ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታት

“ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾዅ ዝበቘለት ዕምባባ ሹሻን እያ።” “ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ።” “እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል: ከም ወርሒ ጽብቕቲ: ከም ጸሓይ ድምቕቲ: . . . መን እያ፧” (መሃልየ መሃልይ 2:2, 3፣ 6:10) እዘን ካብታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ እተወስዳ ቓላትሲ ኣየ ኽንደይ ብሉጻት ኰን እየን! እታ መጽሓፍ ብምልእታ ሓያሎ ትርጕም ዘለዎን ውቁብን ግጥምታት ዝሓዘት ብምዃና “ኻብ መዝሙራት ዝበለጸ መዝሙር” ተባሂላ ኣላ።—መሃልየ መሃልይ 1:1ትርጕም 1990 መእተዊ

እዛ በቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ ናይ 40 ዓመት ንግስነቱ ብ1020 ቅ.ክ. ኣቢላ እተቐናበረት መዝሙር: ብዛዕባ ሓደ ጓሳን ሱላሚት እትበሃል ኣብ ገጠር እትነብር ጓልን ዘዘንቱ ናይ ፍቕሪ ታሪኽ እያ። ገለ ኻብቶም ኣብቲ ግጥሚ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ኣደ እታ ጓልን ኣሕዋታን: “ኣዋልድ የሩሳሌም [ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ]:” ከምኡውን “ኣዋልድ ጽዮን [ኣንስቲ የሩሳሌም]” እየን። (መሃልየ መሃልይ 1:5፣ 3:11) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንባቢ: ንዅሎም እቶም ኣብ መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ ተረቚሖም ዘለዉ ተዛረብቲ ፈልዩ ኺፈልጦም ኬጸግሞ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ወይ ብዛዕባኦም እተባህለ ነገራት ብምምርማር ግን ኪፈልጦም ይኽእል እዩ።

መሃልየ መሃልይ ክፍሊ ቓል ኣምላኽ ብምዃና እቲ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ብኽልተ ምኽንያታት ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ። (እብራውያን 4:12) ቀዳማይ: ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ትምህረና። ካልኣይ: እታ መዝሙር ነቲ ኣብ መንጎ የሱስ ክርስቶስን ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናትን ዘሎ ዓይነት ፍቕሪ ተብርህ።—2 ቈረንቶስ 11:2፣ ኤፌሶን 5:25-31

‘ፍቕሪ ኸይተበራብራለይ’

(መሃልየ መሃልይ 1:1-3:5)

“ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ: ብምስዓም ኣፉ ይስዐመኒ።” (መሃልየ መሃልይ 1:2) እቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝርርብ በዘን ቃላት እዚኣተን እዩ ዚጅምር። እዚ ኸኣ ሓንቲ ጓል ገጠር ናብ ድንኳን ሰሎሞን ምስ ኣምጽእዋ እተዛረበቶ እዩ። ከመይ ገይራ ኣብኡ ኸይዳ፧

ንሳ ባዕላ “ደቂ እኖይ ኰረዩለይ: ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ:” በለት። እቲ እተፍቅሮ ጓሳ ባህ ኣብ እተብል መዓልቲ ጽድያ ምስኡ ኽትዛወር ስለ ዝሓተታ: ኣሕዋታ በዚ ተቘጥዑ። ምእንቲ ኸይትኸይድ ኢሎም ከኣ “ነታኽልቲ ወይኒ ዜባላሽዋ ወኻሩ” ኽትሕሉ መደብዋ። ዕዮኣ ጥቓ ደምበ ሰሎሞን እዩ ነይሩ። ናብቲ “ልምሉም ተኽሊ ለሰ” ምስ ከደት: ምልክዕቲ ምዃና ተራእየት እሞ: ናብቲ ደምበ ተጸውዐት።—መሃልየ መሃልይ 1:6፣ 2:10-15፣ 6:11

