ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ

ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ

ታሪኽ ህይወት

ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ

ፖል ኩሽኒር ዘዘንተዎ

ብ1897 ኣቦሓጎታተይ ካብ ዩክረይን ናብ ካናዳ ገዓዙ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ዮርክተን: ሳስካችዋን ኪነብሩ ጀመሩ። ምስ ኣርባዕተ ውሉዳቶም: ማለት ሰለስተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ሒዞም እዮም መጺኦም። ብ1923 ድማ እታ ማረንካ ዝስማ ጓል: ኣደይ ኰነት፣ ኣነ ድማ ሻውዓይ ውሉዳ እየ ነይረ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናብራ ዘይማዕበለ እኳ እንተ ነበረ: ሰላማዊ እዩ ነይሩ። እተመጣጠነ ምግብን ዜምውቕ ክዳንን ነበረና: መንግስቲ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎት የማልኣልና ነበረ። እቶም ሕያዎት ጐረባብቲ ኸኣ ብፍታው ኣብ ዓብዪ ዕማም ይተሓጋገዙ ነበሩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1925 ሓደ ኻብቶም ኣብቲ እዋን እቲ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሓና። እዚ ምብጻሕ እዚ ነቲ ሕጂ እውን ዘማስወሉ ምርጫ ንኽንገብር ደረኸና።

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ናብ ቤትና ኣተወ

ኣደይ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሃራይ እተወሰነ ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ወሰደት: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ እዚኣ እታ ሓቂ ምዃና ፈለጠት። ብቕልጡፍ ዕቤት ገይራ ኸኣ ብ1926 ተጠምቀት። ኣደይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃሪት ብምዃና: ስድራቤትና ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዋ ገበረ። ቤትና ድማ ቦታ እንግዶት ኰነት። መብዛሕትኡ ግዜ ገየሽቲ ሓለውቲ ኸምኡውን ካልኦት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳና ይቕንዩ ነበሩ። በ1928 ሓደ ገያሺ ሓላዊ ነታ ብቐሊሉ እተሰርሐት ቅዳሕ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክርኤሽን” ዝዀነት “ዩሬካ ድራማ” ኣርኣየና። ካብቶም ቈልዑ ዘበልና ድማ ነታ ናይ ቃዕታ ድምጺ እተስምዕ እንቍርዖብ እትመስል መጻወቲት ንግዜኡ ወሰደ። እታ እንቍርዖብ “ቃዕ” ዚብል ድምጺ ኸተስምዕ ከላ ኸኣ ስላይድ ይቕየር ነበረ። ኣብዚ ምርኢት እዚ ኣበርክቶ ብምግባርና ድማ ሓበን ተሰምዓና!

ሓደ ኢመል ዛሪስኪ ዝስሙ ገያሺ ሓላዊ ነታ ተሳሓቢት ማኪናኡ ሒዙ ብተደጋጋሚ ይበጽሓና ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ምስቲ ዓብዪ ወዱ እዩ ዚመጽእ ነይሩ: ንሱ ድማ ነቶም ቈልዑ ዘበልና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ወይ ፈለምቲ ንኽንከውን የተባብዓና ነበረ። ብዙሓት ፈለምቲ እውን ኣብ ቤትና ይቕንዩ ነበሩ። ሓደ እዋን: ኣደይ ንሓደ ፈላሚ ኽዳኑ ኽትሰፍየሉ ስለ ዝደለየት: ንግዜኡ ካምቻ ሃበቶ። ከይፈለጠ ኸኣ ምስኡ ሒዝዋ ኸደ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ግን ስለ ዘደንጐያ ይቕረታ ሓቲቱ መለሳ። “ንመልኣኺ ዚኸውን ዓሰርተ ሳንቲም ስለ ዝሰኣንኩ እየ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። እንተ ዚወስዳ ምሓሸ ነይሩ ኢልና ሓሰብና! ኣነ እውን ሓደ መዓልቲ ነዞም ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ፈለምቲ ኽመስሎም እኽእል እኸውን እየ ኢለ ተስፋ ገበርኩ። ነቲ ኣደይ ዝነበራ ኣጋይሽ ናይ ምቕባል መንፈስ ኣዝየ እየ ዘመስግነሉ፣ ከመይሲ: ንህይወትና ኣበልጺግዎን ነቲ ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ሃኒጽዋን እዩ።—1 ጴጥሮስ 4:8, 9

