ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወትን ሰባትን ዜፍቅር ዝነበረ ሰብኣይ

ህይወትን ሰባትን ዜፍቅር ዝነበረ ሰብኣይ

ህይወትን ሰባትን ዜፍቅር ዝነበረ ሰብኣይ

እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ዳንየል ሲድሊክ ብሰሉስ 18 ሚያዝያ 2006 ምድራዊ ህይወቱ ዛዘመ። ወዲ 87 ዓመት እዩ ነይሩ፣ ኣባል ስድራ ቤትኤል ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኰይኑ ድማ ዳርጋ ን60 ዓመት ኣገልገለ።

እቶም ዚቐርብዎ ዝነበሩ ሰባት: ሓው ዳን ብምባል እዮም ብፍቕሪ ዚጽውዕዎ ነይሮም: ብ1946 ከኣ እዩ ናብ ቤትኤል ኣትዩ። ቅድሚኡ ግን ኣብ ካሊፎርንያ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ተኣሲሩ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዘሕለፎ ተመክሮ ብ1 ሰነ 1985 ኣብ ዝወጸ “ዎ ኣምላኽ: ዕርክነትካ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር እዩ” ኣብ ዚብል ታሪኽ ህይወት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

ሓው ሲድሊክ ትሑትን ብቐሊሉ ዚቕረብን እዩ ነይሩ። እቲ ንህይወት ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣረኣእያን ፍቕርን: ኣብተን ንስድራ ቤትኤል ናይ ንግሆ ኣምልኾ ኺጅምር ከሎ ዚጥቀመለን: “ነቲ ናይ ሓቅን ህያውን ዝዀነ ኣምላኽ ንምግልጋል ብህይወት ምህላው ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ” ዚብላ መኽፈቲ ቓላት ይንጸባረቕ ነበረ። ከም ክኢላ ተዛራባይ መጠን: ካልኦት ሰባት እውን ንህይወት ነዚ ኣረኣእያ ንኺህልዎም የተባብዖም ነበረ፣ ነዚ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣርእስቲ ብዘለዎ መደረ ገይሩ ኣርእይዎ እዩ:- “የሆዋ ዝኣምላኹ ህዝቢ ሕጉስ እዩ:” “ንሓጐስ የሆዋ ምንጽብራቕ:” “ንሃልሃልታ መንፈስ ኣምላኽ ኣይተጥፍእዎ:” “እቲ ዝበለጸ ገና ይመጽእ ኣሎ።”

ብ1970 ሓው ሲድሊክ ነታ “ኣምላኽ ዝሃበኒ ደጋፊት” ኢሉ ዚጽውዓ ዝነበረ ጓል ዓዲ እንግሊዝ ዝዀነት ማሪና ሆድሰን ተመርዓዋ። ብሓደ ዀይኖም ከኣ ንየሆዋ ንልዕሊ 35 ዓመት ኣገልገልዎ።

ሓው ሲድሊክ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዝነበረሉ እዋን: ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ኣገልጊሉ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንኽፍሊ ሕትመትን ጽሕፈትን ዜጠቓልል ነበረ። ኣብቲ ዳብሊው.ቢ.ቢ.ኣር. ዚበሃል መደበር ረድዮ እውን ዓይዩ እዩ። ብድሕርዚ: ኣብ ሕዳር 1974 ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ተሸመ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምስ ኮሚተ ፐርሶነልን ጽሕፈትን ብሓባር ይዓዪ ነበረ።

ሓው ሲድሊክ ምስ ኮሚተ ፐርሶነል ንልዕሊ 30 ዓመት ኣብ ዝዓየየሉ እዋን: በቲ ንሰባት ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ እዩ ዚፍለጥ። ንብዙሓት ሰባት ከኣ በቲ ረጕድ ድምጹ ገይሩ: ናብቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዝረኸብናዮ ፍሉይ ኣጋጣሚ ንኬቕልቡ የተባብዖም ነበረ። ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ደጋዊ ረቛሒታት ዘይኰነስ: ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብን ንህይወት ዘሎና ኣረኣእያን እተመርኰሰ ምዃኑ ዅሉ ሳዕ የጕልሕ ነበረ።

ዋላኳ ስድራ ቤትኤል ብሞት ሓው ሲድሊክ ይደፋነቕ እንተ ዀነ: እቲ ንህይወትን ንሰባትን ዝነበሮ ፍቕሪ ዜርኢ ኣብነቱ ግን ነባሪ እዩ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ራእይ 14:13 “እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ: ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ: ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም” እተባህለሎም ሰባት ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ኢና።