እታ ጓል ነቲ እትፈትዎ ጓሳ ንኽትረኽቦ ዘለዋ ሃረርታ ምስ ገለጸት: እተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ ‘ኣስኣሰር መጓሰ ወፊራ’ ኽትደልዮ ነገራኣ። ሰሎሞን ግን ክትከይድ ኣይፈቐደላን። ንጽባቐኣ ኣድንቖቱ ብምግላጽ “ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ” ኺገብረላ ተመባጽዓላ። እታ ጓል ግን በዚ ኣይተማረኸትን። እቲ ጓሳ ናብ ደምበ ሰሎሞን ከይዱ ረኸባ እሞ “እኔኺ: ኣቲ ፍትውተይ: ጽብቅቲ ኢኺ: እኔኺ: ጽብቅቲ ኢኺ” በላ። እታ ጐርዞ ንወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ “ንፍቕሪ ኽሳዕ እትደሊ: ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን” ኢላ ኣምሓለተን።—መሃልየ መሃልይ 1:8-11, 15፣ 2:7፣ 3:5

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:2, 3—ተዘክሮ ፍቕሪ እቲ ጓሳ ኸም ወይኒ: ስሙ ኸኣ ከም ቅብኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ልክዕ ከምቲ ወይኒ ንልቢ ሰብ ዜሐጕሶ: ኣብ ርእሲ ዚፈስስ ቅብኢ ኸኣ ዜረስርስ: ተዘክሮ ፍቕሪ እቲ ወድን ስሙን ነታ ጓል ኣበርቲዕዋን ኣጸናኒዕዋን እዩ። (መዝሙር 23:5፣ 104:15) ብተመሳሳሊ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍላይ ከኣ እቶም ቅቡኣት ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮም ፍቕሪ ኺዝክሩ ኸለዉ ብርታዐን ምትብባዕን ይረኽቡ እዮም።

1:5—እታ ኣብ ገጠር እትነብር ጓል ንጽልማ ምስ “ድንኳውንቲ ቄዳር” ዘመሳሰለቶ ስለምንታይ እያ፧ ብጸጕሪ ጤል እተሰርሐ ዓለባ ብዙሕ ጥቕምታት እዩ ዘለዎ። (ዘሁልቍ 31:20) ንኣብነት: ‘ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ዓለባ: ካብ ጸጕሪ ጤል እተሰርሐ ዓለባታት’ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 26:7) ልክዕ ከምቲ ሎሚ በደው ወይ ዘላን ዚጥቀሙሉ ድንኳውንቲ: “ድንኳውንቲ ቄዳር” እውን ካብ ጸሊም ጸጕሪ ጤል እተሰርሐ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

1:15—እቲ ጓሳ “ኣዒንትኺ ርግብታት እየን” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ እቲ ጓሳ ኣዒንቲ ፍትውቱ ኸም ኣዒንቲ ርግብታት ባህ ዜብላን ምጭዋትን ከም ዝዀና እዩ ዚገልጽ ዘሎ።

2:7፣ 3:5—እተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ “ብሜዳቝን ብእራብ መሮርን” ከም ዚምሕላ እተገብራ ስለምንታይ እየን፧ ሜዳቝን እራብን ብግርማአንን ጽባቐአንን ፍሉጣት እየን። ስለዚ ድማ እታ ሱላሚት ነተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ ፍቕሪ ኸየበራብራላ ወይ ከየለዓዕላላ ብዅሉ ግሩምን ጽቡቕን ዘበለ ነገራት እያ ኣምሒላተን።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2፣ 2:6 ኣብ እዋን ወረዘ ንጹህ መግለጺ ፍቕሪ ግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: መጻምድቲ ነዚ መግለጺ ፍቕሪ እዚ ናብ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ዚመርሕ ርኹስ ስምዒት ኬለዓዕል ዘይኰነስ: ናብ ናይ ሓቂ ፍትወት ዚመርሕ መግለጺ ንኺገብርዎ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።—ገላትያ 5:19

1:6፣ 2:10-15 ኣሕዋት እታ ሱላሚት ምስቲ እትፈትዎ ወዲ ናብ ብሑት ቦታ ኣኽራን ክትከይድ ዘይፈቐዱላ ምኽንያት ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ወይ ቅኑዕ ድራኸ ስለ ዘይነበራ ዘይኰነስ: ናብ ፈተና ኺመርሓ ኣብ ዚኽእል ኵነታት ምእንቲ ኸይትወድቕ ንኺከላኸሉላ ኢሎም ዚገበርዎ ጥንቃቐ እዩ። ኣብ ወረዘ ዘለዉ መጻምድቲ ኻብ ብሑት ቦታታት ኪርሕቑ ኻብዚ ትምህርቲ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

