ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ንምድላው እተገብረ ኣገዳሲ ስጕምቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ንምድላው እተገብረ ኣገዳሲ ስጕምቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ንምድላው እተገብረ ኣገዳሲ ስጕምቲ

ካብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጹ ቕኑዓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣፍሪቃውያን ንቓል ኣምላኽ ብቛንቋኦም ኬንብብዎ ኸም ዘለዎም ካብ ዚፈልጡ ነዊሕ ገይሮም እዮም። ነዚ ዚነኣድ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ድማ ብዙሓት ሰባት ቋንቋ ንኺመሃሩ ናብ ኣፍሪቃ መጹ። ገሊኦም ነቲ ብዘረባ ጥራይ ዚፍለጥ ዝነበረ ቛንቋታት ኣብ ጽሑፍ ከም ዚሰፍር ብምግባር መዝገበ-ቓላት ኣዳለዉ። ብድሕርዚ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ እተፈላለየ ቛንቋታት ኣፍሪቃ ኺትርጕምዎ ጀመሩ። እዚ ግን ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ዘ ካምብሪጅ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ነዚ ኽትገልጾ ኸላ: “ሓደ ሰብ ነታ ዝቐለለት ከምኡውን መሰረታዊት ክርስትያናዊት ኣምር እትኸውን ቅንዕቲ ቓል ቅድሚ ምርካቡ: ንሓያሎ ዓመታት ኬናዲ የድልዮ ይኸውን” በለት።

ብ1857 ህዝቢ ስዋና ኻብቲ ቐደም ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈረ ቛንቋታት ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ብምዃን ምሉእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ረኸበ። a እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሓደ መጽሓፍ ኰይኑ ዘይኰነስ: ብኽፋላት እዩ ተሓቲሙን ተጠሪዙን። ድሕሪ ግዜ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ኣፍሪቃ ተተርጒሙ እዩ። መብዛሕትኡ እዚ ኣቐዲሙ ዝነበረ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍሪቃ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ማለት ኣብ “ብሉይ ኪዳን” ከምኡውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ማለት ኣብ “ሓድሽ ኪዳን” ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ይጠቅስ እዩ። ይኹን እምበር: እቲ እተመሓየሸ ኸምኡውን ሓደስቲ ትርጕም: ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣኽብሮት ብዘይብሎም ሰባት እተዳለወ ነበረ። ነቲ ማሪታዊ ባህሊ ኣይሁድ ብምስዓብ ድማ ነቲ መለኮታዊ ስም: ብኸም ኣምላኽ: እግዚኣብሄር: ወይ ጐይታ ዚብል መዓርጋት ተክእዎ። ስለዚ: እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ኣፍቀርቲ ኣምላኽ ነቲ መለኮታዊ ስም ናብ ቦታኡ ዚመልስ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ የድልዮም እዩ።

ካብ 1980 ኣትሒዙ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሓያሎ ዓበይቲ ቛንቋታት ኣፍሪቃ ንኺትርጕም ጽዑቕ ጻዕሪ ገይሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሎሚ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ ኣፍሪቃ ዚነብሩ ኣፍቀርቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ኣዲኦም ኬንብብዎ ይኽእሉ እዮም። ክሳዕ ሕጂ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብ17 ኣፍሪቃዊ ቛንቋታት ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ኪርከብ ይከኣል እዩ።

እቶም ነዚ ብቛንቋታት ኣፍሪቃ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀሙ ኣንበብቲ: ነቲ የሆዋ ዚብል ዜደንቕ ስም ኣምላኽ ዜጕልሕ ትርጕም ብምርካቦም ተሓጒሶም እዮም። ንኣብነት: የሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቲ ንስም ኣቦኡ ዚጠቅስ ኣብ ጥቕላል ኢሳይያስ ዚርከብ እተወሰነ ኽፋል ኣንበበ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ከምቲ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተጠቒሱ ዘሎ: የሱስ ከምዚ በለ:- “የሆዋ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ: መንፈሱ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ምምላስ: ንዕዉራት ምርኣይ: ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ: ቅብልቲ ዓመት የሆዋ እውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።”—ሉቃስ 4:18, 19

ኣብ ነሓሰ 2005 መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ኣፍሪቃ ኣብ ምድላው ካልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ ተገብረ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ: ልዕሊ 76,000 ዚኸውን ኣብ ኣፍሪቃ ብዚዝረብ ቋንቋታት እተዳለወ ቕዳሕ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ተሓትመን ተጠረዘን። ኣብ መንጎ እዚ ድማ እቲ 30,000 ዚኸውን ብቛንቋ ሾና እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ነበረ። እዚ ሕታም እዚ ኣብቲ ኣብ ዚምባብወ እተገብረ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወጸ።

ኣብዛ ዘይትርሳዕ ወርሒ እዚኣ: ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ በጻሕቲ: ብቛንቋታት ኣፍሪቃ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዳሎ ኸሎ ብምርኣዮም ተመሲጦም እዮም። ሓደ ኣብ ምጥራዝ ዚዓዪ ንህላንህላ ዝስሙ ኣባል ስድራ ቤትኤል ደቡብ ኣፍሪቃ: “ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ሾና ይኹን ብኻልእ ቋንቋ ኣፍሪቃ ኣብ ምድላው ብምክፋለይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ” በለ። ብርግጽ ድማ እዚ ርእይቶ እዚ ንስምዒት ኵሎም ስድራ ቤትኤል ደቡብ ኣፍሪቃ ዚገልጽ እዩ።

እዚ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኻብቲ ስግር ባሕሪ ተሓቲሙ ዚመጽእ ዝነበረ ብዝቐልጠፈን ብዝሓሰረን መገዲ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኣፍሪቃ ይኣቱ ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ ግን: ኣፍሪቃውያን ንስም እቲ ዓብዪ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዚጥቀም ቅኑዕ ትርጕም ብቐሊሉ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1835 መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ቛንቋ ማዳጋስካር ዝዀነ ማላጋሲ ተተርጐመ: ብ1840 እውን በቲ ቛንቋ ኢትዮጵያ ዝዀነ ኣምሓርኛ ተተርጒሙ እዩ። እዚ ቛንቋታት እዚ: ቅድሚ መጽሓፍ ቅዱስ ምትርጓሙ ድሮ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቛንቋ እዩ ነይሩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ብ1840 እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ስዋና

[ምንጪ ስእሊ]

Harold Strange Library of African Studies

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ስዋዚላንድ ዝመጹ በጻሕቲ: ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዳሎ ኸሎ እናረኣዩ