ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቲ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ባህጊ ኣብዚሑ ባረኾ

የሆዋ ነቲ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ባህጊ ኣብዚሑ ባረኾ

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ነቲ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ባህጊ ኣብዚሑ ባረኾ

ሺላ ዊንፊልድ ዳ ኮንሴሳኦ ዘዘንተወቶ

ሓደ እዋን: ሓንቲ ኻብ ኣፍሪቃ ኽትበጸሕ ዝመጸት ሚስዮናዊት ኣብቲ ንሳ እተመደበትሉ ቦታ: ኵሎም ሰባት ናብ ገዛኦም ንኽትኣቱ ኸም ዚዕድምዋ ኸምኡውን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጽን ኢሎም ከም ዚሰምዕዋ ነገረትና። ኣነ ድማ ‘ኣብ ከምዚ ዓይነት ክሊ እንተ ዝዓዪ ጽቡቕ ነይሩ’ ኢለ ሓሰብኩ። እዚ ጓል 13 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እተገብረ ምይይጥ: ሚስዮናዊት ናይ ምዃን ባህጊ ኣሕደረለይ።

ይኹን እምበር: ስድራቤትና ኣቐዲማ እያ ብዛዕባ የሆዋ ፈሊጣ። ብ1939 ሓደ ንግሆ: ክልተ ብግቡእ እተኸድኑ መንእሰያት ኣብቲ ኻብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ ቍሩብ ውጽእ ኢልካ ኣብ ሀመል ሀምፕስቲድ ዚርከብ ገዛና ዃሕኳሕ ኣበሉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ስለ እተወለድኩ: ኪመጹና ኸለዉ ኣይዝክሮን እየ። ኣደይ ምእንቲ ኪኸዱላ ኢላ: ምናልባት ኣቦይ ተገዳስነት ኪህልዎ ኸም ዚኽእልን ቅድሚ ሰዓት 9:00 ምሸት ከም ዘይመጽእን ነገረቶም። ኣብታ ምሸት እቲኣ ምስ ተመልሱ ግን ኣዝዩ ደንጸዋ! እቲ ሄንሪ ዊንፊልድ ዝስሙ ኣቦይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፖለቲካን ካብ ሃገራዊ ጕዳያትን ዘለዎም መትከል ምስ ኣረጋገጸ: ናብ ገዛ ኺኣትዉ ዓደሞም፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ከኣ ተሰማምዐ። ቅልጡፍ ዕቤት ብምግባር ድማ ናብ ጥምቀት በጽሐ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት እታ ካትሊን ዝስማ ኣደይ እውን መጽናዕቲ ጀመረት። ንሳ ኸኣ ብ1946 ተጠምቀት።

