ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልዋ!

ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልዋ!

ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልዋ!

“ኣቱም ፍቁራተይ: . . . ህይወት ዘለኣለም . . . እናተጸቤኹምሲ: ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”—ይሁዳ 20, 21

1, 2. ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክትሕልዋ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

 የሆዋ: ኣብቲ ሓደ ወዱ እምነት ዘርኣየ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንናይ ደቅሰብ ዓለም የፍቅራ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ! ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዄንካ: ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ንዘለኣለም ክትረክብ ትደሊ ኢኻ።

2 ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙር: ንርእስኻ ኸመይ ጌርካ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክትሕልዋ ኸም እትኽእል ገሊጹ ኣሎ። “ኣቱም ፍቁራተይ: በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም: ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ: ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ይሁዳ 20, 21) ቃል ኣምላኽ ምጽናዕካን ነቲ ብስራት ምስባኽካን ኣብታ “ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነት:” ማለት ኣብ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ርእስኻ ንኽትሃንጽ ይሕግዘካ እዩ። ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትሕልዋ: “ብመንፈስ ቅዱስ” ክትጽሊ: ማለት ኣብ ትሕቲ ጽልዋኡ ዄንካ ኽትጽሊ ኣሎካ። ብናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትባረኽ ከኣ: ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከተርኢ ኣሎካ።—1 ዮሃንስ 4:10

3. ገሊኦም ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ስለምንታይ እዮም፧

3 ገሊኦም ኣብ ሓደ እዋን እምነት ዝነበሮም ሰባት: ንርእሶም ብፍቕሪ ኣምላኽ ኣይሓለውዋን። ሓጥእ መገዲ ኺስዕቡ ስለ ዝመረጹ: ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ከተምልጥ ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ምስ እተስተንትነሉ: ካብ ሓጢኣት ንኽትርሕቕን ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትሕልዋን ኪሕግዘካ እዩ።

ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ ኣርኢ

4. ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

4 ንኣምላኽ ዘላትካ ፍቕሪ: ንዕኡ እዙዝ ብምዃን ኣርኢ። (ማቴዎስ 22:37) ሃዋርያ ዮሃንስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 5:3) ወትሩ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን: ፈተናታት ንኽትቃወምን ሕጉስ ንኽትከውንን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: . . . ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ . . . ሰብሲ ብጹእ እዩ” በለ።—መዝሙር 1:1, 2

5. ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እንታይ ንኽትገብር እያ እትድርኸካ፧

5 ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ንስሙ ዜውቅስ ከቢድ ሓጢኣት ንኸይትፍጽም ትድርኸካ እያ። ኣጉር “ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፤ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ከይብል: ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ: ድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ: ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ” ኢሉ ጸለየ። (ምሳሌ 30:1, 8, 9) ንኣምላኽ ዜውቅስ ነገር ጌርካ ‘ንስም ኣምላኽ ከይተቃልል’ ቈራጽነት ግበር። ኣብ ክንዳኡስ: ወትሩ ኽብሪ ዜምጽኣሉ ቕኑዕ ነገራት ግበር።—መዝሙር 86:12

6. ኰነ ኢልካ ሓጢኣት እንተ ጌርካ: እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል፧

6 ኣብ ሓጢኣት ንኽትጽመድ ዚመጸካ ፈተና ንምቅዋሙ ምእንቲ ኺሕግዘካ: ኣዘውቲርካ ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኻ ጸሊ። (ማቴዎስ 6:13፣ ሮሜ 12:12) ጸሎትካ ምእንቲ ኸይዕገት: ወትሩ ምኽሪ ኣምላኽ ስዓብ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ኰነ ኢልካ ሓጢኣት እንተ ጌርካ: ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዜስዕበልካ። ከመይሲ: የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንጸሎት እቶም ዓለወኛታት ናብኡ ምእንቲ ኸይሓልፍ ብደበና ይጕልበብ እዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:42-44) ስለዚ: ትሕትና ኣርኢ: ንኣምላኽ ብጸሎት ካብ ምቕራብ ኪኽልክለካ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከይትገብር ድማ ጸሊ።—2 ቈረንቶስ 13:7