ኣቦይ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣይቃወመናን እዩ ነይሩ። ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብቲ ኣሕዋት ብ1930 ዝገበርዎ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ኣኼባ ነቲ ዓብዪ ዳሱ ንኺጥቀሙሉ ፈቒዱሎም እዩ። ዋላኳ ወዲ ሸውዓት ዓመት ጥራይ እንተ ነበርኩ: በቲ ኣጋጣሚ እቲ እተሰምዓኒ ሓጐስን ንዕኡ ዝነበረን ክብርን ግን ተንኪፉኒ እዩ። ኣቦይ ብ1933 ሞተ። እታ ሸሞንተ ቘልዑ ኸተዕቢ ዝነበራ መበለት ኣደይ: ኣብ መስመር ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም እንቕጽል ንምግባር ዝነበራ ቘራጽነት ፈጺሙ ነቕ ኣይበለን። ናብ ኣኼባታት ምስኣ ኸም ዝኸይድ ትገብር ነበረት። ሓድሓደ ግዜ እቲ ኣኼባታት መወዳእታ ዘይብሉ እዩ ዚመስል ነይሩ፣ ምስቶም ኣብ ደገ ንኺጻወቱ ዚፍቀደሎም ዝነበረ ቘልዑ ኽጻወት ድማ እደሊ ነበርኩ። ንኣደይ ካብ ዘሎኒ ኣኽብሮት ተላዒለ ግን ኮፍ እብል ነበርኩ። ኣደይ ክትክሽን ከላ: መብዛሕትኡ እዋን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ትጠቅስ እሞ ኣበይ ከም ዚርከብ ድማ ትሓተኒ ነበረት። ብ1933 ዘይሓሰብናዮ ብዙሕ ምህርቲ ብምርካብና: ኣደይ ነቲ ተወሳኺ ኣታዊ ማኪና ንምግዛእ ተጠቕመትሉ። ገሊኦም ጐረባብትና ግን ገንዘባ በቲናቶ ኢሎም ነቐፍዋ: ንሳ ግን እታ ማኪና ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታትና ኽትሕግዘና ኢላ እያ ገዚኣታ። ከምዚ ብምግባራ ኸኣ ኣይተጋገየትን።

ካልኦት ሰባት ቅኑዕ ምርጫ ንኽገብር ሓገዙኒ

ሓደ መንእሰይ ነቲ ንመጻኢኡ ኺጸልዎ ዚኽእል ምርጫታት ዚገብረሉ እዋን ኣሎ። እዚ እዋን እዚ ምስ ኣኸለ: እተን ሄለንን ከይን ዝስመን ዓበይቲ ኣሓተይ ፈለምቲ ዀና። ሓደ ኻብቶም ኣብ ገዛና ብጽቡቕ እተኣንገደ ፈላሚ: ጆን ጃዙስኪ ዝስሙ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ኣደይ ንጆን ኣብቲ ሕርሻ ንኺሕግዘና ምሳና ቝሩብ ንኺጸንሕ ሓተተቶ። ብድሕሪኡ ንከይ ተመርዓዋ: ካብ ቤትና ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ድማ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ጀመሩ። ወዲ 12 ዓመት ከለኹ ኸኣ ካብ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምስኦም ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኸሰንዮም ይዕድሙኒ ነበሩ። እዚ ድማ ነቲ ፈላሚ ናይ ምዃን ህይወት ንኽጥዕሞ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ።

ድሕሪ ግዜ ኣነን ጆን ሓወይን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ሕርሻ ኸነካይዶ ጀመርና። እዚ ድማ ኣደይ ነቲ ናይ ክረምቲ ወርሓት ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ንኸተገልግል ኣኽኣላ። ብሓደ ኣረጊት ፈረስ እትጕተት ክልተ መንኰርኰር ዘለዋ ካሮሳ ኸኣ ትጥቀም ነበረት። ኣቦይ ነዚ ነቓጽ ፈረስ እዚ ሳኦል ኢሉ ይጽውዖ ነበረ: ንኣደይ ግን ክትቈጻጸሮ እትኽእል ልኡም ፍጥረት እዩ ነይሩ። ኣነን ጆንን ነቲ ሕርሻ ንፈትዎ ነበርና፣ ኣደይ ካብ ኣገልግሎት ወፍሪ መጺኣ ተመክሮኣ ኽትነግረና ኸላ ግን ካብቲ ነቲ ሕርሻ ዝነበረና ፍቕሪ: ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል ዝሓደረና ፍቕሪ ኺዛይድ ጀመረ። ብ1938 ነቲ ዝነበረኒ ንጥፈታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኽብ ኣበልክዎ: ብ9 ለካቲት 1940 ከኣ ተጠመቕኩ።

