ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ልክዕ ከምቲ ወለዲ ንውሉዳቶም ዚሓልዩሎምን ዕዉታት ኪዀኑሎም ዚደልዩን: እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦና እውን ይሓልየልናን ዕዉታት ክንከውን ይደልየናን እዩ። ከም መግለጺ ሓልዮቱ ኸኣ ንዓወትን ውድቀትን ብዚምልከት ብዙሕ ነገር ነጊሩና ኣሎ። በዚ ኸምዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንቓል ኣምላኽ ዜቕልበሉ ሰብ ብዚምልከት: “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ብምባል ገሊጹ ዘሎ።—መዝሙር 1:3

ከምዚ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ: እቲ ዕዉትን ሕጉስን ዜዕግብን ህይወት ካብ ኢድ ሰባት ዜምልጥ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ነዛ መዝሙር እዚኣ እንተ መርሚርናያ: መልሲ ኽትህበና ኸምኡውን ብኸመይ ዕዉታት ከም እንኸውን ከተርእየና እያ።

“ምኽሪ ረሲኣን”

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብምኽሪ ረሲኣን” ምምልላስ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሓደጋ ኣጠንቀቐ። (መዝሙር 1:1) እቲ ቐንዲ “ኽፉእ” ዝዀነ: ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ማቴዎስ 6:13) ቅዱሳት ጽሑፋት: ንሱ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኸም ዝዀነ: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ይነግረና እዩ። (ዮሃንስ 16:11፣ 1 ዮሃንስ 5:19) መብዛሕትኡ እቲ ኣብዛ ዓለም ዚወሃብ ምኽሪ ንኣተሓሳስባ እቲ ኽፉእ ምንጽብራቑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

እኩያት ሰባት ከመይ ዝበለ ምኽሪ እዮም ዚህቡ፧ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ እኩያት ንኣምላኽ ይንዕቅዎ እዮም። (መዝሙር 10:13) እዞም ንኣምላኽ ዕሽሽ ዚብሉን ዚንዕቁን ሰባት ዚህብዎ ምኽሪ ድማ ኣብ ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሕብረተሰብ: “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” እዩ ዜተባብዕ። (1 ዮሃንስ 2:16) መራኸቢ ብዙሓን እውን በቲ “ነዛ ህይወት እዚኣ ብእተኻእለካ መጠን ተጠቐመላ” ዚብል ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኦ ፍልስፍና እዩ ኣዕለቕሊቑ ዘሎ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ኩባንያታት: ዓደግቲ የድልዮም ኣየድልዮም ብዘየገድስ ንፍርያተን ከም ዚዕድጉ ንምግባር ልዕሊ 500 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣብ ረክላማት የጥፍኣ። እዚ ፕሮፓጋንዳ እዚ ድማ ነቲ ሰባት ዘለዎም ናይ ምዕዳግ ልምዲ ጥራይ ኣይኰነን ቀይርዎ። ነቲ ብዛዕባ ዓወት ዝነበሮም ኣረኣእያ እውን ኣበላሽይዎ እዩ።

ከም ውጽኢት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ነቲ ቕድሚ ብዙሕ ዓመታት ብቐሊሉ ኺርከብ ዘይከኣል ዝነበረ ነገራት እኳ እንተ ኣጥረዩ: ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንስጋዊ ነገራት ብርቱዕ ጽምኢ ኸም ዚህልዎም ገበረ። እተፈላለየ ንዋት ዘይብልካ እንተ ዄንካ: ሕጉስን ዕዉትን ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ ዚብል ስምዒት ድማ እዩ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ሓሶት እዩ: “ካብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን።”—1 ዮሃንስ 2:16

ፈጣሪና ብሓቂ ዕዉታት ዚገብረና እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። እቲ ንሱ ዚህቦ ምኽሪ ኻብ “ምኽሪ ረሲኣን” እተፈልየ እዩ። ስለዚ: በቲ ሓደ ወገን በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ እናጸዓርና: በቲ ሓደ ወገን ከኣ ዕዉታት ንኽንከውን መገዲ እዛ ዓለም እዚኣ ንስዕብ እንተ ዄንና: ኣብ ሓደ እዋን ብኽልተ እተፈላለየ መገዲ ኽትከይድ ምፍታን ጌርካ እዩ ዚርአ። እዚ ድማ ዘይከውን ነገር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ብምባል ዜጠንቅቕ።—ሮሜ 12:2

