋን: “ጓል 19 ዓመት እየ ነይረ: ካብ ቤተሰበይ ድማ ኣዝየ ርሒቐ እየ ዚነብር ነይረ፣ ከቶ ድልውቲ ኸኣ ኣይነበርኩን” በለት። ንሳ ንባዕላ ቘልዓ ስለ ዝነበረት: ወላዲት ብዛዕባ ምዃን ሓሲባትሉ ኣይትፈልጥን እያ። ዜተኣማምን ምኽሪ ንምርካብ ናበይ እንተ ኸደት ይሓይሽ፧

እቲ ሕጂ ኣቦ ኽልተ ዓበይቲ ውሉዳት ዝዀነ ጃን ግን “ኣብ መጀመርታ ምሉእ ምትእምማን ነበረኒ። ብዙሕ ከይጸናሕኩ ግን ግብራዊ ፍልጠት ከም ዚጐድለኒ ተገንዘብኩ” ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ። ወለዲ ኻብ መጀመርታ ይኹን ወይ ኣብ ፍርቂ ምስ በጽሑ እንተ ተደናጊሮም: ውሉዳቶም ንምዕባይ ሓገዝ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ኻበይ እዮም፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይደልዩ። ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ዜተኣማምን ምዃኑ ግን የተሓሳስበካ ይኸውን። ጥንቁቕ ንኽትከውን ዚገብር ብቑዕ ምኽንያት ድማ ኣሎ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ መን ምኽሪ ይህበካ ኸም ዘሎ ብሓቂ ትፈልጥዶ፧ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ክሳዕ ክንደይ እዮም ተዓዊቶም፧ መቸም ንስድራቤትካ ዚትንክፍ ጕዳይ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ክትጥንቀቕ ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ: ሓድሓደ ግዜ ኻብቶም ክኢላታት ዚመጽእ ምኽሪ እውን እንተ ዀነ ዘይረብሕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣበይ እንተ ደለኻ ደኣ እሞ ይሓይሽ፧

እቲ መስራቲ ስድራቤት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውሉዳት ብሉጽ ምኽሪ ይህብ እዩ። (ኤፌሶን 3:15) ንሱ ጥራይ እዩ ናይ ብሓቂ ኽኢላ። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ዜተኣማምን ከምኡውን ኪዓዪ ዚኽእል ግብራዊ መምርሒ ሂቡ ኣሎ። (መዝሙር 32:8፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) ነዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ዘሎና ግን ንሕና ኢና።

ሓያሎ ሰብ ሓዳር ንውሉዳቶም ጽቡቕ ባህርያት ከም ዚህልዎምን ንኣምላኽ ዚፈርሁ ኸም ዚዀኑን ገይሮም ኣብ ምዕባይ እተማህርዎ ነገራት ንኼዘንትዉ ተሓቲቶም ነበሩ። ከምቲ ዝበልዎ: ዕውታት ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብቐዳምነት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም እዩ። ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኺጸሓፍ ከሎ ዜተኣማምን ዝነበረ: ሕጂውን እንተ ዀነ ዜተኣማምን ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም።

ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ

እታ ኽልተ ውሉዳት ዘለውዋ ካትሪን: ኣየናይ ምኽሪ ኸም ዝሓገዛ ሕቶ ምስ ቀረበላ: ንዘዳግም 6:7 ጠቐሰት። እታ ጥቕሲ “ንደቅኻ [ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ] ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ትብል። ካትሪን ከም ዝበለቶ: ነዚ ምኽሪ እዚ ንምስዓብ ምስ ደቃ ግዜ ኸተሕልፍ ከም ዘለዋ ተረድአት።

‘እዚ ግን ካብ ክትገብሮ: ክትዛረቦ ይቐልል’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብ ሓያሎ ስድራቤታት ነቲ ዜድሊ ነገራት ንምምላእ ሰብኣይን ሰበይትን ኪሰርሑ ኣብ ዚግደዱሉ እዋን: ምስ ውሉዳቶም ግዜ ኼሕልፉ ዚኽእሉ ኸመይ ገይሮም እዮም፧ እቲ ሕጂ ወዱ ዓብዩ ስድራ ገይሩ ዘሎ ቶርሊፍ: እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቲ ኣብ ዘዳግም ዘሎ ምኽሪ ምስዓብ እዩ በለ። ንደቅኻ ናብ ዝኸድካዮ ዘበለ ምሳኻ ተማልኣዮም: ምሳታቶም እትዘራረበሉ ኣጋጣሚታት ድማ ባዕሉ ኺመጽእ እዩ። ቶርሊፍ: “ኣነን ወደይን ነቲ ኣብ ገዛ ዚግበር ዕዮታት ብሓደ ንዓዮ ነበርና” በለ። ቀጺሉውን ከምዚ በለ:- “ከም ስድራቤት ኴንና ናብ ዙረት ንኸይድ ነበርና። ብሓደ ኸኣ ንምገብ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ “ወድና ዅሉ ሳዕ ሓሳቡ ንኺገልጽ ናጽነት ይስምዖ ነበረ” በለ።