ብ1948 ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣዘውቲረ ኽካፈል ጀመርኩ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፎ ሰዓታት ብትኽክል ጸብጻብ ንምሃብ: ሰዓት ተድልየኒ እያ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ነቶም ቈልዑት ዘበልና እዱባት እንተ ዄንና: ወትሩ ቐዳም ሽዱሽተ ሳንቲም ይወሃበና ነበረ። ነተን ዝወሃባኒ ዝነበራ ሽዱሽተ ሳንቲም እቲኣተን ንኽልተ ዓመት ኣዋህሊለ: ሓንቲ ኣብቲ እዋን እቲ ሕስርቲ ዝነበረት ሰዓት ገዛእኩ። ይኹን እምበር: ካብቶም ክልተ ኣሕዋተይ እቲ ዝነኣሰ ዝነበረ ረይ: ኵሉ ግዜ ንኣቦይ ኣብ ክንዲ ሽዱሽተ ሳንቲም ክልተ ነናይ ሰለስተ ሳንቲም ንኺህቦ ይሓቶ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሸርፊ ንኺወሃቦ ብተደጋጋሚ ብምሕታቱ ኣቦይ ሓረቐ። ረይ ድማ ኪበኪ ጀመረ: ነተን ሰናቲም እቲኣተን ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ የሆዋን ዘሎ ምስጢር ከም ዝደልየን ከኣ ነገሮ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምዚ በሎ:- “እታ ሓንቲ ሰለስተ ሳንቲም ኣብ ሳጹን ውጽኢት ከእትዋ እየ: እታ ሓንቲ ድማ ንዓይ እያ።” ኣደይ ነዚ ምስ ሰምዐት ብሓጐስ ነብዐት: ኣቦይ ከኣ ከምቲ ረይ ዚደልዮ: ኣሽሪፉ ኺህቦ ጀመረ፣ ኣነ ድማ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብ ናይ ምሕጋዝ ኣገዳስነት ተመሃርኩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ኣቦይ ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ንኽንግዕዝ መሰናድዎ ገበረ። ብ1949 ንሕርሻኡ ኸምኡውን ነቲ ናይ ሑጻን ጸጸርን ንግዱ ሸይጡ ፈላሚ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣነ ድማ ብ24 መስከረም 1950 ርእሰይ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኹ ንኸርኢ ተጠመቕኩ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚረ ድማ ኣብ ግዜ ኽረምቲ ናይ ዕረፍቲ (በዚ ናይ ሕጂ ሓጋዚት ) ፈላሚት ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ወወርሒ 100 ሰዓት አሕልፍ ነበርኩ። እዚ ግን መጀመርታ ጥራይ እዩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ብዝያዳ ንምስፋሕ ሓያል ልባዊ ባህጊ ሓደረኒ።

ሚስዮናዊት ንምዃን ዝነበረኒ ባህጊ

ብ1951 ኣቦይ ናብታ ኣብ ሰሜን ደቮን እትርከብ ቢደፎርድ ተመደበ። ኣብኡ ምስ በጻሕና ድሕሪ ሓጺር እዋን: ከምቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኣብ ኣፍሪቃ እተገልግል ሚስዮናዊት ንጉባኤና በጽሓታ። ድሕሪኡ: ሚስዮናዊት ንምዃን ዝነበረኒ ባህጊ ንዅሉ ውሳነታተይ ይጸልዎ ነበረ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ መምህራነይ ነቲ ዘሎኒ ሸቶ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ምእንቲ ኽጽመድ ኢሎም ተስፋ ንኬቝርጹኒ ዝከኣሎም ገበሩ። ይኹን እምበር: ኣብታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፍክዋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ: ከመስግኖምን ደሓን ኩኑ ኽብሎምን ናብቲ መምህራን ዚርከቡሉ ኽፍሊ ምስ ከድኩ ሓደ ኻብኣቶም: “እንቋዕ ደስ በለኪ! ኣብ ህይወታ ኽትገብሮ እትደልዮ ነገራት እተፈልጥ ተመሃሪት ንስኺ ጥራይ ኢኺ። ሸቶኺ ኸም እትወቕዒ ድማ ተስፋ ንገብር” በለኒ።

ብዙሕ ከይጸናሕኩ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ረኸብኩ: ብ1 ታሕሳስ 1955 ድማ ስርዕቲ ፈላሚት ኰንኩ። ኣደይን ኣሕዋተይን እውን ፈለምቲ ዀኑ። ስለዚ: ንብዙሕ ዓመታት ኵላ እታ ስድራቤት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እያ ነይራ።

ናብ ኣየርላንድ

ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ኣየርላንድ ንኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። እዚ ድማ ናብቲ ዝነበረኒ ናይ ሚስዮናውነት ሸቶ ዜብጽሕ ሓደ ስጕሚ እዩ ነይሩ። ኣብ ለካቲት 1957 ምስተን ጁን ናፔርን በርል ባርከርን ዚበሃላ ኽልተ ፈለምቲ ብሓባር ኣብታ ኣብ ደቡባዊት ኣየርላንድ እትርከብ ኮርክ በጻሕና።

