ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽንኩር ኵነታት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ

ንጽንኩር ኵነታት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ

ንጽንኩር ኵነታት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ

ብዙሓት ኣብዚ ኣስጋኢ እዋን እዚ ዘለዉ ሰባት: ንጽንኩር ኵነታት ተጻዊሮም እዮም ዚነብሩ። ክርስትያናት ግን ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ንስርዓታቱ ዜርእይዎ ተኣማንነትን ምስዚ ንኺጋጠሙ ይሕግዞም እዩ። ብኸመይ፧ እቲ መልሲ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ምሳሌ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ነቶም እዙዛት ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓደ “ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ” ኣመሳሲልዎም ኣሎ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ዝናም ዘነመ: ውሒዝ ወሐዘ: ንፋስውን ነፈሰ: ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ: ኣይወደቐትን።”—ማቴዎስ 7:24, 25

ዋላኳ እቲ ኣብታ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ ብልሂ እንተ ዀነ: ጸገም ከም ዘጋጠሞ ግን ኣስተብህል፣ እዚ ድማ ብሓያል ዝናምን ብውሒዝን ብዜዕኑ ንፋስን ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ: የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ኵሉ ሽግር ናጻ ብምዃን ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ ህይወት ኪመርሑ እዮም ኣይበለን። (መዝሙር 34:19፣ ያእቆብ 4:13-15) እቶም እሙናት ኣገልግልቲ ኣምላኽ ነዚ ጽንኩር ኵነታትን ሓደገኛ እዋንን ድሉዋት ብምዃን ኪዋጽኡሉ ኸም ዚኽእሉ እዩ ሓቢሩ።

የሱስ ነታ ምሳሌ ኺጅምራ ኸሎ: “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ: ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል” በለ። ሓቂ እዩ: የሱስ ብዛዕባ ቓል ብቓሉ ቤት ምህናጽ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ህይወት ምህናጽ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እቶም ንቓላት የሱስ ዜቕልቡሉ ሰባት ምስትውዓልን ጽቡቕ ምምዝዛንን የርእዩ እዮም። ነቲ እተማህርዎ ነገር ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንድራኸኦምን ተግባራቶምን ኣብቲ ብዜተኣማምን ከውሒ ተመሲሉ ዘሎ ትምህርታት ክርስቶስ እዮም ዚስርትዎ። እቲ ዜገርም ከኣ እዚ ምሳልያዊ ኸውሒ እዚ ብቐሊሉ ኣብ ዝባን ምድሪ ዚርከብ ኣይኰነን። እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ: ነቲ ኸውሒ ንምርካብ ‘ኣዕሚቑ ኪዅዕት’ የድልዮ እዩ። (ሉቃስ 6:48) ብተመሳሳሊ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ነቲ ናብ ኣምላኽ ከም ዚቐርቡ ዚገብሮም ነባሪ ባህርያት ንምምዕባል ኣበርቲዖም እዮም ዚዓዩ።—ማቴዎስ 5:5-7፣ 6:33

ጽንኩር ጸገማት ንክርስትያናዊ መሰረት ሰዓብቲ የሱስ እንተ ፈቲንዎኸ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ጸገማት: ብዓብዪኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዚህሉ ጽንኩር ኵነታት: እቲ ንትምህርታት ክርስቶስ ዘለዎም ተኣዛዝነትን ክርስትያናዊ ባህርያቶምን ምንጪ ብርታዐ ኪዀኖም እዩ። (ማቴዎስ 5:10-12፣ ራእይ 16:15, 16) እወ: ብዙሓት ሰባት ንትምህርትታት ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ጽንኩር ፈተናታት ብዓወት ኪዋጽኡሉ ኽኢሎም እዮም። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 2:21-23