ድሕሪ እተወሰነ እዋን: ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ ተሸምኩ። መዝገብ ጉባኤ ናይ ምሓዝ ሓላፍነት ስለ ዝነበረኒ: ነፍሲ ወከፍ ዕቤት የሐጕሰኒ ነበረ። ካብ ቤትና 16 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ድማ ናይ ብሕተይ ክሊ ነበረኒ። ቈራሪ ኣብ ዝዀነሉ ወርሓት: ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናብዛ ኸተማ እዚኣ ብእግረይ እጐዓዝ ነበርኩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ቤት እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ኣብ ዘሎ ዋልድቢት እሓድር ነበርኩ። ሓደ እዋን: ምስ ሓደ ሉተራዊ ሰባኺ ቝሩብ ሜላ ብዘይብሉ መገዲ ምስ ተዘራረብኩ: ነተን መጓሰኡ እንተ ዘይሓዲገየን ፖሊስ ከም ዚጽውዓለይ ኣፈራርሃኒ። እዚ ግን ዝያዳ ንቕድሚት ከም ዝቕጽል እዩ ገይሩኒ።

ብ1942 እታ ከይ ዝስማ ሓብተይን ጆን ሰብኣያን ኣብቲ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ ዚግበር ኣኼባ ኣውራጃ ንኺእከቡ መደብ ገበሩ። ምስኦም ንክኸይድ ምስ ሓተቱኒ ኣዝየ ተሓጐስኩ። እቲ ኣኼባ እቲ ኣዝዩ እዩ ጠቒሙኒ። ነቲ ንመጻኢ ዝነበረኒ መደበይ ኣደልዲልዎ እዩ። እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዜካይድ ዝነበረ ሓው ናታን ኖር: 10,000 ዝዀኑ ፈለምቲ ኸም ዜድልዩ ዚገልጽ ደራኺ ጻውዒት ኣቕረበ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ውሳነ ብምግባር ድማ ሓደ ኻብኣቶም ክኸውን ቈረጽኩ!

ኣብ ጥሪ 1943 ሓደ ሄንሪ ዝስሙ ገያሺ ኣገልጋሊ ንጉባኤና በጽሓ። ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚሓድረና ዝገበረ ዜለዓዕል መደረ ድማ ኣቕረበልና። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ: እቲ ዛሕሊ ትሕቲ ዜሮ: 40 ዲግሪ ሰንቲግሬድ በጺሑ ነበረ፣ እቲ ኻብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝነፍስ ዝነበረ ሓያል ንፋስ ድማ ዝገደደ ቘራሪ ገበሮ። እቲ ዅነታት ኣየር ከምዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ ቤትና ኣይንወጽእን ኢና: ሄንሪ ግን ናብ ኣገልግሎት ኪኸይድ ተሃንጥዩ ነበረ። ንሱን ካልኦትን ኰይኖም ድማ ነታ ብፈረስ እትጕተትን ብዕንጨይቲ ዚሰርሕ መሞቒ ዘለዋን ሰረገላ ሒዞም ናብቲ 11 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ቍሸት ከዱ። ኣነ ድማ ነታ ሓሙሽተ ውሉዳት ዝነበራ ስድራቤት ንምብጻሕ በይነይ ከድኩ። ነቲ ምስታ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ዘቕረብኩሎም ዕድመ ተቐበልዎ: ጸኒሖም ድማ ንሓቂ ተቐበሉ።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ምስባኽ

ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ካናዳ ተኣጊዱ ነበረ። ስለዚ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትና ኽንሓብኦ ነበረና፣ ቦታ ሕርሻና ኸኣ መሕብኢ ዀይኑ ነበረ። ፖሊስ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ መጹ: ዋላ ሓንቲ ግን ኣይረኸቡን። ክንሰብኽ ከለና መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢና እንጥቀም ኔርና። ንእሽቶ ጕጀለ ዄንና ንእከብ ነበርና: ኣነን ጆን ሓወይን ከኣ ነቲ ብምስጢር ዚግበር ናይ ምብጽጻሕ ዕዮ ንኽንዓዪ ተመረጽና።

