ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ”—ሕጂ ይካየድ ኣሎ!

“እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ”—ሕጂ ይካየድ ኣሎ!

“እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ”—ሕጂ ይካየድ ኣሎ!

“እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።”—1 ተሰሎንቄ 4:16

1, 2. (ሀ) ነቶም ዝሞቱ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብ ትንሳኤ ንኽንኣምን እንታይ መሰረት ኣሎና፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

 “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም።” ኣዳም ካብ ዚሓጥእ ኣትሒዙ: እዚ ሓቂ ምዃኑ ኺርአ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ: ኵሉ ዚውለድ ሰብ ኣብ መወዳእታ ኸም ዚመውት ይፈልጥ እዩ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ‘ድሕሪኡ እንታይ እዩ ዚመጽእ፧ ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧’ ኢሎም ይሓቱ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ብምባል ይምልስ።—መክብብ 9:5

2 ነቶም ዝሞቱ ደኣ እሞ ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ፧ እወ። አረ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝነበሮ ቐዳማይ ዕላማ ኺፍጸም እንተ ዀይኑ: ትንሳኤ ኺህሉ ኣለዎ። እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰይጣን ዜጥፍኦን ንዅሉ እቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት ዜዐርዮን ዘርኢ ዝኣተዎ መብጽዓ እምነት ኣርእዮም እዮም። (ዘፍጥረት 3:15) መብዛሕትኦም ሞይቶም እዮም። እቲ መብጽዓ እቲ ዀነ ኻልእ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓታት ከም እተፈጸመ ኺርእዩ እንተ ዀይኖም: ካብ ምዉታት ኪትንስኡ ኣለዎም። (እብራውያን 11:13) እዚ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ እወ: ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ጳውሎስ ሓደ ግዜ ንሓደ ኻብ ካልኣይ ደርቢ ብመስኰት ዝወደቐ እሞ ‘ሞይቱ ዘልዓልዎ’ ኣውጢኮስ ዚበሃል ጐበዝ ኣተንስኦ። እዚ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ትሽዓተ ትንሳኤታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:7-12 a

3. ካብቲ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 ዚርከብ ቃላት ብብሕትኻ እንታይ ምጽንናዕ ኢኻ ረኺብካ፧ ስለምንታይከ፧

3 እቲ ትሽዓተ ትንሳኤታት ኣብቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ንኽንኣምን መሰረት ይዀነና እዩ። ኣብቲ የሱስ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ብምባል ዝሃበና መረጋገጺ ዘሎና ምትእምማን የደልድለልና። (ዮሃንስ 5:28, 29) ከመይ ዝበለ ልቢ ዚትንክፍ ቃላት ኰን እዩ! ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ዜፍቅርዎም ሰባት ብሞት ዝሰኣኑ ሰባትከ ኽሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ!

4, 5. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እተፈላለየ ትንሳኤታት እዩ ዚጠቅስ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ነየናይ ኢና ኽንመያየጠሉ፧

4 መብዛሕትኦም እቶም ዚትንስኡ: ኣብታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላማዊት እትኸውን ምድሪ እዮም ዚትንስኡ። (መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ኢሳይያስ 11:6-9፣ 35:5, 6፣ 65:21-23) ይኹን እምበር: እዚ ቕድሚ ምፍጻሙ: ካልእ ትንሳኤ ኺካየድ ነበሮ። ፈለማ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ዀይኑ ዋጋ መስዋእቱ ናብ ኣምላኽ ንኬቕርብ ኪትንስእ ነበሮ። የሱስ ብ33 ድ.ክ. ሞተን ተንስአን።

5 ድሕሪኡ: ቅቡኣት ኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ‘ንሓዋሩ ምስኡ ዚነብሩሉ’ ሰማያዊ ኽብሩ ኺሓብርዎ ኣለዎም። (ገላትያ 6:16፣ 1 ተሰሎንቄ 4:17) እቲ ፍጻመ እቲ “ዝቐደመ ትንሳኤ” ወይ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ፊልጲ 3:10, 11 NWራእይ 20:6) እቲ ትንሳኤ እቲ ምስ ኣብቅዐ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ሒዞም ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም። ስለዚ: ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ: ኣብቲ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ዓብዪ ተገዳስነት ኣሎና። እዚ እንታይ ዓይነት ትንሳኤ እዩ፧ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧

“ብኸመይ ዝበለ ኣካል፧”

6, 7. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ቅድሚ ምኻዶም እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ለ) ብኸመይ ዝበለ ኣካል እዮም ዚትንስኡ፧

6 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ ቐዳመይቲ መልእኽቱ: ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ: “ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ [“ኣካል:” NW] እዮም ዚመጹ፧” ዚብል ሕቶ ኣበገሰ። ድሕሪኡ “እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። . . . ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ [“ኣካል:” NW] ዚህቦ። . . . ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ: ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 15:35-40

7 ቃላት ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ክርስትያናት ሰማያዊ ዓስቦም ቅድሚ ምርካቦም ኪሞቱ ኸም ዘለዎም ይሕብር። ኪሞቱ ኸለዉ: እቲ ምድራዊ ስጋኦም ናብ ሓመድ ይቕየር። (ዘፍጥረት 3:19) ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: ንሰማያዊ ህይወት ብዚምሽእ ዓይነት ኣካል ይትንስኡ። (1 ዮሃንስ 3:2) ኣምላኽ ዘይትመውት ህይወት እውን ይህቦም እዩ። እዚ ኸምቲ ገሊኣቶም ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትና ኢሎም ዚኣምንዎ: ካብ ዚውለዱ ኣትሒዞም ዜጥርይዎ ነገር ኣይኰነን። ጳውሎስ “መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ” በለ። ዘይሙማት ካብ ኣምላኽ ዚወሃብ ውህበት እዩ: እቶም ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ግደ ዘለዎም ከኣ ‘ይለብስዎ።’—1 ቈረንቶስ 15:50, 53፣ ዘፍጥረት 2:7፣ 2 ቈረንቶስ 5:1, 2, 8

8. ኣምላኽ ነቶም 144,000 ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ከም ዘይሓርዮም ብኸመይ ንፈልጥ፧

8 እቶም 144,000 ጥራይ እዮም ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ግደ ዘለዎም። የሆዋ ኻብቲ የሱስ ዝተንስኣሉ ብዙሕ ከይጸንሐ: ካብ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ ኺሓርዮም ጀሚሩ። ኵላቶም “ስሙን [ማለት: ስም የሱስን] ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም” እዮም። (ራእይ 14:1, 3) ስለዚ: ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት እተሓርዩ ኣይኰኑን። ኵሎም ክርስትያናት እዮም: ኵሎም ከኣ ስም ኣቦኡ የሆዋ ብሓበን ይጾሩ እዮም። ምስ ተንስኡ: ኣብ ሰማይ ዕዮ ይጽበዮም እዩ። ንኣምላኽ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐጥታዊ መገዲ ምግልጋል: የሐጕሶም እዩ።

ሕጂ ይካየድ ኣሎ ድዩ፧

9. ራእይ 12:7 ኸምኡውን 17:14 እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዚጅምረሉ እዋን ንኽንግምት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

9 እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ መዓስ እዩ ዚፍጸም፧ ሕጂ ይካየድ ከም ዘሎ ሓያል መርትዖ ኣሎ። ንኣብነት: ክልተ ምዕራፋት ራእይ ኣነጻጽር። ፈለማ: ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ተመልከት። ኣብኡ እቲ ሓድሽ ዝነገሰ የሱስ ክርስቶስን ቅዱሳት መላእኽቱን ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከም ዚዋግኡ ነንብብ። (ራእይ 12:7-9) እዛ መጽሔት እዚኣ ብተደጋጋሚ ኸም ዝገለጸቶ: እቲ ውግእ ብ1914 እዩ ተጀሚሩ። b ዋላ ሓደ ኻብቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብቲ ሰማያዊ ውግእ ምስ የሱስ ከም ዚሓብሩ ጌርካ ኸም ዘይተገልጹ ግን ኣስተብህል። ሕጂ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተመልከት። ኣብኡ ድሕሪ ጥፍኣት እታ “ዓባይ ባቢሎን:” እቲ ገንሸል ንኣህዛብ ከም ዚስዕሮም ነንብብ። ኣስዕብ ኣቢሉ “እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ እዮም” ዚብል ንረክብ። (ራእይ 17:5, 14) እቶም “ጽዉዓትን ሕሩያትን” ኣብቲ ናይ መወዳእታ ስዕረት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ምስ የሱስ ኪዀኑ እንተ ዀይኖም: ቅድሚኡ ተንሲኦም ኪዀኑ ኣለዎም። ስለዚ እምበኣር እቶም ቅድሚ ኣርማጌዶን ዚሞቱ ቕቡኣት: ካብ 1914 ክሳዕ ኣርማጌዶን ኣብ ዘሎ ግዜ እዮም ዚትንስኡ።

