ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዚጠቕሙ ምሩቓት እተፍሪ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዚጠቕሙ ምሩቓት እተፍሪ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዚጠቕሙ ምሩቓት እተፍሪ ቤት ትምህርቲ

ኣብተን ካብ 200 ኣብ ዚዛይዳ ሃገራት ዚርከባ ልዕሊ 98,000 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብ ኵሉ ደረጃ ናብራ ዝመጹ ሰባት ብኣምላኽ ይመሃሩ ኣለዉ። እቲ ቐንዲ መምሃሪ መጽሓፎም መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ከሎ: ዕላማ እቲ ትምህርቲ ኸኣ ንውልቀ-ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን ምስኡ ተሰማሚዖም ብኸመይ ከም ዚነብሩን ብምምሃር ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺዓብዩ ምሕጋዞም እዩ። እቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዚቕበሉ ብዙሕ ይጥቀሙ እዮም። ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ዝሃቦ መምርሒ ብምስምማዕ: እቲ ዚመሃርዎ ንኻልኦት እውን የካፍልዎ እዮም።—ማቴዎስ 28:19, 20

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ጉባኤታቶም ዚገብርዎ ቐጻሊ መደብ ትምህርቲ: ንፍሉይ መዳይ ዜድሊ ሓያሎ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣቚሞም እዮም። ሓደ ኻብዚ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኣብ ጥቅምቲ 1987 ኣብ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. እዩ ጀሚሩ። እታ ቐዳመይቲ ኽፍሊ ብ24 ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝዀኑ ተመሃሮ ዝቘመት እያ ነይራ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ 43 ሃገራት ብ21 ቋንቋታት ኮርሳት ቀሪቡ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ: ካብ ልዕሊ 90 ሃገራት እተዋጽኡ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ተማሂሮም ኣለዉ። እቶም ምሩቓት ነቲ ሸሞንተ ሰሙን ዚወስድ ኮርስ ምስ ወድኡ: ኣብ ሃገሮም ወይ ኣብ ወጻኢ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዶም ንኼገልግሉ ይምደቡ። ክሳዕ መወዳእታ 2005 ልዕሊ 22,000 ክርስትያን ኣገልገልቲ ነዚ ኮርስ እዚ ወሲዶም እዮም። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን ንኻልኦት ንምጥቃምን ዚገብርዎ ትሕትና ዝመልኦ ጻዕርታቶም: ብዙሕ በረኸት ኣምጺኡ እዩ።—ምሳሌ 10:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:5

ኣብቲ ኮርስ ንምክፋል ኵነታት ምትዕርራይ

መብዛሕትኦም ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ምእንቲ ኺካፈሉ ኢሎም: ካብ ናይ ክፍለ-ግዜ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሖም ፍቓድ ኪሓቱ የድልዮም እዩ። እዚ ሓድሓደ ግዜ ጸገም ይፈጥር እዩ። ኣብ ሃዋይ: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንኺካፈሉ እተዓደሙ ኽልተ ክርስትያን ሰብኡት: ካብቲ መምህራን ኰይኖም ዚምህሩሉ ዝነበሩ ስራሖም ፍቓድ ኪወሃቦም ኪሓቱ ነበሮም። ንምንታይ ኣብቲ ኮርስ ኪካፈሉ ኸም ዚደልዩን ብኸመይ ከም ዚጥቀሙን ብምግላጽ: ብእምነት ነቲ ሕቶኦም ኣቕረቡ። ክልቲኦም ከኣ ፍቓድ ተዋህቦም።

