ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ”

“ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ”

“ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ”

“ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ እሞ: . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ . . . በዓል ኣብዕል።” —ዘዳግም 16:15

1. (ሀ) ሰይጣን እንታይ ጕዳያት እዩ ዘበገሰ፧ (ለ) የሆዋ ደድሕሪ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን እንታይ እዩ እተነበየ፧

 ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ፈጣሪኦም ከም ዚዓልዉ ምስ ገበሮም: ክልተ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣበገሰ። ቀዳማይ: ንሓቅነትን ቅኑዕነት ኣገዛዝኣን የሆዋ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ካልኣይ: ሰባት ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ንርእሶም ምእንቲ ኺረብሑ ኢሎም ጥራይ ከም ዝዀኑ ኣመተ። ነቲ ኻልኣይ ጕዳይ ብግዜ እዮብ ብንጹር ተዛሪብዎ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ እዮብ 1:9, 10፣ 2:4, 5) ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ዅነታት ንምፍታሕ ቀልጢፉ ስጕምቲ ኺወስድ ጀመረ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤድን ገና ኸይወጹ ኸለዉ: የሆዋ ነቲ ጕዳያት ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ተነበየ። ሓደ “ዘርኢ” ኸም ዚመጽእ እሞ: ሸዀናኡ ምስ ተነኽሰ: ንሰይጣን ርእሱ ኸም ዚጭፍልቖ ገለጸ።—ዘፍጥረት 3:15

2. የሆዋ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተመዝገበ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ ኣመልኪቱ እንታይ ተወሳኺ መብርሂ እዩ ዝሃበ፧

2 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: የሆዋ ነቲ ትንቢት ብዝያዳ ኣብረሆ: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ መወዳእታኡ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ኣርኣየ። ንኣብነት: ኣምላኽ ንኣብርሃም እቲ “ዘርኢ” ኻብቲ ንሱ ዚወልዶም ዘርኡ ኸም ዚመጽእ ነገሮ። (ዘፍጥረት 22:15-18) እቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝዀነ ያእቆብ: ኣቦ 12 ነገድ እስራኤል ኰነ። ብ1513 ቅ.ክ. እዞም ነገዳት ከም ሓደ ህዝቢ ምስ ቈሙ: የሆዋ እተፈላለየ ዓመታዊ በዓላት ዜጠቓልል ሕግታት ሃቦም። ሃዋርያ ጳውሎስ: እዚ በዓላት እዚ “ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ እዩ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ቈሎሴ 2:16, 17፣ እብራውያን 10:1) የሆዋ ነቲ ዘርኢ ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ዜርኢ ኣቐዲሙ እተገልጸ ነገራት ዝሓዘ እዩ። ነቲ በዓላት እቲ ምብዓል ኣብ እስራኤል ዓብዪ ሓጐስ እዩ ኣምጺኡ። ነዚ ኣሕጽር ኣቢልና ምምርማርና: መብጽዓታት የሆዋ ዜተኣማምን ምዃኑ ዘላትና እምነት ኬደልድላ እዩ።

እቲ ዘርኢ ተጋህደ

3. እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ መን እዩ ነይሩ፧ ሸዀናኡ እተነኽሰኸ ብኸመይ እዩ፧

3 ካብቲ የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት እትነበየሉ ልዕሊ 4,000 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ተጋህደ። ንሱ የሱስ ነበረ። (ገላትያ 3:16) የሱስ ፍጹም ሰብኣይ ስለ ዝነበረ: ክሳዕ ሞት ንጽህናኡ ሓለወ: በዚ ኸምዚ ድማ ክስታት ሰይጣን ሓሶት ምዃኑ ኣመስከረ። ብዘይካዚ: የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ብምንባሩ: ሞቱ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ መስዋእቲ እዩ ነይሩ። ብእኡ ኣቢሉ እቶም እሙናት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዚድሕንሉ መሰናድዎ ገበረ። የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ሙማቱ: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ‘ኣብ ሸዀና ኸም እተነኽሰ’ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—እብራውያን 9:11-14

