የሆዋ ‘ፍትሒ ኼውጽእ እዩ’
የሆዋ ‘ፍትሒ ኼውጽእ እዩ’
“ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧” —ሉቃስ 18:7
1. ንዓኻ ምንጪ ምትብባዕ ዚዀኑኻ መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧
ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምስቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገልዎ ክርስትያናት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኪቀራረቡ ምኽኣሎም የሐጕሶም እዩ። ብብሕትኻ ገለ ኻብዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ሓንቲ ኻብ እትጥመቕ ሓያሎ ዓመታት ዝገበረትን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ዘይትበኵርን ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ትዝ ትብለካ ትኸውን። ወይ ከኣ ሓደ ሰሙን ሰሙን ነቲ ኣብ ጉባኤ ዚግበር ኣገልግሎት ወፍሪ ዚድግፍ: ነዚ ድማ ንሓያሎ ዓመታት ዝገበሮ ኣረጋዊ ሓው ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። ልክዕ እዩ: ብዙሓት ካብዞም እሙናት እዚኣቶም ክሳዕ ሕጂ ኣርማጌዶን ትመጽእ እያ ኢሎም ሓሲቦም ይዀኑ። ኰይኑ ግን: እዛ ፍትሒ ዘይብላ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ምህላዋ: ነቲ ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዘለዎም ምትእምማን ኰነ ነቲ ‘ኽሳዕ መወዳእታ ኺዕገሱ’ ዝገበርዎ ቘራጽነት ኣየዳኸሞን። (ማቴዎስ 24:13) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜርእይዋ ድልድልቲ እምነት: ንምልእቲ እታ ጉባኤ ብሓቂ ምንጪ ምትብባዕ እዩ።—መዝሙር 147:11
2. እንታይ ኵነታት እዩ ዜጕህየና፧
2 ሓድሓደ ግዜ ግን: ብኣንጻሩ ንርኢ ኢና። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምስታፎም: ኣብ የሆዋ ዝነበረቶም እምነት ትዳኸም: ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሕባር ከኣ የቋርጽዎ። ፈተውትና ዝነበሩ ሰባት ንየሆዋ ምሕዳጎም የጕህየና እዩ: ንነፍሲ ወከፍ “ጥፍእቲ በጊዕ” ናብተን መጓሰ ንኽትምለስ ክንሕግዛ እውን ልባዊ ባህጊ ኣሎና። (መዝሙር 119:176፣ ሮሜ 15:1) ኰይኑ ግን: እዚ በበይኑ ውጽኢታት: ማለት ገሊኦም ብተኣማንነት ኪጸንዑ ኸለዉ: ገሊኦም እምነቶም ዜጥፍኡሉ ምኽንያት: ሕቶታት የበግስ እዩ። ገሊኦም እምነቶም ኬጥፍኡ ኸለዉ: ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ዝነበረቶም እምነት ሒዞም ንኪቕጽሉ ዜኽእሎም እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ምቕራብ “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ዘላትና እምነት ጸኒዓ ኸም እትቕጽል ንምግባር ብብሕትና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ጸፎንያስ 1:14 NW) ኣብ ወንጌል ሉቃስ እትርከብ ምሳሌ እስከ ንርአ።
ነቶም ‘ወዲ ሰብ ኪመጽእ ከሎ’ ዚህልዉ ሰባት እተዋህበ መጠንቀቕታ
3. ካብታ ብዛዕባ እታ መበለትን እቲ ፈራድን እትገልጽ ምሳሌ መን እዩ ብፍላይ ኪጥቀም ዚኽእል፧ ስለምንታይከ፧