ኣብ ሓያሎ መዳያት: ካብ ስራሖም ፍቓድ ኪወሃቦም ዝሓተቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኪምለሱ ኸለዉ እቲ ስራሕ ከም ዘይጽበዮም ተነጊርዎም ነይሩ። ንሳቶም ግን ዋላ እውን ስራሖም ዜስእኖም እንተ ዀነ: ካብ ውድብ የሆዋ ስልጠና ኺረኽቡ መረጹ። ገለ ኻብዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ጸኒሖም ኣስራሕቶም ትምህርቶም ምስ ወድኡ ናብ ስራሖም ንኺምለሱ ሓቲቶምዎም እዮም። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንምክፋል ዚርአ ቘራጽነት በዚ ዚስዕብ ኣሕጽር ኣቢልካ ኺግለጽ ይከኣል:- ሕቶኻ ኣቕርብ: የሆዋ ኺሕግዘካ ጸሊ: ዝተረፈ ንሱ ኺገብሮ ሕደጎ።—መዝሙር 37:5

‘ብየሆዋ ይመሃሩ’

እቲ ሸሞንተ ሰሙን ዚወስድ ኮርስ: ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበረሉ እዩ። እቶም ተመሃሮ: ህዝቢ የሆዋ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብኸመይ ከም እተወደቡ: ከምኡውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ከመይ ገይሮም ዝያዳ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኺጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ ይመሃሩ።

ሓደ መማሰዊ ምሩቕ ንሓደ ኣብኡ ዘይተኻፈለ ተመሃራይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሉ:- “ብሓቂ ኣብ ህይወትካ ኻብ ዝረኣኻዮ እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ ኢኻ እትረክብ። እታ ‘ብየሆዋ እተመሃርካ’ ብዛዕባ ምዃን እትገልጽ ጥቕሲ: ዝያዳ ትርጕም እዩ ዚህልዋ። እቲ ኣብኡ እተሕልፎ ብምሉኡ ተመክሮ: ንልብኻን ንባህርያትካን ምስቲ ኣብነት ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ዝያዳ ንኺመሳሰል ይቐርጾን ይዅልዖን እዩ። ኣብ ህይወትካ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ተመክሮ ኢኻ እትረክብ።”—ኢሳይያስ 54:13

ወንጌላውያንን ጓሶትን መምህራንን

ኣብዚ ግዜ እዚ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ: ኣብ 117 ሃገራት የገልግሉ ኣለዉ። እዚ ኸኣ ኣብ ንደሴታት ኣትላንቲክን ካሪበያን ፓሲፊክን ከምኡውን ንመብዛሕትአን እተን ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለወን ሃገራት ዜጠቓልል እዩ። እቶም ተመሃሮ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ስልጠና: ኣብቲ ኸም ወንጌላውያንን ጓሶትን መምህራንን ኰይኖም ዚዓይዎ ዕዮ ኸም ዚንጸባረቕ ጨናፍር ዚልእኾ ጸብጻብ ይገልጽ። እቲ ስልጠናኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብዝሓሸ መገዲ ንኺጥቀሙሉ የዕጥቖም። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ሰብ ቤት ንዜልዕልዎ ሕቶታት ኪምልሱ ኸለዉ: ካብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ a ዘርእስታ መጽሓፍ ብተደጋጋሚ ይውከሱ: ንኻልኦት ኣስፋሕቲ እውን ከምኡ ኺገብሩ የሰልጥንዎም። እቲ እዞም ምሩቓት ዘለዎም ቅንኣት ተመሓላላፊ እዩ: ንጥፈታቶም ከኣ ንጉባኤታት የበራትዕ እዩ።

ሽማግለታት ጉባኤ ነቲ ኻልኦት ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ብምሕላይ ‘ነቲ መጓሰ ኺጓስዩ’ ሓላፍነት ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ እዚ መሰናድዎ እዚ: “ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነቲ ንመጓሰ ኣምላኽ ንምጕሳይ ዘሎና ጾር ንኺሕግዙና ብዚግባእ ዝሰልጠኑ ኣሕዋት ብምልኣኹ ነማስወሉ ኢና” በለ። ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዚርከብ ጨንፈር: “እቶም ምሩቓት ኣዝዮም ደንገጽቲ እዮም። ኣበርቲዖም ይዓዩ: ካብታ ጉባኤ ኸኣ ኣኽብሮት ይረኽቡ እዮም። ትሕትናኦምን ፍቕሮምን ህንጡይነቶምን ኣጸቢቕካ ዚፍለጥን ብዙሕ ኣኽቢርካ ዚርአን እዩ። ብፍታው ገዛእ ርእሶም መስዋእቲ ይገብሩ: ናብተን ጓሶት ዜድልይወን ጉባኤታት ከኣ ተሓጒሶም ይግዕዙ እዮም” በለ። (ፊልጲ 2:4) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት: ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ስለ ዜበራትዕዎም: ናእዳ ይግብኦም እዩ።—1 ቈረንቶስ 16:18