እቲ ውግእ እናተኻየደ ኸሎ: ጉባኤና ነታ ኤንድ ኦቭ ናዚዝም (መወዳእታ ናዚነት) ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብ ምልእቲ ዓዲ ኣብ ምዝርጋሕ ተኻፊላ እያ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ኸኣ ካብ ገገዛና ወጻእና። ናብ ነፍሲ ወከፍ ቤት እናኸድና ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሰላሕ ኢልና ኣብ ኣፍ ደገ ኸነቐምጣ ኸለና እፈርህ ነበርኩ። ካብ ዝዀነ ይኹን ዝገበርክዎ ነገር: እዚ ኣዝዩ ዜፍርህ እዩ ነይሩ። ነታ ጽሕፍቲ ዓዲልና ምስ ወዳእና ብሓቂ እፎይታ እዩ ተሰሚዑኒ! ብድሕሪኡ ናብታ ደው ኢላ ዝነበረት ማኪና ብቕልጡፍ ብምኻድ: ኵልና ኸም ዝመጻእና ኣረጋገጽና: ናብቲ ድቕድቕ ጸልማት ኣቲና ኸኣ ተሰወርና።

ፈላሚ ምዃን: ቤት ማእሰርቲ: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት

ብ1 ግንቦት 1943 ንኣደይ ተሰናቢተያ ኸድኩ። ኣብ ጁባይ 20 ዶላር ከምኡውን ንእሽቶ ሳንጣ ሒዘ ናብታ ናይ መጀመርታ ፈላሚ ዝዀንኩላ ምድበይ ከድኩ። እቶም ኣብ ኲል ሌክ: ሳስካችዋን ዚነብሩ ሓው ቶም ትሩፕን ስድራቤቱን ድማ ብጽቡቕ ተቐበሉኒ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ናብቲ ኣብ ዌበርን: ሳስካችዋን ዚርከብ ግሉል ክሊ ኸድኩ። ብ24 ታሕሳስ 1944 ድማ ኣብ መገዲ እናኣገልገልኩ ኸለኹ ተታሒዘ ተኣሰርኩ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ንቝሩብ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ናብቲ ኣብ ጃስፐር: ኣልበርታ ዚርከብ ደምበ ተወሰድኩ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበርኩ: በቲ ምዕሩግ ናይ የሆዋ ፍጥረት ዝዀነ ኣኻውሕ ዝመልኦ ኣኽራን ካናዳ ድማ ተኸቢብና ነበርና። ኣብ መጀመርታ 1945 ሰበ-ስልጣን እቲ ደምበ ኣብቲ ኣብ ኢድመንተን: ኣልበርታ እተገብረ ኣኼባ ንኽንካፈል ፈቐዱልና። ሓው ኖር ብዛዕባ ዕቤት ዓለምለኻዊ ዕዮ ዚሕብር ኣዝዩ ዚስሕብ ጸብጻብ ኣቕረበ። ነታ ኻብ ቤት ማእሰርቲ እንፍትሓላን ከም ብሓድሽ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ እንካፈለላን መዓልቲ ድማ ብሃንቀውታ ንጽበያ ነበርና።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕኩ: እንደገና ፈላሚ ዀንኩ። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ “ምስፍሕፋሕ ኵሎም ኣህዛብ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ: ካሊፎርኒያ ኸም ዚግበር ምልክታ ተነግረ። ኣብቲ ፈላሚ ዀይነ ዝዓየሉ ሓድሽ ምድበይ ዚነብር ሓደ ሓው ኣብታ ናይ ጽዕነት ማኪናኡ ን20 ሰብ ዚኸውን ኮፍ መበሊ ሰርሐ። ብ1 ነሓሰ 1947 ዘይርሳዕ ጕዕዞ ገበርና፣ በቲ ምድረ-ሳዕሪ: ምድረ-በዳ: ከምኡውን በቲ የለውስቶን ኰነ ዮሰሚቲ ዚበሃል ሃገራዊ ፓርክ ኣቢልና 7,200 ኪሎ ሜተር ተጐዓዝና። ብምሉኡ እቲ ጕዕዞ ድማ 27 መዓልቲ ወሰደ: ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ ነይሩ!