እቲ ሓሳብ ንሓሳብ እትለዋወጠሉ መትረብ እንተ ተበቲኹን ኢሂን ምሂን ምብህሃል እንተ ዘየልዩኸ፧ እዚ እቶም ውሉዳት ኣብ ዚጕብዙሉ እዋን የጋጥም እዩ። ኣብዚውን እንተ ዀነ ምስኦም ግዜ ምሕላፍ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። ሰብኣይ ካትሪን ዝዀነ ኬን: ጓሎም ኰተቴ ኣብ ዝዀነትሉ እዋን: እዝኒ ኸም ዘይገብረላ ብምዝራብ ዘማረረትሉ ግዜ ይዝክሮ እዩ። እዚ መረረ እዚ ዀተቴታት ዜቕርብዎ እተለምደ ነገር እዩ። እንታይ እንተ ገበረ ደኣ እሞ ይሓይሽ፧ ኬን ከምዚ በለ:- “ኣነን ንሳን ጥራይ ኴንና ብዛዕባ ሓሳባታን ስምዒታታን ዜጨንቓ ነገራትን ንምምይያጥ ምስኣ ግዜ ኸሕልፍ ወሰንኩ። እዚ ድማ ሓጊዙኒ እዩ።” (ምሳሌ 20:5) ይኹን እምበር: ከምቲ ኬን ዝበሎ እዚ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለ: ኣብ ገዛኦም ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ሓድሽ ነገር ብዘይ ምንባሩ እዩ። ቀጺሉ ኸኣ “ኣነን ጓለይን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘሎና: ስለዚ ድማ እያ ብናጽነት ከተዘራርበኒ ኽኢላ” በለ።

እቲ ዜገርም ድማ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ: ካብ ወለዲ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሑ ዀተቴታት: ወለድን ውሉዳትን ብሓንሳእ ኰይኖም ግዜ ኣየሕልፉን እዮም ብምባል ተዛረቡ። ስለዚ: ስለምንታይ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትስዕብ፧ ብእተኻእለካ መጠን ምስ ደቅኻ ግዜ ኣሕልፍ፣ እዚ ድማ ኣብ ዕረፍቲ ይኹን ኣብ ስራሕ: ኣብ ገዛ ይኹን እናተጐዓዝካ: ንጉሆ ኽትትንስእ ከለኻ ይኹን ምሸት ቅድሚ ምድቃስካ ማለት እዩ። እንተ ኽኢልካ ኸኣ ናብ ዝኸድካዮ ዘበለ ምሳኻ ውሰዶም። ከምቲ ዘዳግም 6:7 እትብሎ: ምስ ደቅኻ ግዜ ምሕላፍ መተካእታ የብሉን።