2:1-3, 8, 9 እታ ሱላሚት ሽሕኳ ጽብቕቲ እንተ ነበረት: ትሕት ብምባል ንገዛእ ርእሳ “ከም ጽጌረዳ [ተራ ዕምባባ] ሳሮን” ገይራ እያ ተመልኪታታ። እቲ ጓሳ ግን ብምኽንያት ጽባቐኣን ንየሆዋ ዝነበራ ተኣማንነትን “ኣብ ማእከል እሾዅ ዝበቘለት ዕምባባ” ገይሩ ተመልከታ። ብዛዕባኡኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ምልኩዕ ስለ ዝነበረ ንዓኣ “ሜዳቝ” መሲሉ እዩ ተራእይዋ። ንሱ እውን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮን ንየሆዋ እተወፈየን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እታ ሱላሚት ብዛዕባኡ “ፈታውየይ ኣብ ማእከል ኣወዳት ከም ምልዖ [ጽላልን ፍረን ዚህብ] ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ” በለት። እቲ መጻምድትና ዚኸውን ሰብ ኬማልኦ እንደልዮ ተፈታዊ ባህርያት ንኣምላኽ ዘለዎ እምነትን ተወፋይነትንዶ ኸይኰነ፧

2:7፣ 3:5 እታ ጓል ገጠር ንሰሎሞን ብስምዒታዊ ፍቕሪ ተለዓዒላ ኣየፍቀረቶን። ነተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ እውን ነቲ ጓሳ እንተ ዘይኰይኑ: ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኽትፈቱ ፍቕሪ ኸየለዓዕላላ ኣምሓለተን። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ስምዒታዊ ፍቕሪ ኸተሕድር ኣይክኣልን ጥራይ ዘይኰነስ ግቡእ እውን ኣይኰነን። ሓደ ኺምርዖ ዚደሊ ንጽል ክርስትያን: እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ጥራይ ንኺምርዖ ኺሓስብ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 7:39

“ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም፧”

(መሃልየ መሃልይ 3:6-8:4)

‘ዓንዲ ትኪ ዚመስል ነገር ካብ በረኻ ኺድይብ ተራእየ።’ (መሃልየ መሃልይ 3:6) ኣንስቲ የሩሳሌም ኪርእያ ምስ ወጻ እንታይ እየን ርእየን፧ እወ: ሰሎሞን ምስ ኣገልገልቱ ናብታ ኸተማ ኺምለስ ከሎ እየን ርእየን። እቲ ንጉስ ነታ ሱላሚት እውን ምስኡ ተማልኣ።

እቲ ጓሳ ነታ ጓል ሰዓባ: ኪርእያ ኸኣ ኣጋጣሚ ረኸበ። ከም ዚፈትዋ ምስ ኣረጋገጸላ: ካብታ ኸተማ ኽትወጽእ ከም እትደሊ “መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል: ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ: ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኵርባ ዕጣንን ክኸይድ እየ” ብምባል ገለጸትሉ። ‘ናብ ገነቱ መጺኡ: ክቡር ፍሬታቱ ኺበልዕ’ ድማ ዓደመቶ። ንሱ ኸኣ “ሓብተይ: መርዓተየ: ናብ ገነተይ መጺኤ” ኢሉ መለሰላ። ኣንስቲ የሩሳሌም ድማ “ኣቱም ኣዕሩኸይ: ብልዑ: ስተዩ: ፍትዋተየ: ኣብዚሕኩም ስተዩ” በላኦም።—መሃልየ መሃልይ 4:6, 16፣ 5:1

እታ ሱላሚት ነተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ ዝሓለመቶ ሕልሚ ምስ ኣዘንተወትለን ‘ብፍቕሪ ምሕማማ’ ነገረተን። ንሳተን ከኣ “እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከመይ ኢሉ እዩ፧” ኢለን ሓተታኣ። ንሳ ድማ “ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ” በለተን። (መሃልየ መሃልይ 5:2-10) ነቲ ሰሎሞን ዝገበረላ ሕሉፍ ውዳሰ ኽትምልሰሉ ኸላ “ኣብታ ሱላሚትከ እንታይ ክትርእዩ ኢኹም፧” በለት። (መሃልየ መሃልይ 6:4-7:1text adjusted) እቲ ንጉስ ነዚ ሕቶ እዚ ንኸተፍቅሮ ዜለዓዕል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሩ ብምውሳድ ብዙሕ ነኣዳ። እታ ጓል ግን ምስቲ ጓሳ ኣብ ዘለዋ ፍቕሪ ጸንዐት። ኣብ መወዳእታ ሰሎሞን ንቤታ ሰደዳ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

