ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ጸረ ክርስቶስ ተቓልዐ

እቲ ጸረ ክርስቶስ ተቓልዐ

እቲ ጸረ ክርስቶስ ተቓልዐ

ሓደ ዚቐትል ለብዒ ኣብ ከባቢኻ የስፋሕፍሕ ከም ዘሎ እንተ ትፈልጥ: ንርእስኻ ብኸመይ ምሓለኻ፧ ምናልባት ንዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻልካ ምሃነጽካዮ ኸምኡውን ካብቶም እዚ ሕማም እዚ ዝሓዞም ሰባት ምረሓቕካ። ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኢና ኽንገብር ዘሎና። ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ጸረ ክርስቶስ “ድሮ ኣብ ዓለም” ከም ዘሎ ይነግረና እዩ። (1 ዮሃንስ 4:3) እምበኣር: ካብዚ “ለበዳ” እዚ ኸነምልጥ እንተ ደሊና: ካብቶም “ተሰከምቲ” እዚ ሕማም እዚ ኽንርሕቕ ኣሎና። እቲ ዜሐጕስ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ሓበሬታ ዚህብ ምዃኑ እዩ።

“ጸረ ክርስቶስ” ኪበሃል ከሎ “ኣንጻር (ወይ ኣብ ክንዲ) ክርስቶስ” ምዃን ማለት እዩ። ስለዚ: ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ እዛ ቓል እዚኣ ነቶም ንክርስቶስ ዚቃወምዎ ኸምኡውን ብሓሶት ክርስቶስ ወይ ተወከልቱ ምዃኖም ዚዛረቡ እተመልክት እያ። የሱስ ባዕሉ “ምሳይ ዘይኰነ: ንሱ መቓናቕንተይ [ወይ ጸረ ክርስቶስ] እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ” በለ።—ሉቃስ 11:23

ሓቂ እዩ: ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ጸረ ክርስቶስ: የሱስ ካብ ዚመውትን ናብ ሰማይ ካብ ዚትንስእን ድሕሪ 60 ዓመት እዩ ጽሒፉዎ። ስለዚ: ንጥፈታት እቲ ጸረ ክርስቶስ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ዘሕደሮ ጽልዋ ብምትሕሓዝ ክንርእዮ ኣሎና።—ማቴዎስ 25:40, 45

እቲ ጸረ ክርስቶስ ጸረ ክርስትያን እዩ

የሱስ ንሰዓብቱ: ዓለም ብሓፈሻ ኸም እትጸልኦም ኣጠንቂቕዎም ነበረ። “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ: ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።”—ማቴዎስ 24:9, 11

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ‘ብዛዕባ ስሙ’ መስጐጕቲ ስለ ዚወርዶም: እቶም ዜሳጕጕዎም ሰባት ጸረ ክርስቶስ: ማለት ኣንጻር ክርስቶስ እዮም። እቶም ክርስትያናት ዝነበሩ “ነብያት ሓሶት” እውን ምስኣቶም እዮም ዚምደቡ። (2 ዮሃንስ 7) ዮሃንስ እዞም “ኣጽራረ ክርስቶስ” እዚኣቶም “ካባና ወጺኦም: ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ: ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 2:18, 19

ቃላት የሱስን ዮሃንስን እቲ ጸረ ክርስቶስ ሓደ ሰብ ዘይኰነስ: ብብዙሓት ሰባት ዝቘመ ኣጽራረ ክርስቶስ ምዃኑ ብግልጺ ዚሕብር እዩ። ብተወሳኺ እውን ነብያት ሓሶት ስለ ዝዀኑ: ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ዕላማኦም ሃይማኖታዊ ምትላል እዩ። ካልእ ዚጥቀሙሉ ሜላኸ እንታይ እዩ፧

ሃይማኖታዊ ሓሶት ምዝርጋሕ

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መተዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ካብቲ ኸም ብዓል ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ዚምህርዎ ዝነበሩ “ኸም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ” ትምህርቲ ኸሓድቲ ንኺጥንቀቕ ነገሮ። ጳውሎስ ወሲኹ “ንሳቶም: ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ: እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም: እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ አለዉ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:16-18) ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ትንሳኤ ምሳልያዊ ምዃኑን ክርስትያናት ድሮ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዝተንስኡን ገይሮም እዮም ዚምህሩ ነይሮም። ሓቂ እዩ: ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ኪኸውን ከሎ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ህያው ይኸውን እዩ፣ ጳውሎስ እውን ነዚ ብግልጺ ተዛሪቡሉ ኣሎ። (ኤፌሶን 2:1-5) ይኹን እምበር: ትምህርቲ ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ነቲ የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከላ ምዉታት ቃል ብቓሉ ኸም ዚትንስኡ ዚኣተዎ መብጽዓ ዚነጽግ እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

ጸኒሖም እቶም ግኖስቶሳውያን ዚበሃሉ ጕጅለ ነዚ ብዛዕባ ምሳልያዊ ትንሳኤ ዚገልጽ ሓሳብ ኣማዕቢሎምዎ ነይሮም እዮም። ፍልጠት (ብግሪኽ ግኖሲስ) ብምስጢራዊ መገዲ እዩ ዚርከብ ኢሎም ይኣምኑ ብምንባሮም: ነቲ ናይ ክሕደት ክርስትና ምስ ፍልስፍና ግሪኽን ምብራቓዊ መንፈሳውነትን ሓዋወስዎ። ንኣብነት: ኵሉ ስጋዊ ነገራት እኩይ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ብምንባሮም የሱስ ብስጋ ዘይኰነስ: ንኣካላት ሰብ ብዚመስል መገዲ እዩ መጺኡ ይብሉ ነበሩ፣ እዚ እምነት እዚ ድማ ዶሰትነት ይበሃል። ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ካብዚ ኽንጥንቀቕ እዩ ዝነገረና።—1 ዮሃንስ 4:2, 3፣ 2 ዮሃንስ 7

እቲ ቕዱስ ስላሴ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰረተ-እምነት እውን ካልእ ድሕሪ ዘመናት እተማህዘ ነገር እዩ: እዚ ሰረተ-እምነት እዚ የሱስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ወዲ ኣምላኽን እዩ ብምባል ይምህር። ዶ/ር ኣልቫን ላምሰን ኣብታ ዘ ቸርች ኦቭ ዘ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ ዘርእስታ መጽሓፉ: ሰረተ-እምነት ስላሴ “ምንጩ ኻብ ሓደ ኣብ ናይ ኣይሁድን ክርስትያናትን ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይነበረ ሓድሽ ነገር እዩ፣ በቶም ፕላቶናውነት እተቐበሉ ኣበው ማዕቢሉ ድማ ምስ ክርስትና ተዋሰበ” በለ። እዞም “ፕላቶናውነት እተቐበሉ ኣበው” እንታዎት እዮም፧ እዚኣቶም ብምህሮ እቲ ፕላቶ ዝስሙ ኣረማዊ ፈላስፋ ወዲ ግሪኽ እተማረኹ ኸሓድቲ ኣቕሽሽቲ እዮም።

ቀንዲ ስጕምቲ እቲ ጸረ ክርስቶስ ንስላሴ ምትእትታው እዩ ነይሩ: በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ንኣምላኽ ኣብ ምስጢር ሓብኦ: ምስ ወዱ ንዘለዎ ርክብ ከኣ ዘይብሩህ ገበሮ። (ዮሃንስ 14:28፣ 15:10፣ ቈሎሴ 1:15) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣምላኽ ምስጢር እንተ ዀይኑ: ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ‘ንኣምላኽ ክትቀርቦ’ እትኽእል ከመይ ጌርካ ኢኻ፧—ያእቆብ 4:8

ኣብ ርእሲ እዚ ሕንፍሽፍሽ እዚ: ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብቲ በዅሩ ጽሑፍ ልዕሊ 7,000 ግዜ ዚርከብ ክነሱ: ካብ ትርጕማቶም ኣውጺኦምዎ እዮም። ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ምስጢር ጥራይ ዘይኰነስ: ስም ከም ዘይብሉ እውን ምግባር ንፈጣርን ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉን ዓብዪ ንዕቀት ምዃኑ ግልጺ እዩ። (ራእይ 22:18, 19) ብተወሳኺ ድማ ነቲ መለኮታዊ ስም ብኸም ጐይታ: ኣምላኽ: ወይ እግዚኣብሄር ዝኣመሰለ መዓርጋት ምትካእ: ነታ “ስምካ ይቀደስ” እትብል የሱስ ዝሃበና ኣብነት እትዀነና ጸሎት ምጥሓስ እዩ።—ማቴዎስ 6:9

እቲ ጸረ ክርስቶስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ነጸጋ

እቲ ጸረ ክርስቶስ ኣብቲ “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዚፍለጥ ሕጂ እንነብረሉ ዘለና እዋን ብዝያዳ ንጡፍ ኰይኑ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ቀንዲ ዕላማ እቶም ዘመናውያን መታለልቲ: የሱስ ንጉስ እታ ድሕሪ ቐረባ እዋን አብ መላእ ምድሪ እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ዘለዎ ተራ ንሰባት ምድንጋር እዩ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ራእይ 11:15

ንኣብነት: ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ እትርከብ እያ ኢሎም ይሰብኩ፣ እዚ ግን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ኣረኣእያ ኣይኰነን። (ዳንኤል 2:44) ገሊኦም ድማ ክርስቶስ ብሰብኣውያን መንግስትታትን ትካላትን ገይሩ ይዓዪ እዩ ይብሉ። ይኹን እምበር: የሱስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በለ። (ዮሃንስ 18:36) እወ: “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኸምኡውን “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ክርስቶስ ዘይኰነስ: ሰይጣን እዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ 2 ቈረንቶስ 4:4) እዚ ኸኣ የሱስ ኣብ ቀረባ እዋን ንሰብኣዊ መንግስትታት ብምጥፋእ ንሱ በይኑ ገዛኢ ዚዀነሉ ምኽንያት ዚሕብር እዩ። (መዝሙር 2:2, 6-9፣ ራእይ 19:11-21) ሰባት እውን “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል ጸሎት ኪደግሙ ኸለዉ: ከምዚ ኪዀነሎም እዮም ዚጽልዩ።—ማቴዎስ 6:10

ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለ ዚድግፉ: ነቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ዚነግሩ ሰባት ይቃወምዎምን መስጐጕቲ የውርዱሎምን እዮም። እቲ ዜገርም ከኣ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሓንቲ “ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ” ዘላ “ዓባይ ባቢሎን” ዝስማ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ተጠቒሳ ኣላ። (ራእይ 17:4-6) ነቶም “ነገስታት” ምድሪ ወይ ፖለቲካውያን መራሕቲ ሓገዝ ብምግባር ምስኦም መንፈሳዊ ምንዝር ትፍጽም: ካብኦም ድማ ሞገስ ትረክብ። እዛ ምሳልያዊት ሰበይቲ እዚኣ ኻብታ ናይ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓሊፋ ኻልእ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ናይቲ ጸረ ክርስቶስ ዝዓበየት ክፋል ድማ እያ።—ራእይ 18:2, 3፣ ያእቆብ 4:4

እቲ ጸረ ክርስቶስ ‘ኣእዛን ዜሳሒ’ ይዛረብ

ብዙሓት ክርስትያን ኢና ዚብሉ ሰባት: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ልዕሊ ምንጻጎም: ንኣካይዳኦም ብዚምልከት መጽሓፍ ቅዱስ ንዚህቦ መለክዒ እውን ሓዲጎምዎ እዮም። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚኣቶም ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ነበረ:- “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 4:3) እዞም ሃይማኖታውያን መታለልቲ እዚኣቶም “ሃዋርያት ሓሶት: ዚጥብሩ ዓየይቲ: ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ” ተባሂሎም ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ “መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ” ይብል።—2 ቈረንቶስ 11:13-15

እቲ ዚገብርዎ ነገራት ‘ርኽሰት’ ዜጠቓልል እዩ: እዚ ድማ ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ደረቐኛ ንዕቀት ምርኣይ ማለት እዩ። (2 ጴጥሮስ 2:1-3, 12-14) ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቶምን ነቲ ኸም ግብረ ሶዶምን ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብን ዝኣመሰለ ዘይክርስትያናዊ ተግባራት ይቕበልዎ ወይ እንተ ወሓደ ዕሽሽ ይብልዎ ደይኰኑን ዘለዉ፧ ነቲ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ኣረኣእያን ኣነባብራን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ንምንጽጻር በጃኻ ሒደት ግዜ ወሲድካ ዘሌዋውያን 18:22፣ ሮሜ 1:26, 27፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ እብራውያን 13:4፣ ይሁዳ 7 ኣንብብ።

“እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ”

ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ: ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ንእምነትና ብቐሊሉ ወይ ኣፍኲስና ኸይንወስዶ እተዛረቦ ቓላት ነቕልበሉ። “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—1 ዮሃንስ 4:1

ንኣብነት: እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ከተማ ቤርያ ዚነብሩ ዝነበሩ ‘ለባማት’ (ትርጕም 1990) ሰባት እስከ ርአ። “እዚ [ጳውሎስን ሲላስን እተዛረብዎ] ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11) ሰብ ቤርያ ዋላኳ ንኺመሃሩ ህንጡያት እንተ ነበሩ: እቲ ዝሰምዕዎን እተቐበልዎን ግን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ኣረጋገጹ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት በቲ ተቐያያርን ህቡብን ኣረኣእያታት ኣይጽለዉን እዮም፣ ኣብ ክንዳኡስ: ናብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዮም ዚጠብቑ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—ፊልጲ 1:9

ዛጊት ከምዚ እንተ ዘይጌርካ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ብምፍላጥ ‘ፍልጠትን ምስትውዓል ዘበለ ዅሉን’ ከተጥሪ ሸቶኻ ግበሮ። እቶም ንሰብ ቤርያ ዚመስልዎም ሰባት “ብዘረባ ጥበራ” እቲ ጸረ ክርስቶስ ኣይታለሉን እዮም። (2 ጴጥሮስ 2:3) ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ክርስቶስን ሰዓብቱን ዚገልጽ መንፈሳዊ ሓቂ ናጻ ኣውጺእዎም እዩ።—ዮሃንስ 8:32, 36

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጸረ ክርስቶስ እንታይ ይብል፧

“ደቀየ: እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ [መወዳእታ እዋን ሃዋርያት ክትከውን ኣለዋ]። ከምቲ: እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ: ዝሰማዕኩምዎ: ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ።” 1 ዮሃንስ 2:18

“እቲ ንየሱስ: ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ: መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶም: ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ።”1 ዮሃንስ 2:22

“የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ: ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።”1 ዮሃንስ 4:3

“የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።”2 ዮሃንስ 7

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ መታለሊ

እታ “ጸረ ክርስቶስ” እትብል ቃል ንዅሎም እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዚብሎ ነገር ዚነጽጉ: ነታ መንግስቱ ዚቃወሙ: ከምኡውን ነቶም ሰዓብቱ ዚገፍዑ ሰባት እተመልክት ቃል እያ። ኣብ ርእሲ እዚ: ነቶም ብሓሶት ንክርስቶስ ከም ዚውክሉ ዚዛረቡ ኸምኡውን ነቲ ክርስቶስ ጥራይ ኬምጽኦ ዚኽእል ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ንሳቶም ኬምጽእዎ ኸም ዚኽእሉ ብትዕቢት ብምዝራብ ንተራ እቲ መሲህ ብዘይግቡእ ዚወስዱ ሰባት ዜጠቓልል እዩ።

[ምንጪ ስእሊ]

Augustine: ©SuperStock/age fotostock

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንሕናውን ከም ሰብ ቤርያ ‘ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት ክንምርምሮ’ ኣሎና