ንወዲ ኣምላኽ ፍቕሪ ኣርኢ

7, 8. ኣብ ምኽሪ ክርስቶስ ምቕላብ: ንሓጥእ መገዲ ንኽትነጽጎ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7 ንትእዛዛት የሱስ ክርስቶስ ብምሕላው: ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኣርኢ። እዚ እውን ንሓጥእ መገድታት ንኽትነጽጎ ኺሕግዘካ እዩ። የሱስ “ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ: ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ: ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 15:10) ኣወዓዕላ እዘን ቃላት የሱስ እዚኣተን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዕ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

8 ንቓላት የሱስ ምቕላብ: ስነ-ምግባራዊ ንጽህናኻ ንኽትሕሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንእስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሕጊ “ኣይትዘሙ” ዚብል ነበረ። (ዘጸኣት 20:14) የሱስ ግን “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” ብምባል ብድሕሪ እቲ ትእዛዝ ዝነበረ መሰረታዊ ስርዓት ገለጸሎም። (ማቴዎስ 5:27, 28) ሃዋርያ ጴጥሮስ: ገሊኦም ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ዚርከቡ ሰባት ‘ዝሙት ዝመልኣ ኣዒንትን ዚሕበላ ዘይጸንዓ ነፍሳትን’ ዘለዎም ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 2:14) ንስኻ ግን ከምኦም ኣብ ክንዲ እትኸውን: ንኣምላኽን ንክርስቶስን እተፍቅሮምን እትእዘዞምን እንተ ዄንካ: ምሳታቶም ዘሎካ ርክብ ድማ ክትዕቅቦ እንተ ደሊኻ: ካብ ጾታዊ ሓጢኣት ክትርሕቕ ትኽእል ኢኻ።

መንፈስ የሆዋ ይምራሕካ

9. ሓደ ሰብ ብሓጢኣቱ እንተ ጸኒዑ: መንፈስ ቅዱስ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

9 ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበካ ጸሊ: ንሱ ንኺመርሓካ ድማ ፍቐደሉ። (ሉቃስ 11:13፣ ገላትያ 5:19-25) ኣብ ሓጢኣትካ እንተ ጸኒዕካ: ኣምላኽ መንፈሱ ኻባኻ ኼርሕቖ ይኽእል እዩ። ዳዊት ምስ ባትሴባ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ: ንኣምላኽ “ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ: ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ” ኢሉ ለሚንዎ እዩ። (መዝሙር 51:11) ንጉስ ሳኦል ሓጢኣት ገይሩ ዘይንሳሕ ብምንባሩ: መንፈስ ኣምላኽ ሰኣነ። ባዕሉ ዚሓርር መስዋእቲ ብምቕራቡ: ከምኡውን ንመጓሰን ማልን ንጉስን ኣማሌቅ ብምንሓፉ ሓጥአ። ስለዚ: የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ኻብኡ ኣልገሶ።—1 ሳሙኤል 13:1-14፣ 15:1-35፣ 16:14-23

10. ብሓጢኣት ምምልላስ ዚብልዎ ሓሳብ ክትነጽጎ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

10 ብሓጢኣት ምምልላስ ዚብልዎ ሓሳብ እውን ንጸጎ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና: ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና: . . . ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” በለ። (እብራውያን 10:26-31) ፈቲና ብሓጢኣት ንመላለስ እንተ ዄንና: ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!

ንኻልኦት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣርኢ

11, 12. ፍቕርን ኣኽብሮትን ንሓደ ሰብ ኣብ ጾታዊ ብዕልግና ንኸይጽመድ ዚዓግቶ ብኸመይ እዩ፧

11 ንብጾትካ ዘላትካ ፍቕሪ: ኣብ ጾታዊ ብዕልግና ንኸይትጽመድ ክትዓግተካ ትኽእል እያ። (ማቴዎስ 22:39) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ: ንልብኻ ንኽትሕልዎ ትድርኸካ እያ። ልብኻ ምሕላውካ ኸኣ ፍትወት ካልኦት ሰብ ሓዳር ንኸይትሰርቕ ይሕግዘካ። ከመይሲ: እዚ ናብ ዝሙት እዩ ዚመርሕ። (ምሳሌ 4:23፣ ኤርምያስ 4:14፣ 17:9, 10) ከምቲ ኻብ ብዓልቲ ቤቱ ወጻኢ ናብ ዝዀነት ትኹን ሰበይቲ ግልጽ ኪብል ዘይፈቐደ እዮብ ኩን።—እዮብ 31:1

