ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ቅኑዕ ክንገብር ንጽዕር፧

ስለምንታይ ቅኑዕ ክንገብር ንጽዕር፧

ስለምንታይ ቅኑዕ ክንገብር ንጽዕር፧

ሓደ ግዜ ሓደ ምሁር “ፍቓድሲ አሎኒ: ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ: ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ” በለ። እዚ ሰብኣይ እዚ ነቲ ኺገብሮ ዚደልዮ ዝነበረ ሰናይ ንምግባር ኣጸጋሚ ዝዀኖ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ምኽንያት ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ: ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ።”—ሮሜ 7:18, 19, 21-23

እዘን 2,000 ዓመት ይገብር እተጻሕፋ ቓላት ሃዋርያ ጳውሎስ: ዘይፍጹማት ሰባት ቅኑዕ ዝዀነ ነገር ኪገብሩ ስለምንታይ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖም ይገልጻ። ብሕልፊ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት ኴንካ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ምስዓብ ስነ-ምግባራዊ ጽንዓት ዚሓትት እዩ። ስለዚ: ‘ቅኑዕ ክንገብር እንጽዕረሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧’ ኢልና ምሕታትና ግቡእ እዩ።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም ብስነ-ምግባር ዝመጸ ቕኑዓት ዝዀኑ ሰባት ዘለዎም ተስፋ እንታይ ከም ዚብል ርአ። ኣብ መዝሙር 37:37, 38 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ: እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ: ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም: ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ።” ምሳሌ 2:21, 22 እውን ከምዚ ትብል:- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”

ዋላኳ እዝን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታትን ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ መገዲ ንኽንስዕብ ዚድርኸና እንተ ዀነ: ነዚ እንገብረሉ ቐንዲ ምኽንያት ግን ኣይኰነናን እዩ። እቲ ምኽንያት ንዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ምስ ዚምልከት ጕዳይ እተተሓሓዘ እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚጸልወናን ትገልጽ።