ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ ተቐበል

ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ ተቐበል

ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ ተቐበል

“ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ።” —ምሳሌ 3:11

1. ተግሳጽ ኣምላኽ ክትቅበል ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ነፍሲ ወከፍና ተግሳጽ ንኽንቅበል ጽቡቕ ምኽንያት ሂቡና ኣሎ። “ወደየ: ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ: ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ: እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር” በለ። (ምሳሌ 3:11, 12) እወ: ሰማያዊ ኣቦኻ ስለ ዜፍቅረካ: ይግስጸካ እዩ።

2. “ተግሳጽ” ንምንታይ የመልክት፧ ሓደ ሰብ ብኸመይ ተግሳጽ ኪወሃቦ ይከኣል፧

2 “ተግሳጽ” ኪበሃል ከሎ መቕጻዕቲ: መአረምታ: መምርሒ: ትምህርቲ የመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 12:11) ተግሳጽ ኣምላኽ ምቕባልካን ኣብ ግብሪ ምውዓልካን: ጽድቃዊ መገዲ ንኽትስዕብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ናብቲ ቕዱስ ኣምላኽና የሆዋ የቕርበካ። (መዝሙር 99:5) መአረምታ ብኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን በቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እትመሃሮ ትምህርትን ኣቢሉ: ከምኡውን ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እትገብሮ መጽናዕትን ካብ ጽሑፋት ‘እቲ እሙን መጋብን’ ኪመጽእ ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 12:42-44) ምትዕርራይ ዜድልዮ ነገር ንኸተተኵረሉ እንተ ተሓቢሩካ: ብዙሕ ከተመስግን ይግባእ። ከቢድ ሓጢኣት እንተ ተፈጺሙ ግን ከመይ ዝበለ ተግሳጽ እዩ ዜድሊ፧

ገሊኦም ዚውገዱሉ ምኽንያት

3. ውገዳ ዚግበር መዓስ እዩ፧

3 ኣገልገልቲ ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን የጽንዑ እዮም። መለክዒታት የሆዋ ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ይግለጽ እዩ። ስለዚ ክርስትያናት: የሆዋ እንታይ ኬማልኡ ኸም ዚደልዮም ይፈልጡ እዮም። ውገዳ ዚግበር ሓደ ኣባል ጉባኤ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ ዘይንሳሕ ምስ ዚኸውን ጥራይ እዩ።

4, 5. ኣብዚ እንታይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ኣብነት ውገዳ እዩ ቐሪቡ ዘሎ፧ እታ ጉባኤ ነቲ ሰብኣይ ንኽትመልሶ ምሕጽንታ እተዋህባ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ኣብነት ውገዳ እሞ ንርአ። እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ‘ምንዝርና ብሱሩ: ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ: ማለት ሓደ ኻባታቶም ንሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ’ ኽነሱ ዕሽሽ ኢላቶ ነበረት። ጳውሎስ ነቶም ሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ “[“እቲ መንፈስ:” NW] በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ: ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሀብ” ተማሕጸኖም። (1 ቈረንቶስ 5:1-5) እቲ ሓጥእ ምስ ተወገደ: በዚ ኣቢሉ ኸኣ ንሰይጣን ምስ ተዋህበ: እንደገና ኽፍሊ እታ ናይ ድያብሎስ ዓለም እዩ ዀይኑ። (1 ዮሃንስ 5:19) ንሱ ብምውጻኡ: ኣብታ ጉባኤ እኩይ ስጋዊ ጽልዋ ኸም ዚጠፍእን ኣምላኻዊ “መንፈስ” ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ ኸም ዚሰፍንን ገይሩ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:22፣ 1 ቈረንቶስ 5:11-13