እቲ ኣኼባ እውን እንተ ዀነ: ዘይርሳዕ በረኸት እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል: ተቐባሊ ጋሻን ናይ ለይቲ ሓላውን ኰይነ ኣገልገልኩ። ነቶም ሚስዮናውያን ኪዀኑ ዚደልዩ ኣብ ዚግበረሎም ኣኼባ ድሕሪ ምክፋለይ: መመልከቲ ፎርም መላእኩ፣ ክጽዋዕ እየ ኢለ ግን ብዙሕ ኣይተጸበኹን። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ብ1948 ኣብታ ኲበክ እትበሃል ኣውራጃ ካናዳ ፈለምቲ ኸም ዜድልዩ ጻውዒት ምስ ቀረበ: ኣነ ፍቓደኛ ዀንኩ።—ኢሳይያስ 6:8

ጊልዓድን ብድሕሪኡን

ብ1949 ኣብ መበል 14 ኽፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ንኽካፈል ጻውዒት ምስ ቀረበለይ ተሓጐስኩ። እቲ ዝረኸብክዎ ስልጠና ንእምነተይ ኣደልደሎ: ናብ የሆዋ ድማ ብዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገበረኒ። ጆንን ከይን ካብ መበል 11 ኽፍሊ ድሮ ተመሪቖም ኣብ ሰሜናዊ ሮዴዥያ (ሕጂ ዛምብያ) ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ጆን ሓወይ እውን ብ1956 ካብ ጊልዓድ ተመረቐ። ምስታ ፍሪዳ ዝስማ ሰበይቱ ብሓደ ዀይኑ ድማ ክሳዕ ዚመውት ኣብ ብራዚል ን32 ዓመት ኣገልገለ።

ኣብ ለካቲት 1950 ኣብታ እተመረቕኩላ መዓልቲ: በተን ካብ ኣደይ ከምኡውን ካብቶም ኣብ ኲል ሌክ ዚነብሩ ስድራቤት ትሩፕ ዝመጻኒ ኽልተ ተሌግራም ተተባቢዐ እየ። እታ ኻብ ስድራቤት ትሩፕ ዝመጸት ተሌግራም: “ንምሩቕ ዚኸውን ምዕዶ” ዚብል ኣርእስቲ ነበራ: ከምዚ ድማ ትብል ነበረት:- “እዛ መዓልቲ እዚኣ ንዓኻ ኻብ ካልኦት መዓልትታት እታ ዝበለጸት እያ። ኣኽቢርካ እትርእያ ድማ እያ። ንሕና ኸኣ ዓወትን ሓጐስን ንኽትረክብ ንምነየልካ።”

ኣብ ከተማ ኲበክ ንኸገልግል ተመደብኩ: ንግዜኡ ግን ኣብቲ ኪንግደም ፋርም ዚበሃል ኣብ ግዝኣት ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝነበሮ ቦታ ጸናሕኩ። ሓደ መዓልቲ ሓው ኖር ናብ በልጅዩም ክኸይድ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከም ብሓድሽ ኣብ ነዘርላንድስ ንኽምደብ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። እታ ንምድበይ እትገልጽ ደብዳበ: “ኣገልጋሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር” ኰይነ ኸም ዝዓዪ ትገልጽ ነበረት። እዚ ድማ ኣዝዩ ኸበደኒ።

ብ24 ነሓሰ 1950 ነቲ ናብ ነዘርላንድስ ብመርከብ ዚግበር ናይ 11 መዓልቲ ጕዕዞ ጀመርክዎ: እዚ ኸኣ ነቲ ሽዑ ዝወጸ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምሉኡ ንኸንብቦ እኹል ግዜ እዩ ነይሩ። ብ5 መስከረም 1950 ኣብ ሮተርዳም በጻሕኩ: ስድራ ቤትኤል ድማ መርሓባ ኢሎም ተቐበሉኒ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘስዓቦ ዕንወት እናሃለወ ኽነሱ: እቶም ኣሕዋት ግን ክርስትያናዊ ንጥፈታት ከም ብሓድሽ ኣብ ምክያድ ዓብዪ ነገር እዮም ገይሮም። ኣብ ትሕቲ ጽንኩር መስጐጕቲ ብኸመይ ንጽህናኦም ከም ዝሓለዉ ኽሰምዕ ከለኹ: እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሓደ ተመክሮ ዘይብሉ ኣገልጋሊ ጨንፈር ምዃን ኪኸብዶም እዩ ኢለ ሓሰብኩ። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ከምዚ ዝበለ ሻቕሎት መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ፈለጥኩ።

