ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ

ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ

ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ

“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።”—ማቴዎስ 22:37

1, 2. ብዛዕባ እታ ዓባይ ትእዛዝ ሕቶ ኸም ዚለዓል ዝገበረ እንታይ እዩ፧

 እታ እተበገሰት ሕቶ እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ብዙሕ ዚከራኸሩላ ዝነበሩ ኸይኰነት ኣይትተርፍን እያ። ካብቲ ንሕጊ ሙሴ ዘቘመ ልዕሊ 600 ሕግታት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ኣየነይቲ እያ፧ ምስ መስዋእቲ እትተሓሓዝ ሕጊ ድያ፧ ከመይሲ: ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብን ንኣምላኽ ምስጋና ንምቕራብን መስዋእትታት ይግበር ነይሩ እዩ። ወይ ከኣ እታ ንግዝረት እትምልከት ሕጊ እታ ዝበለጸት ክትከውን ትኽእልዶ፧ ግዝረት ምልክት እቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን ስለ ዝዀነ: እዚ እውን ኣገዳሲ እዩ።—ዘፍጥረት 17:9-13

2 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: እቶም ዓቃባውያን ዘበሉ ገሊኡ ሕጊ ዝተሓተ ኣገዳስነት ዘለዎ እኳ እንተ መሰለ: ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሕጊ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ንዝዀነ ይኹን ትእዛዝ ካብ ካልእ ክብ ምባል ጌጋ ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ፈሪሳውያን ነታ እተከራኽር ሕቶ ንየሱስ ኬቕርቡሉ ወሰኑ። ምናልባት ነቲ ሰባት ዘሕደሩሉ ምትእምማን ኪጐድእ ዚኽእል ነገር ይዛረብ ይኸውን። ሓደ ኻብቶም ፈሪሳውያን ናብ የሱስ ቀሪቡ: “እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሉ ሓተቶ።—ማቴዎስ 22:34-36

3. የሱስ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ገለጸ፧

3 እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ንዓና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ መልሱ: ነቲ ዅሉ ሳዕ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበረን ንሓዋሩ እውን ከምኡ ዀይኑ ዚቕጽልን ነገር ጽሙቝ ኣቢሉ ገለጸ። ካብ ዘዳግም 6:5 ጠቒሱ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” በለ። እቲ ፈሪሳዊ ብዛዕባ ሓንቲ ትእዛዝ ጥራይ እኳ እንተ ሓተተ: የሱስ ካልእ እውን ጠቐሰሉ። ካብ ዘሌዋውያን 19:18 ብምጥቃስ: “እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ” በሎ። ድሕሪኡ የሱስ እዘን ክልተ ሕግታት ንዅሉ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዚሓቝፋ ሓበረ። ነቲ ዝተረፈ ሕግታት ብዝርዝር ኣገዳስነቱ ምስራዕ ዘየድሊ ምዃኑ ንምሕባር ከኣ: “ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ” ብምባል ደምደመ። (ማቴዎስ 22:37-40) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኻብዘን ክልተ ትእዛዛት ነታ ዝዓበየት ክንርኢ ኢና። ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንኣምላኽ ፍቕሪ እነርኢ ብኸመይ ኢና፧ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧ ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ ብዅሉ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ከነፍቅሮ ስለ ዘሎና: መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣገዳስነት ፍቕሪ

4, 5. (ሀ) እቲ ፈሪሳዊ በቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ዘይተገረመ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ካብ መስዋእቲ ዚዓቢ ገይሩ ዚርእዮ እንታይ እዩ፧

4 እቲ ንየሱስ ዝሓተቶ ፈሪሳዊ በቲ እተዋህቦ መልሲ ዝሰምበደ ወይ እተገረመ ኣይመስልን እዩ። ብዙሓት ንኣምላኽ ፍቕሪ ዘየርእዩ እኳ እንተ ዀኑ: እዚ ግን ኣገዳሲ መዳይ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣብያተ-ጸሎት ኣይሁድ: ዓው ኢልካ ነቲ ሸማ ዚበሃል ጸሎት እብራውያን ምድጋም ልሙድ እዩ ነይሩ: እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ዝጠቐሰሉ ኣብ ዘዳግም 6:4-9 ዚርከብ ቃላት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ማርቆስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ: ድሕሪኡ እቲ ፈሪሳዊ ንየሱስ “መምህር: ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ: ኣምላኽ ሓደ እዩ: ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ: እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዐቢ እዩ” በሎ።—ማርቆስ 12:32, 33