5 ነዊሕ ከይጸንሐ: ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ኣባሲ ናብታ ጉባኤ ንኺመልስዎ ተማሕጸኖም። ስለምንታይ፧ እቲ ሃዋርያ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ሰይጣን ከይብለጸልና” ብምባል ምኽንያቱ ነገሮም። እቲ ሓጥእ ተነሲሑን ኣነባብራኡ ኣንጺሁን ኪኸውን ኣለዎ። (2 ቈረንቶስ 2:8-11) እቶም ሰብ ቈረንቶስ ነቲ እተነስሐ ሰብ ምምላስ እንተ ኣብዮም: ከምቲ ድያብሎስ ኪዀንዎ ዚደልዮም ተረርትን ይቕረ ዘይብሉን ብምዃኖም ሰይጣን ተበሊጹሎም ኪበሃል ይከኣል። ድሕርዚ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ እተጣዕሰ ሰብኣይ ‘ይቕረ ኢሎምሉን ኣጸናኒዖምዎን’ ኪዀኑ ኣለዎም።—2 ቈረንቶስ 2:5-7

6. ውገዳ እንታይ ነገር እዩ ዚዓምም፧

6 ውገዳ እንታይ ነገር እዩ ዚዓምም፧ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኻብ ወቐሳ ናጻ ይገብሮ: ነቲ ጽቡቕ ስም ህዝቡ ድማ ዕቝባ ይኸውን። (1 ጴጥሮስ 1:14-16) ንሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኻብታ ጉባኤ ምውጻእ: ንመለክዒታት ኣምላኽ ክብ የብሎ: ንመንፈሳዊ ንጽህና እታ ጉባኤ ድማ ይዕቅቦ። ነቲ ዘይተነስሐ ድማ ናብ ልቡ ኺመልሶ ይኽእል ይኸውን።

ንስሓ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ

7. ዳዊት ንኣበሳኡ ብዘይምንዛዙ: እንታይ ሳዕቤን ኣምጸኣሉ፧

7 ብዙሓት ከቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት: ናይ ሓቂ ንስሓ ስለ ዜርእዩ ኻብታ ጉባኤ ኣይውገዱን እዮም። ልክዕ እዩ: ገሊኣቶም ብቐሊሉ ናይ ሓቂ ንስሓ ኣየርእዩን እዮም። ነቲ ንመዝሙር 32 ዘቀናበራ ዳዊት ንጉስ እስራኤል እሞ ንውሰድ። ዳዊት ንእተወሰነ ግዜ ንኸቢድ ሓጢኣቱ—ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ እዩ ዚኸውን—ከም ዘይተናዘዘሉ: እታ መዝሙር እቲኣ ትሕብር እያ። ውጽኢቱ ኸኣ ከምቲ ሃሩር ሓጋይ ንሓንቲ ኦም ዜንቅጻ: ሓጢኣቱ ዘምጸኣሉ ኸቢድ ጓሂ ንሓይሉ ጸንቀቖ። ኣካላውን ስምዒታውን ስቓይ ኣጋጠሞ: ‘ኣበሳኡ ምስ ተናዘዘሉ ግን: የሆዋ ይቕረ በለሉ።’ (መዝሙር 32:3-5) ድሕሪኡ ዳዊት: “እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ . . . ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 32:1, 2) ምሕረት ኣምላኽ ምርካብሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

8, 9. ንስሓ ብኸመይ እዩ ዚርአ፧ ንእተወገደ ሰብ ምስ ምምላስ ብእተተሓሓዘኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

8 እምበኣር: ሓደ ሓጥእ ምሕረት ኪረክብ እንተ ዀይኑ: ኪንሳሕ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ሕፍረት ኰነ ኸይትቃላዕ ምፍራህ: ንስሓ ኣይኰነን። “ምንሳሕ” ኪበሃል ከሎ: ካብ ጣዕሳ ተላዒልካ ብዛዕባ ሕማቕ ኣረኣእያ ዝነበረካ “ኣተሓሳስባ ምቕያር” ማለት እዩ። ሓደ ዚንሳሕ ሰብ “ስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ” እዩ ዘለዎ: ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኸኣ ነቲ ‘ጌጋ ኬቕንዖ’ ይደሊ እዩ።—መዝሙር 51:17፣ 2 ቈረንቶስ 7:11

