ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ የሱስ ኣብ ቃና ኣብ እተገብረ መርዓ ንማርያም ዝመለሰሉ መገዲ ንዕቀት ዜንጸባርቕ ወይ ሃሳዪ ምዃኑ ዜርኢ ድዩ፧—ዮሃንስ 2:4

የሱስ ድሕሪ ምጥማቑ ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሓደ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ተዓደሙ። ኣዲኡ እውን ኣብኡ ነበረት። ወይኒ ምስ ተወድአ ድማ ማርያም ንየሱስ “ወይኒ እምበር የብሎምን” በለቶ። የሱስ ከኣ ንኣዲኡ “ኣቲ ሰበይቲ: ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፧ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን” ብምባል መለሰላ።—ዮሃንስ 2:1-4

ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ሰብ ንኣዲኡ “ኣቲ ሰበይቲ” ኺብላ ኸምኡውን “ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፧” ኢሉ ኺምልሰላ ኸሎ ኸም ንዕቀት: ሕሉፍ ሓሊፉውን ከም ጸርፊ ጌርካ እዩ ዚርአ። የሱስ ከምዚ ገይሩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ነቲ ባህልን ቋንቋን እቲ እዋን እቲ ዘይምፍላጥ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ መግለጺ እዚኣ ብኸመይ ይጥቀሙላ ኸም ዝነበሩ ምርዳእ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እታ ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እታ “ሰበይቲ” እትብል ቃል ከምዚ በለት:- “ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ዝቐንዐ ዘረባ ንምዝራብ እተገልግል ኰይና: ትገንሓ ወይ ተሪር ዘረባ ትዛረባ ኸም ዘለኻ ዘይኰነስ: ትፈትዋን ተኽብራን ከም ዝዀንካ እያ እተርኢ።” ካልእ ምንጭታት እውን ምስዚ ዚሰማማዕ እዩ። ንኣብነት: እታ ዘ ኣንኮር ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት:- “ከምዚ ኢልካ ምዝራብ: ምግናሕን ዘይእሩም ምዃንን ፍቕሪ ኸም ዘይብልካ ዜርእን ኣይኰነን . . . የሱስ ንጓል ኣንስተይቲ ዜዛርበሉ ዝነበረ ልሙድን ትሕትና ዝመልኦን መገዲ እዩ ነይሩ።” እታ ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ ዘርእስታ መጽሓፍ: እዛ ቓል እዚኣ “ኣኽብሮት ብዝጐደሎ መገዲ ንምዝራብ ዘይኰነስ: ንመን ይዛረብ ከም ዘሎ ንምሕባር እዩ ተጠቒሙላ” ትብል። ብመሰረት እታ ብጌርሃርድ ኪተል እተዳለወት ቲኦሎጂካል ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ዘርእስታ መጽሓፍ: ነዛ ቓል እዚኣ “ንምስትንዓቕ ወይ ንምንእኣስ ኢልካ ኣይኰንካን” እትጥቀመላ። ስለዚ: የሱስ ንኣዲኡ “ኣቲ ሰበይቲ” ስለ ዝበላ: ብዘይእሩም ወይ ብሃሳዪ መገዲ እዩ ተዛሪብዋ ኢልና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና።—ማቴዎስ 15:28፣ ሉቃስ 13:12፣ ዮሃንስ 4:21፣ 19:26፣ 20:13, 15

ብዛዕባ እታ “ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፧” እትብል መግለጺኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እዛ መግለጺ እዚኣ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልግል ዝነበረት ልምድቲ ቝንቍኛ ኣይሁድ እያ ነይራ። ንኣብነት: ኣብ 2 ሳሙኤል 16:10 ዳዊት: ኣቢሻይ ንሽምዒ ንኸይቀትሎ ኪኽልክሎ ኸሎ “ኣቱም ደቂ ጹርያ: ምሳኻትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ አሎኒ፧ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ: እግዚኣብሄር፤ ንዳዊት ርገሞ: ኢሉ አዚዝዎ እዩ” ብምባል ተዛረበ። ብተመሳሳሊ እውን ኣብ 1 ነገስት 17:18 እታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር ዝነበረት መበለት ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ፈለጠት ንኤልያስ: “ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና፧ [“ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧” NW] ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካ” ከም ዝበለቶ ነንብብ።

