ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተመረቕቲ ጊልዓድ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ተዋሂብዎም

ተመረቕቲ ጊልዓድ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ተዋሂብዎም

ተመረቕቲ ጊልዓድ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ተዋሂብዎም

ብ9 መስከረም 2006 ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 121 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ: ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ተኻየደ። እዚ ዜተባብዕ ኣኼባ እዩ ነይሩ።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጀፍሪ ጃክሰን: ነቶም 56 ተመረቕትን ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ 6,366 ተኣከብትን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ መደብ ጀመሮ። ብዛዕባ መዝሙር 86:11 ሓሳብ ሃበ፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምዚ ትብል:- “ዎ የሆዋ: ብዛዕባ መገድኻ መሃረኒ። ብሓቅኻ ኽመላለስ እየ። ስምካ ኽፈርህሲ: ልበይ ሓደ ግበረለይ።” ሓው ጃክሰን ነቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጐሊሑ ዘሎ ሰለስተ ነጥብታት ጠቐሰ። “ኣብቲ ቐዳማይ ምሉእ ሓሳብ: ትምህርቲ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ምሉእ ሓሳብ: ኣወዓዕላ፣ ኣብቲ ሳልሳይ ምሉእ ሓሳብ: ድራኸ እዩ ጐሊሑ ዘሎ። እዚ ሰለስተ ነገራት ብፍላይ ንዓኹም ንሚስዮናውያን ናብቲ እተመደብኩምሉ ምስ ከድኩም የድልየኩም እዩ” በለ። ድሕሪኡ ነዚ ሰለስተ ነገራት ዜጕልሕ ተኸታታሊ መደረታትን ቃለ-መጠይቓትን ኣፋለጠ።

ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ትምህርቲ

ኣባል እቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ዊልያም ማለንፎንት: “እቲ ዝበለጸ ህይወት” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ናብቲ ማርያም ሓብቲ ማርታ ዝገደፈቶ ኣብነት ኣተኰረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ኪበጽሐን ከሎ: ማርያም ኣብ ጥቓ እግሩ ኾፍ ኢላ ኽትሰምዕ ወሰነት: ነዚ ቐዳምነት ከም እትህቦ ድማ ኣርኣየት። የሱስ ንማርታ: “ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ” በላ። (ሉቃስ 10:38-42) እቲ ተዛራባይ: “ብዛዕባ እዚ እሞ ሕስብ ኣብሉ። ማርያም ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነቲ ዜደንቕ መንፈሳዊ ሓቅታት ፊት ንፊት ኪንገር ከሎ ኸም ዝሰምዓቶ ንዘለኣለም ክትዝክር እያ። እዚ ዅሉ ድማ ጽቡቕ ግደ ብምሕራያ እዩ” በለ። እቶም ተመረቕቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ግደ ብምሕራዮም ድሕሪ ምንኣዱ: “ዝገበርኩምዎ ምርጫታት ናብቲ ዝበለጸ ህይወት መሪሑኩም ኣሎ” በለ።

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኣንቶኒ ሞሪስ: ነቲ ኣብ ሮሜ 13:14 ዚርከብ “ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ” ዚብል ፍረ ነገር ኣብርሀ። ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምልባስ ኪበሃል ከሎ ንኣገባባት ጐይታ ምቕዳሑ የጠቓልል። እዚ ኸኣ: ኣብነትን ዝንባለን የሱስ ምቕዳሕ ማለት እዩ። እቲ ተዛራባይ: “የሱስ ኣብ ውልቀ-ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ስለ ዝነበሮን ንሳቶም እውን ነዚ የስተውዕሉሉ ስለ ዝነበሩን ከም ዚፈዅሶም እዩ ዚገብር ነይሩ” በለ። ድሕሪኡ እቲ ተዛራባይ: እቶም ተመሃሮ ኣብቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ትምህርቲ: ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 3:18 ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ ሓቂ “ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል” ከም ዚኽእሉ ዚገብር ብዙሕ ፍልጠት ከም ዝቐሰሙ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን ኣብ ቍጽሪ 19 ተጠቒሱ ዚርከብ: “ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ” ዚብል ቃላት ኣዘኻኸሮም። “ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብሩ ኸለኹም: ከመይ ጌርኩም ነቲ ፍቕራዊ ድንጋጸ ክርስቶስ ከም እትቐድሕዎን ብሓቂ ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከም እትለብስዎን’ ኣስተንትኑሉ” ኢሉ ተማሕጸኖም።