9 ንእተወገደ ሰብ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምምላስ: ንስሓ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ሓደ እተወገደ ሰብ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ስቕ ኢልካ ኣይኰነን ናብታ ጉባኤ ዚምለስ። ቅድሚ ምምላሱ: ልቡ ዓብዪ ለውጢ ኺገብር ኣለዎ። ክብደት እቲ ሓጢኣቱን ኣብ የሆዋን ኣብታ ጉባኤን ዘምጸኦ ወቐሳን ኪርድኦ ኣለዎ። ኪንሳሕን ይቕረ ንኺበሃለሉ ኻብ ልቡ ኺጽልን ነቲ ጽድቃዊ ብቕዓታት ኣምላኽ ኬማልእን ኣለዎ። ኪምለስ ኪሓትት ከሎ: ከም እተነስሐን “ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ” ይገብር ከም ዘሎን ኬርኢ ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:20

ሓጢኣት ምንዛዝ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

10, 11. ሓጢኣትና ኽንሓብእ ክንፍትን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

10 ገሊኦም ዝሓጥኡ ሰባት: ‘ንዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ ሓጢኣተይ እንተ ነጊረ: ዜሕፍር ሕቶታት እሕተት: ምናልባት እውን እውገድ እኸውን። ስቕ እንተ ኢለ ግን: እዚ ዅሉ ኣየጋጥመንን: ዋላ ሓደ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ድማ ኣይፈልጥን’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ: ንገለ ኣገዳሲ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይኰነን። እዚ ረቛሒታት እዚኸ እንታይ እዩ፧

11 የሆዋ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” እዩ። ኰይኑ ግን: ንህዝቡ “ብልክዕ” ይእርሞም እዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7፣ ኤርምያስ 30:11) ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ እሞ ንሓጢኣትካ ኽትሓብኦ እንተ ፈቲንካ: ከመይ ጌርካ ኢኻ ምሕረት ኣምላኽ ክትረክብ እትኽእል፧ የሆዋ ንሓጢኣትካ ይፈልጦ እዩ: ንኣበሳ እውን ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓልፎን እዩ።—ምሳሌ 15:3፣ ኣንባቆም 1:13

12, 13. ኣበሳ ኽትሓብእ ምፍታን እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል፧

12 ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ: ብምንዛዝ እንደገና ሰናይ ሕልና ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። (1 ጢሞቴዎስ 1:18-20) ዘይምንዛዝ ግን ናብ ዝያዳ ሓጢኣት ዚመርሕ ዝረኸሰ ሕልና ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ሓጢኣት ክትፍጽም ከለኻ: ንሰባት ወይ ነታ ጉባኤ ጥራይ ኣይኰንካን እትብድል። ንኣምላኽ ኢኻ እትብድሎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ: ኣዒንቱ ይጥምታ: ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ። እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 11:4, 5

13 የሆዋ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣቱ ሓቢኡ ኣብታ ንጽህቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪቕጽል ዚፍትን ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይባርኾን እዩ። (ያእቆብ 4:6) ስለዚ: ኣብ ሓጢኣት እንተ ወዲቕካ እሞ ቕኑዕ ክትገብር እንተ ደሊኻ: ብቕንዕና ኻብ ምንዛዝ ድሕር ኣይትበል። እንተ ዘይኰነ ግን: ብፍላይ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጕዳያት ከተንብብ ወይ ክትሰምዕ ከለኻ: ገበነኛ ሕልና ኺህልወካ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን የሆዋ ኸምቲ ንንጉስ ሳኦል ዝገበሮ መንፈሱ ኻባኻ ኼልግሶ ይኽእል እዩ። (1 ሳሙኤል 16:14) መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይብልካ ኸኣ: ኣብ ዝገደደ ኸቢድ ሓጢኣት ክትወድቕ ትኽእል ኢኻ።

ነቶም እሙናት ኣሕዋትካ እመኖም

14. ሓደ ኣባሲ ነቲ ኣብ ያእቆብ 5:14, 15 ዚርከብ ምኽሪ ኺስዕብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