4. ንመስዋእቲ የሱስ ጽላሎት ዝዀኖ እንታይ እዩ ነይሩ፧

4 የሱስ ብ14 ኒሳን: 33 ድ.ክ. ሞተ። a ኣብ እስራኤል 14 ኒሳን በዓል ፋስጋ ዚበዓለላ እተሐጕስ መዓልቲ እያ ነይራ። ኣብ ዓዓመት በታ መዓልቲ እቲኣ: ስድራቤታት ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸል ብሓባር ይበልዓ ነበራ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እተን ስድራቤታት: ብ14 ኒሳን 1513 ቅ.ክ. ሓደ መልኣኽ ንበዅሪ ግብጻውያን ኪቐትል ከሎ: ደም እቲ ገንሸል ግን ንበዅሪ እስራኤላውያን ከም ዘድሓኖም ይዝክራ ነበራ። (ዘጸኣት 12:1-14) እቲ ገንሸል ፋስጋ ንየሱስ ጽላሎት ኰይንዎ ነበረ: ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ የሱስ “ገንሸል ፋስጋና: ማለት ክርስቶስ: ተሰዊኡ እዩ” በለ። (1 ቈረንቶስ 5:7) እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ: ከምቲ ደም ገንሸል ፋስጋ: ንብዙሓት ምድሓን ኰይኑ እዩ።—ዮሃንስ 3:16, 36

‘በዅሪ እቶም ምዉታት’

5, 6. (ሀ) የሱስ መዓስ እዩ ተንሲኡ፧ ኣብቲ ሕጊ ነዚ ፍጻመ እዚ ጽላሎት ዚዀኖኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ትንሳኤ የሱስ ዘፍጥረት 3:15 ኸም እትፍጸም ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ: የሱስ ነቲ መስዋእቱ ዘለዎ ዋጋ ናብ ኣቦኡ ንምቕራብ ካብ ምዉታት ተንስአ። (እብራውያን 9:24) ነዚ ትንሳኤኡ ጽላሎት ዝዀኖ ኻልእ በዓል ነይሩ እዩ። እታ ጽባሕ 14 ኒሳን ዝነበረት መዓልቲ: በዓል ቅጫ ዚጅምረላ ዕለት እያ ነይራ። ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ኸኣ: ማለት ኣብ 16 ኒሳን: እስራኤላውያን ካብቲ ንፈለማ ዚእክብዎ ምህርቲ ዝዀነ ቐዳማይ ዓጺድ ስገም ሓደ እንዳእቲ ኣምጺኦም: ነቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺውዝውዞ ይህብዎ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 23:6-14) ሰይጣን ነቲ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ኬጥፍኦ ዝገበሮ እኩይ ጻዕሪ: የሆዋ ብ16 ኒሳን 33 ድ.ክ. ምፍሻሉ ግቡእ እዩ ነይሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ: የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ዘይትመውት መንፈሳዊ ህይወት ሃቦ።—ራእይ 3:14፣ 1 ጴጥሮስ 3:18

6 የሱስ “በዅሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ: ካብ ምዉታት ተንስኤ።” (1 ቈረንቶስ 15:20) እቶም ቅድሚኡ ዝተንስኡ ጸኒሖም እኳ እንተ ሞቱ: የሱስ ግን ደጊም ኣይሞተን። ኣብ ክንዳኡስ: ናብ ሰማይ ናብ የማን ኣምላኽ ዓረገ: ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ኣብኡ ተጸበየ። (መዝሙር 110:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33፣ እብራውያን 10:12, 13) የሱስ ካብ ዚነግስ ኣትሒዙ: ነቲ ዓብዪ ጸላኢ ዝዀነ ሰይጣን ርእሱ ንኺጭፍልቖን ንዘርኡ ንኼጥፍኦምን ኣብ ዚኽእለሉ ቦታ እዩ ዘሎ።—ራእይ 11:15, 18፣ 20:1-3, 10

