ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቀኛ ምዃን ረብሓ ኣለዎ

ሓቀኛ ምዃን ረብሓ ኣለዎ

ሓቀኛ ምዃን ረብሓ ኣለዎ

ምትላል ካብ ገነት ኤድን ጀሚሩ ዝነበረ ነገር እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ባህልታትን ሕብረተሰብን ንሓቀኛ ምዃን ዓብዪ ዋጋ እዩ ዚህቦ: ንሓሶትን ምትላልን ግን ከም ዘይብሃግን ንጹግን ነገር ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ከም ሓደ እሙን ሰብ ኴንካ ኽትርአ ኸለኻ ኣዝዩ ዜሐብን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ኣብዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ንምንባር ምትላል ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ይስምዓካ፧ ሓቀኛ ምዃን ከነማዕብሎ ዚግብኣና ነገር ድዩ፧ ሓደ ሰብ ሓቀኛ እዩ ወይ ኣይኰነን ኢልካ ንምፍራድ እትጥቀመሉ መለክዒ እንታይ እዩ፧

ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ደሊና: ኣብ ዘረባና ዀነ ኣብ ኣነባብራና ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣመንቲ ዝነበሩ ብጾቱ: “ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ብምባል ተላበዎም። (ኤፌሶን 4:25) “ኣብ ኵሉ ጽቡቕ ንምግባርውን ድላይ ኣሎና” ኸኣ በለ። (እብራውያን 13:18 ትርጕም 1990) ሓቀኛታት ክንከውን ዚድርኸና ብኻልኦት ሰባት ክንነኣድ ስለ እንደሊ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ንፈጣሪና ስለ እነኽብሮን ከነሐጕሶ ስለ እንደልን ኪኸውን ኣለዎ።

ኣምሰሉ ኣይትኹን

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብሩ ሰባት ጥቕሚ ንምርካብ ኢሎም ንርእሶም ብኻልእ መልክዕ የቕርቡ። ናብ ካልእ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንምእታው ወይ ስራሕ ንምርካብ ወይ ከኣ ብቕዓቶም ዘየማልኦ መዓርግ ንምርካብ ኢሎም ትምዩን ሰነዳትን ዲፕሎማን ወረቐት መንነትን ይሕዙ። ገሊኦም ወለዲ ድማ ምእንቲ ውሉዳቶም ትምህርቶም ኬናውሑ ኢሎም ደቆም ናይ እተወልዱሉ ዕለት ምስክር ወረቐት ብሓሶት የዳልዉ።

ንኣምላኽ ከነሐጕሶ እንተ ደሊና ግን መታለልቲ ኽንከውን የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ: “ኣምላኽ ሓቂ” ምዃኑ እዩ ዚዛረብ፣ እቶም ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ዘለዎም ሰባት ድማ ሓቀኛታት ኪዀኑ እዩ ዚጽበዮም። (መዝሙር 31:5) ነቲ ምስኡ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ክንዕቅቦ እንተ ደሊና: ነቶም “ሓሰውቲ ሰባት” ከምኡውን “ኣምሰሉታት” ክንመስሎም የብልናን።—መዝሙር 26:4

ገሊኦም ሰባት ብሰሪ ሓደ ዝገበርዎ ጌጋ ኺግሰጹ ምዃኖም ምስ ፈለጡ ነቲ ሓቂ ምሕባእ ልሙድ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈ: ሓደ ሰብ ከምዚ ንኺገብር ኪፍትን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚካፈል መንእሰይ ነቶም ሽማግለታት ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ነገሮም። ይኹን እምበር: ከም ዝሰረቐ መርትዖ እናሃለወ ኽነሱ: ነዚ ኣይተኣመነሉን። ኣብ መወዳእታ ምስ ተፈልጠ ግን ካብታ ጉባኤ ተወገደ። ምሉእ ብምሉእ ሓቀኛ ብምዃን ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ኽቡር ርክብ ኣብ ምምላስ ሓገዝ እንተ ዚቕበልሲ ጥበባዊዶ ኣይምነበረን፧ ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ . . . ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ: እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ” እዩ ዚብል።—እብራውያን 12:5, 6

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጉባኤ ናብ ዘሎ ሓላፍነታት ዚመጣጠር ሓደ ሓው ነቲ ዘለዎ ብሕታዊ ጸገማት ወይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሮ ሕማቕ ኣካይዳ ይሓብእ ይኸውን። ንሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣገልግሎት ዚኸውን መመልከቲ ኺመልእ ከሎ እውን ነቲ ብዛዕባ ጥዕናን ስነ-ምግባርን ዚሓትት ሕቶ ዘይብቑዕ ኪገብረኒ እዩ ኢሉ ብምሕሳብ ምሉእ መልሲ ኣይህብን ይኸውን። ‘ኣይሕሱን እየ ዘለኹ’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን፣ ኰይኑ ግን ቅኑዕን ሓቀኛን ድዩ ዚኸውን ዘሎ፧ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:32 ዘሎ ነጥቢ እሞ ርአ:- “እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ: ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።”

ሓቀኛ ምዃን ኪበሃል ከሎ: ብቐዳምነት ምስ ርእስኻ ሓቀኛ ኽትከውን ኣሎካ ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክንዲ ነቲ ቕኑዕን ትኽክልን ዝዀነ ነገር እንኣምን ነቲ ንሕና እንደልዮ ኢና ንኣምን። በደልና ናብ ካልእ ሰብ ከነላግብ እዩ ዚቐለና! ንኣብነት: ንጉስ ሳኦል ንበደሉ ኣብ ካልኦት ሰባት ብምልጋብ ነቲ ዘይምእዛዙ ኼማኻንየሉ ፈተነ። ብሰሪ እዚ ድማ የሆዋ ንጉስ ንኸይከውን ነዓቖ። (1 ሳሙኤል 15:20-23) እቲ “ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ: በደለይውን ኣይሰወርኩን: ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ: በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ” ብምባል ዝጸለየ ንጉስ ዳዊት ካብዚ ኽሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ ነይሩ!—መዝሙር 32:5

