ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክሪስቶፍ ፕላንቲን ፈላሚ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ

ክሪስቶፍ ፕላንቲን ፈላሚ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ

ክሪስቶፍ ፕላንቲን ፈላሚ ሕትመት መጽሓፍ ቅዱስ

ዮሃንስ ጉተንበርግ (ከባቢ 1397-1468) ብተንቀሳቓሲት ሓታሚት ማኪና እተሓትመት ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሕታሙ ውሩይ እዩ። ንክሪስቶፎ ፕላንቲን ግን ብዙሕ ሰብ ኣይፈልጦን እዩ። እዚ ሰብ እዚ ነቶም ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ሰባት ዚኸውን መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ኣብ ምስራሕ ኣገዳሲ ግደ ስለ ዝነበሮ: ኣብ ዕዮ ሕትመት ፈላሚ እዩ ነይሩ።

ክሪስቶፍ ፕላንቲን ብ1520 ኣብ ሰይንት-ኣቨርተን: ፈረንሳ እዩ ተወሊዱ። ንሃይማኖታዊ ፍልልያት ዝያዳ ኽፉት ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ዚነብሩሉን ካብ ፈረንሳ ንላዕሊ ዝያዳ ቝጣባዊ ኣጋጣሚታት ዚርከቦን ቦታ ስለ ዝደለየ: ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሚኡ: ናብታ ኣብ ሃገራት መታሕት እትርከብ ኣንትወርፕ ከደ። a

ፕላንቲን ጠራዚ መጻሕፍትን ሰራሒ ፍርያት ቈርበትን ኰይኑ እዩ ዕዮኡ ጀሚሩ። ሃብታማት ዘበሉ ነቲ ብቘርበት ዚስራሕ ብሉጽ ስርሓቱ ፈተውዎ። ይኹን እምበር: ብ1555 ዘጋጠሞ ነገር ሞያኡ ንኪቕይር ገደዶ። ነቲ ገዛኢ እተን ሃገራት መታሕት ዝነበረ ፊሊፕ ዳግማይ ንጉስ ስጳኛ እትኸውን ብቘርበት እተሰርሐት መትሓዚ ኼብጽሓሉ ኪኸይድ ከሎ: ኣብ ኣንትወርፕ ኣብ ዚርከብ ጐደና መጥቃዕቲ ወረዶ። ገለ ሰኽራማት ሰብኡት ኣብ መንኵቡ ብሰይፊ ወግእዎ። ፕላንቲን ካብቲ መቝሰልቲ እኳ እንተ ሓወየ: ድሕሪኡ ግን ከቢድ ጕልበት ዚሓትት ዕዮ ኺዓዪ ኣይከኣለን: ስለዚ ሞያኡ ኪቕይር ተገደደ። ሄንድረክ ኒክላስ ዚበሃል መራሒ ሓደ ጕጅለ ኣናባብቲስት ብዝገበረሉ ገንዘባዊ ደገፍ ከኣ: ዕዮ ሕትመት ጀመረ።

“ስራሕን ሓቦን”

ፕላንቲን ነቲ ቤት ማሕተሙ ደ ጉልደን ፓሰር (እቲ ወርቃዊ ኮምፓስ) ኢሉ ጸውዖ። ምልክት ንግዱ ኸኣ ጽምዲ ወርቃዊ ኮምፓስ ንድፊ ኸምኡውን “ላቦረ ኤት ኮንስታንቲያ” ማለት “ስራሕን ሓቦን” ዚብል ጽሑፍ ነበሮ። እቲ ምልክት ንግዱ ነዚ ጻዕራም ሰብኣይ ዚበቅዕ እዩ ነይሩ።

ፕላንቲን ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳ ዓብዪ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ናዕቢ ዝነበረሉ እዋን ይነብር ስለ ዝነበረ: ካብ ሽግር ኪርሕቕ እዩ ዚጽዕር ነይሩ። ንዕኡ ዕዮ ሕትመት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ተደናጋጺ እቲ ተሓድሶ ፕሮተስታንት እኳ እንተ ነበረ: ከምቲ ማውሪተስ ሳበ ዚበሃል ደራሲ ዝበሎ “ኣብ ሕቶ ሃይማኖት ዘይንጹር ኣረኣእያ ነበሮ።” በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: መናፍቓዊ መጻሕፍቲ ኸም ዚሓትም ወረ ኺንዝሓሉ ጀመረ። ንኣብነት: ብ1562 ንልዕሊ ሓደ ዓመት ናብ ፓሪስ ኪሃድም ተገደደ።