ዝያዳ ኣባላት ዘርኢ ኣብርሃም

7. በዓል ሰሙናት እንታይ እዩ ነይሩ፧

7 የሱስ እቲ ኣብ ኤድን መብጽዓ ተገይሩሉ ዝነበረ ዘርእን የሆዋ ‘ግብሪ ድያብሎስ ንምፍራስ’ ዚጥቀመሉ መገድን እዩ ነይሩ። (1 ዮሃንስ 3:8) ይኹን እምበር: የሆዋ ንኣብርሃም ኪዛረቦ ኸሎ: “ዘርኢ” ኣብርሃም ካብ ሓደ ንላዕሊ ኸም ዚኸውን ሓቢሩ ነይሩ። ዘርኢ ኣብርሃም “ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን” ኪኸውን ነበሮ። (ዘፍጥረት 22:17) ካልኦት ኣባላት እቲ “ዘርኢ” ኸም ዚመጹ ዚሕብር: ጽላሎት ዚኸውን ካልእ ዜሐጕስ በዓል ኣሎ። እስራኤል ካብ 16 ኒሳን 50 መዓልቲ ጸኒሑ: በዓል ሰሙናት የብዕል ነበረ። እቲ ሕጊ ኸምዚ ይብል ነበረ:- “ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰንበት ሓምሳ መዓልቲ ቝጸሩ: ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርቡ። ካብቲ እትነብርዎ: እንጌራ መስዋእቲ ምውዝዋዝ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ: [ብ]ኹዕ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ ህያብ በዅራት ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ።” bዘሌዋውያን 23:16, 17, 20

8. ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ፍሉይ ነገር እዩ ተፈጺሙ፧

8 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እቲ በዓል ሰሙናት ዚበሃል ዝነበረ: ጴንጠቆስጠ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (ጴንጠቆስጠ ኻብታ “መበል ሓምሳ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት እያ።) ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ 120 ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰ። በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ቕቡኣት ውሉዳት ኣምላኽን ኣሕዋት የሱስ ክርስቶስን ኰኑ። (ሮሜ 8:15-17) “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዚበሃሉ ሓድሽ ህዝቢ ዀኑ። (ገላትያ 6:16) እቲ ህዝቢ ኻብቲ ንእሽቶ ጅመራ ብምብጋስ ኣብ መወዳእታ 144,000 ኪኸውን ነበሮ።—ራእይ 7:1-4

9, 10. ኣብ ግዜ ጴንጠቆስጠ ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ጽላሎት ዝዀና እንታይ እዩ ነይሩ፧

9 ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ጽላሎት ዚዀና: እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጴንጠቆስጠ ንየሆዋ ዚውዝወዝ ዝነበረ ብኹዕ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ እዩ። እቲ እንጌራ ብኹዕ ምዃኑ: ቅቡኣት ክርስትያናት ሓጢኣት ዝወረሱ ምዃኖም ዚሕብር እዩ። ኰይኑ ግን: ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ: ንየሆዋ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 5:1, 2) ክልተ እንጌራ እተገብረኸ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ኸኣ እቶም ቅቡኣት ውሉዳት ኣምላኽ ካብ ክልተ ጕጅለ: ማለት ካብ ብስጋ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ከም ዚዋጽኡ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ገላትያ 3:26-29፣ ኤፌሶን 2:13-18

10 እቲ ብጴንጠቆስጠ ዚቐርብ ክልተ እንጌራ: ካብቲ ቐዳማይ ምህርቲ ስርናይ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ምስዚ ብምስምማዕ ከኣ: እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት: “በዅሪ ፍጥረቱ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ያእቆብ 1:18) ብመሰረት እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ሓጢኣቶም ዚሕደገሎም ቀዳሞት ሰባት እዮም: እዚ ኸኣ ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ንኽትወሃቦም የኽእል፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ የሱስ ኣብ መንግስቱ ይገዝኡ። (1 ቈረንቶስ 15:53፣ ፊልጲ 3:20, 21፣ ራእይ 20:6) እዚ ቦታ እዚ ስለ ዘለዎም: ኣብ ቀረባ ግዜ ‘ንኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስይዎም’ ከምኡውን ‘ሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግሮም ኪቕጥቀጥ ከሎ’ ኺርእይዎ እዮም። (ራእይ 2:26, 27፣ ሮሜ 16:20) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባኦም ከምዚ በለ:- “ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም።”—ራእይ 14:4

ድሕነት ዚጐልሓላ መዓልቲ

11, 12. (ሀ) ብመዓልቲ ዕርቂ እንታይ ይግበር ነበረ፧ (ለ) እስራኤል ካብቲ መስዋእቲ ዝራብዕን ድቤላታትን እንታይ ጥቕምታት ይረክብ ነበረ፧