5 እወ: እቲ ሕጊ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኬቕርቡ ዚሓትት እኳ እንተ ነበረ: እቲ ንኣምላኽ ብሓቂ ዜገድሶ ግን ኣገልገልቱ ኣብ ልቦም ዘለዎም ፍቕሪ እዩ። ካብ ፍቕርን ተወፋይነትን ተላዒልካ ንኣምላኽ እትስዋእ ጭሩ ገበላ: ካብቲ ብግጉይ ድራኸ ዚስዋእ ኣሽሓት ደዓውል ንላዕሊ ዋጋ ኣለዋ። (ሚክያስ 6:6-8) ነታ የሱስ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤተ መቕደስ እተዓዘባ ድኻ መበለት እሞ ዘክር። እተን ኣብ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቐተን ክልተ ለብጦን ወይ ሳንቲም: ሓንቲ ጭሩ ገበላ እኳ ኺዕድጋ ኣይክእላን እየን ነይረን። ኰይኑ ግን: የሆዋ እቲ ንዕኡ ኻብ ዘለዋ ልባዊ ፍቕሪ ተላዒላ ዝገበረቶ ውጽኢት: ካብቲ እቶም ሃብታማት ካብ ተረፎም ዝሃብዎ ብዙሕ ወፈያ ንላዕሊ ገይሩ እዩ ርእይዎ። (ማርቆስ 12:41-44) ኵነታትና ብዘየገድስ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብእተኻእለና መጠን ክንገልጽ እንተ ኽኢልና: ንሱ ነዚ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!

6. ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ፍቕሪ እንታይ ኢሉ ጸሓፈ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ፍቕሪ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዋ ኣገዳስነት ኬጕልሕ ከሎ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ: ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ: ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኵሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል: ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ: ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ: ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 13:1-3) ብንጹር እምበኣር ኣምልኾና ንኣምላኽ ኬሐጕሶ እንተ ዀይኑ: ፍቕሪ ናይ ግድን ኣድላዪት እያ። ብኸመይ ግን ኢና ፍቕርና ንየሆዋ ኸነርእዮ እንኽእል፧

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ

7, 8. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

7 ብዙሓት ሰባት: ፍቕሪ ብዙሕ ክንቈጻጸራ ዘይንኽእል ስምዒት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ሰባት ብፍቕሪ ኸም እተታሕዙ ይዛረቡ እዮም። ኰይኑ ግን: ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዚስምዓና ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን። ብግብሪ ደኣ እምበር ብስምዒት ኣይኰነትን እትግለጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕሪ “ዝበለጸ መገዲ” ኢሉ ኺገልጻ ኸሎ: “ስዐብዋ” ኢሉ ድማ ኣተባቢዑና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 12:31፣ 14:1) ክርስትያናት ‘ብቓልን ብልሳንን ጥራይ ዘይኰነስ: ብግብርን ብሓቅን’ ኬፍቅሩ ይተባብዑ እዮም።—1 ዮሃንስ 3:18

8 ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብቓልን ብግብርን ንዕኡ ዜሐጐሶ ነገር ንኽንገብር ከምኡውን ንልዑላውነቱ ንኽንጣበቕን ንኽንድግፍን ትደፋፍኣና። ንዓለምን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዚጋጮ መገድታታን ንኸይንፈቱ ትድርኸና። (1 ዮሃንስ 2:15, 16) እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ: እከይ ዘበለ ይጸልኡ እዮም። (መዝሙር 97:10) ፍቕሪ ንኣምላኽ ነቲ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንመያየጠሉ ፍቕሪ ንብጻይ እውን የጠቓልል እዩ። ብዘይካዚ: ፍቕሪ ንኣምላኽ: ተኣዛዝነት ይሓትት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ይብል።—1 ዮሃንስ 5:3

9. የሱስ ንኣምላኽ ዘላቶ ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

9 ንኣምላኽ ምፍቃር ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ የሱስ ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ሰማያዊ ቦታኡ ሓዲጉ: ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ተቐመጠ። ፍቕሪ በቲ ዝገበሮን ዝመሃሮን ነገራት ኣቢሉ ንኣቦኡ ኬኽብሮ ደፋፍኣቶ። ‘ክሳዕ ሞት ንኺእዘዝ’ ድማ ደረኸቶ። (ፊልጲ 2:8) እቲ መግለጺ ፍቕሩ ዝዀነ ተኣዛዝነት ከኣ: ንእሙናት ዘበሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ንኺህልዎም መገዲ ኸፈተሎም። ጳውሎስ: “እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጥኣን ከም ዝዀኑ: ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ [ክርስቶስ የሱስ] እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 5:19

10. ፍቕሪ ንኣምላኽ: ተኣዛዝነት ዜጠቓልል ስለምንታይ እዩ፧

10 ንሕና እውን ከም የሱስ: ንኣምላኽ እዙዛት ብምዃን ፍቕርና ነርኢ ኢና። እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ “ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ: እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ዮሃንስ 6) እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዜፍቅርዎ: መምርሒኡ ኺረኽቡ ሃረር እዮም ዚብሉ። ስጓሜኦም ኬቕንዑ ኸም ዘይክእሉ ስለ ዚፈልጡ: ኣብ ጥበብ ኣምላኽ ይውከሉ: ነቲ ፍቕራዊ መምርሒኡ ድማ ይግዝኡ እዮም። (ኤርምያስ 10:23) ከምቶም ነቲ መልእኽቲ ኣምላኽ “ብዅሉ ፍቓዶም” እተቐበልዎ: እሞ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺገብሩ ባህጊ ዝነበሮም ጥንታውያን ሰብ ቤርያ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ፍቓድ ኣምላኽ ብዝያዳ ምእንቲ ኺርድኡ ተጠንቂቖም ንቕዱሳት ጽሑፋት ይምርምሩ: እዚ ኸኣ ተኣዛዝነቶም ብዜርእዩሉ ተወሳኺ ተግባራት ፍቕሮም ንኺገልጹ ይሕግዞም።

11. ንኣምላኽ ብምሉእ ልብናን ሓሳብናን ነፍስናን ሓይልናን ከነፍቅሮ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

11 ከምቲ የሱስ ዝበሎ: ፍቕሪ ንኣምላኽ ምሉእ ልብናን ሓሳብናን ነፍስናን ሓይልናን የጠቓልል። (ማርቆስ 12:30) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኻብታ ንስምዒታትናን ባህግታትናን ውሽጣዊ ሓሳባትናን እተጠቓልል ልብና እያ እትምንጭ: ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ ኸኣ ሓያል ባህጊ ተሕድረልና። ብሓሳብና እውን ነፍቅር ኢና። ብዘይ ፍልጠት ኣይኰንናን ውፉያት እንኸውን፣ የግዳስ ንየሆዋ: ማለት ንባህርያቱን መለክዒታቱን ዕላማታቱን ንፈልጦ ኢና። ንነፍስና: ማለት ንዅለንተናናን ንእንውንና ህይወትናን: ንኸነገልግሎ ዀነ ንኽንውድሶ ንጥቀመላ ኢና። ሓይልና ኸኣ ነዚ ዕላማ እዚ ንጥቀመሉ ኢና።

ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ዚግብኣሉ ምኽንያታት

12. ኣምላኽ ከነፍቅሮ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧

12 ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ዚግብኣሉ ሓደ ምኽንያት: ንሱ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕ ስለ ዚደልየና እዩ። ኣምላኽ ምንጪ ፍቕርን ብሉጽ ኣብነትን እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 4:8) ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ እዮም ተፈጢሮም፣ እወ: ከም እነፍቅር ኴንና ኢና ተሰሪሕና። አረ: እቲ ልዑላውነት የሆዋ እውን ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ እዩ። ነቶም ዜፍቅርዎን ጽድቃዊ ኣገዛዝኣኡ ዚብህጉን ጥራይ እዩ ተገዛእቱ ኪዀኑ ዚደልዮም። ብሓቂ እምበኣር ፍቕሪ ንሰላምን ስኒትን ኵሉ ፍጥረት ኣድላዪት እያ።

13. (ሀ) እስራኤላውያን “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ . . . ኣፍቅሮ” ተባሂሉ እተነግሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኸነፍቅሮ ምጽባዩ ርትዓዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ካልእ ንየሆዋ እነፍቅረሉ ምኽንያት: ነቲ ዝገበረልና ስለ እነማስወሉ እዩ። የሱስ ንኣይሁድ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ . . . ኣፍቅሮ” ኸም ዝበሎም ኣይትረስዕ። ንሓደ ንጹልን ዘይፈልጥዎን መለኮት ኬፍቅሩ ኣይኰነን ትጽቢት ተገይሩሎም። ነቲ ፍቕሩ ዘርኣዮም ኣምላኽ እዮም ኬፍቅሩ ነይርዎም። የሆዋ ኣምላኾም እዩ ነይሩ። ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝመርሖምን ዘዕቈቦምን ዝናበዮምን ዝሓብሓቦምን ብፍቕሪ ዝገሰጾምን ንሱ እዩ። ሎሚ ኸኣ: የሆዋ ኣምላኽና እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ንወዱ በጃ ዝሃበና ንሱ እዩ። ንሕና እውን ብግዴና ኸነፍቅሮ ምጽባዩ ብሓቂ ርትዓዊ እዩ። ፍቕሪ እነርኢ ዘሎና ስለ እተፈቐርና ኢና፣ ነቲ ዜፍቅረና ኣምላኽ ከነፍቅሮ ኢና እንሕተት ዘሎና። ነቲ ‘ቕድም ዘፍቀረና’ ኢና ፍቕርና እነርኢ ዘለና።—1 ዮሃንስ 4:19

14. የሆዋ ዜርእያ ፍቕሪ ኸምታ ፈቃር ወላዲ ዜርእያ ፍቕሪ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

14 የሆዋ ንደቅሰብ ዘላቶ ፍቕሪ: ከምቲ ወላዲ ንደቁ ዘላቶ ፍቕሪ እያ። ፈቃራት ወለዲ ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ: ንደቆም ንምክንኻን ንሓያሎ ዓመታት ንዋታውን ካልእን መስዋእቲ ብምግባር ይደኽሙ እዮም። ንደቆም ሕጉሳት ኪዀኑን ኪብልጽጉን ስለ ዚደልይዎም: ይምህርዎምን የተባብዕዎምን ይድግፍዎምን ይግስጽዎምን እዮም። ወለዲ እንታይ ውሬታ እዮም ዚደልዩ፧ ደቆም ኬፍቅርዎምን ነቲ ንጽቡቖም ኢሎም ዝመሃርዎም ኣብ ልቦም ኬሕድርዎን እዮም ዚደልዩ። እሞኸ እቲ ፍጹም ሰማያዊ ኣቦና ስለቲ ዅሉ ዝገበረልና ነገራት ፍቕራዊ ሞሳ ኸነርእዮ ምጽባዩስ ርትዓዊዶ ኸይኰነ፧

ንኣምላኽ ፍቕሪ ምምዕባል

15. ንኣምላኽ ፍቕሪ ኣብ ምምዕባል ቀዳማይ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧

15 ንኣምላኽ ርኢናዮ ዀነ ድምጹ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን ኢና። (ዮሃንስ 1:18) ንሱ ግን ምስኡ ፍቕራዊ ርክብ ኪህልወና ይዕድመና እዩ። (ያእቆብ 4:8) ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ንኸተፍቅሮ እትወስዶ ቐዳማይ ስጕምቲ: ብዛዕባኡ ምፍላጥ እዩ፣ ከመይሲ ንሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ዓሚቝ ፍቕሪ ምሕዳር ኣጸጋሚ እዩ። የሆዋ ኸኣ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽንፈልጥ: ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና እዩ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ ከነንብብ ይምሕጸነና። ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ባህርያቱን ብዛዕባ እቲ ኣሽሓት ዓመታት ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክቡን ዚምህረና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ነዚ ጸብጻባት እዚ ምስ እነስተንትነሉ: ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ይዓቢ።—ሮሜ 15:4

16. ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ምስትንታን: ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸም እትዓቢ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

16 ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸም እትዓቢ ኽንገብር እንኽእለሉ ቐዳማይ መገዲ: ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ምስትንታን እዩ። ከመይሲ: የሱስ ንኣቦኡ ብፍጹም መገዲ ስለ ዘንጸባረቖ: “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” ኺብል ክኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) የሱስ ነቲ ሓደ ወዲ እታ መበለት ካብ ሞት ብምትንሳእ ዘርኣዮ ድንጋጸ ንልብኻዶ ኣይትንክፎን እዩ፧ (ሉቃስ 7:11-15) ወዲ ኣምላኽን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይን ክነሱ: ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብትሕትና ኸም ዝሓጸበ ምፍላጥ ዚማርኽዶ ኸይኰነ፧ (ዮሃንስ 13:3-5) ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝዓበየን ዝያዳ ጥበብ ዘለዎን እኳ እንተ ነበረ: ብዅሉ ሰብ: እንተላይ ብቘልዑ ተቐራቢ ምንባሩስ ንኽትፈልጦዶ ኣይድርኸካን እዩ፧ (ማርቆስ 10:13, 14) ነዚ ነገራት እዚ ብሞሳ ምስ እነስተንትነሉ: ከምቶም ጴጥሮስ “[ንየሱስ] ከይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ” ብምባል ዝጸሓፈሎም ክርስትያናት ክንከውን ኢና። (1 ጴጥሮስ 1:8) ንየሱስ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ክትከይድ ከላ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ እውን ትዓቢ እያ።

17, 18. ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኽትዓቢ: ብዛዕባ እንታይ ፍቕራዊ መሰናድዎታቱ ኢና ኸነስተንትን እንኽእል፧

17 ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕብየሉ እንኽእል ካልእ መገዲ: ብህይወትና ንኽንሕጐስ ብዛዕባ ዝገበረልና ኣኺሉ ዚተርፍ ፍቕራዊ መሰናድዎታት ምስትንታን እዩ። ገለ ኻብዚ ጽባቐ ፍጥረት: መወዳእታ ዘይብሉ በብዓይነቱ ጥዑም ዚብላዕ ነገራት: ምስ ጥዑያት ኣዕሩኽና ዘሎና ፍቕራዊ ምሕዝነት: ከምኡውን ሓጐስን ዕግበትን ዜምጽኣልና ሓያሎ ኻልእ ነገራት ኪጥቀስ ይከኣል። (ግብሪ ሃዋርያት 14:17) ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን: ነቲ ደረት ዘይብሉ ሰናዩን ልግሱን ንኸነማስወሉ ዝያዳ ምኽንያታት እዩ ዚህልወና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓኻ ብብሕቲ ዝገበረልካ ነገራት ብምሉኡ እሞ ሕሰብ። ፍቕርኻ ኸም ዚግብኦስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

18 ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓያሎ ውህበታት: እቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ከም ዚሰምዓና ብምፍላጥ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ብጸሎት ንኽንቀርቦ ዝኸፈተልና ኣጋጣሚ እዩ። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ንኺገዝእን ንኺፈርድን ወኪልዎ እዩ። ጸሎት ናይ ምስማዕ ሓላፍነት ግን ንዝዀነ ይኹን: እንተላይ ንወዱ ብውክልና ኣይሃበን። ንሱ ባዕሉ እዩ ንጸሎትና ዚሰምዖ። ስለዚ: እቲ የሆዋ ዜርእየና ፍቕራውን ብሕታውን ሓልዮት ንኽንቀርቦ ይድርኸና እዩ።

19. እንታይ መብጽዓታት የሆዋ እዩ ናብኡ ዚስሕበና፧

19 የሆዋ ንደቅሰብ ኣብ መጻኢ ኣንቢሩሎም ዘሎ ነገር ምስ እንሓስበሉ እውን ናብኡ ንሰሓብ ኢና። ንሕማምን ሓዘንን ሞትን መወዳእታ ኺገብረሉ ተመባጺዑ እዩ። (ራእይ 21:3,፣4) ሰባት ኣብ ፍጽምና ምስ በጽሑ: ዋላ ሓደ ሰብ ብናይ መንፈስ ጭንቀት: ብተስፋ ምቝራጽ: ወይ ብዜሕዝን ፍጻመታት ኣይኪሳቐን እዩ። ጥሜትን ድኽነትን ውግእን ኣይኪህሉን እዩ። (መዝሙር 46:9፣ 72:16) ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። (ሉቃስ 23:43) የሆዋ ግዲ ስለ ዝዀኖ ዘይኰነስ: ስለ ዜፍቅረና እዩ ነዚ ዅሉ በረኸት እዚ ዜምጽኦ።

20. ሙሴ ብዛዕባ ንየሆዋ ምፍቃር ዜምጽኦ ጥቕምታት እንታይ በለ፧

20 ስለዚ: ንኣምላኽና ንኸነፍቅሮን ነዛ ፍቕርና ንኸነዕብያን ዜእምን ምኽንያታት ኣሎና። እሞኸ ኣምላኽ ኣብ መገድኻ ንኺመርሓካ ብምፍቃድ: ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ብሕጂ እውን ከተዕብያ ዲኻ፧ እቲ ምርጫ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ኣሎ። ሙሴ ንየሆዋ ፍቕሪ ምምዕባልን ምዕቃቡን ዘለዎ ጥቕምታት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነዊሕ ይገብር ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም:- “ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ። ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ: . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ: ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።”—ዘዳግም 30:19, 20

ትዝክሮዶ፧

• ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ናይ ግድን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

• ንየሆዋ ንኸነፍቅሮ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

• ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነማዕብላ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ብእተኻእለና መጠን ክንገልጽ እንተ ኽኢልና: ንሱ ነዚ ብሓቂ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ።”—ዮሃንስ 14:9