3 ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 18: የሱስ ብዛዕባ ሓንቲ መበለትን ሓደ ፈራድን ዝመሰላ ምሳሌ ንረክብ ኢና። እዛ ምሳሌ እዚኣ: ምስታ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ እተመያየጥናላ ምሳሌ እቲ ዘይሕለል ተቐባል ጋሻ እትመሳሰል እያ። (ሉቃስ 11:5-13) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ከባቢ ምሳሌ እታ መበለትን እቲ ፈራድን ዘሎ ሓሳባት: እዛ ምሳሌ እዚኣ ብፍላይ ነቶም “ወዲ ሰብ [ብሓይሊ መንግስቱ] ምስ ዚመጽእ” ዚህልዉ ሰባት: ማለት ካብ 1914 ኣብ ዘሎ ግዜ እትውዕል ምዃና ይሕብር እዩ።—ሉቃስ 18:8 a
4. የሱስ ነታ ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 18 እትርከብ ምሳሌ ቕድሚ ምዝንታዉ እንታይ እዩ ዝገለጸ፧
4 የሱስ ነቲ ምሳሌ ቕድሚ ምዝራቡ: “መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን:” እቲ ብሓይሊ መንግስቱ ዚህልወሉ እዋን ዚሕብር መርትዖ ብብዙሓት ዚስትውዓል ምዃኑ ገለጸ። (ሉቃስ 17:24፣ 21:10, 29-33) ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ዚነብሩ ሰባት ነቲ ንጹር መርትዖ ኣየቕልቡሉን እዮም። (ዳንኤል 12:4) ስለምንታይ፧ ከምቲ ብዘመን ኖህን ብዘመን ሎጥን ንመጠንቀቕታታት የሆዋ ዕሽሽ ዝበሉ ሰባት ዝነበሮም ምኽንያት እዩ ዘለዎም። ኣብቲ ግዜ እቲ: ሰባት ‘ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ።’ (ሉቃስ 17:26-29) ንፍቓድ ኣምላኽ ክሳዕ ዘየቕልቡ በቲ ልሙድ ንጥፈታት ኣመና ስለ እተዋሕጡ: ህይወቶም ስኢኖም እዮም። (ማቴዎስ 24:39) ሎሚ: ሰባት ብሓፈሻ ብመዓልታዊ ጕዳያቶም ተዋሒጦም ስለ ዘለዉ: መወዳእታ እዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ቀሪቡ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ኼስተውዕሉ ኣይክእሉን እዮም።—ሉቃስ 17:30
5. (ሀ) የሱስ ነቲ መጠንቀቕታ ንመን እዩ ሂብዎም፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ገሊኦም እምነቶም ንኼጥፍኡ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧
5 ብንጹር እምበኣር የሱስ: እቶም ሰዓብቱ እውን በዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣቓልቦኦም ኪውሰድ ከም ዚኽእል: አረ ‘ንድሕሪት ኪምለሱ’ ኸም ዚኽእሉ ኣተሓሳሲብዎ እዩ። (ሉቃስ 17:22, 31) እዚ ኸኣ ብርግጽ ንገሊኦም ክርስትያናት ኣጋጢምዎም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንሓያሎ ዓመታት ነታ የሆዋ ነዛ እክይቲ ዓለም ዜጥፍኣላ መዓልቲ ብሃረርታ ተጸብዮም እዮም። ይኹን እምበር: ኣርማጌዶን ኣብቲ እተጸበይዎ እዋን ከይመጸት ምስ ተረፈት: ተስፋ ቘረጹ። እታ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኸም ዝቐረበት ዝነበሮም ምትእምማን ሃሰሰ። ኣብ ኣገልግሎት ዛሕተሉ: ቀስ ብቐስ ከኣ ኣብ ዓለማዊ ጕዳያት ኣዝዮም ስለ ዝጠሓሉ ንመንፈሳዊ ነገራት ብዙሕ ግዜ ኣይተረፎምን። (ሉቃስ 8:11, 13, 14) በብቝሩብ ‘ንድሕሪት ተመልሱ:’ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ!