ኣብ ኣየርላንድ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ትጻረረና ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ናብ ኣፓርታማታት ዘለዎ ህንጻ ወይ ብጕጅለ ዚስራሕ ኣባይቲ ቕድሚ ምእታውና: ንመህደሚ ዚኸውን መውጽኢ እንተ ኣልይዎ ነረጋግጽ ነበርና። ዋላኳ ነተን ብሽክለታታትና ኣርሕቕ ኣቢልና ደው እንተ ኣበልናየን: ብዙሕ ግዜ ግን ሰባት ረኺቦም ነቲ ጐማአን ይቐድዎ ወይ የንፍስዎ ነበሩ።

ሓደ እዋን ኣነን በርልን ነቶም ኣብቲ ብጕጅለ እተሰርሐ ኣባይቲ ዚነብሩ ሰባት ክንበጽሖም ከድና: ቈልዑ ድማ ዓው ኢሎም ኪጸርፉናን እምኒ ኺድርብዩልናን ጀመሩ። ስለዚ: ናብ ሓደ ጸባ ዚሽየጠሉ ድኳን ኣተና። ኣብ ደገ ድማ ጭፍራ ህዝቢ ኺእከብ ጀመረ። በርል ጸባ ትፈቱ ስለ ዝነበረት: እቶም ጭፍራ ንኺበታተኑ ተስፋ ብምግባር ክልተ ወይ ሰለስተ ቢኬሪ ጸባ ቐስ እናበለት ሰተየት። ፈጺሞም ግን ኣይተበታተኑን። ብድሕሪኡ: ሓደ መንእሰይ ቀሺ ናብቲ ድኳን መጸ። በጻሕቲ ስለ ዝመሰልናዮ ድማ ነቲ ኸባቢ ኼርእየና ደለየ። ቅድሚኡ ግን ናብ ሓደ ኽፍሊ ወሰደና: ኣብኡ ድማ ንሓደ ብዕድመ ደፊኡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ሰብኣይ ጸሎት ክሳዕ ዜቕርበሉ ስቕ ኢልና ኾፍ በልና። ብድሕሪኡ ምስቲ ቐሺ ዄንና ኻብቲ ገዛ ወጻእና። እቶም ጭፍራ ምስኡ ኽንዘራረብ ከለና ምስ ረኣዩና ድማ ተበታተኑ።

ናብ ጊልዓድ

ብ1958 “መለኮታዊ ፍቓድ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣብ ኒው ዮርክ ኪግበር ምዃኑ ሰማዕና። ኣቦይ ኪኸይድ ተዳለወ: ኣነውን ክኸይድ ደለኹ: ገንዘብ ግን ኣይነበረንን። ብድሕሪኡ: እኖሓጎይ 100 ፓውንድ (280 ዶላር ኣመሪካ) ገዲፋትለይ ብሃንደበት ሞተት። ናብቲ ኣኼባ በጺሕካ መምለሲ 96 ፓውንድ ስለ ዝነበረ: ቀልጢፈ ትኬት ነፋሪት ዓደግኩ።

ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ተወካሊ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር በጽሓና: ንዅሎም እቶም ናብቲ ኣኼባ ዚኸዱ ፍሉያት ፈለምቲ ድማ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ንስልጠና ሚስዮናውነት ንኼመልክቱ ጻውዒት ኣቕረበ። ከምዚ ምስ በለ ኣዝዩ ደንጸወኒ! ነቲ መመልከቲ ድማ ንዅሎም ሃቦም: ንዓይ ግን ኣይሃበንን። ብዕድመ ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ኣነ ግን ካብ ስድራቤተይ ተፈልየ ኸም ዘገልግልን ምስ ሚስዮናውነት ዚመሳሰል ኣገልግሎት ከም ዝፍጽምን ብምንጋር ንዓይ እውን ፎርም ንኺህበኒ ሓተትክዎ። ቘራጽነተይ ርእዩ ድማ ነቲ ፎርም ሃበኒ። ተቐባልነት ንኽረክብ ኣበርቲዐ ጸለኹ! እቲ መልሲ ድማ ብቕልጡፍ መጸ: ኣብ ጊልዓድ ንኽካፈል ከኣ ተጸዋዕኩ።