4:1፣ 6:5—ጸጕሪ ርእሲ እታ ጓል ምስ “መጓሰ ኣጣል” እተነጻጸረ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ምንጽጻር: ጸጕራ ልክዕ ከም ጸሊም ጸጕሪ ጤል ዜብለጭልጭን ብዙሕን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

4:11“ከናፍር” እታ ሱላሚት “መዓር ወለላ የንጠብጥብ” ዚብልን ‘መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓሳ’ ከም ዝነበረ ዚገልጽን ሓሳብ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ኣብ ስፈ ንህቢ ዚርከብ ወለላ ኻብቲ ንኣየር እተቓልዐ መዓር ንላዕሊ መቐረትን ጣዕምን ኣለዎ። እዚ ምንጽጻር እዚ ዀነ መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስ እታ ሱላሚት ምንባሩ ዚገልጽ ሓሳብ: እታ ሱላሚት እተዛረበቶ ቓላት ጥዑምን ባህ ዜብልን ከም ዝነበረ ዜጕልሕ እዩ።

5:12—“ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፋሊ ማይ ዘለዋ ርግብታት: ጸባ ተሐጺበን” ዚብል መግለጺ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ እታ ጓል ብዛዕባ እቲ ውቁብ ኣዒንቲ ፈታዊኣ እያ ተዛሪባ። ምናልባት ነቲ ብጻዕዳ እተኸበ ብሌን ኣዒንቱ ኣብ ጸባ ምስ ዚሕጸባ ሓሙኽሽታይ ዝሕብረን ርግብታት ኣመሳሲላ ገጢማትሉ ኽትከውን ትኽእል እያ።

5:14, 15—ኣእዳውን ኣእጋርን እቲ ጓሳ በዚ መገዲ እዚ እተገልጸ ስለምንታይ እዩ፧ እታ ጓል ንኣጻብዕ እቲ ጓሳ ኸም ቀላብቲ ወርቂ: ንኣጽፋሩ ኸኣ ከም ክሪሶሊት ገይራ ኸም ዝጠቐሰቶ ግሁድ እዩ። ኣእጋሩ ድልዱልን ጽቡቕን ስለ ዝዀነ ምስ “ኣዕኑድ እምነ በረድ” ኣመሳሲላቶ ኣላ።

6:4 እታ ጓል ምስ ቲርጻ እተነጻጸረት ስለምንታይ እያ፧ እዛ ኸተማ ከነኣን እዚኣ ብእያሱ እያ ተማሪኻ: ብድሕሪ ግዝኣት ሰሎሞን ከኣ ናይቲ ሰሜናዊ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ቀዳመይቲ ርእሲ ኸተማ ዀነት። (እያሱ 12:7, 24፣ 1 ነገስት 16:5, 6, 8, 15) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ኪህብ ከሎ “እታ ኸተማ ኣብዚ ንኽትጥቀስ ዝበቕዐት ኣዝያ ውቅብቲ ስለ ዝነበረት ኪኸውን ኣለዎ” በለ።

7:1text adjusted—“ናይ መሃናይም ደበላ” እንታይ እዩ፧ እዚ መግለጺ እዚ “ሳዕስዒት ክልተ ደምበ” ተባሂሉ እውን ክትርጐም ይኽእል እዩ። እታ በዚ ስም እዚ እትጽዋዕ ከተማ ብምብራቓዊ ወገን ፈለግ ዮርዳኖስ ጥቓ ስንጭሮ ያቦቅ እያ እትርከብ ነይራ። (ዘፍጥረት 32:2, 22፣ 2 ሳሙኤል 2:29) “ሳዕስዒት ክልተ ደምበ” ምስ በዓል ብእተተሓሓዘ ኣብታ ኸተማ ይርአ ንዝነበረ ሓደ ዓይነት ሳዕስዒት የመልክት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