10, 11. (ሀ) እቶም 24 ሽማግለታት መን እዮም፧ ሓደ ኻባታቶምከ ንዮሃንስ እንታይ እዩ ዝገለጸሉ፧ (ለ) ካብዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል፧

10 እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዝጀመረሉ እዋን ብዝያዳ ኸነጽብቦ ንኽእል ዲና፧ ኣብ ራእይ 7:9-15 ኣገዳሲ ኣመት ንረክብ ኢና። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ሃዋርያ ዮሃንስ “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ብራእይ ከም ዝረኣየ ይገልጽ። ንዮሃንስ መንነት እቶም ብዙሓት ሰብ ዝገለጸሉ ሓደ ኻብቶም 24 ሽማግለታት እዩ: እቶም ሽማግለታት እቲኣቶም ከኣ ነቶም 144,000 መዋርስቲ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ኽብሮም ኣብ ዚዀኑሉ ግዜ እዮም ዜመልክቱ። c (ሉቃስ 22:28-30፣ ራእይ 4:4) ዮሃንስ ንባዕሉ ሰማያዊ ተስፋ እዩ ነይርዎ፣ ኰይኑ ግን እቲ ሽማግለ ኺዛረቦ ኸሎ ኣብ ምድሪ ዚነብር ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ራእይ እቲ ዮሃንስ ነቶም ሰማያዊ ዓስቦም ገና ዘይተቐበሉ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

11 እሞ ደኣ ሓደ ኻብቶም 24 ሽማግለታት ንዮሃንስ መንነት እቶም ብዙሓት ሰብ ምግላጹ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኼብጽሓና ይኽእል፧ ካብቶም 24 ሽማግለታት ዝዀኑ ዝተንስኡ ዘበሉ: ሎሚ መለኮታዊ ሓቅታት ኣብ ምምሕልላፍ ግደ ኸም ዘለዎም እዩ ዚሕብረና። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: መንነት እቶም ብዙሓት ሰብ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብልክዕ እተገልጸሎም ብ1935 እዩ። ሓደ ኻብቶም 24 ሽማግለታት ነቲ ኣገዳሲ ሓቂ ኼመሓላልፍ እንተ ዀይኑ: እንተ ደንጐየ ኽሳዕ 1935 ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ሰማይ ተንሲኡ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ኻብ 1914 ክሳዕ 1935 ኣብ ዘሎ እዋን ከም ዝጀመረ ይሕብረና። ነቲ ግዜ ኻብዚ ብዝያዳ ኸነጽብቦ ንኽእል ዲና፧

12. ጽድያ 1918 ስለምንታይ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዝጀመረሉ ግዜ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግለጽ።

12 ሕጂ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተመሳሳሊ ፍጻመታት ሒዝዎ ዘሎ ሓሳባት ምምርማር ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀውዒ 29 ድ.ክ. ከም ናይ መጻኢ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ተቐቢኡ እዩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን: ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. ሓያል መንፈሳዊ ኣካል ኰይኑ ተንስአ። የሱስ ኣብ ቀውዒ 1914 ኣብ ዝፋን ስለ ዝደየበ: ትንሳኤ እቶም እሙናት ቅቡኣት ሰዓብቱ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሑ ኣብ ጽድያ 1918 ተጀሚሩ ኢልና ምድምዳምስ ርትዓዊዶ ኸይኰነ፧ እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቕጥታ ኺረጋገጽ ዚከኣል እኳ እንተ ዘይኰነ: ምስቲ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ድሕሪ እቲ ክርስቶስ ህላወኡ ኻብ ዝጀመረሉ ግዜ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸም ዝጀመረ ዚገልጽ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይጋጮን እዩ።

13. እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ኣብ መጀመርታ ህላወ ክርስቶስ ከም ዝጀመረ 1 ተሰሎንቄ 4:15-17 እትገልጽ ብኸመይ እያ፧