ብ1563 ናብ ኣንትወርፕ ምስ ተመልሰ: ምስ ሃብታማት ነጋዶ ተሻረኸ: ገለ ኻባታቶም ድማ በቲ ካልቪናዊ እምነቶም ዚፍለጡ እዮም ነይሮም። ኣብቲ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቐጸለ ሽርክና: ካብ ቤት ሕትመት ፕላንቲን 260 እተፈላለየ ጽሑፋት ተሓትመ። እዚ ድማ ናይ እብራይስጥን ግሪኽኛን ላቲንን ሕታማት መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ብውቁብ መገዲ እተሰላለመ ሕታማት ናይ ዳች ካቶሊክ መጽሓፍ ቅዱስ ሉቫን ዜጠቓልል ነበረ።

“ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ስነ-ማሕተማዊ ዕማም”

ብ1567 ኣብ ሃገራት መታሕት ንግዝኣት ስጳኛ ዝነበረ ተቓውሞ እናወሰኸ ዚኸደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ፊሊፕ ዳግማይ ንጉስ ስጳኛ ነቲ ናይ ኣልባ መስፍን ኣብቲ ቦታ ኸም ኣመሓዳሪ ዀይኑ ኼገልግል ለኣኾ። እቲ መስፍን ካብቲ ንጉስ ምሉእ ስልጣን ስለ እተዋህቦ: ነቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ ተቓውሞ ፕሮተስታንት ኬጥፍእ ጸዓረ። ስለዚ: ፕላንቲን ነቲ ብዛዕባ መናፍቕነት ዝነበረ ጥርጣረ የወግድ እዩ ኢሉ ተስፋ ዝገበረሉ ዓብዪ ዕዮ ኺዓዪ ጀመረ። ንምሁራት ዚኸውን ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ብበዅሪ ቛንቋታት ኪሓትም ባህጊ ሓደሮ። ነዚ ሓድሽ ሕታም ድማ ካብ ፊሊፕ ዳግማይ ፍቓድ ኪረክብ ከኣለ። እቲ ንጉስ ገንዘባዊ ደገፍ ኪገብር ቃል ኣተወ: ነቲ ዕዮ ምእንቲ ኺቈጻጸሮ ድማ ነቲ ኣርያስ ሞንታኖ ዚበሃል ውሩይ ተኸታሊ ሰብኣውነታዊ ለኣኾ።

ሞንታኖ ናይ ቋንቋ ተውህቦ ነበሮ: ኣብ መዓልቲ 11 ሰዓት ከኣ ይዓዪ ነበረ። በቶም ናይ ስጳኛን በልጅዩምን ፈረንሳን ክኢላታት ቋንቋ ይሕገዝ ነበረ። ዕላማኦም ሓድሽ ሕታም እቲ ፍሉጥ ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ ምድላው እዩ ነይሩ። b እቲ ፕላንቲን ዝሓተሞ ሓድሽ ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ላቲን ቩልጌትን ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንትን በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጥን ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ኣረማይስጢ ታርጉምን ናይ ሱርስት ፐሺታን ነዚ ጽሑፋት ቃል ብቓሉ ዝተርጐመ ትርጕማት ላቲንን ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

ብ1568 ሕትመት ተጀመረ። እቲ ዓብዪ ዕዮ ብ1572 ተዛዘመ። ነቲ ግዜ እቲ ኣብ ግምት ብምእታው ቅልጡፍ ስራሕ እዩ ነይሩ። ሞንታኖ ናብ ንጉስ ፊሊፕ ዳግማይ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ: “ኣብ ሮማ ኣብ ሓደ ዓመት ካብ ዚዕመም ንላዕሊ: ኣብዚ ኣብ ሓንቲ ወርሒ ዝያዳ ይዕመም” በለ። ፕላንቲን 1,213 ቅዳሓት እዚ ሓድሽ ናይ ብዙሐ-ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ሓተመ: ነፍሲ ወከፉ ኸኣ ሸሞንተ ዓበይቲ ጥራዛት ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ኣርእስቲ ዚጽሓፈሉ ገጽ: ኣንበሳን ብዕራይን ተዅላን ዕየትን ብሰላም ካብ ሓደ ጋብላ እናበልዑ ዜርኢ ስእሊ ኣለዎ: እዚ ድማ ካብ ኢሳይያስ 65:25 እተወስደ እዩ። ዋጋ እቲ ብግቡእ ዘይተጠረዘ ሓደ ጕጅለ ጽሑፋት 70 ጊልደር እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ማእከላይ ዚበሃል ስድራቤት ኣብ ዓመት 50 ጊልደር የእቱ ብምንባሩ: እዚ ዋጋ እዚ ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ። እቲ እተማልአ ጕጅለ ጥራዛት: ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ተባሂሉ ተጸውዐ። ንጉስ ፊሊፕ ዳግማይ ስለ ዝመወሎ ኸኣ ቢብሊያ ረጂያ (ንጉሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ) ተባሂሉ እውን ተጸውዐ።