ግቡእ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ምሃሮም

እቲ ኣቦ ኽልተ ውሉዳት ዝዀነ ማሪዮ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ሂቡ: “ንደቅኻ ብዙሕ ፍቕሪ ኣርእዮም: ኣንብበሎም ድማ” ብምባል ከኣ ተዛረበ። ይኹን እምበር: እዚ ንኣእምሮኣዊ ብልሒ ጥራይ ኢልካ ኣይኰነን ኪግበር ዘለዎ። ቅኑዕን ጌጋን ብኸመይ ኪፈልዩ ኸም ዚኽእሉ ኽትምህሮም ኣሎካ። ማሪዮ ወሲኹ “ምስኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግበር” በለ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ብምባል ዚላበዎም። (ኤፌሶን 6:4) ኣብዘን ሎሚ ዘለዋ ስድራቤታት ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ጠፊኡ እዩ ዘሎ። ገሊኦም ሰባት: ቈልዑ ምስ ዓበዩ ናይ ገዛእ ርእሶም ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ንኺመርጹ ናጽነት ኪወሃቦም ኣለዎም ይብሉ። እዝስ ይወሓጠልካ ድዩ፧ ልክዕ ከምቲ ሓደ ውልዶ ኣካል ድልዱልን ጥዕና ዘለዎን ንኪኸውን ግቡእ ምግቢ ዜድልዮ: ኣእምሮን ልብን ቈልዑ እውን መምርሒ የድልዮ እዩ። ውሉድካ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ገዛ እንተ ዘይምሂርካዮ: ኣረኣእያ እቶም መማህርቱን መምህራኑን ወይ ኣረኣእያ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ ነገራት ኪሕዝ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ወለዲ ኸመይ ገይሮም ንውሉዳቶም ቅኑዕን ጌጋን ከም ዚፈልዩ ንኺምህርዎም ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ጀፍ ክልተ ውሉዳት ዘዕበየ ብሱል ክርስትያን ሽማግለ እዩ: ንወሉዳትካ ግቡእ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ንኽትምህሮም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ከም ዘሎካ ድማ ርእይቶኡ ሃበ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀም እንተ ዄንካ: ውሉዳትካ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚስምዖም ጥራይ ዘይኰነስ: ፈጣሪ እንታይ ከም ዚስምዖ ንኺርድኡ ይሕግዞም እዩ። ሓደ ዘስተብሃልናሉ ነገር ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልብን ኣእምሮን ክሳዕ ክንደይ ሓያል ጽልዋ ኸም ዘለዎ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጌጋ ኣካይዳ ወይ ኣተሓሳስባ ኸነመያይጦም እንተ ደሊና: ግዜ ወሲድና ምስኡ ዚሰማማዕ ጥቕሲ ንደሊ። ብድሕሪኡ: ብብሕቲ ጌርና እቲ ቘልዓ ነታ ጥቕሲ ኸም ዜንብባ ንገብሮ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ኣዒንቲ እቲ ቘልዓ ንብዓት ቅጽርጽር ይብል ወይ ብምዕጕርቱ ይውሕዝ። እዚ ኸኣ ዜደንጹ እዩ። ካብቲ ኻልእ ክንብሎን ክንገብሮን ዝሓሰብናዮ ነገራት ንላዕሊ: መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለጸ ጽልዋ እዩ ዘለዎ።”

እብራውያን 4:12 “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” ብምባል ትገልጽ። ስለዚ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መልእኽቲ: ናይቶም ኣምላኽ ንኺጽሕፍዎ እተጠቕመሎም ሰባት ብሕታዊ ኣረኣእያን ተመክሮን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ዜርኢ እዩ። እዚ ድማ ካብ ካልእ ምኽሪ ፍልይ ከም ዚብል ይገብሮ። ንውሉዳትካ ንምምሃር መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀም እንተ ዄንካ: ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንኺህልዎም ኢኻ ትሕግዞም ዘለኻ። እቲ እትህቦ ስልጠና ዓብዪ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ: ንልቢ ውሉድካ ንምትንካፍ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ኣሎካ።

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካትሪን በዚ ትሰማማዕ እያ። ከምዚ ድማ በለት:- “እቲ ዅነታት ኣጸጋሚ እናዀነ ብዝኸደ መጠን: ብዝያዳ ኻብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ንደሊ ነበርና፣ እዚ ኸኣ ፍረ ኣፍረየ።” ደቅኻ ኸመይ ገይሮም ቅኑዕን ጌጋን ከም ዚፈልዩ ንኽትምህሮም መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእልዶ፧

ርትዓዊ ኹን

ሃዋርያ ጳውሎስ ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ኪሕግዝ ዚኽእል ካልእ ኣገዳሲ ስርዓት ጠቒሱ ነበረ። ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ “እቲ ለውሃትኩም [“ርትዓውነትኩም:” NW] ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ብምባል ተማሕጸኖም። (ፊልጲ 4:5) ስለዚ: ውሉዳትና እውን ንርትዓውነትና ኺርእይዎ ኣለዎም ማለት እዩ። ብተወሳኺ ድማ ርትዓውነት ወይ ልእመት ነጸብራቕ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ምዃና ኣይትረስዕ።—ያእቆብ 3:17