11 ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኤታኒም (ደሓር ቲሽሪ እተባህለት): c እስራኤል እቲ ረብሓታት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ብኸመይ ከም ዚዕየየሉ ዚሕብር ጽላሎት ዚኸውን ብዓል የብዕል ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ: ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ንመዓልቲ ዕርቂ ይእከብ ነበረ: ሓጢኣቱ ንኺሽፈን ድማ ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ መስዋእቲ ይቐርብ ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:29, 30

12 በታ መዓልቲ ዕርቂ እቲ ሊቀ ኻህናት ሓደ ዝራብዕ ይሓርድ: ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን ኣትዩ ኸኣ ንገለ ኻብቲ ደም ሸውዓተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒ ወይ መኽደን ታቦት ይነጽግ ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ደም ናብ የሆዋ ኸም ዘቕረቦ የመልክት ነበረ። እቲ መስዋእቲ ንሓጢኣት እቲ ሊቀ ኻህናትን “ንቤቱን:” ማለት ንኻልኦት ካህናትን ንሌዋውያንን እዩ ዚቐርብ ነይሩ። ድሕሪኡ: እቲ ሊቀ ኻህናት ክልተ ድቤላ ይወስድ ነበረ። ነቲ ሓደ መስዋእቲ ሓጢኣት “ህዝቢ” ምእንቲ ኪኸውን ይሓርዶ ነበረ። ገለ ኻብቲ ደሙ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብታ ቕድስተ ቕዱሳን ዚርከብ መኽደን ታቦት ይነጽግ ነበረ። ቀጺሉ: እቲ ሊቀ ኻህናት ኣእዳዉ ኣብ ርእሲ እቲ ኻልኣይ ድቤላ የንብር እሞ: ክፍኣት ደቂ እስራኤል ይናዘዝ ነበረ። ድሕሪኡ: እቲ ድቤላ ንሓጢኣት እቲ ህዝቢ ብምሳልያዊ መገዲ ተሰኪሙ ናብ በረኻ ይስደድ ነበረ።—ዘሌዋውያን 16:3-16, 21, 22

13. ብመዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ፍጻመታት ነቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ጽላሎት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

13 ከምቲ እዚ ጽላሎት እዚ ዚሕብሮ: እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ንዋጋ እቲ ደሙ ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ ኣቕሪብዎ እዩ። ቀዳማይ: ዋጋ ደሙ ኣብቶም “መንፈሳዊ ቤት” እተባህሉ 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት እዩ ውዒሉ: እዚ ድማ ንኺጸድቁን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ንኺህልዎምን ኣኽኣሎም። (1 ጴጥሮስ 2:5፣ 1 ቈረንቶስ 6:11) ነዚ ጽላሎት ዚኸውን እቲ መስዋእቲ ዝራብዕ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ሰማያዊ ውርሶም ንኺረኽቡ መገዲ ተኸፍተሎም። ካልኣይ: ዋጋ ደም የሱስ ኣብቶም ኣብ ክርስቶስ እምነት ዜርእዩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት እዩ ውዒሉ። እዚ ኸኣ በቲ መስዋእቲ ድቤላ ተራእዩ ነበረ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምርካብ ኪባረኹ እዮም። (መዝሙር 37:10, 11) ከምቲ እቲ ህያው ድቤላ ብምሳልያዊ መገዲ ሓጢኣት እስራኤል ተሰኪሙ ናብ በረኻ ዚኸይድ: የሱስ ድማ ብመሰረት እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ሓጢኣት ደቅሰብ ይስከም እዩ።—ኢሳይያስ 53:4, 5

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ምሕጓስ

14, 15. በዓል ዳስ ኣብ ዚበዓለሉ እዋን እንታይ ይግበር ነበረ፧ እዚኸ ንእስራኤላውያን እንታይ የዘኻኽሮም ነበረ፧

14 እስራኤላውያን ድሕሪ መዓልቲ ዕርቂ: እቲ ኣብ ዓመት ኣይሁድ ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕስ በዓል ዳስ የብዕሉ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 23:34-43) እቲ በዓል ካብ መበል 15 ኽሳዕ መበል 21 ኤታኒም ዚካየድ ኰይኑ: ኣብ መበል 22 መዓልቲ ዓብዪ በዓል ማሕበር ይገብሩ ነበሩ። እዚ እቲ ምህርቲ ተኣኪቡ ኸም እተወድአ የመልክት ነበረ: ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ብዙሕ ሰናይ ድማ ዜመስግኑሉ እዋን እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ የሆዋ ነቶም ዜብዕልዎ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ግብሪ ኢድካን ኪባርኸካ: ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐስ ኢኻ” በሎም። (ዘዳግም 16:15) እቲ ግዜ እቲ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ግዜ ዀን እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል!