እዛ ዓለም ክትቀርጸካ ኣይተፍቅደላ

እዛ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ዘላ ዓለም ብዛዕባ ድሕንነትና ኸም እትግደስ ኰይና እያ እትቐርበና። ይኹን እምበር: ክንጥንቀቕ ኣሎና። ሰይጣን ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን: ነቲ ስሱዕ ረብሓኡ ኺብል ከም ዘታለላ ኣይትረስዕ። ኣዳም ናብ ሓጢኣት ከም ዚወድቕ ንምግባር ድማ ተጠቕመላ። ሎሚ እውን ሰይጣን ነቲ እኩይ ምኽሩ ንምምሕልላፍ ንሰባት ይጥቀም እዩ።

ንኣብነት: ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ዴቪድ: ትርፊ ሰዓታት ንኺሰርሕን ብተደጋጋሚ ናይ ንግዲ ጕዕዞ ኺገብርን እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ ነይሩ። “ሰኑይ ንግሆ ወጺአ: ሓሙስ ምሸት እየ ዝምለስ ነይረ” ድማ በለ። ፈተውቱ: ኣባላት ስድራቤቱ: ከምኡውን መሳርሕቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዕዉት ንምዃን ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ ምኽፋል ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ብምሕሳብ: “ንስድራቤቱ ኢሉ ንኺገብሮ” ኣተባብዕዎ። ከምዚ ዝበለ ስራሕ ክሳዕ ንናብራኡ ዜጣጥሕ ንሒደት ዓመታት ጥራይ ከም ዚቕጽል ድማ ምኽንያት ኣቕረቡሉ። ዴቪድ ከምዚ በለ:- “እቶም ፈተውተይ: እዚ ስራሕ እዚ ዝያዳ ገንዘብ ንኽረክብ ስለ ዜኽእለኒ: ከምዚ ምግባረይ ንስድራቤተይ ዚጠቅም ምዃኑ: ንዓይ ድማ ብዝያዳ ዕዉት ከም ዚገብረኒ ነገሩኒ። ዋላኳ ምስ ስድራቤተይ ኣይኹን: ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን ንዕኦም ዜድልዮም ብዙሕ ነገራት ከም ዝቕርበሎም ኣእመኑኒ።” ብዙሓት ከም ዴቪድ ዝኣመሰሉ ሰባት ስድራቤቶም ይደልይዎ እዮም ዝበልዎ ነገራት ንምሃብ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። ነዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ምኽሪ ምስዓብ ግን ናብ ዓወት ይመርሕ ድዩ፧ ሓንቲ ስድራቤት ብሓቂ ዜድልያ ነገር እንታይ እዩ፧

ዴቪድ ስድራቤቱ እንታይ ከም ዜድልዮም ብስራሕ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ፈለጠ። ከምዚ ድማ በለ:- “ሓደ እዋን ምስታ ኣንጀሊካ ዝስማ ጓለይ ብተሌፎን ከዕልል ከለኹ: ‘ባባ: ስለምንታይ ኢኻ ምሳና ኣብ ገዛ ኽትከውን ዘይደለኻ፧’ በለትኒ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዜሰንብድ ነበረ።” እቲ ጓሉ ዝሃበቶ ርእይቶ ነቲ ኻብቲ ኩባንያ ንምስንባት ዝነበሮ ድሌት ኣደልደሎ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ንስድራቤቱ ዜድልዮም ነገር: ማለት ገዛእ ርእሱ ኺህቦም ወሰነ።

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዓወት የምጽእ

ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚዝርጋሕ ዘሎ ኣሉታዊ ፕሮፓጋንዳ ኽትከላኸሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ” ሰብ ዕዉትን ሕጉስን ከም ዚኸውን ገለጸ።—መዝሙር 1:2

