ይሁዳ ባዲማዶ ነይራ እያ፧
ይሁዳ ባዲማዶ ነይራ እያ፧
መጽሓፍ ቅዱስ: እታ መንግስቲ ይሁዳ ዝነበረትላ ምድሪ ብባቢሎናውያን ከም እትዓኑ: ክሳዕ እቶም እተማረኹ ኣይሁዳውያን ዚምለሱ ድማ ከም እትባድም ተነብዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 25:8-11) እዚ ትንቢት እዚ ኸም እተፈጸመ ንኽንኣምን ዚገብረና ዝዓበየ ምኽንያት: እቶም ናይ መጀመርታ ምሩኻት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ድሕሪ 75 ዓመት እተመዝገበ መንፈስ ዝነፈሶ ታሪኻዊ ጸብጻብ እዩ። እዚ ጸብጻብ እዚ: ንጉስ ባቢሎን “ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ: መንግስቲ ፋርስ ክሳዕ እትገዝእ: ንእኡን ንደቁን ባሮት ዀኑ” ይብል። ነታ ዓዲ ብዚምልከት ድማ “ባዲማ ኸላ ሰናብቲ ኣብዐለት” ይብል። (2 ዜና መዋእል 36:20, 21) ነዚ ዚድግፍ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ኣሎዶ፧
ኣብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጢ ፕሮፌሰር ስነ-ጥንቲ ፍልስጥኤም ዝዀነ ኤፍሬም ስተርን: ኣብታ ቢብሊካል ኣርኪኦሎጂ ሪቪው ዘርእስታ መጽሔት: “ኣሶራውያንን ባቢሎናውያንን ንሰፊሕ መሬት ጥንታዊት እስራኤል እኳ እንተ ኣዕነውዎ: እቲ ንድሕሪ እዚ ዕንወት እዚ ዘሎ ሳዕቤን ዚሕብር ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ግን ክልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ ዚገልጽ” በለ። ቀጺሉ ድማ: “ኣሶራውያን ኣብ ፍልስጥኤም [እዚ ንእስራኤል እውን ዜጠቓልል እዩ] ከም ዝነበሩ ዚሕብር ኣሰር ተረኺቡ እዩ: ድሕሪ ጥፍኣት ባቢሎናውያን ግን እተወሰነ ጋግ ኣሎ። . . . ክሳዕ እዋን ፋርስ ኣብታ ምድሪ ነበርቲ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ የለን። . . . ኣብቲ ቦታ እቲ ሰባት ይነብሩ ኸም ዘይነበሩ ዚሕብር ጋግ ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ: ካብተን ብባቢሎናውያን ዝጠፍኣ ኸተማታት ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ሰብ ዚነብራ ኣይነበረትን።”
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ዝዀነ ላውረንስ ስቴጀር እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማማዕ እዩ። “ኣብ ብዘላ ፍልስጥኤም ደሓር እውን ኣብ ብዘላ ይሁዳ:” እቲ ንጉስ ባቢሎን ዚጥቀመሉ ዝነበረ “ናይ ለበዳ መሬት ሜላ: ካብ ሩባ ዮርዳኖስ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ቦታ ሰፊሕ ዝባደመ መሬት ከም ዚህሉ ገበረ” በለ። ወሲኹ ድማ “እቲ ንባቢሎናውያን ስዒቡ ዝመጸ ቂሮስ ዓብዪ እቲ ፋርሳዊ ምግዛእ ምስ ጀመረ ጥራይ እዩ . . . ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን: ማለት ኣብቲ ብዙሓት ምሩኻት ኣይሁድ ናብ ዓዶም እተመልሱሉ ቦታ: ስነ-ጥንታዊ መዛግብ ኪርከብ ዝጀመረ” በለ።
እወ: እቲ የሆዋ ንይሁዳ ብዚምልከት ከም እትባድም እተዛረቦ ቓል ተፈጺሙ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ እተነበዮ ነገር ወትሩ ይፍጸም እዩ። (ኢሳይያስ 55:10, 11) እምበኣር: ኣብ የሆዋ ኸምኡውን ኣብቲ ኣብ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ መብጽዓታቱ ምሉእ ትውክልቲ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16