7:5text adjusted—ሰሎሞን ንኽሳድ እታ ሱላሚት ምስ “ግንቢ ስኒ ሓርማዝ” ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ: እታ ጓል “ኽሳድኪ ኸም . . . ግምቢ ዳዊት እዩ” ዚብል ናእዳ ተዋሂብዋ ነበረ። (መሃልየ መሃልይ 4:4) ግምቢ: ነዊሕን ቀጢንን እዩ: ስኒ ሓርማዝ ከኣ ልሙጽ እዩ። ሰሎሞን ክሳድ እታ ጓል ቀጢንን ልሙጽን ብምዃኑ ማሪኽዎ ነበረ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:1-7 እታ ሱላሚት ዘይፍጽምቲ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ ዜስድዕ ቃላት ሰሎሞን ብምቅዋም: ብስነ-ምግባር ንጽህቲ ምዃና ኣርእያ እያ። ስነ-ምግባራዊ ጽንዓታ ኸኣ ነቲ ኣካላዊ ጽባቐኣ ወሲኹሉ እዩ። ክርስትያን ኣሓት እውን ከምዚ ኪዀና ኣለወን።

4:12 እታ ሱላሚት ልክዕ ከምቲ ንማንም ዘይክፈት እተሸጐረ ኣፍደገ ዘለዎ ብሓጹር ወይ ብመንደቕ እተሓጽረት ገነት እያ: ፍቕራ ነቲ ኣብ መጻኢ ሰብኣያ ዚኸውን ወዲ ጥራይ ዓቀበቶ። ንዘይተመርዓዉ ክርስትያን ኣወዳትን ኣዋልድን ኣየ ኸመይ ዝበለት ኣብነት ኰን እያ!

“ሃልሃልታ ያህ”

(መሃልየ መሃልይ 8:5-14)

ኣሕዋት እታ ሱላሚት ናብ ቤታ ኽትምለስ ከላ ምስ ረኣይዋ: “እዛ: ፈታዊኣ ተመርኲሳ: ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧” ኢሎም ሓተቱ። ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ ኻብኣቶም “ቀጽሪ እንተ ዀነት: ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ: ደገ እንተ ዀነት ከኣ: ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና” ኢሉ ነበረ። ፍቕሪ እታ ሱላሚት ተፈቲኑ ጽንዓቱ ስለ እተረጋገጸ: “ኣነ ቐጽሪ እየ: ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን: ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ኸም ሰላም ዝረኸበት ኰንኩ” በለት።—መሃልየ መሃልይ 8:5, 9, 10

ናይ ሓቂ ፍቕሪ: “ሃልሃልታ ያህ” እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኻብ የሆዋ እዩ ዚምንጭ። ናይ ምፍቃር ተኽእሎ ዘንበረልና ንሱ እዩ። ረስኑ ዘይቅህም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ። መሃልየ መሃልይ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ “ኸም ሞት ሓያል” ወይ ዘይጠፍእ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ኣብሪህዎ ኣሎ።—መሃልየ መሃልይ 8:6 NW

እቲ ብሉጽ መዝሙር ሰሎሞን: ነቲ ኣብ መንጎ የሱስ ክርስቶስን ኣባላት እታ ሰማያዊት ‘መርዓቱን’ ዘሎ ማእሰር ዜብርህ እዩ። (ራእይ 21:2, 9) እቲ የሱስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎ ፍቕሪ ኻብ ዝዀነ ይኹን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ ዚዓዝዝ እዩ። ኣባላት እታ ብጕጅለ ሰባት ዝቘመት መርዓት ክምህ ዘይብል ተወፋይነት ኣለዎም። የሱስ ነተን “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ብፍቕሪ ህይወቱ ሂቡ እዩ። (ዮሃንስ 10:16) ስለዚ እምበኣር ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምላኽቲ: ንኣብነት እቲ ኽምህ ዘይብል ፍቕርን ተወፋይነትን እታ ሱላሚት ኪቐድሕዎ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

መሃልየ መሃልይ እቲ መጻምድትና ዚኸውን ሰብ እንታይ ንኼማልእ ክንደልዮ እያ እትምህረና፧