መምህራን ጊልዓድ ዝሃብዎ ናይ ስንብታ ምኽሪ

ዋለስ ሊቨራንስ ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር ቀጺሉ ዘቕረቦ መደረ: ኣብ ምሳሌ 4:7 እተመርኰሰ ነበረ። ኣምላኻዊት ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት እኳ እንተ ዀነት: ንምርዳእ ወይ ‘ንምስትውዓል እውን ከነጥርያ’ ኸም ዘሎና ገለጸ፣ እዛ ባህርይ እዚኣ ኸኣ እተፈላለየ ሓቅታት ብሓደ ምትእስሳር ድሕሪኡ ንሓድሕዱ ብኸመይ ከም ዚዛመድ ብምግንዛብ ትርጕሙ ምጭባጥ ማለት እያ። እቲ ተዛራባይ: ምስትውዓል ምጥራይና ሓጐስ ከም ዜምጽኣልና ገለጸ። ንኣብነት: ብግዜ ነህምያ እቶም ሌዋውያን ነቶም ህዝቢ “ሕጊ ይምህርዎም ነበሩ:” “ምእንቲ ኼስተውዕልዎ ድማ: ገለጹሎም።” ድሕሪኡ: “እቶም ህዝቢ ድማ እቲ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ: . . . ዓብዪ ሓጐስውን ኪሕጐሱ ኸዱ” ዚብል ነንብብ። (ነህምያ 8:7, 8, 12) ሓው ሊቨራንስ: “ሓጐስ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ክንርድኦ ኸለና ኸይሓሰብናዮ ዚፈሪ ነገር እዩ።

ማርክ ኑማር ዚበሃል ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር: “ናይ ሓቂ ጸላኢኹም መን እዩ፧” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ኣብ ውግእ ብዙሓት ወተሃደራት ካብ ወገኖም ብዚትኰስ ጥይት ይሞቱ እዮም። “ኣብቲ ንሕና ዘለናሉ መንፈሳዊ ውግእከ ኸመይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። “እንተ ዘይተጠንቂቕና: ናይ ሓቂ ጸላኢ መን ምዃኑ ተደናጊርና ንብጾትና ወተሃደራት ከነቝስል ንኽእል ኢና” በለ። ገሊኦም ብቕንኢ ኺደናገሩ ይኽእሉ እዮም። ንጉስ ሳኦል ናይ ሓቂ ጸላእቱ ፍልስጥኤማውያን ክነሶም: ነቲ ኸምኡ ኣምላኺ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዚፍትን ዝገበረቶ ቕንኢ እያ። (1 ሳሙኤል 18:7-9፣ 23:27, 28) እቲ ተዛራባይ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ምስ ሓደ ብብዙሕ መገድታት ዚበልጸኩም ሚስዮናዊ ተገልግሉ እንተ ኣሊኹም እንታይ ኢኹም እትገብሩ፧ ነቲ ብጻይኩም ወተሃደር ብነቐፌታ ተቝስልዎ ዲኹም ወይስ ካልኦት ብእተፈላለየ መገድታት ከም ዚበልጹኹም ብሰላም ትቕበልዎ ኢኹም፧ ኣብ ዘይፍጽምና ኻልኦት ምትኳር ናይ ሓቂ ጸላኢና መን ምዃኑ ኸም እንደናገር ጥራይ እዩ ኺገብረና ዚኽእል። ምስቲ ናይ ሓቂ ጸላኢ ዝዀነ ሰይጣን ተቓለሱ” በሎም።

ባህ ዜብል ተመክሮታትን መሃሪ ቓለ-መጠይቓትን

እቲ ቐጺሉ ዝቐረበ ኽፍሊ: ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር ዝመርሖ “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር” ዚብል ኰይኑ: ቃለ-መጠይቓትን ተመክሮታትን ዜጠቓልል ነበረ። እቲ ተዛራባይ: “እቲ ቐንዲ ዕዮ ሓደ ኣብ ጊልዓድ ዚስልጥን ሚስዮናዊ ነቲ ብስራት ምዝርጋሕ እዩ: ተመሃሮ እዚ ኽፍሊ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ዘበለ ኸምኡ ገይሮም እዮም” በለ። ድሕሪኡ ገለ ባህ ዜብል ተመክሮታት ብመርኣያ ቐረበ።

ቀጺሉ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዝዀኑ ማይክል በርነትን ስኮት ሾፍነርን ክልተ ተኸታታሊ ኽፍልታት ኣቕረቡ። ካብ ባርባዶስ: ኡጋንዳ: ኣውስትራልያ: ከምኡውን ኮርያ ንዝመጹ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቃለ-መጠይቕ ገበሩሎም። እቲ ኣባላት ኮሚተ ዝሃብዎ ሓሳባት: ነቲ ንሚስዮናውያን ዜድልዮም ንምምላእ: ንኣብነት: ብቑዕ ኣባይቲ ንኺህልዎምን ግቡእ ክንክን ጥዕና ንኺግበረሎምን: ክሳዕ ክንደይ ጻዕሪ ኸም ዚግበር ዚሕብር ነበረ። እቶም ኣባላት ኮሚተ ኣስዕብ ኣቢሎም: እቶም ዕዉታት ዝዀኑ ሚስዮናውያን ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ዅነታት ንኺለምድዎ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑ ኣጕልሑ።

ዜነቓቕሕን ዜለዓዕልን መደምደምታ

እቲ ቐንዲ መደረ እቲ ኣኼባ: “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዚብል መደረ ዀይኑ: እቲ ንነዊሕ ግዜ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ጆን ባር ዘቕረቦ እዩ። ንሱ ዘቕረቦ ኽፍሊ ኣብ ራእይ 14:6, 7 ዘተኰረ እዩ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ . . . በለ።”