‘ኵሉ ሳዕ ምጽላይ’ ዘለዎ ኣድላይነት
6-8. (ሀ) ምሳሌ እታ መበለትን እቲ ፈራድን ኣዘንቱ። (ለ) የሱስ ንኣወዓዕላ እታ ምሳሌ ብኸመይ ገለጾ፧
6 መብጽዓታት የሆዋ ኸም ዚፍጸም ዘሎና ጽኑዕ እምንቶ ንኸይዳኸም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (እብራውያን 3:14) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብታ ናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም ከይምለሱ ምስ ኣጠንቀቖም: ቀጺሉ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ሂቡላ እዩ።
7 ሉቃስ: የሱስ “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ: ብምስላ ተዛረቦም” በለ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ሓንቲ ኸተማ: ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት: ናብኡ እናመጸት ከኣ፤ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ: ትብሎ ነበረት። እናአበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፤ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ: እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ: መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ: ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ: በለ።”
8 የሱስ ነዚ ዛንታ እዚ ድሕሪ ምዝንታዉ: ኣወዓዕላኡ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ገለጾ:- “እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ ይጽመሞምዶኸ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም: እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧”—ሉቃስ 18:1-8
“ፍትሒ ኣውጽኣለይ”
9. ኣብታ ምሳሌ እታ መበለትን እቲ ፈራድን እንታይ ፍረ ነገር እዩ ዚጐልሕ፧
9 እቲ ቐንዲ ፍረ ነገር እዛ ህያው ምሳሌ እዚኣ ብንጹር ጐሊሑ እዩ ዚርአ። ክልቲኦም እቶም ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ-ባህርያትን የሱስን ጠቒሶምዎ ኣለዉ። እታ ሰበይቲ “ፍትሒ ኣውጽኣለይ” በለት። እቲ ፈራዲ “ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ” በለ። የሱስ ከኣ “ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም . . . ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን፧” ኢሉ ሓተተ። ብዛዕባ የሆዋ ኸኣ: “ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም: እብለኩም አሎኹ” በለ። (ሉቃስ 18:3, 5, 7, 8) ኣምላኽ ‘ፍትሒ ዜውጽእ’ ብፍላይ መዓስ እዩ፧
10. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን መዓልቲ ምርካብ ፍትሒ መዓስ እያ መጺኣ፧ (ለ) ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፍትሒ ዚወጸሎም መዓስን ብኸመይን እዩ፧
10 ብ70 ድ.ክ. የሩሳሌምን ቤተ መቕደሳን ምስ ዓነዋ: “ወርሓት ሕነ” ወይ “መዓልቲ ምርካብ ፍትሒ” (NW) መጺኣ እያ። (ሉቃስ 21:22) ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ፍትሒ ኺወጸሎም እዩ። (ጸፎንያስ 1:14 NW፣ ማቴዎስ 24:21) ኣብቲ ግዜ እቲ: የሱስ “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም” ከሎ: የሆዋ ነቶም ንህዝቡ ‘ዜጻብቡሎም ዘለዉ ጸበባ ኺፈዲ’ እዩ።—2 ተሰሎንቄ 1:6-8፣ ሮሜ 12:19
11. ፍትሒ “ቐልጢፉ” ዚመጽእ ብኸመይ እዩ፧
