ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቕርኻ ኸተግፍሕ ትኽእልዶ፧

ፍቕርኻ ኸተግፍሕ ትኽእልዶ፧

ፍቕርኻ ኸተግፍሕ ትኽእልዶ፧

ንመልሕቕ ዚሕዝ ሰንሰለት: ነታ መርከብ በብቝሩብ ካብ ቦታኣ ኸይትውሰድ ብዙሕ ጸቕጢ ኺጻወር ኣለዎ። ከምዚ ኺገብር ዚኽእል ግን: ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ሰንሰለት ዚተኣሳሰረሉ ኣገባብ ዜተኣማምንን ድልዱልን እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ። እንተ ዘይኰይኑ: እቲ ሰንሰለት ይብጠስ።

ብዛዕባ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪበሃል ይከኣል እዩ። ሓንቲ ጉባኤ ብርትዕትን ጥዕይትን ንኽትከውን: እቶም ኣባላታ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ብሓድነት ኪተኣሳሰሩ ኣለዎም። እቲ ዜተኣሳስሮም እንታይ እዩ፧ እታ ሓድነት ብምምጻእ ካብ ኵሉ ዝበርትዐት ሓይሊ ዝዀነት ፍቕሪ እያ። የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኪብሎም እምበኣር ሓቁ እዩ። እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ካብ ዕርክነትን ምክብባርን ንላዕሊ እትኸይድ ፍቕሪ ኣላቶም። ጥቕሚ ርእሶም ንኺስውኡ እትድርኾም ፍቕሪ የማዕብሉ እዮም።—ዮሃንስ 13:34, 35

ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣኽብሮት ምርኣይ

ሓያሎ ጉባኤታት እተፈላለየ ዕድመ: ዓሌት: ዜግነት: ባህሊ: ቋንቋ: ከምኡውን ማሕበራዊ ድሕረ-ባይታ ብዘለዎም ሰባት ዝቘማ እየን። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ብብሕቱ ዚፈትዎን ዚጸልኦን: ናይ ብሕቱ ተስፋን ፍርህን: ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ብብሕቱ ዚጾሮ ጾር ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ጥዕና ምስኣን ወይ ቍጠባዊ ጸገም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ በበይኑ ዝዓይነቱ ድሕረ-ባይታ ንክርስትያናዊ ሓድነት ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፍቕርና ንኸነግፍሕን ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ ሓድነት ንኺህልወናን ዚሕግዘና ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ምርኣይና: ነታ ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ንኸነዕምቝ ይሕግዘና እዩ።

ከመይ ጌርና ግን ኢና ንሓደ ሰብ ኣኽብሮት ከነርእዮ እንኽእል፧ ዜድልዮ ነገር ብምሕላይ: ዚግብኦ ኽብ ዝበለ ግምት ብምሃብ: ዋጋ ዘለዎ ምዃኑ ወይ ብሉጽ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ: ከምኡውን ብምምስጋን ኢና ነዚ ኽንገብሮ እንኽእል። ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ነኽብሮም እንተ ዄንና: ዜድልዮም ነገራት ንሓልየሎም: ክብ ኣቢልና ንርእዮም: ብሉጻት ምዃኖም ኣፍልጦ ንህቦም: ኣብ ኣምልኾ ምሳና ብምሕባሮም ከኣ ነመስግኖም ኢና። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ኣዝያ ትዓቢ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸሓፎ ነገር ኣሕጽር ኣቢልና ምምርማርና: ከመይ ጌርና ክርስትያናዊት ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ከም እነርኢ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።

ሰብ ቈረንቶስ ‘ጸበብቲ’ ነበሩ

ጳውሎስ ብ55 ድ.ክ. እዩ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈ: እታ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኸኣ ድሕሪ እታ ቐዳመይቲ ኣብ ውሽጢ ዓመት እዩ ጽሒፍዋ። ገለ ኣባላት እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣኽብሮት ይጐድሎም ምንባሩ: እቲ እተዛረቦ ሓሳባት ይሕብር እዩ። ጳውሎስ ነቲ ዅነታት በዚ ዚስዕብ ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ:- “ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ: ኣፍና ንኣኻትኩም ክፉት እዩ: ልብናውን ገፍሔ። ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር: ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ።” (2 ቈረንቶስ 6:11, 12) ጳውሎስ “ዝጸበኩም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ልቦም ጸቢብን ንፉግን እዩ ነይሩ ማለት እዩ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: እቲ ሰብ ቈረንቶስ ንጳውሎስ ዝነበሮም ፍቕሪ “መሰረት ብዘይብሉ ጥርጣረን . . . ክብሮም ብምትንካፉን ብእተፈጥረ ጸገማት ተዓጊቱ” ዝነበረ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ።