ሓው ባር ነቶም ተመሃሮ ብዛዕባ እቲ መልኣኽ ሰለስተ ነገራት ኣብ ልቦም ኬሕድሩ ተማሕጸኖም። ቀዳማይ: እቲ መልኣኽ ነቲ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ኪሰብኽ ነበሮ። እዚ ወንጌል እዚ ኸኣ ክርስቶስ ምሉእ ስልጣን መንግስቲ ሒዙ ይገዝእ ከም ዘሎ ይገልጽ። ቀጺሉ እቲ ተዛራባይ: “ክርስቶስ ብ1914 ከም ዝነገሰ ምሉእ ብምሉእ ንኣምን ኢና። ስለዚ: እዚ ብስራት እዚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺእወጅ ኣለዎ” በለ። ካልኣይ: እቲ መልኣኽ “ንኣምላኽ ፍርህዎ” በለ። እቶም ተመረቕቲ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህርዎም ሰባት ንኣምላኽ ዜጕሂ ምእንቲ ኸይገብሩ ንዕኡ ኣኽብሮት ኬማዕብሉ ኺሕግዝዎም ከም ዘለዎም እቲ ተዛራባይ ገለጸሎም። ሳልሳይ: እቲ መልኣኽ ‘ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ’ ኢሉ ኣዘዘ። ነቶም ተመሃሮ: “ንኽብርና ዘይኰነስ: ንኽብሪ ኣምላኽ ከም እነገልግል ከቶ ኣይንረስዕ” ዚብል ምሕጽንታ ተዋህቦም። ድሕሪኡ: ሓው ባር ብዛዕባ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ” ኺገልጽ ከሎ: “እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ቕድሚ ምፍጻሙ ሒደት ግዜ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት እቲ ግዜ ኸየብቅዐ ኸሎ ነቲ መልእኽቲ እቲ ብስራት ኪሰምዑ ኣለዎም” በለ።

እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኣእዛን እቶም 56 ተመረቕቲ እናኣቃልሓ ኸለዋ: ዲፕሎማኦም ተዋህቦም: ናብ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ተላእኩ። ኣልባብ እቶም ተመረቕትን ኵሎም እቶም ዝተረፉ ተኣከብትን: በታ ባህ እተብል መዓልቲ ብእተዋህቦም ዜለዓዕል ምኽሪ ኣጸቢቑ ተተንኪፉ እዩ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 6

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 25

ቍጽሪ ተመሃሮ:- 56

ገምጋም ዕድመ:- 35.1

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 18.3

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.9

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 121 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ዩኮ ፎክስ፣ ዶውን ከኒኪ፣ ሳራ ዊልኪንሰን፣ ሳቺዮ ካዋሞቶ፣ ጂና ኮንሶላንዲ፣ ክሪስቲ ማየን። (2) ናታሊ ሳንቲያጎ፣ ሬቸል ክላንሲ፣ ሚኻኤላ ፊሸር፣ ለስሊ ደ አብሩ፣ ኤሪካ ዴቪስ። (3) ጄን ህዋንግ፣ ዳርሊን ሆፍማን፣ ሊዮኒ ሪጅወይ፣ ጆ ኢብራሂም፣ ኣንያ ዳበልሽታይን፣ ሚርያም ባካበክ። (4) ማርሊስ ፔተርስ፣ ክሪስታል ጆንስ፣ ሻነን ፎርድ፣ ሳሊ ፓራ፣ ዲያና ሮትሮክ፣ ምዩርየል ታትሎ፣ ኤሊዛቤት ፐረዝ። (5) ፈርናንዶ ደ አብሩ፣ ቪንሱከ ካዋሞቶ፣ ሱዛና ኣይቭስ፣ ጀኒፈር በርዶ፣ ጄምስ ህዋንግ፣ ዲ ዊልኪንሰን። (6) ኣንዲ ፎክስ፣ ጀት ባካበክ፣ ፒላኒ ሲኮውስኪ፣ ክሪስተል ፎርዬ፣ ስተፈን ማየን፣ ኤንዞ ኮንሶላንዲ፣ ዌን ሪጅወይ። (7) በን ፓራ፣ በን ፐረዝ፣ ፊሊፕ ታትሎ፣ ማርከስ ሳንቲያጎ፣ ዩገል ኢብራሂም፣ ክሪስ ከኒኪ። (8) ከሊን በርዶ፣ ብራያን ሲኮውስኪ፣ ከን ኣይቭስ፣ ኣለን ፎርድ፣ ጂም ሮትሮክ፣ ዳስቲን ሆፍማን፣ ማርከስ ዴቪስ። (9) ክሪስትያን ፔተርስ፣ ክሪስ ዳበልሽታይን፣ ኪት ጆንስ፣ ስተፈን ክላንሲ፣ ዮኼን ፊሸር፣ ሲልቨን ፎርዬ።