ኣብ መበል 33 ክፍሊ ጊልዓድ ምስቶም ካብ 14 ሃገራት ዝመጹ 81 ፈለምቲ ብምዃነይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። እተን ኮርስ ዝወሰድናለን ሓሙሽተ ኣዋርሕ በሪረን ሓለፋ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ሓው ናታን ኤች. ኖር ኣርባዕተ ሰዓት ዝወሰደ ዜነቓቕሕ መደረ ኣቕረበልና። ነቶም ንጽል ኰይኖም ኪቕጽሉ ዚኽእሉ ኸምኡ ኢሎም ንኪቕጽሉ ኣተባብዖም። (1 ቈረንቶስ 7:37, 38 ትርጕም 1990) ነቶም ሓደ መዓልቲ ኽንምርዖ እንደሊ ሰባት ግን: እቲ ናይ ሓዳር ብጻይና ኼማልኦ እንደልዮ ናይ ብሕትና ዝርዝር ብቕዓታት ንኺህልወና ነገረና። ስለዚ: እንምርዓዎ ሰብ እንተ ረኺብና ብመሰረት: እቲ ዘውጻእናዮ ብቕዓታት ጌርና ኽንምርምሮ ንኽእል ኢና።

እቲ ኣነ ዝመርጾ ሰብኣይ ኬማልኦ ኣለዎ ኢለ ዘውጻእክዎ ብቕዓት ከምዚ ዚስዕብ ነበረ:- ከማይ ሚስዮናውን ንየሆዋ ዚፈቱን: ካብቲ ኣነ ዘሎኒ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ፍልጠት ዘለዎ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንቅጽል ውሉዳት ዘይደሊ: እንግሊዝኛ ጽቡቕ ገይሩ ዚዛረብ: ከምኡውን ካባይ ብዕድመ ዚዓቢ። ገና ጓል 20 ዓመት ከለኹ ኣብ ርሑቕ ክምደብ ስለ ዝነበረኒ: እዚ ዝርዝር እዚ ንዓይ ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ።

ናብ ብራዚል

ሰንበት 2 ነሓሰ 1959 ተመረቕና: እተመደብናሉ ቦታ ድማ ተነግረና። ኣነ: ቪኑሽ ያዘድጂን: ሳራ ግረኮ: ረይ ሃትፊልድን ኢንገር ሃትፊልድን: ሶንያ ስፕሪንጌት: ዶሪን ሃይንዝ ናብ ብራዚል ተመደብና። ኣዚና ተሓጕስና ኢና ኔርና። ዱርን ኣትማንን ተኽሊ ጐማን ህንዳውያን ደቀባትን እየ ኣብ ኣእምሮይ ስኢለ ነይረ። ይኹን እምበር: ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኻልእ እዩ ተጸብዩኒ! ከምቲ ዝሓሰብናዮ ናብ ጫካ ኣማዞን ዘይኰነስ: ናብታ ጸሓይ ዘይፍለያን ዘመናዊትን ኣብቲ እዋን እቲ ርእሲ ኸተማ ዝነበረት ሪዮ ዲ ጃንየሮ ኢና ኣቲና።

እቲ ብመጀመርታ ዘጋጠመና ብድሆ: ፖርቱጋልኛ ምልማድ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብተን ናይ መጀመርታ ኣዋርሕ መዓልታዊ ን11 ሰዓት ዚኸውን ንመሃር ነበርና። ንሒደት እዋን ኣብ ከተማ ሪዮ ድሕሪ ምስባኽናን ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሕሪ ምንባርናን: ኣነ ናብቲ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ኣብ እትርከብ ፒራሲካባ ዚርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ተለኣኽኩ። ብድሕሪኡ ድማ ናብቲ ኣብ ግዝኣት ሪዮ ግራንደ ዶ ሱል እትርከብ ፖርቶ ኣለግረ ዘሎ መንበሪ ሚስዮናውያን ተለኣኽኩ።