ልክዕ እዩ: ገሊኡ ጕዳያት ቈላሕታ የድልዮ ነበረ። ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምክያዱ እየ ኣብኡ በጺሐ: እቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብኡ ንኺካፈሉ ዝመጹ ኣሕዋት ድማ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ይሓድሩ ምንባሮም ኣገረመኒ። ኣብቲ ዚቕጽል ኣኼባ ኣውራጃ: እቶም ኣጋይሽ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኸም ዚሓድሩ ንኺግበር ሓሳብ ኣቕረብኩ። እቶም ኣሕዋት እዚ ጽቡቕ ሓሳብ እኳ እንተ ዀነ: ኣብቲ ዓዲ ግን ከምኡ ኸም ዘይግበር ነገሩኒ። ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምምርማር ከኣ ኣብ ሓደ ስምምዕ በጻሕና: ፍርቆም ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታ ንኺሓድሩ: ፍርቆም ድማ ኣብ ኣባይቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ከም ዚሓድሩ ገበርና። ነቲ እተረኽበ ውጽኢት ከኣ ሓው ኖር ናብቲ ኣኼባ ምስ መጸ ብሓበን ነገርክዎ። ይኹን እምበር: ነቲ ዝገበርናዮ ኣኼባ ብዚምልከት ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ጸብጻብ ምስ ኣንበብኩ: እቲ ዝነበረኒ ስምዒት ቀልጢፉ በነነ፣ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል ነበረ:- “ኣብ ዚቕጽል እዋን ነቶም ናብ ኣኼባ ዝመጹ ኣጋይሽ ኣብቲ ምስክርነት ንምሃብ ውጽኢታዊ ዝዀነ ቦታታት: ማለት ኣብ ኣባይቲ ሰባት ከም ዚሓድሩ ንምግባር ብእምነት መሰናድዎ ኸም ዚገብሩ ርግጸኛታት ኢና።” ከምቲ እተነግረና ድማ “ኣብ ዚቕጽል እዋን” ከምኡ ገበርና!

ኣብ ሓምለ 1961 ክልተ ተወከልቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርና ኣብቲ ኣብ ለንደን ምስ ካልኦት ተወከልቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ዚግበር ኣኼባ ንኺካፈሉ ጻውዒት ቀረበሎም። ኣብኡ ድማ ሓው ኖር ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንዳች እውን ሓዊስካ ብዝያዳ ቛንቋታት ከም ዚዳሎ ዚገልጽ ምልክታ ነገረ። እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዜብል ዜና ዀን እዩ! እቲ ዜሐጕስ ድማ ብዛዕባ ዕቤት እቲ ዕዮ ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበረናን። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ብ1930 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ዳች ከም ዝወጸ ኣብ ምሕባር ብምስታፈይ ኣዝየ ሕጉስ እየ።

ውሳነታትን ሓደስቲ ምድባትን

ኣብ ነሓሰ 1961 ንላይዳ ቫምሊንክ ተመርዓኽዋ። ስድራቤታ ብምሉኦም ብ1942 ኣብ እዋን መስጐጕቲ ናዚ እዮም ንሓቂ ተቐቢሎም። ላይዳ ኻብ 1950 ጀሚራ ፈላሚት ኰይና ኣገልገለት: ካብ 1953 ጀሚራ ኸኣ ኣብ ቤትኤል ተገልግል ነበረት። እቲ ኣብ ቤትኤል ይኹን ኣብ ጉባኤ እትዓየሉ ዝነበረት መገዲ: ኣብ ኣገልግሎት እምንቲ ብጸይቲ ኸም እትዀነኒ ኣረጋገጸለይ።

