ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ ራእይ 7:3 እተገልጸ ምሕታም እንታይ እዩ፧

ራእይ 7:1-3 ኸምዚ ትብል:- ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም: ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ: ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ። ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፤ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ: ምድሪ: ወይስ ባሕሪ: ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ: በለ።”

እቲ “ኣርባዕተ ንፋሳት” ምስ ተፈነወ: እቲ “ብርቱዕ ጸበባ:” ማለት ጥፍኣት እታ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዝተረፈ ኽፋል እዛ እክይቲ ዓለምን ኪጅምር እዩ። (ራእይ 7:14) እቶም “ባሮት ኣምላኽና” እተባህሉ: እቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:9, 16) ስለዚ: እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር ከሎ: ምሕታም እቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ተዛዚሙ ኸም ዚጸንሕ እዚ ትንቢት እዚ ይሕብር እዩ። ይኹን እምበር: ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣቐዲምካ ዚግበር ምሕታም ቅቡኣት ከም ዚህሉ ይሕብር እዩ። ስለዚ: ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ናይ መፈለምታ ምሕታምን ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ምሕታምን ንዛረብ ኢና። ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

እታ “እንሐትሞም” እትብል ቃል ዘለዋ ትርጕም እስከ ንርአ። ብግዜ ጥንቲ: ማሕተም ኣብ ሓደ ሰነድ ኣሰር ንምሕዳግ ዜገልግል መሳርሒ እዩ ነይሩ። እታ ቓል እቲኣ ነቲ ኣብቲ ሰነድ ዚተርፍ ኣሰር እውን ከተገልግል ትኽእል እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስልጣን ወይ ዋንነት ንምሕባር ኣብ ሰነድ ወይ ኣብ ካልእ ነገር ማሕተም ናይ ምግባር ልማድ ነይሩ እዩ።—1 ነገስት 21:8፣ እዮብ 14:17

ጳውሎስ “እቲ ንኣናን ንኣኻትኩምን ኣብ ክርስቶስ ዘጽንዓና ኣምላኽ እዩ፥ ዝቐብኣናውን ንሱ እዩ። ናቱ ኸም ዝዀንና ማኅተም መፈለጥታ ዝገበረልና፥ ኣብ ልብና ዕርቡን መንፈስ ቅዱሱ ዝሃበና፥ ንሱ እዩ” ብምባል ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ማሕተም ኣመሳሰሎ። (2 ቈረንቶስ 1:21, 22 ትርጕም 1990) ስለዚ: የሆዋ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ጥሪቱ ምዃኖም ንምሕባር: ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ እዩ ዚቐብኦም።

ይኹን እምበር: ንቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምሕታም ክልተ መድረኽ ኣሎ። እቲ ናይ መፈለምታ ምሕታም ካብቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም: (1) ብዕላማ: (2) ብግዜ: ይፈላለ እዩ። እቲ ናይ መፈለምታ ምሕታም: ናብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዚውሰኹ ሓደስቲ ኣባላት ንምሕራይ እዩ ዜገልግል። እቲ ንመወዳእታ ዚግበር ምሕታም: እቲ እተሓርየን እተሓትመን ውልቀ-ሰብ ተኣማንነቱ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘርኣየ ንምሕባር እዩ ዜገልግል። እምበኣር: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም ጥራይ እዩ እቲ ማሕተም ንሓዋሩ ኣብ ‘ግንባር’ እቲ ቕቡእ ዚግበር: እዚ ድማ ተፈቲኑ እሙን ዝዀነ ‘ባርያ ኣምላኽና’ ምዃኑ ዘየጠራጥር መለለዪ ይዀኖ። እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተጠቒሱ ዘሎ ምሕታም: ነቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ እቲ ምሕታም እዩ ዜመልክት።—ራእይ 7:3

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ናይ መፈለምታ ምሕታም ዚግበረሉ ግዜ: ንቕቡኣት ክርስትያናት: “ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ: ናይ ምድሓንኩም ወንጌል: ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ አመንኩም: ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሐተምኩም” በሎም። (ኤፌሶን 1:13, 14) ኣብ ሓያሎ መዳያት: እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ምስ ሰምዑን ኣብ ክርስቶስ ምስ ኣመኑን ነዊሕ ከይጸንሑ ኸም እተሓትሙ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:15-17፣ 10:44) ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕታም: ኣምላኽ ከም ዚሰምሮም እዩ ዚገልጽ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ናይ መወዳእታ ስምረቱ ኸም ዝሃቦም ዚሕብር ኣይኰነን። ስለምንታይ፧

ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ንመዓልቲ ምድሓን [‘ምልቃቕ:’ NW] እተሓተሙ’ ምዃኖም ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:30) እዚ ኸኣ ድሕሪ እቲ ናይ መፈለምታ ምሕታም: እተወሰነ ግዜ ኸም ዚሓልፍ: መብዛሕትኡ ግዜ እውን እዚ ሓያሎ ዓመታት ምዃኑ ይሕብር። ቅቡኣት ዘበሉ ኻብቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተሓትሙሉ ጀሚሮም ክሳዕ እታ ኻብ ስጋዊ ኣካላቶም ‘ዚላቐቑላ መዓልቲ:’ ማለት ክሳዕ ሞቶም እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም። (ሮሜ 8:23፣ ፊልጲ 1:23፣ 2 ጴጥሮስ 1:10) ስለዚ: ጳውሎስ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ጥራይ እዩ “እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ። . . . ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ” ኪብል ዝኸኣለ። (2 ጢሞቴዎስ 4:6-8) ብዘይካዚ: የሱስ ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት: “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” በላ።—ራእይ 2:10፣ 17:14

እታ “ኣኽሊል” እትብል ቃል: ኣብ መንጎ እቲ ናይ መፈለምታ ምሕታምን ናይ መወዳእታ ምሕታምን እተወሰነ ግዜ ኸም ዚሓልፍ ተወሳኺ መርትዖ ትህብ እያ። ስለምንታይ፧ ብግዜ ጥንቲ: ንሓደ ኣብ ቅድድም እተዓወተ ጐያዪ ኣኽሊል ምሃብ ልሙድ እዩ ነይሩ። እቲ ጐያዪ ነቲ ኣኽሊል ንምቕባል: ኣብቲ ቕድድም ኪኣቱ ጥራይ ዘይኰነስ: ክሳዕ መወዳእታ ኺጐዪ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ቅቡኣት ክርስትያናት ክሳዕ መወዳእታ ጕዕዞኦም—ማለት ካብ ናይ መፈለምታ ምሕታም ክሳዕ ናይ መወዳእታ ምሕታም—እንተ ጸኒዖም ጥራይ እዮም: ኣብ ሰማይ ኣኽሊል ዘይትመውት ህይወት እትወሃቦም።—ማቴዎስ 10:22፣ ያእቆብ 1:12

እቶም ኣብ መፈለምታ እተሓትሙ ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት: መዓስ እዮም ናይ መወዳእታ ማሕተሞም ዚቕበሉ፧ እቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘለዉ: እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ “ኣብ ገግምባሮም” ኪሕተሙ እዮም። እቲ ኣርባዕተ ንፋሳት ጸበባ ኣብ ዚፍነወሉ ግዜ: ሒደት ካብቶም መንፈሳውያን እስራኤል እኳ ብስጋ ህያዋን ኰይኖም ኪጸንሑን ገና ምድራዊ ህይወቶም ኪውድኡን እኳ እንተ ኣለዎም: ኵላቶም ግን ንመወዳእታ ግዜ ተሓቲሞም ኪጸንሑ እዮም።