ይኹን እምበር: ርትዓውነት ምስ ምምሃር ቈልዑ ብኸመይ እዩ ዚራኸብ፧ ዋላኳ ኽሳዕ እቲ እንኽእሎ ንሕግዞም እንተ ዀንና: ንነፍሲ ወከፍ ስጕምቶም ግን ኣይንቈጻጸሮን ኢና። ንኣብነት: እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ማሪዮ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ: ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ገለጸ:- “ኵሉ ግዜ ናብ ጥምቀት: ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት: ከምኡውን ናብ ካልእ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኺመጣጠሩ ነተባብዖም ነበርና። እዚ ግን ግዜኡ ምስ በጽሐ ዚገብርዎ ናቶም ምርጫ ምዃኑ ብግልጺ ንነግሮም ነበርና።” እቲ ውጽኢትከ እንታይ ኰነ፧ ኣብዚ እዋን እዚ ኽልቲኦም ደቆም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቈሎሴ 3:21 “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” ብምባል ንኣቦታት ኣጠንቀቖም። ካትሪን ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣዝያ እያ ተማስወላ። ትዕግስቲ ወላዲ እንተ ተጸንቂቑ: ብቐሊሉ ይሓርቕ ወይ ከኣ ብቐሊሉ ኣይዓግብን እዩ። ይኹን እምበር: ካትሪን “ውላድካ ማዕረ እቲ ንስኻ ኽትገብሮ እትኽእል ንኺገብር ኣይትጸበ” በለት። ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀነት ድማ ወሲኻ “ንየሆዋ ምግልጋል ባህ ዜብል ግበሮ” በለት።

እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ጀፍ: ነዚ ዚስዕብ ግብራዊ ርእይቶ ተዛረበ:- “ውሉዳትና እናዓበዩ ይኸዱሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ሓደ ፈታዊና ንደቁ ገለ ኺገብረሎም ኪሓትዎ ኸለዉ ብዙሕ ሳዕ ይኣብዮም ከም ዝነበረ ነገረና። እዚ ድማ የበሳጭዎምን እተጨቈኑ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ይገብሮምን ነበረ። ከምዚ ንኸይከውን ከኣ ዚሓትዎ ንኽንገብረሎም ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ንኸነናዲ መኸረና።”

ጀፍ ቀጺሉ “እዚ ምኽሪ እዚ ጽቡቕ ኰይኑ ኢና ረኺብናዮ። ደቅና ኣብቲ ንሕና ዝፈቐድናዮ ዅነታት ምስ ካልኦት ኰይኖም ሓድሓደ ነገራት ዚገብሩሉ ኣጋጣሚታት ከነናዲ ጀመርና። ስለዚ ድማ ናብኦም ቅርብ ኢልና ‘እገለ ኸምዚ ይገብር ከም ዘሎ ፈሊጥካዶ፧ ስለምንታይ ንስኻኸ ምስኡ ዘይትሓብር፧’ ንብሎም። ወይ ድማ ናብ ሓደ ቦታ ንኽንወስዶም ይሓቱና: ዋላኳ እንተ ደኸምና ንርእስና ኣገዲድና ሒዝናዮም ንኸይድ። ነዚ እንገብረሉ ምኽንያት ከኣ ንኸይንኣብዮም ኢልና ኢና።” እቲ ቐንዲ መግለጺ ርትዓውነት: ማለት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኸየእተኻ ፍትሓዊ: ሓላዪ: ከምኡውን ተዓጻጻፊ ምዃን እዩ።

ካብቲ ዜተኣማምን ምኽሪ ተጠቐም

እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መብዛሕትኦም ሰብ ሓዳርን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን እዮም። እቲ ንሳቶም እተጠቕምሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ: ንውሉዳቶም እውን ከም ዝሓገዞም ኪርእዩ ኸለዉ የሐጕሶም እዩ። ካብ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም ትኽእልዶ፧

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሩት ወላዲት ምስ ኰነት: ንሳን ሰብኣያን ዚስዕብዎ መምርሒ ዘይብሎም ኰይኑ ተሰምዖም። ከምኡ ግን ኣይኰነን ነይሩ። ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብሉጽ ምኽሪ ነበሮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንወለዲ ኺድግፍ ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ብሉጽ ጽሑፋት ብብዝሒ ሓቲሞም ኣለዉ። ገለ ኻብዚ ድማ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር: መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን: ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስቱ መጻሕፍቲ እዩ። እቲ ሰብኣይ ሩት ዝዀነ ቶርሊፍ ከምዚ በለ:- “ኣብዚ እዋን እዚ ብቝጽሪ ብዙሕ ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኣብ ኣእዳው ወለዲ ኣሎ። ነዚ እንተ ተጠቒሞምሉ: እቲ ውሉድ እናዓበየ ኣብ ዚኸደሉ እዋን ብዝዀነ ይኹን መዳይ ህይወቱ ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም።”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ክኢላታት ዚብልዎ . . . መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ

ፍቕሪ ብዛዕባ ምግላጽ:-

ዶ/ር ጆን ብሮዱስ ዋትሰን ኣብታ ዘ ሳይኮሎጂካል ኬር ኦቭ ኢንፋንት ኤንድ ቻይልድ (1928) ዘርእስታ መጽሓፉ: ንውሉዳትኩም “ፈጺምኩም ኣይትሕቈፍዎም: ኣይትስዓምዎም” ብምባል ንወለዲ መኸሮም። ቀጺሉ እውን “ፈጺምኩም ኣብ ሕቝፍኹም ኣይተንብርዎም” በለ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ግን ዶ/ር ቬራ ሌን ከምኡውን ዶረቲ ሞሊኖ ኣብታ ኣወር ችልድረን (መጋቢት 1999) ዘርእስታ መጽሔት ከምዚ በላ:- “እተገብረ ምርምር ከም ዚሕብሮ ኣካላዊ ምትንኻፍን ፍቕርን ዘይረኽቡ ንኣሽቱ ቘልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ኣይዕምብቡን እዮም።”

ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ግን ኢሳይያስ 66:12 ንኣምላኽ ከምቲ ወላዲ ንውላዱ ዜርእዮ ፍቕሪ ገይሩ ንህዝቡ ፍቕሪ ኸም ዘርኣዮም ትገልጽ። ብተመሳሳሊ እውን ደቀ መዛሙርቲ ንኣሽቱ ቘልዑ ናብ የሱስ ንኸየምጽኡ ነቶም ሰባት ኪኽልክልዎም ከለዉ: የሱስ “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ” ብምባል ኣረሞም። ቀጺሉ ድማ “ሐቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።”—ማርቆስ 10:14, 16

ግቡእ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ብዛዕባ ምምሃር:-

ኣብቲ ብ1969 ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ ማጋዚን ዝወጸ ዓንቀጽ: ዶ/ር ብሩኖ ቤተልሄም: ሓደ ቘልዓ “ብናይ [ወለዱ] ወግዓዊ ስብከት ዘይኰነስ: ነቲ ኣብ ህይወቱ ዜጋጥሞ ተመክሮ ተጠቒሙ ባዕሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ኣረኣእያ ናይ ምቛም መሰሉ” ኣጕልሐ። ዳርጋ 30 ዚኸውን ዓመታት ጸኒሑ ግን ጸሓፊ እታ ዘ ሞራል ኢንተለጀንስ ኦቭ ችልድረን (1997) ዘርእስታ መጽሓፍ ዝዀነ ዶ/ር ሮበርት ኮልስ ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “ውሉዳት ኣብ ህይወቶም ዕላማን መምርሕን ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓት የድልዮም እዩ:” እዚ ድማ ብወለዶምን ብኻልኦት ዓበይቲ ሰባትን እተደገፈ ኪኸውን ኣለዎ።

ምሳሌ 22:6 ንወለዲ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ብምባል ትላበዎም። እታ ኣብዚ “ኣላምዶ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል: “ኣጀምሮ” እውን ማለት እያ፣ እዚ ድማ ነቲ ቘልዓ ናይ መጀመርታ መምርሒ ኽትህቦ ጀምር ማለት እዩ። ስለዚ: ወለዲ ንውሉዳቶም ገና ኻብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ግቡእ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንኺምህርዎም ተተባቢዖም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) ኣብዚ እዋን እዚ ዚመሃርዎ ትምህርቲ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ምስኦም ዚተርፍ ነገር እዩ።

መቕጻዕቲ ብዛዕባ ምሃብ:-

ዶ/ር ጄምስ ዶብሰን ኣብታ ዘ ስትሮንግ-ዊልድ ቻይልድ (1978) ዘርእስታ መጽሓፍ: “ብሓደ ፈቃር ወላዲ ዚግበር ኣካላዊ መቕጻዕቲ: ጐዳኢ ባህርያት ዚኽልክል መሃሪ መሳርሒ እዩ” በለ። ብኣንጻሩ ግን ካብታ በይቢ ኤንድ ቻይልድ ኬር (1998) ዘርእስታ ውርይቲ መጽሓፍ ካብ ሻውዓይ ሕታም ኣብ እተወስደ ዓንቀጽ: ዶ/ር ቤንጃሚን ስፖክ ከምዚ በለ:- “መግረፍቲ: ቈልዑ እቲ ዝዓበየን ዝሓየለን ሰብ ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ዝደለዮ ነገር ኬግብር ከም ዚኽእል እዩ ዚምህሮም።”

መጽሓፍ ቅዱስ ንመቕጻዕቲ ብዚምልከት: “ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ” ይብል። (ምሳሌ 29:15) ይኹን እምበር: ኵሉ ውሉድ ኣይኰነን መቕጻዕቲ ዜድልዮ። ምሳሌ 17:10 “ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ: ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይአትዎ” ትብል።

[ስእሊ]

ልቢ ንምትንካፍ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጥበበኛታት ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ይዘናግዑ