11 እቲ የሆዋ “ቐልጢፉ” ፍትሒ ኸም ዜውጽእ የሱስ እተዛረቦ መረጋገጺ ግን ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዚግባእ፧ የሆዋ ኸም ‘ዚጽመም’ ቃል ኣምላኽ ዚሕብረና እኳ እንተ ዀነ: ግዜኡ ምስ ኣኸለ ግን ቀልጢፉ ፍትሒ ይገብር እዩ። (ሉቃስ 18:7, 8፣ 2 ጴጥሮስ 3:9, 10) ብዘመን ኖህ ማይ ኣይሂ ምስ መጸ: እቶም እኩያት ቀልጢፎም እዮም ጠፊኦም። ብተመሳሳሊ: ብዘመን ሎጥ ካብ ሰማይ ሓዊ ምስ ዘነመ: እቶም እኩያት ጸኒቶም እዮም። የሱስ “በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ሉቃስ 17:27-30) ብሕጂ እውን ነቶም እኩያት “ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም።” (1 ተሰሎንቄ 5:2, 3) የሆዋ ነታ ናይ ሰይጣን ዓለም ካብቲ ፍትሒ ዚሓቶ ንላዕሊ ሓንቲ መዓልቲ ኽትጸንሕ ከም ዘይፈቕደላ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።
‘ፍትሒ የውጽእ እዩ’
12, 13. (ሀ) እታ የሱስ ብዛዕባ እታ መበለትን እቲ ፈራድን ዝመሰላ ምሳሌ እንታይ ትምህርቲ ሒዛ ኣላ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖን ፍትሒ ኸም ዜውጽኣልናን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
12 እቲ የሱስ ብዛዕባ እታ መበለትን እቲ ፈራድን ዝሃቦ ምሳሌ: ካልእ ኣገዳሲ ሓቅታት እውን የጕልሕ እዩ። የሱስ ንኣወዓዕላ እቲ ምሳሌ ኺገልጽ ከሎ: “እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም . . . ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧” በለ። ልክዕ እዩ: የሱስ ንየሆዋ ምስቲ ፈራዲ ብምውድዳር: ኣምላኽ ንኣመንቲ ብተመሳሳሊ መገዲ ኸም ዚሕዞም ኣይኰነን ዚገልጽ ነይሩ። የግዳስ: ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ፈራድን ኣምላኽን ዘሎ ፍልልይ ብምጕላሕ እዩ ንሰዓብቱ ብዛዕባ የሆዋ ዝመሃሮም። ገለ ኻብቲ ዚፈላለዩሉ መገድታት እንታይ እዩ፧
13 እቲ ኣብታ የሱስ ዝጠቐሳ ምሳሌ ዘሎ ፈራዲ “ዓመጸኛ” ኪኸውን ከሎ: ኣምላኽ ግና “ጻድቕ ፈራዲ” እዩ። (መዝሙር 7:11፣ 33:5) እቲ ፈራዲ ነታ መበለት ብሕታዊ ተገዳስነት ኣይነበሮን: የሆዋ ግን ንነፍሲ ወከፍና በብውልቂ ይግደሰልና እዩ። (2 ዜና መዋእል 6:29, 30) እቲ ፈራዲ ነታ መበለት ኪሕግዛ ፍቓደኛ ኣይነበረን: የሆዋ ግን ነቶም ዜገልግልዎ ኺረድኦም ፍቓደኛ ጥራይ ዘይኰነስ ህንጡይ እዩ። (ኢሳይያስ 30:18, 19) እዚ እንታይ ይምህረና፧ እቲ ዓመጸኛ ፈራዲ ንጥርዓን እታ መበለት ሰሚዑ ፍትሒ ኻብ ኣውጸኣላ: የሆዋ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ንጸሎት ህዝቡ ሰሚዑ ፍትሒ ዘየውጽኣሎም!—ምሳሌ 15:29
14. መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ዘላትና እምነት ከነጥፍእ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
14 ስለዚ: እቶም ብዛዕባ ምምጻእ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዝነበረቶም እምነት ዜጥፍኡ ሰባት: ዓብዪ ጌጋ እዮም ዚገብሩ። ስለምንታይ፧ “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ኸም እትመጽእ ዝነበረቶም ጽንዕቲ እምነት ብምሕዳጎም: ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ንመብጽዓታቱ ብተኣማንነት ብምሕላው ዝመጸ ኺእመን ዚኽእል እንተ ዀይኑ እዮም ኣብ ሕቶ ዜእትውዎ ዘለዉ። ንተኣማንነት ኣምላኽ ግን ኣብ ሕቶ ኼእትዎ ዚኽእል የልቦን። (እዮብ 9:12) እታ ግብእቲ ሕቶ እምበኣር: ‘ነፍሲ ወከፍና ብብሕትና እሙናት ኴንና ኽንቅጽል ዲና፧’ እትብል እያ ኽትከውን ዚግባእ። የሱስ እውን ኣብ መወዳእታ ምሳሌ እታ መበለትን እቲ ፈራድን: ነዛ ሕቶ እዚኣ እዩ ኣበጊሱ።
“እንድዒ እዛ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧”