12 ንቕድስና መውስቦ ዘሎካ ኣኽብሮት: ካብ ከቢድ ሓጢኣት ንኽትርሕቕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ነቲ ኽቡር መውስቦን ጾታዊ ርክባትን ህይወት ዚባዝሓሉ መገዲ ኪኸውን ብዚብል ዕላማ እዩ ኣዳልይዎ። (ዘፍጥረት 1:26-28) ጾታዊ ኣካላት ምስቲ ቕዱስ ዝዀነ ህይወት እተተሓሓዘ ምዃኑ ዘክር። ኣመንዝራታትን ዘመውትን: ትእዛዝ ኣምላኽ ኣይሕልዉን: ንጾታዊ ተግባራት የሕስሩ: ንቕድስና መውስቦ ኣኽብሮት ይጐድሎም: ከምኡውን ኣብ ገዛእ ስጋኦም ሓጢኣት ይገብሩ። (1 ቈረንቶስ 6:18) እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ንኣምላኽን ንብጻዩን ዘላቶ ፍቕሪ ምስ ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት ተደሚራ: ኣብቲ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኼወግዶ ዚኽእል ተግባራት ንኸይጽመድ ትሕግዞ እያ።

13. ብዕሉግ ሰብ ብኸመይ እዩ ‘ኽቡር ነገራት ዜጥፍእ፧’

13 ንእነፍቅሮም ሰባት ምእንቲ ኸይነጕህዮም: ሓጢኣት ዝመልኦ ሓሳባት ክንጭፍልቖ ኣሎና። ምሳሌ 29:3 “ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ [“ክቡር ነገራት የጥፍእ:” NW]” ትብል። ዘይንሳሕ ዘማዊ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብን ምስ ስድራቤቱ ዝነበሮ ማእሰርን የጥፍእ። ሰበይቱ ንኽትፈትሖ ምኽንያት ኣለዋ። (ማቴዎስ 19:9) እቲ ኣባሲ: ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ብዘየገድስ: ምፍራስ ሓዳር ነቲ ንጹህ መጻምድትን ንውሉዳትን ንኻልኦትን ብዙሕ ስቓይ እዩ ዜምጽኣሎም። ብዕሉግ ተግባር ዜምጽኦ ጕድኣት ምፍላጥና: ኣብኡ ንኽንጽመድ ንዚቐርበልና ፈተናታት ንኽንቃወሞ ኺድርኸና ዘለዎዶ ኣይመስለካን፧

14. ካብ ምሳሌ 6:30-35 ብዛዕባ ኣበሳ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንመሃር፧

14 ዝሙት ካሕሳ ዘይብሉ ምዃኑ: ካብዚ ኣመና ስስዐ ዝመልኦ ተግባር ንኽትርሕቕ ኪድርኸካ ይግባእ። ምሳሌ 6:30-35 ሰባት ንሰራቒ ኺድንግጹሉ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ: ንዘማዊ ግን ሕማቕ ድራኸ ስለ ዘለዎ ኸም ዚንዕቅዎ ትገልጽ። “ንነፍሱ [ወይ ንህይወቱ] ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር።” ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: ብሞት ምተቐጽዐ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 20:10) ሓደ ዝሙት ዚፍጽም ሰብ ጾታዊ ህርፋኑ ንምርዋይ ኢሉ ንኻልኦት ስቓይ የምጽኣሎም እዩ፣ ዘይንሳሕ ዘማዊ ኸኣ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይጸንዕን እዩ: የግዳስ ካብታ ንጽህቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዩ ዚውገድ።

ንጹህ ሕልና ሓዝ

15. “ከም ብመዓለም እተዐለመ” ሕልና ኸመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ዘለዎ፧

15 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ: ንሕልናና ድንዙዝ ኪኸውን ክንሓድጎ የብልናን። ነቲ ሕሱር ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ዓለም ክንቅበል ከም ዘይብልና: ከምኡውን ኣዕሩኽ: እነንብቦ ጽሑፋት: መዘናግዒታት ክንመርጽ ከለና ኽንጥንቀቕ ከም ዚግብኣና ፍሉጥ እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ: እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ: ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት [ኪመጹ እዮም]።” (1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2) “ከም ብመዓለም እተዐለመ” ሕልና: ከም ዝሓረረ ስጋ ስለ ዝዀነ: ዋላ ሓንቲ ስምዒት የብሉን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልና ኻብ ከሓድትን ካብቲ ኻብ እምነትና ኸም እንወድቕ ኪገብረና ዚኽእል ኵነታትን ንኽንርሕቕ ኣየጠንቅቐናን እዩ።