15 ኣብ እዋን እቲ በዓል: እስራኤላውያን ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ይቕመጡ ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ በረኻ ኣብ ዳስ ይቕመጡ ምንባሮም ይዘኻኸሩ። እቲ በዓል ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ኣባታዊ ሓልዮት ንኼስተንትኑሉ እኹል ኣጋጣሚ ይህቦም ነበረ። (ዘዳግም 8:15, 16) ሃብታም ኰነ ድኻ ብዘይ ኣፈላላይ ኵሎም ኣብ ተመሳሳሊ ዳስ ስለ ዚቕመጡ: ምስቲ በዓል ብዚተሓሓዝ ኵላቶም ማዕረ ምዃኖም ይዘኻኸሩ ነበሩ።—ነህምያ 8:14-16

16. በዓል ዳስ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ፧

16 በዓል ዳስ: በዓል ምህርቲ እዩ ነይሩ። እቲ ግዜ እቲ ብሓባር ተኣኪቦም ዚሕጐሱሉ እዋን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ እቶም ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ዜርእዩ ዘበሉ ብሓጐስ ዚእከቡሉ እዋን ጽላሎት ይኸውን። እቲ ምእካብ ዝጀመረ: እቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. “ንቕዱስ ክህነት” ምስ ተቐብኡ እዩ። ከምቲ እስራኤላውያን ንሒደት መዓልትታት ኣብ ዳስ ዚቕመጡ ዝነበሩ: ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ኣብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም “ስደተኛታት” ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። ተስፋኦም ሰማያዊ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:5, 11) እቲ ምእካብ ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብዚ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቶም 144,000 ዚእከቡሉ ዘለዉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ይዛዘም ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

17, 18. (ሀ) ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዘይኰኑ ኻልኦት ሰባት ካብ መስዋእቲ የሱስ ከም ዚጥቀሙ እንታይ ይሕብረና፧ (ለ) ሎሚ ኻብቲ ብበዓል ዳስ እተመሰለ ነገር ዚጥቀሙ መን እዮም፧ እቲ ዜሐጕስ በዓል ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ዚበጽሕከ መዓስ እዩ፧

17 ኣብዚ ጥንታዊ በዓል እዚ 70 ዝራብዕ ይቐርብ ምንባሩ ኺስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር እዩ። (ዘሁልቍ 29:12-34) ቍጽሪ 70: 7 ብ10 ኺራባሕ ከሎ ዚርከብ እዩ፣ እዚ ቝጽርታት እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማያውን ምድራውን ፍጽምና የመልክት። ስለዚ: መስዋእቲ የሱስ ነቶም ካብ 70 ስድራቤታት ዘርኢ ኖህ ዚወጹ እሙናት ደቅሰብ ኪጠቅም እዩ። (ዘፍጥረት 10:1-29) ምስዚ ብምስምማዕ: ኣብዚ ግዜና እቲ ምእካብ ብምስፋሕ ነቶም ኣብ የሱስ እምነት ዜርእዩን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዘለዎምን ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዚወጹ ውልቀ-ሰባት የጠቓልል ኣሎ።

18 ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዚግበር ምእካብ ብራእይ ርእይዎ ነበረ። ፈለማ: ምሕታም እቶም ናይ መወዳእታ ኽፋል 144,000 ሰምዐ። ድሕሪኡ: “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: . . . ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም” ኣብ ቅድሚ የሆዋን የሱስን ደው ኢሎም ረኣየ። እዚኣቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ናብታ ሓዳስ ዓለም ዝመጹ እዮም። ንሳቶም እውን ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ስደተኛታት እዮም: ነቲ ‘እቲ ገንሸል ዚጓስዮምን ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ዚመርሖምን’ እዋን ከኣ ብምትእምማን እዮም ዚጽበይዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ።” (ራእይ 7:1-10, 14-17) እዚኣቶም ኰኑ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ እሙናት ሰባት: ድሕሪ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስ ረኸቡ: እቲ ብበዓል ዳስ ዚምሰል ነገር ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኺበጽሕ እዩ።—ራእይ 20:5