ምስ ተመርዓና ድሕሪ ሓደ ዓመት: ተወሳኺ ስልጠና ንምውሳድ ንዓሰርተ ወርሒ ናብ ብሩክሊን ንክኸይድ ጻውዒት ቀረበለይ። ኣንስቲ ንሰብኡትን ንኼሰንያኦም እተገብረ መሰናድዎ ኣይነበረን። ዋላኳ ላይዳ ጥዕናኣ ጽቡቕ እንተ ዘይነበረ: ብፍቕሪ ተደሪኻ ግን ነቲ ጻውዒት ክቕበሎ ኸም ዘሎኒ ነገረትኒ። ብድሕርዚ ጥዕናኣ እናኸፍአ ኸደ። ኣብ ቤትኤል ክንቅጽል ፈተንና: ኣብ መወዳእታ ግን ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ካብ ቤትኤል ወጻኢ ዄንና ኽንቅጽሎ ወሰንና። ነቲ ኣገልግሎት መገሻ ድማ ጀመርናዮ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሰበይተይ ኣዝዩ ኸቢድ መጥባሕቲ ኽትገብር ነበራ። ሳላ እቲ ፍቕራዊ ደገፍ ፈተውትና ድማ ነቲ ዅነታት ክንዋጽኣሉ ኸኣልና: ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ኣብ ዕዮ ኣውራጃ ንኸነገልግል ዚሓትት ምድብና ተቐበልና።

ንሸውዓተ ዓመት ኣብቲ ዕዮ መገሻ ዜበራትዕ ኣገልግሎት ኣሕለፍና። ብድሕርዚ: ኣብ ቤትኤል ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽምህር ጻውዒት ስለ ዝቐረበለይ: ከቢድ ውሳነ ኽገብር ነበረኒ። ነቲ ኣገልግሎት መገሻ ንፈትዎ ብምንባርና እዚ ቐሊል ለውጢ እኳ እንተ ዘይኰነ: በዚ ግን ተሰማማዕና። እቲ ነፍሲ ወከፉ ኽልተ ሰሙን ዚወስድ ዝነበረ 47 ክፍልታት እቲ ቤት ትምህርቲ: ነቶም ሽማግለታት ጉባኤ መንፈሳዊ በረኸት ናይ ምክፋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸፈተለይ።

ኣብቲ እዋን እቲ ብ1978 ንኣደይ ንኽበጽሓ መሰናድዎ እገብር ነበርኩ። ሃንደበት ግን ብ29 ሚያዝያ 1977 ኣደይ ከም ዝሞተት ዚገልጽ ተሌግራም ተቐበልና። ዳግማይ ነቲ ጥዑም ደሃያ ኸም ዘይሰምዖ ኸምኡውን ንዅሉ እቲ ዝገበረትለይ ከም ዘመስግነሉ ኽነግራ ኸም ዘይክእል ምስ ፈለጥኩ: ተዓኒደ ተረፍኩ።

እቲ ኮርስ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተዛዘመ: ኣነን ሰበይተይን ኣባላት ቤትኤል ንኽንከውን ተሓተትና። ንዓሰርተ ዓመት ድማ ኣተሓባባሪ ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ኣገልገልኩ። ድሕሪ ግዜ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ሓላፍነት ብዝሓሸ ኺዓዮ ዚኽእል ሓድሽ ኣተሓባባሪ ሸመ። ነዚ ድማ ኣዝየ አመስግነሉ እየ።

ዕድመ ኸም ዚፈቕደልና ምግልጋል

ኣነን ላይዳን ሕጂ ደቂ 83 ዓመት ኴንና ኣለና። ኣብ ናይ ምሉእ ኣገልግሎት ልዕሊ 60 ዓመት እየ ኣሕሊፈ: ካብዚ ድማ እቲ 45 ዓመት ምስታ እምንቲ ሰበይተይ ኰይነ እየ ኣሕሊፈዮ። እቲ ኣብ ኵሉ ምድብና ዝገበረትለይ ሓገዝ ንየሆዋ እተወፈየ ኣገልግሎት ከም ዝዀነ ገይራ እያ እትርእዮ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤትኤልን ኣብ ጉባኤን ኴንና ዝከኣለና ንገብር ኣለና።—ኢሳይያስ 46:4

ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሕለፍናዮ ጕሉሕ ነገራት ብምዝካር ንሕጐስ። በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርናዮ ነገራት ፈጺምና ኣይንጥዓስን ኢና: እቲ ብኣጋኡ ኣብ ህይወትና ዝገበርናዮ ምርጫታት እቲ ዝበለጸ ምንባሩ ድማ ኣሚንና ኢና። ንየሆዋ ብዘሎና ሓይሊ ምግልጋልናን ምኽባርናን ንኽንቅጽል ከኣ ቈሪጽና ኢና።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ምዕባየይ ሓወይ ቢልን ምስቲ ሳኦል ዝስሙ ፈረስናን

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ነሓሰ 1961 ኣብ መዓልቲ መርዓና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ላይዳ