ኣምላኽ ንእያሱ ኸም መራሒ ህዝቢ እስራኤል ገይሩ ምስ ሾሞ: “መዓልትን ለይትን [ንቓል ኣምላኽ] ኣስተንትኖ” ብምባል ነገሮ። እወ: ንቓል ኣምላኽ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ: ኣብ ርእሲ እዚ ግን እያሱ ‘ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ተጠንቂቑ ኺገብሮ’ ነበሮ። ብርግጽ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ብተኣምራዊ መገዲ ዕዉት ከም እትኸውን ኣይገብረካን እዩ። ነቲ ዘንበብካዮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኣሎካ። እያሱ “ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ” ተባህለ።—እያሱ 1:8

ሓደ ሕጉስ ቈልዓ ኣብ ሕቝፊ እቲ ዜፍቅሮ ወላዲኡ ኾፍ ኢሉ ነታ እቲ ቘልዓ ዝፈትዋ ዛንታ ብሓደ ኼንብቡ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ዋላኳ ነታ ዛንታ ብተደጋጋሚ እንተ ኣንበብዋ: ነታ ህሞት እቲኣ ግን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዋ። ብተመሳሳሊ ድማ ሓደ ንኣምላኽ ዜፍቕሮ ሰብ ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜሐጕስ ተመክሮ ወይ ከኣ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኡ ዜሕልፎ ባህ ዜብል እዋን ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ንምኽርን መምርሕን የሆዋ ብምስዓብ: “ከምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።”—መዝሙር 1:3

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ገሊጽዋ ዘሎ ኦም: ብሃንደበት ኣይኰነትን በቚላ። ኣብ ወሰን ወሓዚ እያ ተተኺላ: ሓደ ሓረስታይ ድማ ይከናኸና እዩ። ብተመሳሳሊ ኸኣ እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦና ንኣተሓሳስባና በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምኽሪ የመዓራርዮን የተኻኽሎን እዩ። ከም ውጽኢት እዚ ኸኣ ንብልጽግን ኣምላኻዊ ፍረ ንፈርን።

ብኣንጻሩ ግን “እቶም ረሲኣን . . . ከምዚ ኣይኰኑን።” ሓቂ እዩ: ንግዜኡ ኺስስኑ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብ መወዳእታ ግን ዜሕዝን ውጽኢት እዩ ዚጽበዮም። እወ: “ኣብ ፍርዲ . . . ኣይኪቘሙን እዮም።” ኣብ ክንዳኡስ: “መገዲ ረሲኣን . . . ኽትጠፍእ እያ።”—መዝሙር 1:4-6

ስለዚ: እዛ ዓለም እዚኣ ንሸቶታትካን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትካን ንኽትቀርጾ ኣይተፍቅደላ። ተውህቦ ኸምኡውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዕዉት ንኽትከውን ዕቑር ዓቕሚ ይህልወካ ይኸውን፣ ነቲ ዘሎካ ተውህቦ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ወይ እዛ ዓለም እዚኣ ንተውህቦኻ ኽሳዕ ክንደይ ንኽትጥቀመሉ ኸም እትፈቕደላ ግን ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። ፍረ ዘይብሉ ፍቕረ-ንዋይ ምክትታል ንሓደ ሰብ ከም ‘ዚረግፍ’ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምህላው ናይ ሓቂ ዓወትን ሓጐስን የምጽእ።

ዕዉት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሓደ ሰብ ንምኽሪ ኣምላኽ ዚስዕብ እንተ ዀይኑ: ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዚሰልጦ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓለም ዚርከብ ዓወት ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። እቲ ኣምላኻዊ ሰብ ዚረኽቦ ዓወት ምስ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ እተተሓሓዘ እዩ: ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ኵሉ ሳዕ ይዕወት እዩ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ ዕዉት ከም ዚገብረካ እስከ ንርአ።

ስድራቤት:- ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰብኡት “ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን” ይምዕዶም እዩ: ክርስትያን ሰበይቲ ድማ “ንሰብኣያ ትፍርሀዮ” ብምባል ተኣዚዛ ኣላ። (ኤፌሶን 5:28, 33) ወለዲ ምስ ደቆም ግዜ ኼሕልፉ: ኪስሕቁ: ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ኪምህርዎም ተተባቢዖም ኣለዉ። (ዘዳግም 6:6, 7፣ መክብብ 3:4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ንወለዲ “ነቶም ውሉድኩም . . . ኣይተዀርይዎም” ብምባል ምኽሪ ሂብዎም ኣሎ። ወለዲ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕልዎ: ውሉዳት ‘ንወለዶም ንኺእዘዝዎም’ ከምኡውን ‘ንኣቦኦምን ንኣዴኦምን ንኬኽብሩ’ ዝቐለለ ይዀነሎም። (ኤፌሶን 6:1-4) ነዚ ኣምላኽ ዝሃቦ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ዕዉት ናብራ ስድራቤት ከም ዚህሉ ዚገብር እዩ።