19. ነቲ በዓላት እስራኤል ብምምርማር ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

19 ንሕና እውን ንትርጕም እቲ ጥንታዊ በዓላት ኣይሁድ ከነስተንትነሉ ኸለና “ምሉእ ሓጐስ” ክንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቲ ኣብ ኤድን ዝሃቦ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኣቐዲሙ እተወሰነ ብርሃን ዘብረሃሉ መገዲ ምምርማር ዜሐጕስ እዩ: በብደረጃኡ ብልክዕ ፍጻሜኡ ኺረክብ ምርኣይ ድማ ባህ ዜብል እዩ። ሎሚ: እቲ ዘርኢ ኸም እተጋህደን ሸዀናኡ ኸም እተነኽሰን ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኣሎ። ብዘይካዚ: መብዛሕትኦም እቶም 144,000 ክሳዕ ሞት ተኣማንነቶም ኣርእዮም እዮም። እንታይ ኪግበር ዝተረፈ ነገር ኣሎ፧ እቲ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ዚፍጸም መዓስ እዩ፧ እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኒሳን ኣብዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ መጋቢት/ሚያዝያ ትውዕል።

b መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኻህን ነቲ መስዋእቲ ምውዝዋዝ ኰይኑ ዚቐርብ ዝነበረ ብኹዕ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ ብኢዱ ሒዙ: ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ: ይውዝውዞ ነበረ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ነቲ ዚስዋእ ነገር ናብ የሆዋ ኸም ዝቐረበ ዜመልክት ነበረ።—ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 528 ተወከስ።

c ኤታኒም ወይ ቲሽሪ ኣብዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ ትውዕል።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• እቲ ገንሸል ፋስጋ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ ነይሩ፧

• በዓል ጴንጠቆስጠ ነየናይ ምትእኽኻብ እዩ ጽላሎት ዝዀነ፧

• ኣየናይ መዳያት መዓልቲ ዕርቂ እዩ ነቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ መገዲ ዜመልክት፧

• በዓል ዳስ ንምእካብ ክርስትያናት ጽላሎት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22, 23 ዘሎ ሰሌዳ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ፍጻመ:- ጽላሎት ዝዀነሉ:-

ፋስጋ 14 ኒሳን ገንሸል ፋስጋ የሱስ ተሰውአ

 

ይሕረድ

በዓል ቅጫ 15 ኒሳን ሰንበት

(15-21 ኒሳን)

16 ኒሳን ስገም ንመስዋእቲ የሱስ ተንስአ

ይቐርብ

50 መዓልቲ

በዓል ሰሙናት ክልተ እንጌራ ንመስዋእቲ የሱስ ነቶም

(ጴንጠቆስጠ)

6 ሲዋን ይቐርብ ቅቡኣት ኣሕዋቱ

ናብ የሆዋ

ኣቕረቦም

መዓልቲ 10 ቲሽሪ ዝራብዕን የሱስ ነቲ

ምትዕራቕ ክልተ ድቤላን ዋጋ ደሙ

ንመስዋእቲ ይቐርብ ኣብ ክንዲ

ዅሎም

ደቅሰብ

ሰውአ

በዓል ዳስ 15-21 ቲሽሪ እስራኤላውያን ምእካብ ቅቡኣትን

(ምእካብ: ማሕደራት) ብሓጐስ “ብዙሓት ሰብ”ን

ኣብ ዳስ

ተቐሚጦም

ብምህርቶም

ይሕጐሱ:

70 ዝራብዕ

ይስውኡ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ደም ገንሸል ፋስጋ ንድሕነት ዘገልገለ: እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እውን ንድሕነት ብዙሓት መገዲ ይኸፍት

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብ16 ኒሳን ዚቐርብ ዝነበረ ቐዳማይ ምህርቲ ስገም: ንትንሳኤ የሱስ ጽላሎት ዚኸውን ነበረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብጴንጠቆስጠ ዚቐርብ ዝነበረ ኽልተ እንጌራ: ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ጽላሎት ዚኸውን ነበረ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

በዓል ዳስ ነቲ ዜሐጕስ ምእካብ እቶም ቅቡኣትን እቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ “ብዙሓት ሰብ”ን ጽላሎት ዚኸውን ነበረ