ጳውሎስ ዝሃቦም ምኽሪ እሞ ኣስተብህለሉ:- “ውሬታ ኽትመልሱ:—ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ አሎኹ:—ንስኻትኩምውን ልብኹም ኣግፍሑ” በሎም። (2 ቈረንቶስ 6:13) ንሰብ ቈረንቶስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዘለዎም ፍቕሪ ኼግፍሑ እዩ ኣተባቢዕዎም። እዚ ኸኣ ብጥርጣረን ብጢጥ ቅሚጥን ዘይኰነስ: ብኣወንታዊ ኣረኣእያን ብሰፊሕ ልብን ኪድረኹ ማለት እዩ።

ሎሚ ፍቕርና ምግፋሕ

ሎሚ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ፍቕሮም ንምግፋሕ ብዙሕ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ። ፍቕርና ምግፋሕ ጻዕሪ ዚሓትት ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ከመይሲ: እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምፍላጥ ጥራይ ኣይኰነን። ፍቕርና ምግፋሕ ኪበሃል ከሎ: ካብቶም ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይመላለሱ ሰባት እተፈልየ ጠባይ ኪህልወና ኣለዎ ማለት እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኻልኦት ኣኽብሮት የብሎምን። ግዲ ዘይብሎምን ነቓጻትን ሓጨጭትን እዮም። ንሕና ግን በዚ ኣረኣእያታት እዚ ኸይንጽሎ ኽንጥንቀቕ ይግባእ። ከምቲ ንሰብ ቈረንቶስ ዘጋጠሞም: ፍቕርና ብሰንኪ ጥርጣረ ኸይዓበየት እንተ ትተርፍ ኣዝዩ ዜሕዝን ምዀነ። ጕድለት ክርስትያን ሓውና ንምርኣይ ቅልጡፋት: ንብርታዐኡ ኣፍልጦ ንምሃብ ግን ድንጕያት እንተ ዄንና: ከምኡ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ካልእ ባህሊ ዘለዎ ብምዃኑ ልብና እነጽብበሉ እንተ ዄንና እውን: ፍቕርና ኽትደክም ትኽእል እያ።

ብኣንጻሩ ግን: ሓደ ፍቕሩ ዜግፍሕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ኣለዎ። ክብ ኣቢሉ ይርእዮም: ክብረቶም ይሕልወሎም: ዜድልዮም ዘበለ ድማ ይሓልየሎም። ዚነቕፈሉ ብቑዕ ምኽንያት እኳ እንተ ረኸበ: ይቕረ ንኺብልን ቂም ንኼወግድን ህንጡይ እዩ። ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ከም ዚዓዩ ይኣምኖም እዩ። ቀላይ ዝልቡ ምዃኑ: የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ብምባል ኪዛረብ ከሎ ዚሓስባ ዝነበረ ዓይነት ፍቕሪ ንኼርኢ ይሕግዞ።—ዮሃንስ 13:35

ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምግባር ተመጣጠር

ካብ ልቢ ዝነቐለት ፍቕሪ ኻብቶም ሒደት ኣዕሩኽና ሓሊፍና ምስቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብቐረባ ዘይንረኽቦም ሰባት ንኽንቀራረብ ተኽእለና። እዞም ሰባት እዚኣቶም መን ኪዀኑ ይኽእሉ፧ ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓፋራት እዮም: ወይ ከኣ ብኻልእ ምኽንያት ብዙሓት ፈተውቲ ኣይህልውዎምን ይዀኑ። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዘይካ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ምስዓብና: ካልእ ዜቀራርብ ብዙሕ መዳያት ከም ዘይብልና ንሓስብ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ እተፈላለየ ጥብቂ ዕርክነት: ኣብ መንጎ እቶም ብደጊኦም ኪረኣዩ ኸለዉ ሓባራዊ ነገር የብሎምን ዚበሃልዶ ኸይኰነ፧