14 እምበኣር: ሓደ ዚንሳሕ ኣባሲ እንታይ እዩ ኺገብር ዚግብኦ፧ “ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ: ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር: ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን ከተንስኦ እዩ።” (ያእቆብ 5:14, 15) ናብ ሽማግለታት ምቕራብ ሓደ ኻብቲ ሓደ ውልቀ-ሰብ “ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ” ዚገብረሉ መገዲ እዩ። (ማቴዎስ 3:8) እዞም እሙናትን ለዋሃትን ሰብኡት: “ዘይቲ እናለኸይዎ: ኣብ ልዕሊኡ ይጽልይሉ” እዮም። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህብዎ ምኽሪ: ከምቲ ቓንዛ ዜህድእ ዘይቲ ብምዃን: ብሓቂ ንዚንሳሕ ዘበለ የጸናንዖ እዩ።—ኤርምያስ 8:22

15, 16. ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 34:15, 16 ዚርከብ ኣብነት ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧

15 እቲ ጓሳና ዝዀነ የሆዋ: ብ537 ቅ.ክ. ንኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኼውጽኦም ከሎ: ብ1919 ድ.ክ. ከኣ ንመንፈሳውያን እስራኤል ካብ “ዓባይ ባቢሎን” ሓራ ኼውጽኦም ከሎ: ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉልና! (ራእይ 17:3-5፣ ገላትያ 6:16) በዚ ተግባር እዚ ኣቢሉ ድማ ነቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል መብጽዓኡ ፈጸሞ:- “ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ከውፍረን ባዕለይ ድማ ከስፍረን እየ: . . . ዝጠፍኤት ክደሊ: እተባረረት ክመልስ: እተሰብረት ክዘንን: ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ . . . እየ።”—ህዝቅኤል 34:15, 16

16 የሆዋ ነተን ምሳልያውያን ኣባጊዑ ኣውፊርወን ወይ መጊብወን: ኣብ ደሓን ዘለዎ ቦታ ኣስፊርወን: ንዝጠፍኣ እውን ደልይወን እዩ። ብተመሳሳሊ: ክርስትያን ሽማግለታት: እተን መጓሰ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ብዚግባእ ከም ዚምገባን ደሓን ከም ዚረኽባን ይከታተሉ እዮም። ነተን ካብታ ጉባኤ ዝረሓቓ ኣባጊዕ ይደልይወን እዮም። ከምቲ ኣምላኽ ‘ንእተሰብረት ዝዘነነ:’ ሓለውቲ እውን ነተን ብናይ ገሊኦም ቃላት ወይ በቲ ሽማግለታት ባዕሎም ዚፍጽምዎ ተግባራት ዝቘሰላ ኣባጊዕ ‘ይዝንኑ’ እዮም። ከምቲ ኣምላኽ ‘ንዝሓመቐት ዘጽንዐ:’ ሽማግለታት እውን ነቶም ብብሕታዊ ኣበሳኦም ወይ ብኻልእ ምኽንያት ብመንፈሳዊ ዝሓመሙ ሰባት ይሕግዙ እዮም።

ጓሶት ሓገዝ ዚህቡሉ መገዲ

17. ካብ ሽማግለታት መንፈሳዊ ደገፍ ካብ ምርካብ ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

17 ሽማግለታት ነቲ “ብፍርሃት ደንግጹሎም” ዚብል ምኽሪ ብሓጐስ ይዓዩሉ እዮም። (ይሁዳ 23) ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ብምውዳቖም: ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም እዮም። ብሓቂ ዚንስሑ እንተ ዀይኖም ግን: ካብቶም መንፈሳዊ ደገፍ ኪገብሩሎም ህንጡያት ዝዀኑ ሽማግለታት: ምሕረት ዝመልኦን ፍቕራውን ኣተሓሕዛ ኺጽበዩ ይኽእሉ እዮም። ጳውሎስ ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንርእሱ እውን ሓዊሱ “ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” በለ። (2 ቈረንቶስ 1:24) ስለዚ: ካባታቶም መንፈሳዊ ደገፍ ካብ ምድላይ ድሕር ኣይትበል።