ኣብ መጀመርታ 1963 ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ክፍሊ ትርጕም ንኽዓዪ ጻውዒት ቀረበለይ። እቲ መጀመርታ ኣብ ብራዚል ምስ መጻእና ፖርቱጋልኛ ዝመሃረና ፍሎሪያኖ ኢግኔዝ ዳ ኮንሴሳኦ ነቲ ኽፍሊ ትርጕም የካይዶ ነበረ። ብ1944 ኣብ ብራዚል 300 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ ሓቂ ፈሊጡ: ኣብ መበል 22 ክፍሊ ጊልዓድ ድማ ተኻፊሉ እዩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ሓው ኮንሴሳኦ ብዛዕባ ሓደ ነገር ኬዘራርበኒ ስለ ዝደለየ: ኣብ እዋን ቀትሪ ሓንሳእ ድሕሪት ክተርፍ ነገረኒ። ፈለማ ኣዝየ ተሻቐልኩ። ገለ ዝገበርክዎ ጌጋዶ ኣሎ ዀይኑ፧ እታ እዋን ምሳሕ ከም ዝኣኸለ እትሕብር ደወል ምስ ተደወለት: ስለምንታይ ከም ዝደለየኒ ሓተትክዎ። ንሱ ድማ “ክትምርዓውኒ ፍቓደኛ ዲኺ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ከምዚ ምስ በለኒ ተዓኒደ ተረፍኩ። ንኽሓስበሉ ግዜ ኺህበኒ ነጊረዮ ድማ እናተጓየኹ ናብ ምሳሕ ከድኩ።

ፍሎሪያኖ ጥራይ ኣይኰነን ኪምርዓወኒ ኸም ዚደሊ ዝነገረኒ። ክሳዕ ሽዑ ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ እቲ ዝሰማምዓኒ ናይ ሓዳር ብጻይ ኬማልኦ ኣለዎ ዝበልክዎ ብቕዓታት ዘማልአ ኣይነበረን። እቲ ዘውጻእክዎ ዝርዝር: ግጉይ ውሳነ ንኸይገብር ሓጊዙኒ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ሕጂ ግን እቲ ዅነታት ፍሉይ ነበረ። ፍሎሪያኖ ንዅሉ እቲ ብቕዓት ዜማልእ እዩ ነይሩ! ስለዚ: ብ15 ግንቦት 1965 ተመርዓና።

ምስ ጸገም ጥዕና ምቅላስ

እተፈላለየ ጸገም ይሃሉ ብዘየገድስ: ምስ ፍሎሪያኖ ዝነበረና ሓዳር ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ሓደ ኻብዚ ጸገም እዚ ጥዕና ፍሎሪያኖ እዩ ነይሩ: እዚ ድማ ቀቅድሚ መርዓና እዩ ጀሚርዎ። ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እታ ጸጋመይቲ ሳንቡኡ ስርሓ ኣቋረጸት: እቲ ነዚ ስዒቡ ዝመጸ ሳዕቤን ድማ የሳቕዮ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ ቤትኤል ወጺእና ኣብታ ኣብ ግዝኣት ሪዮ ዲ ጃንየሮ: ኣኽራን ኣብ ዝበዝሖ ቦታ እትርከብ ከተማ ቴሬዞፖሊስ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ተመደብና። ኣብቲ ቦታ እቲ ዘሎ ዅነታት ኣየር ንጥዕናኡ ኺሰማምዖ ተስፋ ጌርና ነበርና።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ኣብ ታሕሳስ 1965 ኣደይ ብሕማም መንሽሮ ኸቢድ ሕማም ከም ዝሓመመት ሰማዕኩ። ዋላኳ ብደብዳበ ንራኸብ እንተ ዀንና: ንሸውዓተ ዓመት ግን ገጽ ንገጽ ኣይተረኣኣናን። ስለዚ: ኣደይ መጐዓዚና ኸፊላትልና ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክንርእያ ኸድና። ዋላኳ መጥባሕቲ እንተ ገበረት: እቶም ሓካይም ግን ነቲ መንሽሮ ኼልግስዎ ኣይከኣሉን። ካብ ዓራታ ኽትትንስእ ዘይትኽእልን ኣዝያ ዝሓመመትን እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽትካፈል ዝነበራ ባህጊ ግን ኣይጠፍአን። በታ ኣብ መደቀሲኣ ዝነበረት ናይ ጽሕፈት ማኪና ደብዳበታት ተጽሕፍ ነበረት። ነቶም ኪበጽሕዋ ዝመጹ ድማ ኣሕጽር ኣቢላ ትምስክረሎም ነበረት። ብ27 ሕዳር 1966 ከኣ ሞተት። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ግን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዓሰርተ ሰዓት ኣገልገለት! ኣቦይ ብ1979 ክሳዕ ዚመውት ፈላሚ ዀይኑ ብተኣማንነት ኣገልገለ።