ኣዕሩኽ:- መብዛሕትኦም ሰባት ኣዕሩኽ ኪህልውዎም ይደልዩ እዮም። ከነፍቅርን ብኻልኦት ክንፍቀርን ዚገብረና ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ተኽእሎ ኣሎና። የሱስ ንሰዓብቱ ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ብምባል ነገሮም። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣብ መንጎ ሰዓብቲ የሱስ ከነፍቅሮምን ክንኣምኖምን እንኽእል ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና: እዚኣቶም ድማ ብዛዕባ ውሽጣዊ ሓሳብናን ስምዒትናን እውን ክንነግሮም እንኽእል ዓይነት ሰባት እዮም። (ምሳሌ 18:24) ልዕሊ ዅሉ ግን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ‘ንኣምላኽ ክንቀርቦ’ ንኽእል ኢና: ከም ኣብርሃም ድማ “ዓርኪ ኣምላኽ” ተባሂልና ኽንጽዋዕ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990፣ 4:8

ዕላማ ህይወት:- እቶም ብሓቂ ዕዉታት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ክንዲ ትርጕም ዘይብሉ ህይወት ዚመርሑ: ህይወቶም ትርጕምን ዕላማን ኣለዋ። ህይወቶም ኣብዚ ዘየተኣማምን ስርዓት እዚ እተሰረተት ኣይኰነትን። ሸቶኦም ኣብቲ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ዘተኰረ ስለ ዝዀነ: ናብ ናይ ሓቅን ነባርን ዕግበት እዩ ዚመርሖም። ንሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ዕላማ ኸም ዚህልዎ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”—መክብብ 12:13

ተስፋ:- ንኣምላኽ ዓርክና ምግባርና ንመጻኢ ተስፋ ኸም ዚህልወና ዚገብር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣብ “ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ” መዓዶም። በዚ ኸምዚ ድማ “ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ” ይኽእሉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) እዚ ናይ ሓቂ ህይወት እዚ: እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ንምድሪ ገነት ምስ ገበረታ ኺመጽእ እዩ።—ሉቃስ 23:43

ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ: ካብ ጸገማት ናጻ እኳ እንተ ዘይኰንካ: ካብቲ እቶም እኩያት ሰባት ኣብ ርእሶም ዜምጽእዎ ጓሂ ልብን ሓዘንን ግን ኪባልሃካ እዩ። እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ዴቪድን ካልኦት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ዋጋ ርእዮምዎ እዮም። ዴቪድ ምስኡ ዚሰማማዕ ስራሕ ድሕሪ ምርካቡ: “ምስ ሰበይተይን ደቀይን ንዘሎኒ ርክብ ከምኡውን ንየሆዋ ኣምላኽ ሽማግለ ጉባኤ ዀይነ ኸገልግሎ ብምኽኣለይ አማስወሉ እየ” በለ። እምበኣር: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ንምኽሪ ኣምላኽ ዜቕልበሉ ሰብ: “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ምባሉ ዜገርም ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሰሌዳ]

ናብ ዓወት ዚመርሕ ሓሙሽተ ስጕምትታት

1 እዛ ዓለም እዚኣ ብናታ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከይትቐርጸካ ተጠንቀቕ።

መዝሙር 1:1፣ ሮሜ 12:2

2 ንቓል ኣምላኽ መዓልታዊ ኣንብቦን ኣስተንትነሉን።

መዝሙር 1:2, 3

3 ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።

እያሱ 1:7-9

4 ንኣምላኽ ዓርክኻ ግበሮ።

ያእቆብ 2:23፣ 4:8

5 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱ እውን ሓሉ።

መክብብ 12:13

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ናብ ዓወት ዚመርሕ ስጕምትታት ዲኻ እትስዕብ ዘለኻ፧