18. ሽማግለታት ነቶም ዚጋገዩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም፧

18 ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺምካ: ኣብ ሽማግለታት ምትእምማን ኪህልወካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ብቐዳምነት ጓሶት መጓሰ ኣምላኽ እዮም። (1 ጴጥሮስ 5:1-4) ዋላ ሓደ ፈቃር ጓሳ ንሓንቲ እምቤዕ እትብል ዘላ ልእምቲ በጊዕ: ገዛእ ርእሳ ብምጕዳኣ ኣይወቕዓን እዩ። ስለዚ: ሽማግለታት ነቶም ዚጋገዩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዚሕዙሉ ኣገባብ: ብዓይኒ ገበንን መቕጻዕትን ዘይኰነስ: እንተ ተኻኢሉ ብዓይኒ ሓጢኣትን መንፈሳዊ ምሕዋይን ጌርካ እዩ ዚርአ። (ያእቆብ 5:13-20) ሽማግለታት ብጽድቂ ኺፈርዱ: ‘ነተን መጓሰ ድማ ዚንሕፉ’ ኪዀኑ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ ኢሳይያስ 32:1, 2) ከም ኵሎም ካልኦት ክርስትያናት: ‘ቅንዕና ኺገብሩ: ምሕረት ኪፈትዉ: ምስ ኣምላኾም እውን ብትሕትና ኺመላለሱ’ ይግባእ። (ሚክያስ 6:8) ንህይወትን ንቕዱስ ኣገልግሎትን እተን ‘ኣባጊዕ መጓሰ’ የሆዋ ዚምልከት ውሳነ ኺግበር ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣድላዪ እዩ።—መዝሙር 100:3

19. ክርስትያን ሽማግለታት ንሓደ ሰብ ኬቕንዕዎ ዚፍትኑ ብኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ፧

19 ክርስትያን ጓሶት ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ተሸይሞም: ብእኡ ኺምርሑ ኸኣ እዮም ዚደልዩ። “ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ:” ማለት ከይፈለጠ እንተ በደለ: መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ‘ብህዱእ መንፈስ ገይሮም ኬቕንዕዎ’ ይፍትኑ እዮም። (ገላትያ 6:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ከምቲ ሓደ ሓላዪ ሓኪም ኢዱ ወይ እግሩ ንእተሰብረ ሰብ ዘየድሊ ስቓይ ከየስዕበሉ እናተጠንቀቐ ግን ከኣ ነቲ ጸገም ንኺፈትሕ ኢሉ ኣብ ቦታኡ ዚገጥመሉ: ሽማግለታት ድማ ብህድኣት ግን ከኣ ኣብ መለክዒታት ኣምላኽ ጽኑዕ ኣቕዋም ብምሓዝ: ንኣተሓሳስባ እቲ ዝበደለ ኬቕንዑ ይፍትኑ እዮም። (ቈሎሴ 3:12) ሽማግለታት ምሕረት ንምግባር ኣብ ጸሎትን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ስለ ዚምርኰሱ: እቲ ውሳነኦም ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ዜንጸባርቕ።—ማቴዎስ 18:18

20. ሓደ ሰብ መግናሕቲ ኸም እተዋህቦ ነታ ጉባኤ ምንጋራ ኣድላዪ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

20 እቲ ሓጢኣት ብብዙሓት ዚፍለጥ ወይ ብዘይጥርጥር ጸኒሑ ዚፍለጥ እንተ ዀይኑ: ንስም እታ ጉባኤ ንምሕላው ተባሂሉ ምልክታ ምንጋር ግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ጉባኤ ኺንገራ ዜድሊ እንተ ዀይኑ እውን ምልክታ ይግበር እዩ። እቲ ብኮሚተ ፍርዲ እተገንሐ ውልቀ-ሰብ ብመንፈሳዊ ዚሓውየሉ እዋን: ምስ ሓደ እተጐድአ ሰብ ክሳዕ ዚሓዊ ንግዜኡ ንጥፈታቱ ዚቕየደሉ እዋን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ እተነስሐ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ኣብ ክንዲ ዚህብ: ንእተወሰነ ግዜ ስቕ ኢሉ እንተ ሰምዐ ጠቓሚ እዩ። እቶም ሽማግለታት ኣብቲ እቲ ውልቀ-ሰብ ዝደኸመሉ መዳይ ንኺብርትዕ እሞ ‘ብእምነት ጥዑይ’ ምእንቲ ኪኸውን: ምስኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብር ሰብ ይምድቡ ይዀኑ። (ቲቶስ 2:2) እዚ ዅሉ ኻብ ፍቕሪ ተበጊስካ ዚግበር ደኣሉ እምበር: ነቲ ኣባሲ ንምቕጻዕ ተባሂሉ ዚግበር ኣይኰነን።