ድሕሪ ሞት ኣደይ: ኣነን ፍሎሪያኖን ናብታ ኣብቲ ግዜ እቲ እነገልግለላ ዝነበርና ግዝኣት ሪዮ ዲ ጃንየሮ: ብራዚል ተመለስና። ኣብ መጀመርታ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዕዮ ወረዳ ንኽንዓዪ ተመደብና: ከም ብሓድሽ ፍሎሪያኖ ስለ ዝሓመመ ግን እቲ ሓጐስና ሓጺር ነበረ። ብድሕሪኡ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ናብ ቴሬዞፖሊስ ተመለስና።

ድሕሪ እቲ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ዜሳቒ ሕክምና: ብ1974 ሓካይም ነታ ጸጋመይቲ ሳንቡእ ፍሎሪያኖ ኣልገስዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ይኹን ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ ኣብ እዋን ምብጻሕ ሕሙማን ግን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሕ ይኽእል ነበረ: ሓደ ኻብቶም ሰባት እቲ ብእንግሊዝኛ መጽናዕቲ ዚመርሓሉ ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍአ ቦብ ዝስሙ ጡረታ ዝወጸ ኣመሪካዊ እዩ ነይሩ። ቦብ ንሓቂ ተቐበለ: ብድሕሪኡ ድማ ተጠመቐ። ፍሎሪያኖ ቐስ ብቐስ ስለ ዝሓሾ: ካብ ሽዑ ጀሚሩ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

የሆዋ ንኣገልግሎተይ ባረኾ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኣገልጊለ እየ: የሆዋ ድማ ንኣገልግሎተይ ባሪኽዎ እዩ። ኣብ ቴሬዞፖሊስ ልዕሊ 60 ዝዀኑ ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ንኺውፍዩ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ካብ መንጎ እዚኣቶም ዡፒራ ዝስማ ምንባብ እውን ዝመሃርክዋ ሰበይቲ ትርከቦም። ሓድሓደ ግዜ ምስቶም ሸሞንተ ዓበይቲ ደቃ እውን መጽናዕቲ እገብር ነበርኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዡፒራን ካልኦት 20 ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤታን ኣዝማዳን ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ሓደ ኻብኣቶም ሽማግለ: ካልኦት ሰለስተ ኣገልገልቲ ጉባኤ: ክልተ ድማ ፈለምቲ እዮም።

ሰባት ንሓቂ ኺፈልጡ ስለ ዚኽእሉ: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ተማሂረ እየ። ሓደ እዋን: ንሓንቲ ኣልዘሚራ ዝስማ ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናመራሕኩላ ኸለኹ: ኣንቶንዮ ዝስሙ ሰብኣያ መጺኡ ብቕልጡፍ ካብ ገዛኦም እንተ ዘይወጺአ ኽልተ ገዘፍቲ ኣኽላባት ከም ዚፍንወለይ ኣፈራርሃኒ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ሓሓሊፈ ጥራይ እየ ምስ ኣልዘሚራ ዝራኸብ ነይረ: ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ግን ንኣንቶንዮ ፍቓድ ብምሕታት መጽናዕትና ቐጸልና። ኣንቶንዮ ግን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ከዘራርቦ ኣይደልን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግን ዝናም ይወቅዕ ብምንባሩ ምሳና ንኺሰምዕ ሓተትክዎ። ይጻረረና ዝነበረሉ ምኽንያት: መሃይም ስለ ዝነበረ ምዃኑ ፈለጥኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ፍሎሪያኖን ካልኦትን ምስኡ መጽናዕቲ ገበሩ: ምንባብ ከኣ መሃርዎ። ሎሚ ኣልዘሚራን ኣንቶንዮን ተጠሚቖም እዮም። ንሱ ድማ ነቶም መንእሰያት ናብ ኣገልግሎት ብምውሳድ ነታ ጉባኤ ይሕግዝ ኣሎ።