16. ንጹህ ሕልና ኺህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ድሕነትና ንጹህ ሕልና ኣብ ምሓዝ እዩ ዚምርኰስ። (1 ጴጥሮስ 3:21) ‘ነቲ ህያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል:’ በታ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ዘላትና እምነት ኣቢሉ ሕልናና ኻብ ምዉት ግብሪ ነጺሁ እዩ። (እብራውያን 9:13, 14) ፈቲና እንተ ሓጢእና: ሕልናና ይረክስ: ንኣገልግሎት ኣምላኽ እንበቅዕ ንጹሃት ሰባት ድማ ኣይንኸውንን። (ቲቶስ 1:15) ብሓገዝ የሆዋ ግን: ንጹህ ሕልና ኺህልወና ይኽእል እዩ።

ካብ ኣበሳ እትርሕቀሉ ኻልእ መገድታት

17. ‘ፈጺምካ ንየሆዋ ምስዓብ’ እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

17 ከምቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ካሌብ ዝገበሮ: ‘ፈጺምካ ንየሆዋ ስዓቦ።’ (ዘዳግም 1:34-36) ኣምላኽ ክትገብሮ ዚደልየካ ግበር: ካብ “መኣዲ ኣጋንንቲ” ኽትካፈል ኢልካ እውን ከቶ ኣይትሕሰብ። (1 ቈረንቶስ 10:21) ንኽሕደት ንጸጎ። ካብቲ ኣብ መኣዲ የሆዋ ጥራይ ዚርከብ መንፈሳዊ ምግቢ ብሞሳ ተኻፈል: ብመምህራን ሓሶት ወይ ብእኩያት መናፍስቲ ድማ ኣይክትስሕትን ኢኻ። (ኤፌሶን 6:12፣ ይሁዳ 3, 4) ኣብ ከም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣኼባ: ከምኡውን ኣገልግሎት ወፍሪ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵር። ፈጺምካ ንየሆዋ እንተ ስዒብካዮን ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዝ እንተ ዄንካን: ሓጐስ ከም እትረክብ እተረጋገጸ እዩ።—1 ቈረንቶስ 15:58

18. ፍርሃት የሆዋ ንኣካይዳኻ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

18 ‘ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቕዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን ንኸተገልግል’ ቈራጽነት ግበር። (እብራውያን 12:28) ኣኽብሮታዊ ፍርሃት የሆዋ: ንዝዀነ ይኹን ፋሉል መገዲ ንኽትነጽጎ ይድርኸካ እዩ። ምስቲ ጴጥሮስ ንቕቡኣት ዝዀኑ ብጾቱ ዝሃቦም ምኽሪ ተሰማሚዕካ ንኽትመላለስ ይሕግዘካ እዩ። እቲ ምኽሪ ኸምዚ ይብል:- “ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ኸከም ግብሩ ዚፈርድ: ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ: ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።”—1 ጴጥሮስ 1:17

19. ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እትመሃሮ ነገር: ወርትግ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

19 ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እትመሃሮ ነገር: ወርትግ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ከምዚ ምስ እትገብር: ከምቶም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ” ስለ እትኸውን: ካብ ከቢድ ሓጢኣት ንኽትርሕቕ ኪሕግዘካ እዩ። (እብራውያን 5:14) ኣብ ዘረባኻን ኣካይዳኻን ግዲ ዘይብልካ ኣብ ክንዲ እትኸውን: ኣብዚ ኽፉእ ቅንያት ‘ግዜ ዓዲግካ’ ኸም ለባም ምእንቲ ኽትመላለስ ንቑሕ ኩን። ‘ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕል:’ ግበሮ ድማ።—ኤፌሶን 5:15-17፣ 2 ጴጥሮስ 3:17