ብተወሳኺ: መምህራን ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ: ነቶም ተመሃሮ ኸም ህዝባዊ ተዛረብቲ መጠን ዘለዎም ክእለት ንኼመሓይሹ ይሕግዝዎም እዮም። ብዙሓት ምሩቓት ነቲ እተዋህቦም ሓሳባትን ምኽርን ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ኣብ ኣኼባ ወረዳን ኣብ ኣኼባ ኣውራጃን ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓላው ወረዳ: እቶም ምሩቓት ‘ብሉጽ መደረታት ከም ዚህቡን ጽቡቕ መረዳእታ ብምቕራብ እቲ ትምህርቲ ግብራዊ ዝዀነሉ መገዲ ኸም ዚገልጹን’ ሓበረ።—1 ጢሞቴዎስ 4:13

ኣብ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር: ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልግሎት ምስ ተኻየደን ምሩቓት ናብ ጉባኤታት ምስ ተመደቡን: እቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዚቐርብ ትምህርትታት ኣጸቢቑ ተመሓየሸ። ካብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ዚምረቑ ሽማግለታት: ኣብ ዕዮ ወንጌላውነትን ጕስነትን ምምሃርን ይሕግዙ እዮም: ብእኡ ኣቢሎም ድማ ነተን ጉባኤታት ብመንፈሳዊ ይሕግዝወን።—ኤፌሶን 4:8, 11, 12

ንጉባኤታት ብዝሓሸ መገዲ ምሕላው

ኣብ ሓያሎ ቦታታት ዝያዳ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን የድልዩ እዮም። ገሊአን ጉባኤታት ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ እንተ ዘይለኣኹለን ነይሮም: ዋላ ሓደ ሽማግለ ኣይምሃለወንን ነይሩ። ስለዚ: ሓያሎ ምሩቓት ኣብቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ንኼገልግሉ ይምደቡ እዮም።

ሓያሎ ጨናፍር ኣብ ዝለኣኻኦ ጸብጻብ: እዞም ሰብኡት እዚኣቶም “ውድባዊ ስርዓታት ኣጸቢቖም ይፈልጡ:” “ሓላፍነታት ኣርዚኖም ይርእዩ:” “ካልኦት ንውድብ የሆዋ ንኺርድእዎን ንኬኽብርዎን ይሕግዝዎም:” ከምኡውን “ንፍቕርን መንፈሳውነትን ጉባኤታት ኣበርክቶ ይገብሩ” ተባሂሉ እዩ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኸኣ: እቶም ምሩቓት እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልቦናኦም ስለ ዘይጽግዑ ወይ ባዕለይ እፈልጥ ስለ ዘይብሉ: የግዳስ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተጻሕፈ ነገር ስለ ዚስዕቡ እዮም። (ምሳሌ 3:5-7) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብኡት ኣብተን እተመደቡለን ጉባኤታት መንፈሳዊ በረኸት እዮም ኰይኖም።