13 ንኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት [“ህላወ:” NW] ጐይታ [ክሳዕ መወዳእታ እቲ ህላወኡ ኣይኰነን] ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም: እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ: እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዐል ኢና: ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።” (1 ተሰሎንቄ 4:15-17) ስለዚ: እቶም ቅድሚ እቲ ህላወ ክርስቶስ ዝሞቱ ቕቡኣት ክርስትያናት: ነቶም ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ ብህይወት ዚጸንሑ ዘበሉ ናብ ሰማያዊ ህይወት ቀዲሞምዎም ተንሲኦም እዮም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኸኣ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ኻብ መጀመርታ ህላወ ክርስቶስ ጀሚሩ: “ኣብ ግዜ ህላወኡ” ይቕጽል ኣሎ ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:23 NW) እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ብሓንሳእ ዘይኰነስ: ኣብ እተወሰነ ንውሓት ግዜ እዩ ዚፍጸም።

“ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም”

14. (ሀ) እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 እተመዝገበ ራእያት መዓስ እዩ ተፈጺሙ፧ (ለ) ኣብ ራእይ 6:9 እንታይ ተገሊጹ ኣሎ፧

14 ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 ዚርከብ መርትዖ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብኡ የሱስ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ እናሰዓረ ዚጐዓዝ ንጉስ ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 6:2) ኣህዛብ ድማ ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ውግእ ጠሓሉ። (ራእይ 6:4) ጥሜት ኣስፋሕፍሐ። (ራእይ 6:5, 6) ቀታሊ መዓት ንደቅሰብ ኣዕነዎም። (ራእይ 6:8) ኵሉ እዚ ትንቢታት እዚ ነቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ዘሎ ዅነታት ዓለም ዜመልክት ምዃኑ ንጹር እዩ። እንተዀነ ግን: ካልእ ነገር እውን ተፈጺሙ እዩ። ኣቓልቦና ናብቲ መሰውኢ እሞ ንግበር። ኣብ እግሩ “ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ” ኣሎ። (ራእይ 6:9) “ነፍሲ [ወይ: ህይወት] ስጋ ኣብቲ ደም እዩ” ኻብ ተባህለ: እቲ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ዘሎ ነፍሳት: ንደም እቶም ተባዓትን ቀናኣትን መሰኻኽር ብምዃኖም እተሓርዱ እሙናት ኣገልገልቲ የሱስ እዩ ዜመልክት።—ዘሌዋውያን 17:11

15, 16. እተን ኣብ ራእይ 6:10, 11 ዚርከባ ቓላት: ነቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ስለምንታይ ከም ዜመልክታ ግለጽ።

15 ከምቲ ደም እቲ ጻድቕ ኣቤል ዝጠርዐ: ደም እቶም ሰማእታት ክርስትያናት ፍትሒ ንምርካብ ይጠርዕ ኣሎ። (ዘፍጥረት 4:10) “ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ: ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ: ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።” ስዒቡ እንታይ ኰነ፧ “ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም: እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ: ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም።”—ራእይ 6:10, 11

16 እዚ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኣብ እግሪ ሓደ መሰውኢ ንዚርከብ ዕቋር ደም ድዩ ተዋሂቡ፧ ኣይፋሉን! እቲ ኽዳውንቲ ነቶም ብስእላዊ ዘረባ ደሞም ኣብቲ መሰውኢ ንዝፈሰሰ ውልቀ-ሰባት እዩ ተዋሂቡ። እዚኣቶም ብስም የሱስ እዮም ህይወቶም ሰዊኦም: ሕጂ ኸኣ መንፈስ ኰይኖም ተንሲኦም እዮም። ከምዚ ኸም ዝዀነ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣቐዲሙ ኣብ መጽሓፍ ራእይ: “እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ: ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ” ዚብል ነንብብ ኢና። እቶም 24 ሽማግለታት እውን “ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ” ምንባሮም እውን ኣይንረስዕ። (ራእይ 3:5፣ 4:4) ስለዚ: ውግእን ጥሜትን ፌራን ንምድሪ ኼዕንዋ ምስ ጀመረ: እቶም በቲ ኣብቲ እግሪ እቲ መሰውኢ ብዚርከብ ደም እተመሰሉ: ኣባላት እቶም ዝሞቱ 144,000: ናብ ሰማያዊ ህይወት ተንሲኦምን ብተምሳላዊ መገዲ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምን እዮም።

17. እቶም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተዋህቦም ብኸመይ እዮም “ኪዐርፉ” ዘለዎም፧