ጳጳስ ግሪጎሪ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ኣጽደቖ: ሞንታኖ ግን በቲ ዕዮኡ ኸቢድ ነቐፌታ ኣጋጠሞ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት: ሞንታኖ ነቲ በዅሪ እብራይስጢ ኻብቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ዚበልጽ ገይሩ ብምርኣዩ እዩ። እቲ ተጻራሪኡ ሊዮን ደ ካስትሮ ዚበሃል ስጳኛዊ ናይ ሃይማኖት ምሁር ኰይኑ: ናይ ላቲን ቩልጌት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓቅነት ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ። ስለዚ ድማ ንሞንታኖ ነቲ ጽሑፍ በቲ ጸረ-ስላሴኣዊ ፍልስፍና ኣርኪስዎ ኢሉ ኸሰሶ። ንኣብነት: ደ ካስትሮ ኣብቲ ናይ ሱርስት ፐሺታ እታ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7 እትርከብ “ኣብ ሰማይ ኣቦን ቃልን መንፈስ ቅዱስን ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም ከኣ ሓደ እዮም” እትብል ሓቅነት ዘይብላ ወሰኽ ከም ዝወጸት ኣስተብሃለ። (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) እቲ ናይ ስጳኛ ፍርዲ መናፍቓን: ንሞንታኖ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጥርጣረ መናፍቕነት ናጻ ገበሮ። ገሊኦም ነቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ “ኣብ መበል 16 ዘመን ብሓደ ሓታሚ እተሓተመ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ስነ-ማሕተማዊ ዕማም” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

ነባሪ ኣበርክቶ

ብዙሓት ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሓተምቲ: ክልተ ወይ ሰለስተ ሓተምቲ ማካይን ይሕዙ ነበሩ። ፕላንቲን ኣብቲ ፍርያቱ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ 22 ዘይውሕድ ሓተምቲ ማካይንን 160 ሰራሕተኛታትን እዮም ነይሮምዎ ኪዀኑ ዚኽእሉ። ኣብቲ ተዛረብቲ ስጳኛ ዝነበሩሉ ቦታታት ብምሉኡ: ኣውራ ሓታሚ ዀይኑ ተፈልጠ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ኣብተን ሃገራት መታሕት ንግዝኣት ስጳኛ ዚግበር ተቓውሞ እናበርትዐ ኸደ። ኣንትወርፕ በቲ ግጭት ተለከመት። ብ1576 ደሞዞም ዘይተዋህቦም ዕሱባት ስጳኛ ናዕቢ ብምልዕዓል ነታ ኸተማ ዘረፍዋ። ልዕሊ 600 ኣባይቲ ተቓጸለ: ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተቐማጦ ኣንትወርፕ ከኣ ተቐትሉ። ነጋዶ ኻብታ ኸተማ ሃደሙ። እዚ ኸኣ ንፕላንቲን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚኸስር ገበሮ። ብዘይካዚ: ነቶም መናዓብቲ ሰፍ ዘይብል ግብሪ ኪኸፍል ተገደደ።

ብ1583 ፕላንቲን ናብታ ብሰሜን ኣንትወርፕ 100 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ለይደን ገዓዘ። ኣብኣ ቤት ማሕተም ከፈተ: ነቲ ብናይ ካልቪን ፕሮተስታንት እተመስረተ ዩኒቨርሲቲ ለይደን ሓታሚ ዀይኑ ድማ ተመዘዘ። በዚ ምኽንያት እዚ ንቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ እሙን ኣይኰነን ዚብል ቀደም እተኸሰሉ ኽሲ እንደገና ተላዕለ። ስለዚ: ኣብ መወዳእታ 1585 ኣንትወርፕ እንደገና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስጳኛ ምስ ኣተወት: ፕላንቲን ናብኣ ተመልሰ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ 60ታት ዕድሚኡ እዩ ነይሩ: እቲ ቤት ማሕተም ከኣ ኣብ ሓንቲ ሓታሚት ማኪና ዚዓዩ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ጥራይ ነበርዎ። ፕላንቲን ነቲ ቤት ማሕተም ዳግም ኪሃንጾ ተበገሰ። እንተዀነ ግን: ናብቲ ናይ ቀደም ደረጃኡ ፈጺሙ ኣየብጸሖን: ብ1 ሓምለ 1589 ከኣ ሞተ።

