ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎም ክቡር ግደ

ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎም ክቡር ግደ

ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎም ክቡር ግደ

የሆዋ ኣምላኽ ቅድም ንኣዳም ደሓር ንሄዋን ፈጠረ። ሄዋን ቅድሚ ምፍጣራ: ኣዳም ብዛዕባ ህይወት ተመክሮ ነበሮ። ኣብቲ እዋን እቲ: የሆዋ መምርሒ ሂብዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 2:15-20) ከም ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ብምግልጋል ድማ ነዚ መምርሒ እዚ ንሰበይቱ ኺነግራ ነበሮ። እምበኣር: ኣብቲ ምስ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ነገራት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ንሱ እዩ።

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ስርዓት ምስዚ ዚመሳሰል ስለ ዝነበረ: ነዚ ብምምርማር ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ: ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ: ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር [‘ስቕ ክትብል:’ ትርጕም 1990] ደኣ እምበር: . . . ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ: ኣይፈቅድን እየ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 2:12, 13) እዚ ግን ሰበይቲ ኣብ ኣኼባታት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምሉእ ብምሉእ ክትዛረብ የብላን ማለት ኣይኰነን። ስቕ ትበል ኪበሃል ከሎ: ምስቲ ሰብኣይ ኣይትከራኸርን እያ ማለት እዩ። ነቲ እተዋህቦ ቦታ ኣይተነኣእስን ወይ ነታ ጉባኤ ኽትምህር ኣይትፍትንን እያ። ንጉባኤ ናይ ምስትንባርን ናይ ምምሃርን ሓላፍነት ንሰብኣይ እዩ ተዋሂብዎ: ሰበይቲ ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብእተፈላለየ መገዲ ብምክፋል ኣበርክቶ ትገብር።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ኣምላኻዊ ስርዓት ዘለዎም ግደ ንኼረድእ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር: ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን . . . ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት: ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ: ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ: ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ [ማለት ክልቲኦም በብርእሶም ኪኸዱ ኣይክእሉን እዮም]: ኵሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 11:8-12

ሰበይቲ ዘለዋ ኽቡር ሓላፍነት

ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ኣንስቲ ብዙሕ ሓላፍነት ነበረን፣ ብተበግሶአን ናይ ምዕያይ ናጽነት እውን ነይርወን እዩ። ንኣብነት: ምሳሌ 31:10-31 ብዛዕባ እታ ብሉጽ ዓለባ ብምግዛእ ንስድራቤታ ዝበለጸ ኽዳን እትሰርሓሎም “ደገኛ ሰበይቲ” እያ እትዛረብ። አረ “ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ” እያ! (ቍጽሪ 13, 21-24) እዛ በላሕ ሰበይቲ እዚኣ ልክዕ “ከም መርከብ ነጋዶ” ብሉጽ ምግቢ ትሓሪ: ነዚ ኸኣ ዋላ ኻብ ርሑቕ ቦታ እውን እንተ ዀነ ተምጽኦ። (ቍጽሪ 14) “ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ:” ከምኡውን “ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል።” (ቍጽሪ 16) “ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ” ስለ ዝዀነ ኸኣ ዕዮኣ መኽሰብ ኣለዎ። (ቍጽሪ 18) እዛ ንየሆዋ እትፈርህ ጻዕረኛ ሰበይቲ እዚኣ “ንብረት ቤታ ትሕሉ” ኣብ ርእሲ ምዃና: ብዘይ ስስዐ ንኻልኦት ሰባት ትሕግዞም። (ቍጽሪ 20, 27) ናእዳ እንተ ተዋህባ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ቍጽሪ 31

እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦ ሕጊ: ሓንቲ ሰበይቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽትዓቢ ኣጋጣሚ ዚህብ እዩ ነይሩ። ንኣብነት: ኣብ እያሱ 8:35 ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ካብቲ ሙሴ ዝአዘዞ ዅሉ: እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘየንበቦ ቓል ኣይነበረን።” ነቲ ኻህን ዝነበረ እዝራ ብዚምልከት ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ብሳብዐይቲ ወርