ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል

የሆዋ ኣምላኽ “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ዚብል ጻውዒት ኣቕረበ: ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ከኣ “እኔኹ ልአኸኒ” ኢሉ ምላሽ ሃበ። (ኢሳይያስ 1:1፣ 6:8) ድሕርዚ: ነብዪ ዀይኑ ተመዘዘ። ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢታት: ኣብታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ትንቢት ኢሳይያስ ብነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈት ኰይና: ካብ ከባቢ 778 ቅ.ክ. ክሳዕ ድሕሪ 732 ቅ.ክ. ዘሎ 46 ዓመት እትሽፍን እያ። እታ መጽሓፍ ኣንጻር ይሁዳን እስራኤልን ኣብ ከባቢአን ዘለዉ ኣህዛብን እተዘርበ ጾር ወይ ኣዋጅ ዝሓዘት እኳ እንተ ዀነት: ቀንዲ ፍረ ነገራ ግን ፍርዲ ኣይኰነን። የግዳስ: ‘ብየሆዋ ኣምላኽ ዚመጽእ ምድሓን እዩ።’ (ኢሳይያስ 25:9) እቲ ኢሳይያስ ዚብል ስም እኳ: “ምድሓን የሆዋ” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 1:1–35:10 ዚርከብ ሓሳባት ከተጕልሕ እያ።

“እቲ ትራፍ . . . ኪምለስ እዩ”

(ኢሳይያስ 1:1–12:6)

እቲ ኣብ መጀመርታ ሓሙሽተ ምዕራፋት ትንቢት ኢሳይያስ እተመዝገበ ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝመጸ ቕድሚ እቲ ኢሳይያስ ነብዪ ዀይኑ እተሸመሉ እዋን ይኹን ወይ ድሕሪኡ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሕብርን እዩ። (ኢሳይያስ 6:6-9) ይሁዳን የሩሳሌምን ብመንፈሳዊ መዳይ “ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ” ሓሚመን ምንባረን ግን ንጹር እዩ። (ኢሳይያስ 1:6) ኣምልኾ ጣኦት ኣስፋሕፊሑ ነበረ። መራሕቲ ብልሹዋት ነበሩ። ኣንስቲ ዕቡያት ኰይነን ነበራ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኣየገልግሎን እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ነቶም ዘየስተውዕሉን ዘየለልዩን ሰባት ደጋጊሙ ኺዛረቦም እዩ ተመዚዙ።

ይሁዳ በቶም ሕብረት ዝፈጠሩ ሓይልታት እስራኤልን ሶርያን ከይውረር ስግኣት ተፈጢሩ ነበረ። የሆዋ ንኢሳይያስን ንደቁን ከም “ትእምርትን ተኣምራትን” ብምጥቃም: እቲ ሶርያን እስራኤልን ዝኣተውዎ ኺዳን ከም ዘይሰልጥ ንይሁዳ ኣረጋገጸላ። (ኢሳይያስ 8:18) መወዳእታ ዘይብሉ ሰላም ግን ኣብ ግዝኣት እቲ “መስፍን ሰላም” ጥራይ እዩ ዚመጽእ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሆዋ ነቲ “ሸቦጥ ቍጥዓ” ገይሩ ዚጥቀመሉ ኣሶር እውን ኪፈርዶ ወሰነ። ይሁዳ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ምርኮ ኪኸይድ: “ትራፍ” ግን “ኪምለስ እዩ።” (ኢሳይያስ 10:5, 21, 22) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ ‘ኻብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ ዚጭብጭብ ጠጥዒ:’ ናይ ሓቂ ፍትሒ ኺህሉ እዩ።—ኢሳይያስ 11:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:8, 9—ጓል ጽዮን “ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ: ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ” ኰይና እትተርፍ ብኸመይ እያ፧ ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኣሶራውያን ኣብ ዚወሩሉ እዋን: የሩሳሌም ከም ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዚርከብ ዘይረብሕ ዳስ ወይ ከም ኣብ ግራት ብርጭቕ ዚርከብ ብቐሊሉ ዚፈርስ ጎጆ ኣዝያ ተነቃፊት ክትመስል ምዃና እዩ ዜመልክት። እንተዀነ ግን: የሆዋ ስለ ዚረድኣ: ከም ሶዶምን ጎሞራን ክትከውን ኣይፈቅድን እዩ።

1:18—“ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት” ዚብል ቃላት እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ሕድገታት ዚግበረሉ ዘተ ንምግባርን ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምብጻሕን ዝቐረበ ዕድመ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ጻድቕ ዳኛ ዝዀነ የሆዋ ንእስራኤል ምእንቲ ኽትቅየርን ክትነጽህን ኣጋጣሚ ዚኸፍተሉ መጋባእያ ፍትሒ ኸም ዜቕውም እያ እተመልክት።

6:8ሀ—ኣብተን “ክልእኽ” ከምኡውን “ኪኸደልና” ዚብላ ቓላት: ኣብታ ቐዳመይቲ ንጽል ኣብታ ኻልአይቲ ድርብ ምጥቃም ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብታ “ክልእኽ” እትብል ቃል ዘሎ ንጽል ኣካል ንየሆዋ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት። እታ ንድርብ እተመልክት “ኪኸደልና” እትብል ቃል: ብዘይካ የሆዋ ኻልእ ኣካል ከም ዘሎ እተመልክት እያ። እዚ ኸኣ እቲ “ሓደ ወዱ” ኪኸውን ኣለዎ።—ዮሃንስ 1:14፣ 3:16

6:11—ኢሳይያስ: “ጐይታየ: ክሳዕ መኣዝ፧” ኢሉ ኺሓትት ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ኢሳይያስ ክሳዕ መኣዝ ነቲ መልእኽቲ የሆዋ ነቶም ዘይቅበሉ ህዝቢ ኼብጽሕ ከም ዘለዎ ኣይኰነን ዚሓትት ነይሩ። የግዳስ: እቲ ብመንፈሳዊ ሕሙም ህዝቢ ኽሳዕ መኣዝ ንስም የሆዋ ውርደት ከም ዜምጽእ እዩ ኺፈልጥ ደልዩ።

7:3, 4—የሆዋ ነቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ኣሃዝ ዘድሓኖ ስለምንታይ እዩ፧ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ንኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝፋኑ ኣውሪዶም ወዲ ጣብኤል ዚበሃል ካብ ዘርኢ ዳዊት ዘይኰነ ብኣታቶም ዚምራሕ ንጉስ ኬንግሱ መዲቦም ነይሮም። እዚ ድያብሎሳዊ ውዲት ነቲ ምስ ዳዊት እተኣትወ መስርሕ ኪዳን መንግስቲ ዚዀልፍ ነበረ። የሆዋ ንኣሃዝ ዘድሓኖ: ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ “መስፍን ሰላም” ዚመጸሉ መስመር ንምዕቃብ እዩ።—ኢሳይያስ 9:6

7:8—ኤፍሬም ኣብ ውሽጢ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ‘እተጨፍለቐ’ ብኸመይ እዩ፧ ህዝቢ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ተማሪኹ ኺውሰድን ጓኖት ህዝቢ ነታ ሃገር ኪሰፍርዋን ዝጀመሩ “ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል:” ማለት ኢሳይያስ ነዚ ትንቢት እዚ ኻብ ዚንበ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ። (2 ነገስት 15:29) እዚ ነገር እዚ ኽሳዕ እቲ ንሰናክሬብ ወዱን ወራሲኡን ዝነበረ ንጉስ ኤሳር-ሃዶን ኣብ ኣሶር ዚገዝኣሉ ዝነበረ ግዜ ንነዊሕ እዋን ቀጺሉ እዩ። (2 ነገስት 17:6፣ እዝራ 4:1, 2፣ ኢሳይያስ 37:37, 38) እዚ ኣሶራውያን ንብዙሓት ህዝቢ ኻብን ናብን ሰማርያ ብምግዓዝ ዝገበርዎ ተግባር: ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 7:8 እተጠቕሰ ን65 ዓመት ቀጸለ።

11:1, 10—የሱስ ክርስቶስ ‘ካብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ ዚጭብጭብ ጠጥዒ’ ከምኡውን “ሱር እሰይ” ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 15:12) የሱስ ብስጋዊ መገዲ ‘ኻብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ ዝጨብጨበ’ እዩ ነይሩ። ካብ እሰይ ብዳዊት ኣቢሉ እተወልደ እዩ። (ማቴዎስ 1:1-6፣ ሉቃስ 3:23-32) ይኹን እምበር: የሱስ ንጉሳዊ ስልጣን ምቕባሉ ነቲ ምስ ኣባሓጎታቱ ዘለዎ ርክብ ይትንክፎ እዩ። ንእዙዛት ሰባት ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ሓይልን ስልጣንን ስለ እተዋህቦ: ንሰባት “ኣቦ ዘለኣለም” ኰይኑ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6) ስለዚ: “ሱር” እቶም ኣባሓጎታቱ: እንተላይ “ሱር” እሰይ” እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:3 በቲ ፈጣሪና ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ዘይንነብር እንተ ዄንና: ፍልጠትና ኻብ ናይ ብዕራይ ወይ ኣድጊ ንታሕቲ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገር ሞሳ ምምዕባል: ብዘይምስትውዓል ንኸይንመላለስን ንኸይንሓድጎን ይዓግተና።

1:11-13 ግብዝና ዝመልኦ ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ንወግዒ ዚግበር ጸሎትን ንየሆዋ ቕጭ እዩ ዜምጽኣሉ። ተግባራትናን ጸሎትናን ካብ ቅኑዕ ልባዊ ድራኸ ኺምንጭ ኣለዎ።

1:25-27፣ 2:2፣ 4:2, 3 እቶም እተነስሑ ተረፍ ናብ የሩሳሌም ኣብ ዚምለሱሉን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ኣብ ዜቝምሉን እዋን ባርነትን ምብዳምን ይሁዳ ኼብቅዕ ነበሮ። የሆዋ ንዚንስሑ ኣበስቲ መሓሪ እዩ።

2:2-4 ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ብቕንኣት ምስታፍና: ካብ ብዙሓት ኣህዛብ ዝመጹ ውልቀ-ሰባት ንመገዲ ሰላም ንኺመሃሩን ንኺስዕቡን ይሕግዝ እዩ።

4:4 የሆዋ ንስነ-ምግባራዊ ርስሓትን ናይ ደም ገበነኛነትን የወግድ ወይ ይሓጽብ።

5:11-13 ኣብ ምርጫ መዘናግዒታት ቀይዲ ዘይምግባርን ሚዛን ዘይምሕላውን: ብዘይ ፍልጠት ክትመላለስ ምድላይ እዩ።—ሮሜ 13:13

5:21-23 ክርስትያን ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን” ኪዀኑ የብሎምን። ኣብ “ምስታይ ወይኒ” ሚዛኖም ኪሕልዉን ኣድልዎ ኻብ ምግባር ኪቝጠቡን ኣለዎም።

11:3ሀ ኣብነትን ትምህርትታትን የሱስ ኣብ ፍርሃት የሆዋ ታሕጓስ ከም ዘሎ ይሕብር።

የሆዋ “ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ”

(ኢሳይያስ 13:1–35:10)

ካብ ምዕራፍ 13 ኽሳብ 23 ኣንጻር ካልኦት ኣህዛብ እተዘርበ ጾር ወይ ፍርዲ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ዓዶም ኪምለሱ ብምፍቃድ: “ንያእቆብ ኪምሕሮ እዩ።” (ኢሳይያስ 14:1) እቲ ኻብ ምዕራፍ 24 ክሳብ 27 ዚርከብ ብዛዕባ ምብዳም ይሁዳ ዚገልጽ መልእኽቲ: ብናይ ምምላስ መብጽዓ እተሰነየ እዩ። እቶም “ስኹራት ኤፍሬም [እስራኤል]” ምስ ሶርያ ኺዳን ብምትእትታው: “ካህንን ነብይን” ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣሶር ኪዳን ኪተኣታተዉ ብምድላዮም: የሆዋ ቝጥዓኡ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 28:1, 7) “ኣርኤል [የሩሳሌም]” ዕቝባ ደልያ ‘ናብ ግብጺ ኽትወርድ’ ብምጅማራ ወይለኺ ተባሂሉላ ኣሎ። (ኢሳይያስ 29:1፣ 30:1, 2) ይኹን እምበር: እቶም ኣብ የሆዋ እምነቶም ዜርእዩ: ድሕነት ከም ዚረኽቡ ኣቐዲምካ ተነግሮም።

የሆዋ ‘ኸምቲ ሽደን ኣንበሳ ብግዳዩ ዚጓዝም ኰይኑ ንከረን ጽዮን’ ኪሕልዋ እዩ። (ኢሳይያስ 31:4) “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ” ዚብል መብጽዓ እውን ኣሎ። (ኢሳይያስ 32:1) እቲ ኣሶራውያን ኣብ ይሁዳ ዘሕደርዎ ስግኣት ነቶም “ልኡኻት ሰላም” እኳ ኸይተረፈ ኣምሪሮም ከም ዚበኽዩ ኺገብሮም ከሎ: የሆዋ ህዝቡ ኸም ዚሓውዩ: ‘ኣበሳኦም ድማ ከም ዚሕደገሎም’ ተመባጺዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 33:7, 22-24) የሆዋ “ኣብ ኵላቶም ኣህዛብ ኰርዩ: ኣብ ኵሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ።” (ኢሳይያስ 34:2) ይሁዳ ባዲማ ኣይክትተርፍን እያ። “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

13:17—ሜዶናውያን ንብሩር ግዲ ዘይብሎም: ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ብኸመይ እዮም፧ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ነቲ ወሪርካ ብምሓዝ ዚርከብ ክብሪ: ካብ ምርኮ ውግእ ንላዕሊ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ። ቂሮስ ነቶም ናብ ዓዶም ዚምለሱ ምሩኻት ነቲ ነቡካድነጻር ካብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዝዘረፎ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ብምሃብ እዚ ሓቂ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።

14:1, 2—ህዝቢ የሆዋ “ነቶም ማረኽቶም ኪማርኹ: ነቶም ገፋዕቶም ድማ ኪገዝኡ” ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ኣብ ከም እኒ ኣብ ባቢሎንን ሜዶንን ፋርስን ልዑል ስልጣን ዝነበሮ ዳንኤል: ንግስቲ ፋርስ ዝነበረት ኣስቴር: ቀዳማይ ሚኒስተር ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኰይኑ እተሸመ ማርዶካይ ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ተፈጺሙ እዩ።

20:2-5—ኢሳይያስ ብሓቂዶ ንሰለስተ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ጥራዩ ዀይኑ እዩ ዚኸይድ ነይሩ፧ ኢሳይያስ ነቲ ላዕለዋይ ክዳኑ ጥራይ ኣውጺኡ: “ኣርቂቑ ተኸዲኑ” ይኸይድ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ሳሙኤል 19:24 NW እግረ-ጽሑፍ

21:1—“በረኻ ባሕሪ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኣየናይ ዞባ እዩ፧ ባቢሎን ጥቓ ናይ ሓቂ ባሕሪ እኳ እንተ ዘይነበረት: እዚ ንዓኣ ዜመልክት እዩ ነይሩ። ከምዚ እተባህለሉ ምኽንያት ከኣ: ፈለግ ኤፍራጥስን ፈለግ ጢግሪስን ኣብ ዓዓመት መሊኡ ነቲ ዞባ ኼጥለቕልቖ ኸሎ: ረግረግ ዝበዝሖ “ባሕሪ” ይፈጥር ብምንባሩ እዩ።

24:13-16—እቶም ኣይሁድኣብ ማእከል ህዝብታት: ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ: ምጕናእ ዘቢብ ተወዲኡስ: ቀሪም ከም ዚቕረም” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ ከምቲ ምህርቲ ምስ ተሓፍሰ: ኣብ ኦም ወይ ኣብ ሓረግ ወይኒ ሒደት ፍረ ዚተርፍ: ካብ ጥፍኣት የሩሳሌምን ይሁዳን ድማ ሒደት ጥራይ እዮም ድሒኖም። እቶም ዝደሓኑ ናብ “ሃገር ምብራቕ [ባቢሎን]” ወይ ናብ “ደሴታት ባሕሪ [መዲተራነያን]” ወይ ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይግዓዙ ብዘየገድስ: ንየሆዋ የኽብርዎ እዮም።

24:21—“ሰራዊት ላዕሊ” ኸምኡውን “ነገስታት ምድሪ” እተባህሉ መን እዮም፧ “ሰራዊት ላዕሊ” ነቶም እኩያት መናፍስቲ ኼመልክት ይኽእል እዩ። “ነገስታት ምድሪ” ድማ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣጋንንቲ ዘለዉ ምድራውያን ገዛእቲ የመልክት።—1 ዮሃንስ 5:19

25:7—እቲ “ንዅሎም ህዝብታት ዚጋርድ መጋረጃን [እቲ] ንዅሎም ኣህዛብ ዚጕልብብ መጐልበብን” እንታይ እዩ፧ እዚ ምንጽጻር እዚ: ነቶም ክልተ ዓበይቲ ጸላእቲ ደቅሰብ እዩ ዜመልክት። እዚኣቶም ከኣ ሓጢኣትን ሞትን እዮም።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

13:20-22፣ 14:22, 23፣ 21:1-9 ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ኸምቲ ንባቢሎን ብዚምልከት እተፈጸመ: ወትሩ ይፍጸም እዩ።

17:7, 8 መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ዘይሰምዑ እኳ እንተ ነበሩ: ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ግን ናብ ፈጣሪኦም ግልጽ ኢሎም እዮም። ብተመሳሳሊ: ገሊኦም ካብ ህዝበ-ክርስትያን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢሎም እዮም።

28:1-6 እስራኤል ብኣሶር እኳ እንተ ወደቐት: ኣምላኽ ግን እሙናት ውልቀ-ሰባት ከም ዚድሕኑ ገበረ። ፍርድታት የሆዋ ንጻድቕ ብዘይ ተስፋ ኣይሓድጎን እዩ።

28:23-29 የሆዋ ንቕኑዓት ውልቀ-ሰባት ከከም ኣድላይነቱን ከከም ኵነታቶምን የቕንዖም።

30:15 ካብ የሆዋ ድሕነት ንኽንረክብ: ብሰብኣዊ ውጥናት ድሕነት ንምርካብ ጻዕሪ ኻብ ምግባር “ምህዳእ” ወይ ምቝጣብ ይሓተና። ‘ብህድኣትና’ ወይ ብዘይምፍራህና: ኣብቲ የሆዋ ንኼዕቝበና ዘለዎ ኽእለት ትውክልቲ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና።

30:20, 21 ናብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ናብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብምቕላብ: ንየሆዋ ‘ንርእዮ’ ናይ ምድሓን ድምጹ ኸኣ ‘ንሰምዕ።’—ማቴዎስ 24:45

ትንቢት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበረና ምትእምማን የደልድሎ

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዚርከብ መልእኽቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! እቲ ድሮ እተፈጸመ ትንቢታት: ነቲ ‘እቲ ኻብ ኣፍ የሆዋ ዚወጽእ ቃል: ብኸንቱ ናብኡ ኸም ዘይምለስ’ ዘሎና ምትእምማን የደልድሎ።—ኢሳይያስ 55:11

እቲ ኣብ ከም ኢሳይያስ 9:7 ከምኡውን 11:1-5, 10 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዚርከብ መሲሓዊ ትንቢታትከ፧ ኣብቲ የሆዋ ንምድሕንና ዝገበሮ መሰናድዎ ዘሎና እምነት ዜደልድልዶ ኸይኰነ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ዓብዪ ፍጻመታቱ ኣብዚ ግዜና ዚፍጸም ዘሎ ወይ ገና ብሕጂ ዚፍጸም ትንቢታት እውን ሒዛ ኣላ። (ኢሳይያስ 2:2-4፣ 11:6-9፣ 25:6-8፣ 32:1,፣2) እወ: ትንቢት ኢሳይያስ ‘ቃል ኣምላኽ ህያው ምዃኑ’ ተወሳኺ መርትዖ እያ እትኸውን!—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኢሳይያስን ደቁን “ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ተኣምራትን” ኰኑ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሩሳሌም “ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ” ዀነት

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ሰባት ‘ኣስያፎም ንማሕረሻታት ኪሰርሕዎ’ ዚሕገዙ ብኸመይ እዮም፧