ንኣብነት: ሩትን ናእሚን ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዚርከባ: እተፈላለየ ሃገራትን ባህልታትን ዘለወን: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እተፈላለየ ቛንቋ ኣደ ዘለወን እየን ነይረን። ይኹን እምበር: ምሕዝነተን ነዚ ዅሉ ፍልልያት ሰጊሩ እዩ። ዮናታን ከም ሓደ መስፍን ኰይኑ እዩ ዓብዩ: ዳዊት ግን ጓሳ ነበረ። ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ዕድመ ፍልልይ ሰፊሕ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ዕርክነቶም ካብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ኣዝዩ ጥብቂ ዕርክነታት ሓደ እዩ። እዚ ኽልቲኡ ዝጠቐስናዮ ዕርክነት እዚ: ነቶም ሰባት ምንጪ ሓጐስን መንፈሳዊ ደገፍን ኰይኑሎም እዩ።—ሩት 1:16፣ 4:15፣ 1 ሳሙኤል 18:3፣ 2 ሳሙኤል 1:26

ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ኣብ መንጎ ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ወይ ካብ እተፈላለየ ዅነታት ህይወት ዝመጹ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጥብቂ ዕርክነት ይምዕብል እዩ። ንኣብነት: ረጂና ንጽል ኣደ ኽልተ ንኣሽቱ መንእሰያት እያ። a ብስራሕ ትሕዝቲ ብምዃና: ንማሕበራዊ ርክብ ዚኸውን ብዙሕ ግዜ የብላን። ሃራልድን ኡተን ከኣ ጡረታ ዝወጹ ደቂ ዘይብሎም ሰብ ሓዳር እዮም። ብላዕሊ ላዕሊ ኽትርኢ ኸለኻ: እዘን ክልተ ስድራቤታት ብዙሕ ሓባራዊ ነገራት ዘይብለን እየን ዚመስላ። ኰይኑ ግን: ሃራልድን ኡተን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍቕሮም ንኼግፍሑ ዜተባብዕ ምኽሪ ዓየዩሉ። ምስ ረጂናን ደቃን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብሓባር ግዜ ብምሕላፍን ብሓባር ብምዝንጋዕን: ኣብ ሓያሎ ንጥፈታት ብሓባር ግዜ የሕልፉ እዮም።

ካብቶም ኣዘውቲርና እንቐርቦም ሒደት ኣዕሩኽና ወጻኢ ብምኻድ ፍቕርና ኸነግፍሕ ንኽእል ዲና፧ ካብ ካልእ ሃገር: ባህሊ: ወይ ክሊ ዕድመ ምስ ዝዀኑ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ናይ ቀረባ ርክብ ክንምስርት ንምንታይ ዘይንጽዕር፧

ንኻልኦት ዜድልዮም ምሕላይ

ሰፊሕ ልቢ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ንኽንሓሊ ይድርኸና እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ንኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤኻ እስከ ተዓዘቦም። ንኣሽቱ መምርሒ የድልዮም: ኣረጋውያን ምትብባዕ የደልዮም: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናእዳን ደገፍን የድልዮም: እተደቝሱ ክርስትያናት ብጾትና ኸኣ ሰማዒት እዝኒ ተድልዮም። ኵሉ ሰብ ዜድልዮ ነገራት ኣለዎ። ነዚ ዜድልዮም ነገራት ብእተኻእለና መጠን ክንሓልየሎም ንደሊ ኢና።

ፍቕርና ምግፋሕ ኪበሃል ከሎ: ነቶም ፍሉይ ቈላሕታ ዜድልዮም ንርድኣሎም ማለት እዩ። ሕዱር ሕማም ዘለዎ ወይ ኣብ ህይወቱ ኻልእ ፈተናታት ዜሕልፍ ዘሎ ሰብዶ ትፈልጥ፧ ፍቕርኻ ምግፋሕን ልብኻ ምርሓብን: ነቶም እተሸገሩ ሰባት ንኽትርድኣሎምን ንኽትድግፎምን ኪሕግዘካ እዩ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተፈጸመ: ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዚጸንሕ ድልዱል ማእሰር ሓድነት ካብ ዝዀነ ይኹን ንብረት: ክእለት: ወይ ዕማም ንላዕሊ ዋጋ ኺህልዎ እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:7, 8) ነፍሲ ወከፍና ፍቕርና ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብምግፋሕ: ነቲ ኣብ ጉባኤና ዘሎ ማእሰር ሓድነት ኣብ ምድልዳል ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ምስቲ የሱስ ክርስቶስ: “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ተሰማሚዕና ብምምልላስና: ኣቦኡ የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 15:12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብ ኣቢልና ኽንርእዮም: ክብረቶም ክንሕልወሎም: ዜድልዮም ዘበለ ድማ ክንሓልየሎም ኣሎና