ካብዚ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝረኣናዮ: እታ “ምሳኻኸ እንታይ አሎኒ፧” እትብል መግለጺ መብዛሕትኡ እዋን ንንዕቀት ወይ ንትዕቢት ዘይኰነስ: ንእተዋህበ እማመ ወይ ርእይቶ ንምቅዋም ወይ ከኣ ኣብ ኣረኣእያ ወይ ሓሳባት ንዘሎካ ፍልልይ ንምግላጽ እያ እተገልግል ነይራ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ንማርያም ዝሃባ መልሲ ደኣ እሞ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

ማርያም ንየሱስ “ወይኒ እምበር የብሎምን” ክትብሎ ኸላ ኸም እተወድአ ጥራይ ክትነግሮ ደልያ ዘይኰነስ: ገለ ነገር ኪገብር ከም ዘለዎ ዚሕብር ርእይቶ እያ ኣቕሪባትሉ። የሱስ ነታ ልምድቲ ዝነበረት ቍንቍኛ ብምጥቃም ነቲ ማርያም ዘቕረበቶ ርእይቶ ነጸጎ: እታ ወሲኹ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን” ብምባል እተዛረባ መግለጺ ድማ ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ንኽንርድኦ ትሕግዘና።

የሱስ ብ29 ድ.ክ. ምስ ተጠምቀ ኸምኡውን ምስ ተቐብአ: መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ከም ምዃኑ መጠን: ፍቓድ የሆዋ ናብቲ ናብ ሞቱን ትንሳኤኡን ክብሩን ዚመርሕ ንጽህናኡ ብምሕላው ዚስዕቦ መገዲ ኺሕሉ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴዎስ 20:28) እቲ ዝሞተሉ እዋን ምስ ቀረበ ኸኣ ‘እታ ግዜ በጺሓ’ ብምባል ነዚ ንጹር ገበሮ። (ዮሃንስ 12:1, 23፣ 13:1) ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ድሮ ሞቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “ኣቦ: ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ . . . ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ: ንወድኻ ኣኽብሮ” ብምባል ዝጸለየ። (ዮሃንስ 17:1) ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቶም ጭፍራ ህዝቢ ንኺሕዝዎ ኣብ ጌተሴማኔ ምስ መጹ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ድቃሶም ኣተንሲኡ “እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ: ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪትሐዝ እዩ” በሎም።—ማርቆስ 14:41

ኣብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ ግን: የሱስ ከም መሲህ መጠን ስብከቱ ኻብ ዚጅምር ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ: እታ “ሰዓት” ከኣ ኣይበጽሐትን ነይራ። እቲ ቐዳምነት ዚወሃቦ ዝነበረ ዕላማ: በቲ ኣቦኡ ዝበሎ መገድን ግዜን ፍቓድ ኣቦኡ ምግባር እዩ ነይሩ፣ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ኣብዚ ኢዱ ኼእቱ ኣይክእልን እዩ። የሱስ እዚ ነገር እዚ ንኣዲኡ ብጽንዓት ደኣ እዩ ገሊጹላ እምበር: ንዕቀት ብዜንጸባርቕ ወይ ብሃሳይ መገዲ ኣይኰነን ገሊጹላ። ማርያም ድማ ወዳ ኸም ዘሕፈራ ወይ ብእኡ ኸም እተዋረደት ኰይኑ ኣይተሰምዓን። ከመይሲ: ነቲ የሱስ ዝበሎ ነገር ብምርዳእ ነቶም ኣብቲ መርዓ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰባት “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም። የሱስ ድማ ንኣዲኡ ኣብ ክንዲ ዕሽሽ ዚብላ: ነቲ ማይ ናብ ጽቡቕ ወይኒ ብምቕያር ከም መሲህ መጠን ናይ መጀመርታ ተኣምራት ፈጸመ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባርን ንጭንቀት ኣዲኡ ኣብ ግምት ኣብ ምእታውን ዘለዎ ጽቡቕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኣርኣየ።—ዮሃንስ 2:5-11

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንኣዲኡ ብሕያውነት ግን ከኣ ብጽንዓት እዩ መሊሱላ