ኣብ ግሉል ክልታት ምግልጋል

ገሊኦም ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም እተሸሙ ምሩቓት: ንግሉላት ጕጅለታት ናብ ጉባኤታት ንኺዓብያ ሓጊዞም እዮም። ሓደ ኣብ ጓተማላ ኣብ ዚርከብ ግሉል ቦታ ዚነብር ሽማግለ: ነቲ ዝገበሩሉ ሓገዝ ሞሳኡ ኺገልጽ ከሎ: “ን20 ዓመት እዚ ዓብዪ ኽሊ እዚ መን ከም ዚዓዮ ኣጨኒቑኒ ነይሩ። ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባ እዚ ጸልየ እየ። እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ዝመጹ ኣሕዋት ኣብ ምዝራብ ኰነ ኣብ ውድባዊ ጉዳያት ብዚግባእ ዝሰልጠኑ እዮም: እዚ ኸባቢ እዚ ኸኣ ፍቕራዊ ቘላሕታ ይረክብ ምህላዉ አመስግን እየ” በለ።

ምሩቓት ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ነዊሕ ርሕቐታት ተጓዒዝካ ዚርከብ ፋሕ ዝበለ ኣቝሻት ዘለዎ ኽልታት ኣድማዕቲ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ተማሂሮም እዮም። ኣብቲ ኸባቢ እቲ ቐልጢፎም ግሉል ጕጅለታት ይምስርቱን ይውድቡን: ካልኦት ኣስፋሕቲ ግን ከምዚ ምግባር ኣይክእሉን ይዀኑ። ንኣብነት: ኣብ ኒጀር ዚነብር ሓደ ሽማግለ: እቶም ምሩቓት ኣብ ከባቢኡ ጽቡቕ ዕዮ ኺዓዩ ዚኽእሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ: ካባታቶም ሓገዝ ኪወሃቦ ሓተተ። ብፍላይ ኣብ ግሉል ከባቢ: ዘይተመርዓዉ ሰብኡት ፍሉያት ፈለምትን ሓለውቲ ወረዳን ኰይኖም ኬገልግሉ ዝቐለለ እዩ ዚዀነሎም። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ‘ብውሕጅን ብኸተርትን ይጭነቑ: ኣብ በረኻ ይጭነቑ:’ ዘይምሹእ ነገራት የጋጥሞም: ከምኡውን በተን ዜገልግልወን ጉባኤታት ይጭነቑ እዮም።—2 ቈረንቶስ 11:26-28 ትርጕም 1990

ንመንእሰያት ምጥቃም

ቅዱሳት ጽሑፋት: ንኣሽቱ ዘበሉ ንፈጣሪኦም ኪዝክሩ እዩ ዜተባብዕ። (መክብብ 12:1) ቀናኣት ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ንክርስትያን መንእሰያት ሰናይ ኣብነት እዮም ዚዀኑ። ክልተ ምሩቓት ኣብ ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ጉባኤ ምስ ተመደቡ: እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ድምር ሰዓታት ዕጽፊ ዀነ። ብዘይካዚ: ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ 2 ናብ 11 ወሰኸ። እዚ ሓደ ኣብነት እቲ ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት ዜጋጥም ዘሎ እዩ።

ብዘይካዚ: ምሩቓት ንመንእሰያት ኣወዳት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ንኺካፈሉ የተባብዕዎም እዮም። እዚ ኸኣ ንገሊኦም ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ዘየገልግሉ ኣሕዋት: ነቲ ሓላፍነት እቲ ንኺመጣጠሩ ደሪኽዎም እዩ። እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ዚርከብ ጨንፈር: ብዛዕባ እቶም ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ: “ነቶም ኣብ ህይወቶም እንታይ ከም ዚገብሩ ዚሓስቡ ዘለዉ ዝነኣሱ መንእሰያት ህያው ኣብነታት” ምዃኖም ገሊጽዎም እዩ።