እዚ ተመክሮታት እዚ ኣብተን ኣብ ቴሬዞፖሊስ ዝጸናሕናለን 20 ዓመታት ካብ ዝረኸብናዮ ብውሑዱ እዩ። ኣብ መጀመርታ 1988 ኣብ ከተማ ኒተሮይ ንኸነገልግል ተመደብና: ቅድሚ ናብ ሳንቶ ኣሌሾ ምቕያርና ድማ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብኡ ኣገልገልና። ብድሕሪኡ ናብታ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ግዝኣት እትርከብ ጉባኤ ዣፑኢባ ገዓዝና: ኣብኡ ኸኣ ንጉባኤ ራቤራ ናይ ምምስራት ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸብና።

ቀሊል ግን ከኣ በረኸት ዝመልኦ ህይወት

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ኣነን ፍሎሪያኖን ልዕሊ 300 ዝዀኑ ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ንኺውፍዩ ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ ገሊኦም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር: ገሊኦም ድማ ፈለምትን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንብዙሓት ሰባት ንኽንሕግዝ ስለ እተጠቕመልና ኣዝየ እየ ዘመስግኖ!—ማርቆስ 10:29, 30

ፍሎሪያኖ ምስ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ኪቃለስ ከም ዘለዎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ከምዚ ዓይነት ኵነታት እናሃለወ ኽነሱ ግን ጽኑዕን ሕጉስን እዩ: ኣብ የሆዋ ኸኣ ምትእምማን ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ “ኣብዚ እዋን እዚ ሓጐስ ዚርከብ ካብ ጸገም ናጻ ዝዀነ ህይወት ብምምራሕ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ዜጋጥመና ጸገም ንኽንዋጽኣሉ ሓገዝ የሆዋ ብምርካብ እዩ ዚመጽእ” ኢሉ ይዛረብ እዩ።—መዝሙር 34:19

ብ2003 እታ ጸጋመይቲ ዓይነይ መንሽሮ ሓዛ። መጥባሕቲ ብምግባር ድማ ብኻልእ ሰብ ዝሰርሖ ዓይኒ ተቐየረለይ: እዚ ድማ መዓልታዊ ብዙሕ ግዜ ምሕጻብ ዚሓትት እዩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ንኸገልግሎ ዜኽእለኒ ሓይሊ ይህበኒ እዩ።

ንስጋዊ ነገራት ብዚምልከት: ኣዝዩ ቐሊል ህይወት እየ ዝነብር። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብቲ እተመደብኩሉ ቦታ ባሪኹኒ ኸምኡውን ብመንፈሳዊ መዳይ ሃብታም ገይሩኒ እዩ። እታ ሚስዮናዊት ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዚግበር ዕዮ ስብከት ዝሃበቶ ሓሳብ: ነቲ ኣብ ብራዚል ዝነበረ ምድብና ብትኽክል ይገልጾ እዩ። የሆዋ ነቲ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ባህጊ ብርግጽ ኣብዚሑ ባሪኽዎ እዩ!

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብ1953 ምስ ስድራቤተይ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብ1957 ኣብ ኣየርላንድ ክሰብኽ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብ1959 ምስተን ኣብ ብራዚል ዝነበራ ሚስዮናውያን። ካብ ጸጋም ንየማን:- ኣነ: ኢንገር ሃትፊልድ: ዶሪን ሃይንዝ: ሶንያ ስፕሪንጌት

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሰብኣየይ