ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧

ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧

ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧

“ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።”—ማቴዎስ 22:39

1. ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

 የሆዋ ነቶም ዜምልኽዎ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧ የሱስ ብሒደትን ቀሊልን ዓሚቝን ቃላት ገይሩ መልሲ ሂቡ ኣሎ። እታ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ትእዛዝ: ንየሆዋ ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ምፍቃር ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 22:37፣ ማርቆስ 12:30) ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ: ፍቕሪ ንኣምላኽ ኪበሃል ከሎ: ከም ምላሽ እታ ንሱ ዘርኣየና ፍቕሪ ንዕኡ እዙዛት ምዃንን ትእዛዛቱ ምሕላውን የጠቓልል። እቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ: ከምዚ ምግባር ጾር ኣይኰኖምን እዩ፣ እኳ ደኣስ ንኺገብርዎ ባህጊ ኣለዎም ወይ ባህ ይብሎም።—መዝሙር 40:8፣ 1 ዮሃንስ 5:2, 3

2, 3. ንብጻይና ኸነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ ከነተኵረሉ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ሕቶታትከ እዩ ዚለዓል፧

2 የሱስ ከም ዝበሎ: እታ ምስታ ቐዳመይቲ እተኣሳሰረት ካልአይቲ ዓባይ ትእዛዝ: “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” እያ። (ማቴዎስ 22:39) ሕጂ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኢና ኸነተኵረላ: ከምዚ ንኽንገብር እውን እኹል ምኽንያታት ኣሎና። ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ እታ ስስዐ ዝመልኣ ቔናን ፍቕሪ ሰፊና እያ ዘላ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ብዛዕባ እቲ ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚህሉ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ: ሰባት ንሓድሕዶም ዘይኰነስ: ርእሶምን ገንዘብን ተድላን ዚፈትዉ ኸም ዚዀኑ ጽሒፉ ኣሎ። ብዙሓት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም” ከም ዚዀኑ ገለጸ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-4) የሱስ ክርስቶስ እውን “ብዙሓት . . . ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። . . . ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ኢሉ ተነበየ።—ማቴዎስ 24:10, 12

3 ይኹን እምበር: የሱስ ናይ ኵሎም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ ኸም ዘይበለ ኣስተብህል። እታ የሆዋ ዚደልያን እትግብኦን ዓይነት ፍቕሪ ዜርእዩ ሰባት: ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ወትሩ ምስ ሃለዉ እዮም: ንመጻኢ እውን ኪህልዉ እዮም። እቶም ብሓቂ ንየሆዋ ዜፍቅርዎ: ንኻልኦት ከምቲ ንሱ ዚርእዮም ገይሮም እዮም ኪርእይዎም ዚጽዕሩ። ፍቕርና ኸነርእዮ ዚግባእ ብጻይና ግን መን እዩ፧ ንብጻይና ኸመይ ጌርና ኢና ፍቕሪ ኸነርእዮ ዚግባእ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ንኽንምልስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ብጻየይ መን እዩ፧

4. ብመሰረት ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19: ኣይሁድ ንመን እዮም ፍቕሪ ኼርእዩ ዝነበሮም፧

4 የሱስ ነቲ ፈሪሳዊ: እታ ኻልአይቲ ዓባይ ትእዛዝ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ምፍቃር ምዃና ኺነግሮ ኸሎ: ሓንቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበት ሕጊ እዩ ፈልዩ ዚጠቅስ ነይሩ። እዛ ሕጊ እዚኣ ኣብ ዘሌዋውያን 19:18 ተመዝጊባ ትርከብ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ: እቶም ኣይሁድ ነቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ከም ብጻዮም ገይሮም ኪርእይዎ ተነጊርዎም ኣሎ። ቍጽሪ 34 ከኣ ከምዚ ትብል:- “ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ: እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ።” ስለዚ: እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት እውን: ብፍላይ ከኣ ጵሮሴሊት ፍቕሪ ይግብኦም ነይሩ እዩ።

5. ኣይሁድ ነታ ንብጻይካ ምፍቃር እትብል ሕጊ ብኸመይ እዮም ተረዲኦምዋ፧

5 ይኹን እምበር: እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ: ብዛዕባ እዚ እተፈልየ ኣረኣእያ ነበሮም። ገሊኦም እተን “ዓርኪ” ወይ “ብጻይ” ዚብላ ቓላት ንኣይሁድ ጥራይ ከም ዜመልክታ ገይሮም ሓሰቡ። ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ኪጽልኡ ኣለዎም ኢሎም ኣመኑ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መምህራን: እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ኪንዕቅዎም ኣለዎም ዚብል ምኽንያት ኣቕረቡ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው: ጽልኢ ኣስፋሕፊኡ እዩ። ንዕኡ ዚምሽእ ኵነታት እዩ ረኺቡ” በለ።

6. የሱስ ብዛዕባ ንብጻይካ ምፍቃር ኪዛረብ ከሎ: እንታይ ክልተ ነጥብታት እዩ ኣጕሊሑ፧

6 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: ነዚ ጕዳይ እዚ ብምልዓል ንመን ፍቕሪ ኼርእዩ ኸም ዘለዎም ኣብርሀ። ከምዚ ድማ በለ:- “ብጻይካ ፍቶ: ጻላኢኻ ጽላእ: ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፤ ጸላእትኹም ፍተዉ: ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ: ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ: ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ: ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።” (ማቴዎስ 5:43-45) ኣብዚ የሱስ ክልተ ነጥብታት እዩ ኣጕሊሑ። ቀዳማይ: የሆዋ ንሕያዎት ኰነ ንኽፉኣት ለጋስን ሕያዋይን እዩ። ካልኣይ: ንሕና ኣብነቱ ኽንስዕብ ኣሎና።

7. ካብቲ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

7 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ሓደ ፈላጥ ሕጊ ዝዀነ ኣይሁዳዊ ንየሱስ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ሓደ ምሳልያዊ ዛንታ ብምዝንታው መልሲ ሃቦ። ኣብቲ ዛንታ ሓደ ሳምራዊ ንሓደ ብኸተርቲ እተኸትከተን ጥሪቱ እተገፈፈን ኣይሁዳዊ ኣብ መገዲ ኸም ዝረኸቦ ነገሮ። ኣይሁድ ብሓፈሻ ንሳምራውያን ዚንዕቅዎም እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ሳምራዊ ግን ነቲ ሰብኣይ ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ክሳዕ ዚጥዒ እውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሰዶ። ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ ኣብቶም ከም ናትና ዓሌት: ዜግነት: ወይ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ጥራይ ኪሕጸር የብሉን።—ሉቃስ 10:25, 29, 30, 33-37

ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧

8. ፍቕሪ ብዛዕባ እተርእየሉ መገዲ ብዚምልከት ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 እንታይ ትብል፧

8 ንብጻይና ምፍቃር: ከምቲ ንኣምላኽ ምፍቃር ስለ ዝዀነ: ስምዒት ጥራይ ኣይኰነን፣ የግዳስ ግብሪ እውን ዜጠቓልል እዩ። ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19 ዚርከብ ኣብ ከባቢ እታ ህዝቢ ኣምላኽ ንብጻዮም ከም ርእሶም ንኼፍቅርዎ እትእዝዝ ትእዛዝ ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ሓጋዚ እዩ። ኣብኡ እስራኤላውያን ንድኻታትን ንስደተኛታትን ካብ ምህርቶም ኬካፍልዎም ከም ዘለዎም ዚገልጽ ነንብብ። ኪሰርቅዎም: ኪጥብርዎም: ወይ ኪሕስዉዎም ኣይተፈቕደሎምን። ንፍርዲ ኣብ ዚምልከት ጕዳያት: እስራኤላውያን ኣድልዎ ኺገብሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ኪገንሑ እኳ ዚኽእሉ እንተ ነበሩ: “ንሓውኻ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ” ተባሂሉ ብንጹር ተነጊርዎም ነይሩ። እዝን ሓያሎ ኻልእ ትእዛዛትን ኣብተን “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ዚብላ ቓላት ተጠቓሊሉ ኣሎ።—ዘሌዋውያን 19:9-11, 15, 17, 18

9. የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ እተፈልዩ ኪዀኑ ዝኣዘዞም ስለምንታይ እዩ፧

9 እስራኤላውያን ንኻልኦት ፍቕሪ ኼርእዩ እኳ እንተ ነበሮም: ካብቶም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ኺፍለዩ እውን ነይርዎም እዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሕማቕ ዕርክነት ዜምጽኦ ሓደጋታትን ሳዕቤናትን ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቶም እስራኤላውያን ዜልቅቕዎም ዝነበሩ ኣህዛብ ከምዚ ዚብል ትእዛዝ ሃቦም:- “ኣይትዋሰቦም፤ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ: ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ: ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ: ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ።”—ዘዳግም 7:3, 4

10. እንታይ ከይንገብር ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧

10 ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት ምስቶም ንእምነቶም ዜዳኽምዎም ርክብ ከይምስርቱ ይጥንቀቑ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:33) “ምስቶም ዘይአምኑ [ወይ ክፍሊ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰኑ] ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:14) ብተወሳኺ: ክርስትያናት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ እዮም ተመኺሮም። (1 ቈረንቶስ 7:39) ኰይኑ ግን: ነቶም ከምዚ ኸማና ኣብ የሆዋ እምነት ዘይብሎም ሰባት ክንንዕቆም የብልናን። ክርስቶስ ንሓጥኣን እዩ ሞይቱ: ብዙሓት ክፉእ ዚገብሩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ኣነባብራኦም ቀይሮምን ምስ ኣምላኽ ተዓሪቖምን እዮም።—ሮሜ 5:8፣ 1 ቈረንቶስ 6:9-11

11. ነቶም ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ፍቕሪ እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

11 ነቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ: ንየሆዋ ባዕሉ ኻብ ምምሳል ንላዕሊ ኽንገብሮ እንክእል የልቦን። እከይ ዚጸልእ እኳ እንተ ዀነ: ሰባት ካብ ክፉእ መገዶም ተመሊሶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ብምኽፋት ንዅሎም ሳህሊ የርኢ እዩ። (ህዝቅኤል 18:23) የሆዋ: “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” እዩ ዚደሊ። (2 ጴጥሮስ 3:9) “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ፍቓዱ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ ኺሰብኩን ኪምህሩን ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን’ ዝመዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብዚ ዕዮ እዚ ብምስታፍ: ንኣምላኽን ንብጻይናን: እንተላይ ንጸላእትና: ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል።

ፍቕሪ ንክርስትያናት ኣሕዋትና

12. ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ንሓውና ምፍቃር እንታይ ኢሉ ጸሓፈ፧

12 ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 6:10) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ነቶም ኣመንቲ ስድራቤት: ማለት ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ፍቕሪ ንኸነርእዮም ግዴታ ኣሎና። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኽሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ነጥቢ እዚ ኼጕልሕ ከሎ: “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። . . . ነቲ ዝረአዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ: ነቲ ዘይረአዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከአሎን እዩ እሞ: ንሓዉ እናጸልኦስ: ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ: ዚብል እንተሎ: ንሱ ሓሳዊ እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 3:15፣ 4:20) እዘን ቃላት እዚኣተን ሓያላት እየን። የሱስ ክርስቶስ ነተን “ቀታል ነፍሲ” ኸምኡውን “ሓሳዊ” ዚብላ ቓላት ኣብ ሰይጣን ድያብሎስ ኣውዒልወን ኣሎ። (ዮሃንስ 8:44) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣባና ኺውዕላ ኸቶ ኣይንደልን ኢና!

13. ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና በየናይ መገድታት ኢና ፍቕሪ ኸነርእዮም እንኽእል፧

13 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ንሓድሕዶም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተማሂሮም እዮም።’ (1 ተሰሎንቄ 4:9) “ብግብርን ብሓቅን እምበር: ብቓልን ብልሳንን” ኣይኰንናን እንፋቐር። (1 ዮሃንስ 3:18) ፍቕርና “ብዘይግብዝና” ኽትከውን ኣለዋ። (ሮሜ 12:9) ፍቕሪ ለዋሃትን ደንገጽትን ይቕረ በሃልትን ዓቃላትን ክንከውን: ከምኡውን ቀናኣት: ተጀሃርቲ: ምኩሓት: ዕቡያት: ወይ ስሱዓት ከይንኸውን ትድርኸና። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5፣ ኤፌሶን 4:32) ንሓድሕድና ‘ንኽንገዛዛእ’ ትደፋፍኣና። (ገላትያ 5:13) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ገይሮም ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ኣዘዞም። (ዮሃንስ 13:34) ስለዚ: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ሓደ ክርስትያን ኣብ ክንዲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ህይወቱ እውን ኪህብ ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ።

14. ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል፧

14 ፍቕሪ ብሕልፊ ኣብ ክርስትያናዊት ስድራቤት: ምናዳ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክትርአ ኣለዋ። ማእሰር መውስቦ ኣዝዩ ስጡም ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ጳውሎስ: “ኣቱም ሰብኡት፥ ነተን ኣንስትኹም ከም ገዛእ ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፥ ንገዛእ ርእሱ እዩ ዜፍቅር” በለ። (ኤፌሶን 5:28 ትርጕም 1990) ድሕሪ ሓሙሽተ ቝጽሪ: ጳውሎስ ነዚ ማዕዳ እዚ ደጊምዎ ኣሎ። ንሰበይቱ ዜፍቅር ሰብኣይ: ነቶም ብግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ ንብዓልቲ ቤቶም ዝጠለሙ እስራኤላውያን ኣይመስሎምን እዩ። (ሚልክያስ 2:14) የግዳስ: ይሕብሕባ: ከምቲ ክርስቶስ ነታ ጉባኤ ዘፍቀራ ገይሩ ኸኣ የፍቅራ እዩ። ሰበይቲ እውን ብፍቕሪ ተደሪኻ ንሰብኣያ ተኽብሮ እያ።—ኤፌሶን 5:25, 29-33

15. ገሊኦም ሕውነታዊት ፍቕሪ ብግብሪ ምስ ረኣይዋ: እንታይ ኪብሉን እንታይ ኪገብሩን እዮም ተደሪኾም፧

15 ብንጹር እምበኣር እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ: መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እያ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ: ንሰባት ናብቲ እነፍቕሮን ተወከልቱ ዝዀንናሉን ኣምላኽ ይስሕቦም እዩ። ንኣብነት: ካብ ሞዛምቢክ እዚ ብዛዕባ ሓንቲ ስድራቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ጸብጻብ መጸ። “ከምዚ ዝበለ ነገር ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ድሕሪ ቐትሪ: ብርቱዕ ንፋስ ኪነፍስ ጀመረ: ስዒቡ ድማ በረድ እተሓወሶ ብርቱዕ ዝናም ዘነመ። እቲ ብርቱዕ ንፋስ ነታ ብሻምብቆ እተሰርሐት ቤትና ኣፍረሳ: ነቲ ብዚንጎ ዝሰራሕናዮ ናሕስና ድማ ወሰዶ። ካብተን ኣብ ከባቢና ዚርከባ ጉባኤታት ዝመጹ ኣሕዋትና ነታ ቤትና ንምስራሕ ምስ ሓገዙና: እቶም በዚ ዝደንጸዎም ጐረባብትና ‘ሃይማኖትኩም ኣዝያ እትነኣድ እያ። ካብ ቤተ-ክርስትያንና ኸምዚ ዓይነት ሓገዝ ረኺብና ኣይንፈልጥን ኢና’ በሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ዮሃንስ 13:34, 35 ኣርኣናዮም። ሕጂ ብዙሓት ጐረባብትና መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ኣለዉ።”

ፍቕሪ ንውልቀ-ሰባት

16. ኣብ መንጎ ንጕጅለ ምፍቃርን ንውልቀ-ሰባት ምፍቃርን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

16 ንብጾትና ብደረጃ ጕጅለ ብሓባር ምፍቃሮም ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ንውልቀ-ሰባት ምፍቃር ግን እተፈልየ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ንብጻዮም ዜርእይዎ ፍቕሪ: ካብቲ ንገሊኡ ውድባት ግብረ-ሰናይ ዚገብርዎ ወፈያ ዘይሓልፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እወ: ንሓደ ብዛዕባና ዘይግደስ መሳርሕትና: ንሓደ ባህ ዘይብለና ጐረቤትና: ወይ ንሓደ ዜሕርቐና ፈታዊና ኻብ ምፍቃር: ንብጻይና ነፍቅር ኢና ምባል ኣጸቢቑ ይቐልል።

17, 18. የሱስ ንውልቀ-ሰባት ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ከምዚ ንኺገብር ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧

17 ኣብዚ ንውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ምፍቃር ዚምልከት ጕዳይ እዚ: ካብቲ ንባህርያት ኣምላኽ ብፍጽምና ዘንጸባረቐ የሱስ ንመሃር ኢና። ሓጢኣት ዓለም ኬርሕቕ ናብ ምድሪ እኳ እንተ መጸ: ንውልቀ-ሰባት ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። ካብቶም ፍቕሩ ዘርኣዮም: ንኣብነት ሓንቲ ዝሓመመት ሰበይቲ: ሓደ ለምጻም: ከምኡውን ሓንቲ ጓል ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 9:20-22፣ ማርቆስ 1:40-42፣ 7:26, 29, 30፣ ዮሃንስ 1:29) ብተመሳሳሊ: ነቶም መዓልታዊ እንረኽቦም ሰባት ብዘሎና ኣተሓሕዛ ኣቢልና ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ ነርኢ ኢና።

18 ይኹን እምበር: ፍቕሪ ንብጻይና: ምስቲ ፍቕሪ ንኣምላኽ ከም ዚተኣሳሰር ክንርስዕ የብልናን። የሱስ ንድኻታት እኳ እንተ ሓገዘ: ንሕሙማት እኳ እንተ ኣሕወየ: ከምኡውን ንዝጠመዩ እኳ እንተ መገበ: እዚ ዅሉ ንኺገብርን ነቲ ህዝቢ ንኺምህሮን ዝደረኾ ነገር: እቶም ሰባት ምስ የሆዋ ምእንቲ ኺዕረቑ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:19) ተወካሊ እቲ ዜፍቅሮ ኣምላኽ ምዃኑን ባህርያቱ ኸም ዜንጸባርቕን ፈጺሙ ኸይረስዐ: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ገይርዎ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ንብጾትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸነርእዮም ንኽእል ኢና: እዚ እናገበርና እውን ክፍሊ እዛ ናይ እኩያት ደቅሰብ ዓለም ከይኰንና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና።

ንብጻይና ኸም ነፍስና እነፍቅሮ ብኸመይ ኢና፧

19, 20. ንብጻይና ኸም ነፍስና ኸነፍቅር ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

19 የሱስ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” በለ። ብዛዕባ ርእስና ምሕላይን ንርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ምሃብን ንቡር እዩ። ከምዚ እንተ ዘይከውን ነይሩ: እዛ ትእዛዝ እዚኣ ዚረብሕ ትርጕም ኣይምሃለዋን። እታ ብዛዕባ ርእስና ዘላትና ግቡእ ዓይነት ፍቕሪ: ምስታ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:2 ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጠቐሳ ስስዐ ዝመልኦ ርእስኻ ምፍታው ከተደናግረና የብላን። ኣብ ክንዳኡስ: ብዛዕባ ርእስና ንዘሎና ሚዛናዊ ኣኽብሮት እያ እተመልክት። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: “‘ኣነ ብሉጽ እየ’ ዝዓይነቱ ርእሰ-ኣምልኾ ዀነ ‘ኣነ ጐሓፍ እየ’ ዝዓይነቱ ርእሰ-ምስቓይ ዘይኰነትስ: ሚዛናዊት ርእሰ-ምፍቃር” ምዃና ገለጸ።

20 ንኻልኦት ከም ነፍስና ጌርና ኸነፍቅር ኪበሃል ከሎ: ከምቲ ንዓና ኺርእዩና እንደልዮ ጌርና ንኻልኦት ክንርእዮም: ከምኡውን ከምቲ ንዓና ኺሕዙና እንደልዮ ጌርና ኽንሕዞም ማለት እዩ። የሱስ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። (ማቴዎስ 7:12) የሱስ ነቲ ኻልኦት ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሩልና ብምሕሳብ: ንፍደዮም ከም ዘይበለ ኣስተብህል። የግዳስ: ንሕና ብኸመይ ክንተሓዝ ከም እንደሊ ብምሕሳብ: ከምኡ ኽንገብር እዩ ኣተባቢዑና። ብዘይካዚ: የሱስ ነቲ ቓላቱ ኣብ ፈተውትናን ኣሕዋትናን ኣይሓጸሮን። “ሰብ” ዚብል ቃል እዩ ተጠቒሙ: እዚ ኸኣ ንዅሉ እንረኽቦ ዘበለ ሰብ ከምኡ ኽንገብረሉ ኸም ዘሎና ንምሕባር ኢሉ እዩ ዚኸውን።

21. ንኻልኦት ብምፍቃርና: እንታይ ኢና ነርኢ፧

21 ንብጻይና ምፍቃርና ሕማቕ ንኸይንገብር ዕቝባ ይዀነና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ፤ ኣይትዘሙ: ኣይትቕተል: ኣይትስረቕ: ብሓሶት ኣይትመስክር: ኣይትመነ: እተባህለ: ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ: በዚ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን።” (ሮሜ 13:9, 10) ፍቕሪ ንኻልኦት ሰናይ እንገብረሉ መገዲ ንኸነናዲ ትድርኸና። ንብጾትና ሰባት ብምፍቃር: ነቲ ንሰብ ብመልክዑ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮ እውን ነርኢ ኢና።—ዘፍጥረት 1:26

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንመን ኢና ፍቕሪ ኸነርኢ ዚግባእ፧ ስለምንታይከ፧

• ነቶም ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ብኸመይ ፍቕሪ ኸነርእዮም ንኽእል፧

• መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ንኣሕዋትና ኽትህልወና ዘለዋ ፍቕሪ ብኸመይ ይገልጻ፧

• ንብጻይና ኸም ነፍስና ነፍቅሮ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“ብጻየይከ መን እዩ፧”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንውልቀ-ሰባት እውን ፍቕሪ ኣርኣየ