ኣብ ጉባኤታት ቋንቋ ወጻኢ ምግልጋል

ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ነቲ ብስራት ብቛንቋ ኣደ እቶም ሰባት ንምስባኽ ዚግበር ጻዕርታት እናነሃረ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ብዙሕ ግዜ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኻልእ ቋንቋታት ይመሃሩ: ኣብቲ ሓያሎ ስደተኛታት ዚርከቡሉ ኽልታት ድማ የገልግሉ እዮም። ንኣብነት: ኣብ በልጅዩም ኣብቲ ተዛረብቲ ኣልባንያኛን ሩስያኛን ፋርስኛን ዘለውዎ ኽልታት ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይድለዩ ኣለዉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ: መክሲኮ: ብሪጣንያ: ኢጣልያ: ጀርመን: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚርከባ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ቋንቋ ወጻኢ: ካብቶም ካብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ እተመረቑ ገየሽቲ ሓለውትን ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብዙሕ ይጥቀማ እየን። ኣብ ኮርያ ዚርከብ ጨንፈር: “ልዕሊ 200 ምሩቓት ንጉባኤታትን ጕጅለታትን ቋንቋ ወጻኢ ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ የበርክቱ ኣለዉ” ኢሉ ጸብጻብ ሃበ።

ኣብ ካልእ መዳያት ብትሕትና ምግልጋል

እቶም ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ጕጅለታትን ጉባኤታትን ቋንቋ ወጻኢ ብምሕባር ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት: ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ገየሽቲ ሓለውትን ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ገሊኦም ነቲ ኣብ ጨንፈር ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ብህጹጽ ዜድልዮ ዕማም ብምዕማም: ኣብ ካልእ ሃገራት ኬገልግሉ ፍቓደኛ ይዀኑ እዮም። እቶም ክእለት ህንጸት ዘለዎም ኣብ መደብ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሳተፉ ይዀኑ።

ኣብ ቍጽሪ ጉባኤታትን ወረዳታትን ዓለምለኻዊ ወሰኽ ምህላዉ: ተወሰኽቲ ገየሽቲ ሓለውቲ ኸም ዜድልዩ ዚሕብር እዩ። ነዚ ዜድሊ ነገር እዚ ንምምላእ: እተመርጹ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ብዛዕባ ዕዮ መገሻ ዓሰርተ ሰሙን ዚወስድ ስልጠና ይወስዱ: ድሕሪኡ ኸም ተተካእቲ ወይ ስሩዓት ሓለውቲ ወረዳ ዀይኖም የገልግሉ። ዳርጋ 1,300 ምሩቓት ኣብ 97 ሃገራት ገየሽቲ ሓለውቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣፍሪቃ: 55 ሚእታዊት እቶም ገየሽቲ ሓለውቲ ኻብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ዝሰልጠኑ እዮም። ኣብ ካልእ ሃገር ኣፍሪቃ ኸኣ እዚ ኣሃዝ እዚ 70 ሚእታዊት እዩ።

ብኣማእታት ዚቝጸሩ ምሩቓት እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ብፍላይ ዜድሊ ነገር ንምምላእ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ርሑቕ ምብራቕ: ኣውሮጳ: ኣውስትራልያ: ካናዳ ተላኢኾም እዮም። በዚ ኸምዚ: እቲ ኻብቲ ቤት ትምህርቲ ዚርከብ ጥቕምታት ኣብ ብዘላ ዓለም ተዘርጊሑ እዩ።

የሆዋ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ወንጌላውያን: ጓሶት: መምህራን: ከምኡውን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዜደንፍዑ ኻልኦት ኣተንሲኡ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ገና ዝያዳ ወሰኽ ንኺገብሩ ተስፋ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ! ስለዚ: እቶም ርእሶም ዝወፈዩ ሰብኡት ንዝዓበየ ሓላፍነታት ኪመጣጠሩ ብዝያዳ የድሊ ኣሎ ማለት እዩ። (ኢሳይያስ 60:22፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1, 13) ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ንሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ዕጡቓት ንኪዀኑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ: እዚ ኸኣ ንዓታቶም ኰነ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ኻልኦት ሰባት ብዙሕ ጥቕሚ የምጽኣሎም እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ የደንፍዕ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ኽትካፈል ተስፋ ትገብር ዲኻ፧