20. ናይ ካልእ ዘበለ ኽንትምነ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

20 ንትምኒት ቦታ ኣይትሃቦ: ማለት ንናይ ካልእ ሰብ ዘበለ ብስስዐ ኣይትብሃግ። ሓንቲ ኻብተን ዓሰርተ ትእዛዛት: “ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ: ግዙኡ: ግዝእቱ: ብዕራዩ: ኣድጉ: ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ” እትብል ነበረት። (ዘጸኣት 20:17) እዚ ሕጊ እዚ ንናይ ካልእ ሰብ ቤት: ሰበይቲ: ግዙኣት: እንስሳታት: ከምኡውን ካልእ ነገራት ዜዕቍብ ነበረ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግን: የሱስ ከም ዝገለጾ ትምኒት ወይ ስስዐ ንሰብ ዜርክሶ ምዃኑ እዩ።—ማርቆስ 7:20-23

21, 22. ሓደ ክርስትያን ንኸይሓጥእ እንታይ ጥንቃቐታት እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

21 ባህጊ ወይ ትምኒት ናብ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይመርሓካ ጥንቃቐ ግበር። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ።” (ያእቆብ 1:14, 15) ንኣብነት: ሓደ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ እንተ ነይሩ: ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ቤቱ ኸይቅመጥ ኪውስን ይኽእል እዩ። ሓደ ክርስትያን ብኣንጻር ጾታ ምእንቲ ኸይፍተን ኢሉ: ዚሰርሓሉ ቦታ ኪቕይር ይደሊ ይኸውን።—ምሳሌ 6:23-28

22 ናብ ሓጢኣት ሓንቲ ስጕሚ እኳ ኣይትሰጕም። ምኵሻምን ብዕሉግ ሓሳባት ምሕሳብን ናብ ምንዝር ወይ ዝሙት ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ብንኣሽቱ ነገራት ዚሕሱ ሰብ: ብዓብዪ ነገር ንኺሕሱ ኺደፋፈርን ልማደኛ ሓሳዊ ናብ ምዃን ኬምርሕን ይኽእል እዩ። ንኣሽቱ ነገራት ምስራቕ: ንሕልና ሰብ ኬደንዝዞን ዓበይቲ ነገራት ከም ዚሰርቕ ኪገብሮን ይኽእል እዩ። ንእተወሰነ ሓሳባት ከሓድቲ ምስማዕ: ናብ ዓብዪ ኽሕደት ዚመርሕ መበገሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 11:9፣ ራእይ 21:8

እንተ ሓጢእካኸ፧

23, 24. ካብ 2 ዜና መዋእል 6:29, 30 ከምኡውን ምሳሌ 28:13 እንታይ ምጽንናዕ ኪርከብ ይከኣል፧

23 ኵሎም ሰባት ዘይፍጹማት እዮም። (መክብብ 7:20) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ ግን: ካብቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብቲ ጽምብል ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝጸለዮ ጸሎት ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሰሎሞን ናብ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል: ነፍሲ ወከፍ ቍስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ: ዚጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ: ሽዑ ንስኻ ካብ ሰማይ: ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ: ይቕረ ኸኣ በል: ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ: . . . ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ: ከከም መገዱ ሀቦ።”—2 ዜና መዋእል 6:29, 30

24 እወ: ኣምላኽ ልቢ ይፈልጥን ይቕረ ይብልን እዩ። ምሳሌ 28:13 “ገበኑ ዚኽውል ኣይሰልጦን: እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ” ትብል። ሓደ ሰብ ካብ ሓጢኣቱ ተነሲሑ ብምንዛዙን ብምሕዳጉን: ምሕረት ኣምላኽ ኪረክብ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ብመንፈሳዊ መዳይ ደኺምካ እንተ ኣሊኻ: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዕ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ ካልእ ነገር ኣሎ፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

• ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘላትና ፍቕሪ ንሓጥእ መገዲ ንኽንነጽግ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

• ንኻልኦት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምስ ዚህልወና: ኣብ ጾታዊ ብዕልግና ንኸይንጽመድ ዚዓግተና ስለምንታይ እዩ፧

• ካብ ኣበሳ እንርሕቀሉ ኻልእ መገድታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ይሁዳ ኸመይ ጌርና ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ከም እንሕልዋ ገለጸልና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ምፍራስ ሓዳር ነቲ ንጹህ መጻምድትን ንውሉዳትን ብዙሕ ስቓይ እዩ ዜምጽእ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ከም ካሌብ: ‘ፈጺምካ ንየሆዋ ኽትስዕቦ’ ቘሪጽካ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ዘጋጥመካ ፈተና ንምቅዋሙ ምእንቲ ኺሕግዘካ: ኣዘውቲርካ ጸሊ