ዳንኤልን ናይ ኣኼባ ኣውራጃ ባጁን
ዳንኤልን ናይ ኣኼባ ኣውራጃ ባጁን
የሱስ እቶም ተመጻደቕቲ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን መራሕቲ: ንኣሽቱ ቘልዑ ንኣምላኽ ኪውድሱ ኸለዉ ርእዮም ብምሕራቖም ገንሖም። እምበኣር: “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ: ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢሉ ምሕታቱ ግቡእ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 21:15, 16
ኣብታ ኣብ ጀርመን እትርከብ ሩስያኛ እትጥቀም ጉባኤ ዚካፈል ዳንኤል ዝስሙ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ: ንኣሽቱ ቘልዑ ሕጂውን ንየሆዋ ይውድስዎ ኸም ዘለዉ ዜርኢ ሓደ መርትዖ እዩ። ምስ ኣዲኡን ሓብቱን ኰይኖም ኣብቲ ኣብ ዱስበርግ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፈለ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ኣኼባ ኺካፈሉ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ ነይሩ። ኵሉ ነገር: ማለት እቲ ሆቴል: እቶም ብዙሓት ተኣከብቲ: ንሰለስተ መዓልቲ ኾፍ ምባል: እቲ ስነ-ስርዓት ጥምቀት: እቲ ድራማ እውን ከይተረፈ ንዕኦም ሓድሽ እዩ ነይሩ። ዳንኤልከ ኸመይ ነበረ፧ እቲ ዝነበሮ ኣካይዳ ኣብነታዊ እዩ ነይሩ።
ሰኑይ ድሕሪ እቲ ኣኼባ: ዳንኤል ናብ መዋእለ ሕጻናት ኪኸይድ ኣንጊሁ ተንስአ። ኣብ ክዳኑ ግን ገና እንታይ ነበረ፧ እታ ባጅ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኸም እተኣከበ እያ እትሕብር! ኣዲኡ “እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ እዩ። ስለዚ: ሎሚ ነታ ባጅ ከተቐምጣ ትኽእል ኢኻ” በለቶ። ዳንኤል ግን “ኵሉ ሰብ ኣበይ ከም ዝነበርኩን እንታይ ከም እተመሃርኩን ኪፈልጥ እደሊ እየ” በላ። በዚ ኸምዚ ድማ ምሉእ መዓልቲ ኣብቲ መዋእለ ሕጻናት ብሓበን ነታ ባጅ ገይርዋ ወዓለ። እታ መምህሩ ብዛዕባ እታ ባጅ ምስ ሓተተቶ ኸኣ ንመደብ እቲ ኣኼባ ገለጸላ።
ዳንኤል ከምዚ ብምግባር ኣብነት እቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ንዘመናት ንየሆዋ ዝወደስዎ ኣወዳትን ኣዋልድን እዩ ስዒቡ።