ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ሓሳብ ኪህቡ ምሃሮም

ንደቅኻ ሓሳብ ኪህቡ ምሃሮም

ንደቅኻ ሓሳብ ኪህቡ ምሃሮም

ብ መክሲኮ እትነብር ፐርላ: ቈልዓ ኸላ ኣዲኣ ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እትህቦ ሓጺር ሓሳብ ንኽትዳሎ ትሕግዛ ነበረት። ፐርላ ኣብዚ እዋን እዚ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ውላድ ኣለዋ። ንዕኡኸ ኸመይ ገይራ እያ እትሕግዞ፧ ከምዚ በለት:- “መጀመርታ ኣነ ንባዕለይ ክዳሎ ኣሎኒ። ክዳሎ ኸለኹ ወደይ ኪርድኦን ብናቱ ቓላት ገይሩ ኺገልጾን ዚኽእል ሕጡብ ጽሑፍ እደሊ። ብድሕርዚ ኣብታ ‘ናተይ ሕጡብ ጽሑፍ’ ኢሉ ዚጽውዓ ቝጽሪ ኣትኵሮ ንገብር። መዓልታዊ ብዚርእዮ ኣብነታት ገይሩ ንኺገልጻ ድማ እሓቶ። ቀጺልና ነታ ሓሳብ ብተደጋጋሚ ንለማመዳ። ሓሳብ ኪህብ ከሎ ኸመይ ገይሩ ማይክሮፎን ከም ዚሕዝ ንምርኣይ ድማ ሓደ ኣቕሓ ንጥቀም። ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ሓሳብ ከይሃበ ወይ ኢዱ ኸየውጽአ ስለ ዘይትውዳእ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ናብቲ ዚመርሕ ሓው ከይዱ ነታ ናቱ ሕጡብ ጽሑፍ ይነግሮ።”

ኣብ ሓንቲ ብቛንቋ ሂንዲ እትምራሕ ጕጅለ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል የንስ: ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ዓመትን ዝዕድሚኦም ውሉዳት ኣለውዎ። ንሱን ሰበይቱን ምስ ውሉዳቶም ኰይኖም ንኣኼባ ኺዳለዉ ኸለዉ: ነቲ የንስ ካብ ወለዱ እተማህሮ ሜላ እዮም ዚጥቀሙ። የንስ ከምዚ ይብል:- “እቶም ደቅና ኺርድእዎ ዚኽእሉ ኣየናይ ክፋል እቲ እነጽንዖ ዘለና ጽሑፍ ምዃኑ ንውስን። ብድሕሪኡ: ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ርእሰ ነገር ወይ ነቲ ዓንቀጽ ጽሙቕ ኣቢልና ንገልጸሎም፣ ቀጺልና ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ ኺምልስዎ ዘለዎም ሕቶታት ንሓቶም። መብዛሕትኡ ግዜ ንመልስታቶም ብባህርያዊ መገዲ ስለ ዜቕርብዎ: ድንጽው እዩ ዚብለና። ሓሳባቶም ዚገልጹሉ መገዲ እንታይ ከም እተረድኡ ዜንጸባርቕ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ዚህብዎ መልሲ ብሓቂ ንየሆዋ ይውድሶ: ብሕታዊ መግለጺ እምነቶም ድማ ይኸውን።”