17 እቶም ሓደስቲ ዝተንስኡ ሰባት “ኪዐርፉ” ኣለዎም። ነታ መዓልቲ ሕነ ኣምላኽ ብትዕግስቲ ኺጽበዩ ኣለዎም። እቶም “ብጾቶም ባሮት” እተባህሉ ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት: ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናኦም ኬመስክሩ ኣለዎም። መለኮታዊ ፍርዲ ዚፍጸመሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: እቲ ‘ዕረፍቲ’ ኼብቅዕ እዩ። (ራእይ 7:3) ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ዚትንስኡ ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብቶም እኩያት: እንተላይ ኣብቶም ደም እቶም ንጹሃት ክርስትያናት ዘፍሰሱ: ጥፍኣት ኣብ ምምጻእ ኪሳተፉ እዮም።—2 ተሰሎንቄ 1:7-10

እዚ ንዓና ዘለዎ ትርጕም

18, 19. (ሀ) እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ሕጂ ይካየድ ከም ዘሎ ንምድምዳም ዜኽእለካ እንታይ ምኽንያታት ኣሎካ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዘሎካ ምርዳእ እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ፧

18 ቃል ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዚጅምረሉ እዋን ብልክዕ ኣይነግረናን እዩ: ኰይኑ ግን ኣብ እተወሰነ ንውሓት ዘለዎ እዋን: ማለት ኣብ እዋን ህላወ ክርስቶስ ከም ዚፍጸም ይገልጸልና እዩ። እቶም ቀዳሞት ዚትንስኡ: ቅድሚ ህላወ ክርስቶስ ምጅማሩ ዝሞቱ ቕቡኣት ክርስትያናት እዮም። ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን እናቐጸለ ኪኸይድ ከሎ: እቶም ንምድራዊ ህይወቶም ብተኣማንነት ዝፈጸሙ ቕቡኣት ክርስትያናት “ብቕጽበት ዓይኒ” ናብ ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ይቕየሩ እዮም። (1 ቈረንቶስ 15:52) ኵሎም እቶም ቅቡኣት ቅድሚ ውግእ ኣርማጌዶን ሰማያዊ ዓስቦም ኪቕበሉ ድዮም፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይንፈልጦን ኢና። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዅሎም እቶም 144,000 ኣብቲ ሰማያዊ ኸረን ጽዮን ደው ኪብሉ እዮም።

19 መብዛሕትኦም እቶም 144,000 ድሮ ምስ ክርስቶስ ከም ዝሓበሩ ንፈልጥ ኢና። ብተዛማዲ ሒደት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ። እቲ ኣምላኽ ፍርዱ ዚፍጽመሉ ግዜ ብቕልጡፍ እናቐረበ ይኸይድ ከም ዘሎ ዚሕብር ከመይ ዝበለ ሓያል መርትዖ ዀን እዩ! ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብምሉኡ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ኪጠፍእ እዩ። ሰይጣን ንባዕሉ ኣብ መዓሙቝ ኪእሰር እዩ። ድሕሪኡ: እቲ ሓፈሻዊ ትንሳኤ ኺጅምር: እሙናት ክርስትያናት ከኣ ብመሰረት መስዋእታዊ በጃ የሱስ ናብቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ዓይነት ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተመዝገበ ትንቢት የሆዋ: ብዜደንቕ መገዲ ይፍጸም ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ምንባርሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

b ህላወ ክርስቶስ ብ1914 ከም ዝጀመረ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ካብ ገጽ 215-18 ተወከስ።

c እቶም 24 ሽማግለታት ከመይ ገይሮም ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ሰማያዊ ቦታኦም ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ከም ዜመልክቱ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 77 ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት እቲ “ቐዳማይ ትንሳኤ” መዓስ ከም ዝዀነ ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧

ራእይ 12:7፣ 17:14

ራእይ 7:13, 14

1 ቈረንቶስ 15:23፣ 1 ተሰሎንቄ 4:15-17

ራእይ 6:2, 9-11

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ደቅሰብ ብሓፈሻ ኻብ ምዉታት ቅድሚ ምትንሳኦም ከመይ ዝበለ ትንሳኤ እዩ ዚፍጸም፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ዝሞቱ ዘበሉ ጻዕዳ ኽዳን እተዋህቦም ብኸመይ እዩ፧