15. (ሀ) የሱስ እንታይ ሕቶ እዩ ዘበገሰ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧
15 የሱስ “እንድዒ [“እዛ:” NW እግረ ጽሑፍ] እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ኢሉ እትምስጥ ሕቶ ሓተተ። (ሉቃስ 18:8) እታ የሱስ እተዛረባ “እዛ እምነት” እትብል መግለጺት: ንዝዀነ እምነት ብሓፈሻ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ሓንቲ ዓይነት እምነት: ማለት ብዛዕባ እታ መበለት ዝነበረታ ዓይነት እምነት ይዛረብ ከም ዝነበረ ትሕብር። የሱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣይመለሳን። ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ደረጃ እምነቶም ንኺሓስቡሉ ኢሉ እዩ ኣበጊስዋ። እምነቶም በብቝሩብ ብምድካማ: ንድሕሪት ከይምለሱ ዜስግኡ ድዮም ነይሮም ወይስ ከምቲ እታ መበለት ዝነበራ ዓይነት እምነት እዩ ዘለዎም፧ ሎሚ እውን: ንሕና ብተመሳሳሊ ንርእስና: ‘“ወዲ ሰብ” ኣብ ልበይ እንታይ ዓይነት እምነት እዩ ዚረክብ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።
16. እታ መበለት እንታይ ዓይነት እምነት እያ ነይራታ፧
16 ካብቶም የሆዋ ፍትሒ ዜውጽኣሎም ሰባት ምእንቲ ኽንከውን: ነቲ እታ መበለት ዝሰዓበቶ መገዲ ኽንስዕብ ኣሎና። ከመይ ዝዓይነታ እምነት እያ ነይራታ፧ ከይተሓለለት ‘ናብቲ ፈራዲ እናመጸት፤ ፍትሒ ኣውጽኣለይ’ ብምባል እምነታ ኣርኣየት። እታ መበለት ካብቲ ዓመጸኛ ሰብኣይ ፍትሒ ንኽትረክብ ኢላ ብዘይምሕላል ለመነት። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ እተጸበይዎ ዝነውሐ ግዜ እኳ እንተ ወሰደ: ካብ የሆዋ ፍትሒ ኸም ዚረኽቡ ግን ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ: ከይተሓለሉ ብምጽላይ: እወ ‘ለይትን መዓልትን ናብ የሆዋ ብምጥራዕ:’ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምንቶ ኸም ዘለዎም የርእዩ። (ሉቃስ 18:7) ሓደ ክርስትያን ፍትሒ ንኺወጸሉ ዘይጽሊ እንተ ዀይኑ: ኣብቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚጠቅም ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ዝነበሮ ምትእምማን ከም ዝጠፍአ እዩ ዜርኢ።
17. ከይተሓለልና ንኽንጽልን ኣብታ ብርግጽ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ እምነት ንኸነሕድርን እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧
17 እታ መበለት ዝነበራ ዅነታት: ከይተሓለልና ንኽንጽሊ ተወሳኺ ምኽንያታት እዩ ዚህበና። እቲ ኣብ መንጎ ዅነታታን ኵነታትናን ዘሎ ፍልልይ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እታ መበለት ዋላ ሓንቲ ምትብባዕ እኳ እንተ ዘይተዋህባ: ናብቲ ፈራዲ ምቕራብ ኣቋረጸትን: ንዓና ግን ቃል ኣምላኽ ‘ጸሎት ንኸነዘውትር’ ብዙሕ ምትብባዕ ይህበና እዩ። (ሮሜ 12:12) እታ መበለት እቲ ጥርዓና ኸም ዚስምዓላ ዋላ ሓንቲ መረጋገጺ ኣይነበራን: ንዓና ግን ፍትሒ ኸም ዚወጸልና የሆዋ ኣረጋጊጹልና እዩ። የሆዋ ብነብዩ ኣቢሉ: “ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ” ኢሉና ኣሎ። (ኣንባቆም 2:3፣ መዝሙር 97:10) እታ መበለት ዜማልደላ ዋላ ሓደ ደጋፊ ኣይነበራን። ንሕና ግን ሓያል ደጋፊ: “ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ” የሱስ ኣሎና። (ሮሜ 8:34፣ እብራውያን 7:25) ስለዚ: እታ መበለት ጽንኩር ኵነታት እናሃለዋ ኽነሳ ፍትሒ እረክብ እኸውን ኢላ ነቲ ፈራዲ ኻብ ለመነቶ: ንሕና ግዳ ኣብታ ብርግጽ እትመጽእ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኽንደይ ዝያዳ እምነት ከነሕድር ዘይግባእ!
18. ጸሎት ንእምነትና ኼደልድላን ፍትሒ ንኽንረክብ ኪሕግዘናን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
18 ምሳሌ እታ መበለት ኣብ መንጎ ጸሎትን እምነትን ጥቡቕ ምትእስሳር ከም ዘሎ: ከይተሓለልካ ምጽላይ ከኣ ነቲ ንእምነትና ኼዳኽም ዚኽእል ጽልዋታት ንኸነሰንፎ ኸም ዚሕግዘና ትምህረና። ልክዕ እዩ: እዚ ኺበሃል ከሎ ንርኣዩለይ ዚግበር ብሉጽ ጸሎት እምነትና ንኸይትጠፍእ ይጠቅም ማለት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 6:7, 8) ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም እንጽጋዕ ብምስትውዓል ክንጽሊ ምስ እንድረኽ: ጸሎት ንኣምላኽ ከም እንቐርቦ ይገብረና: ንእምነትና ኸኣ የደልድላ። ንኽንድሕን እምነት ስለ እተድልየና ኸኣ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኸይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” ምትብባዑ ዜገርም ኣይኰነን። (ሉቃስ 18:1፣ 2 ተሰሎንቄ 3:13) ልክዕ እዩ: ምምጻእ “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” ኣብ ጸሎት ኣይኰነን ዚምርኰስ: ብዛዕባኣ ንጸሊ ኣይንጸሊ ብዘየገድስ ክትመጽእ እያ። ብብሕቲ ፍትሒ ምርካብናን ካብቲ ውግእ ኣምላኽ ምድሓንናን ግን ብርግጽ ኣብ እምነትናን ኣብቲ ብጸሎት እንመላለሶ ምምልላስን እዩ ዚምርኰስ።
19. ኣምላኽ ‘ፍትሒ ኸም ዜውጽእ’ ብጽኑዕ ከም እንኣምን ብኸመይ ከነመስክር ንኽእል፧
19 ትዝ ከም ዚብለና: የሱስ: “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እዛ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ። መልሲ እዛ እትምስጥ ሕቶኡ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብጸሎቶምን ብትዕግስቶምን ብዘይምሕላሎምን እዛ እምነት እዚኣ ኸም ዘላቶም ስለ ዘመስከሩ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰና! ስለዚ ድማ እታ የሱስ ዘበገሳ ሕቶ ብኣወንታዊ መገዲ ኽትምለስ ትኽእል እያ። እወ: ናይ ሰይጣን ዓለም እትገፍዓና እኳ እንተ ዀነት: የሆዋ ‘ንሕሩያቱ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም’ ብጽኑዕ ንኣምን ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዛ ምሳሌ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ: ሉቃስ 17:22-33 ኣንብብ። እቲ ኣብ ሉቃስ 17:22, 24, 30 ዚርከብ ነቲ “ወዲ ሰብ” ዚምልከት ሓሳባት: ነቲ ብዛዕባ ሉቃስ 18:8 እተላዕለ ሕቶ መልሲ ንኽንረክብ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኣስተብህል።
ትዝክሮዶ፧
• ንገሊኦም ክርስትያናት እምነቶም ከም ዜጥፍኡ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧
• መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኸም እትመጽእ ጽንዕቲ እምነት ክትህልወና እትኽእል ብኸመይ እያ፧
• ከይተሓለልና ንኽንጽሊ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧
• ከይተሓለልና ምጽላይና: እምነትና ንኸይነጥፍእ ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ምሳሌ እታ መበለትን እቲ ፈራድን እንታይ እዩ ጐሊሑ ዚርከብ፧
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ኣምላኽ ‘ፍትሒ ኸም ዜውጽእ’ ይኣምኑ