ክሪስቶፍ ፕላንቲን ኣብ 34 ዓመት: 1,863 እተፈላለየ ሕታማት መጻሕፍቲ ሓቲሙ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብገምጋም ኣብ ዓመት ዳርጋ 55 ማለት እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ: እዚ ቝጽሪ እዚ ንሓደ ውልቂ ሓታሚ ዓብዪ ዕማም እዩ! ፕላንቲን ተሪር ሃይማኖታዊ ኣቕዋም እኳ እንተ ዘይሓዘ: ዕዮኡ ግን ንሕትመትን ስነ-ማሕተምን ጥራይ ዘይኰነስ: ንመጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እውን ኣደንፊዑ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እወ: ፕላንቲንን ብግዜኡ ዝነበሩ ሓተምትን ውዒልካ ሓዲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ንተራ ሰብ ከም ዚበጽሖ ኣብ ምግባር ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ “ሃገራት መታሕት” እትብል ስያመ: ነቲ ኣብ መንጎ ጀርመንን ፈረንሳን ዚርከብ ገማግም ባሕሪ ዜመልክት ኰይኑ: ነዘን ሕጂ ላክሰምበርግ: በልጅዩም: ነዘርላንድስ ዚርከባሉ ዞባ ዜጠቓልል እዩ።

b እዚ ብብዙሕ ቋንቋታት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1517 እዩ ተሓቲሙ። ብእብራይስጥን ብግሪኽኛን ብላቲንን እተወሰነ ኽፋል ኣረማይስጥን ዝሓዘ እዩ። ነቲ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2004: ኣብ ገጽ 28-31 ዚርከብ “ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ—ንትርጕም ዚሕግዝ ታሪኻዊ ጽሑፍ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቤተ-መዘክር ፕላንቲን-ሞሬተስ

እቲ ፕላንቲንን ዘርኡን ዝነበሩሉን ዝዓየዩሉን ኣብ ከተማ ኣንትወርፕ ዚርከብ ህንጻ: ብ1877 ቤተ-መዘክር ኰይኑ ንህዝቢ ተኸፍተ። ኣብቲ እዋን እቲ ኻብ ዝነበረ ኣብያተ ማሕተም: ብዘይካዚ ኻልእ ከይተተንከፈ ዝጸንሐ ቤት ማሕተም የልቦን። ኣብ መበል 17 ኸምኡውን ኣብ መበል 18 ዘመን ዝነበራ ሓሙሽተ ሓተምቲ ማካይን ንምርኢት ቀሪበን ይርከባ። ኣብ ዓለም ብጥንታውነተን ቀዳምነት ዚወሃበን ክልተ ኻልኦት ከኣ: ዳርጋ ኣብቲ ፕላንቲን ዝነበረሉ ግዜ ዝነበራ እየን። እቲ ቤተ-መዘክር ዳርጋ 15,000 መውጽኢ ቕርጺ ዘለዎ ዀይኑ: 15,000 ማሕተም ዕንጨይትን 3,000 እተቐርጸ ቐጸላ ነሓስን ኣለዎ። እቲ ናይቲ ቤተ-መዘክር ቤተ-መጻሕፍቲ ኻብ 9ይ ክሳዕ መበል 16 ዘመን እተጻሕፈ 638 ኢደ-ጽሑፋት ከምኡውን ቅድሚ 1501 ድ.ክ. እተሓትመ 154 መጻሕፍቲ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቲ ብ1461 እተሓትመ በዅሪ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ጉተንበርግ ከምኡውን ነቲ ፕላንቲን ዝሓተሞ ውሩይ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቋንቋ ዜጠቓልል እዩ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣርያስ ሞንታኖ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ናይ ኣንትወርፕ ብዙሐ-ቛንቋ ነቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ: ናይ ላቲን “ቩልጌት:” ናይ ግሪኽ “ሰፕቱጀንት:” ከምኡውን ናይ ሱርስት “ፐሺታ”ን ናይ ኣረማይስጢ ታርጉምን ምስ ናይ ላቲን ትርጕማቱ ዝሓዘ እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

By courtesy of Museum Plantin-Moretus/Stedelijk Prentenkabinet Antwerpen

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Both images: By courtesy of Museum Plantin-Moretus/Stedelijk Prentenkabinet Antwerpen