21. ገሊኡ ኣበሳ ብኸመይ ኪተሓዝ ይከኣል፧

21 ሽማግለታት ብእተፈላለየ መገዲ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ናይ መስተ ጸገም ዘለዎ ሰብ: ኣብ ቤቱ በይኑ ኸሎ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ካብ መጠን ንላዕሊ ሰትዩ ንበል። ወይ ከኣ ምናልባት ሓደ ንነዊሕ እዋን ትምባኾ ምትካኽ ዝገደፎ ሰብ: ኣብ ዚደኽመሉ ህሞት ንበይኑ ዀይኑ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ኣትኪኹ ንበል። እዚ ሰብ እዚ ዋላ እኳ እንተ ጸለየን ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዝበሎ እንተ ኣመነን: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ልማድ ምእንቲ ኸይኰኖ: ካብ ሓደ ሽማግለ ሓገዝ ኪሓትት ኣለዎ። ሓደ ወይ ክልተ ሽማግለታት ነቲ ጕዳይ ኪሕዝዎ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ጕዳይ ዚምልከት ካልእ ረቛሒታት ኪህሉ ስለ ዚኽእል: እቲ ሽማግለ(ታት) ነቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ኺሕብሮ ኣለዎ።

ተግሳጽ ኣምላኽ ምቕባል ኣይተቋርጽ

22, 23. ተግሳጽ ኣምላኽ ካብ ምቕባል ከተቋርጽ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧

22 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ: ንተግሳጽ የሆዋ ኬቕልበሉ ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:20) ስለዚ: ቅዱሳት ጽሑፋትን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከተጽንዕ ከለኻ ወይ ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታት ህዝቢ የሆዋ ዚቐርብ ምኽሪ ኽትሰምዕ ከለኻ: ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ። ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ዝመጸ ትኩር ኩን። ድሕሪኡ ተግሳጽ ኣምላኽ ንመንፈሳዊ ዕርድኻ: ማለት ነቲ ኻብ ሓጢኣት እትከላኸለሉ ድልዱል መከላኸሊኻ ንኽትዕቅቦ ኺሕግዘካ እዩ።

23 ተግሳጽ ኣምላኽ ምቕባል: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዕ ኬኽእለካ እዩ። ሓቂ እዩ: ገሊኦም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወጊዶም እዮም፣ ‘ልብኻ እንተ ሓሊኻን’ ‘ከም ለባም እንተ ተመላሊስካን’ ግን: እዚ ኣየጋጥመካን እዩ። (ምሳሌ 4:23፣ ኤፌሶን 5:15) ሕጂ ተወጊድካ እንተ ኣሊኻ ግን: ንኽትምለስ ንምንታይ ስጕምትታት ዘይትወስድ፧ ኣምላኽ: ኵሎም እቶም ርእሶም ንዕኡ ዝወፈዩ ሰባት: ብተኣማንነትን ‘ባህ ኢልዎም ብጽቡቕ ልቢ’ ኼምልኽዎ እዩ ዚደልዮም። (ዘዳግም 28:47) ወትሩ ተግሳጽ የሆዋ እንተ ተቐቢልካ: ንዘለኣለም ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 100:2

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ገሊኦም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚውገዱ ስለምንታይ እዩ፧

• ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ የጠቓልል፧

• ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ ኺናዘዝ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

• ክርስትያን ሽማግለታት ንዘይተነስሑ ኣበስቲ ዚሕግዝዎም ብኸመይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ውገዳ መምርሒ ዝለኣኸሎም ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ጓሶት: ነተን ዝቘሰላ ኣባጊዕ ‘ይዝንኑ’