ሓቀኛ ምዃን በረኸት የምጽእ

ሓቀኛ ምዃን ወይ ድማ ዘይምዃን ነቲ ኻልኦት ሰባት ንዓኻ ዚርእዩሉ መገዲ ይጸልዎ እዩ። ሰባት ብተደጋጋሚ ኸም ዘታለልካዮም ምስ ፈለጡ: ኣባኻ ዝነበሮም እምነት ይጠፍእ እዩ: ነዚ እምነት ምምላስ ከኣ ቀሊል ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ግን እሙንን ሓቀኛን እንተ ዄንካ: ከም ንጽህናኡ ዚሕሉን ኪእመን ዘለዎ ሰብን መጠን ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ኢኻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዝዓይነቱ ጽቡቕ ስም ኣጥርዮም እዮም። ሒደት ኣብነታት እስከ ርአ።

ናይ ሓደ ኩባንያ ሓላፊ: ብዙሓት ካብቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ኩባንያ ይሰርቅዎ ኸም ዘለዉ ምስ ፈለጠ: ፖሊስ ኣብቲ ጕዳይ ኢዶም ንኼእትዉ ሓተተ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሰራሕተኛኡ ምስቶም እተኣስሩ ኸም ዝነበረ ምስ ፈለጠ: ናብቶም ፖሊስ ከይዱ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብኡንብኡ ንኺፍታሕ ነገሮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ሰብ እዚ ሓቀኛ ሰራሕተኛን ንጹህን ምዃኑ እቲ ሓላፊ ይፈልጥ ነበረ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ስርሑ ቐጸለ: እቶም ካልኦት ግን ተሰጉ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብጾቱ እቲ ዘርኣዮ ኣካይዳ ንስም የሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ስለ ዝዀነ: በዚ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ሰባት ንሰናይ ኣካይዳ ኸየስተብሃልሉ ኣይሓልፉን እዮም። ኣብ ሓደ ኣፍሪቃዊ ማሕበረሰብ: ካብቲ ድልድል ናይ ሓደ ፈሳሲ ዜሕልፍ ዓብዪ ቱቦ እተወሰነ ሉሕ ስለ እተሰርቀ ጽገና ኣድለዮ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ነቲ ሉሕ ንምቕያር ገንዘብ ኪእክቡ ወሰኑ፣ ነቲ ገንዘብ ንምቍጽጻር ግን ኪተኣማመኑሉ ዚኽእሉ ሰብ ይህሉዶ ይኸውን፧ ኵላቶም: ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኸውን ከም ዘለዎ ተሰማምዑ።

ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ፖለቲካውን ዓሌታውን ናዕቢ ምስ ኣተወት: ኣብ ሓደ ኣህጉራዊ ኩባንያ ተቈጻጻሪ ሕሳብ ኰይኑ ዚዓዪ ናይ የሆዋ ምስክር ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝነበረት ናብ ካልእ ቦታ ተቐየረ። ኵነታት ክሳዕ ዚሃድእ እቲ ኩባንያ ንኣዋርሕ ወጻኢታት እቲ ሰራሕተኛ ባዕሉ ብምሽፋን ኣብ ካልእ ሃገር ንኺሰርሕ መሰናድዎ ገበረሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ኩባንያ ንምስራቕ ኣብ እተገብረ ውዲት ብዘይ ምክፋሉ እዩ። ምምሕዳር እቲ ኩባንያ: እቲ ሰራሕተኛ ሓቀኛ ብምዃን ዝመጸ ፈጺሙ ነቐፋ ኸም ዘይብሉ ይፈልጥ ነበረ። እዚ ሰራሕተኛ እዚ ዘየተኣማምን እንተ ዚኸውን ነይሩ: ከምዚ ገይሮም ምሓገዝዎዶ ነይሮም፧

ምሳሌ 20:7 ብዛዕባ “ብንጽህናኡ ዚመላለስ ጻድቕ” ትገልጽ። ሓቀኛ ሰብ ንጽህናኡ እውን ይሕሉ እዩ። ንብጻዩ ኣይሰርቆን ወይ ኣየታልሎን እዩ። ካልኦት ሰባት ከምዚ ገይሮም ኪሕዙኻ ደይኰንካን እትደሊ፧ ሓቀኛ ምዃን ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ እዩ። ሓቀኛ ብምዃን ነቲ የሱስ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ብምባል ዝገለጾ ስርዓት ክንስዕብ ከም እንደሊ ዜርኢ እዩ።—ማቴዎስ 7:12፣ 22:36-39

ኵሉ ሳዕ ሓቀኛ ምዃን ዘይድለ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ እቲ እንረኽቦ ጽሩይ ሕልና ግን መዳርግቲ ዘይብሉ እዩ። እናሓደረ ድማ ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ብምዃንና ብዙሕ ረብሓ ኽንረክብ ኢና። ብርግጽ: ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ብዋጋ ዘይሽነን እዩ። ስለምንታይ እሞ ኢና ነዚ ርክብ እዚ ኽብርና ምእንቲ ኽንሕሉ ወይ ዘይሕጋዊ ጥቕሚ ምእንቲ ኽንረክብ ኢልና ዜታልል ነገራት ብምግባር እነበላሽዎ፧ ዘጋጠመ የጋጥመና ብዘየገድስ ኣብተን “እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ: ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ” ዚብላ ቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 40:4

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ትምዩን ሰነዳት ኣይገዝኡን ከምኡውን ኣይጥቀሙን እዮም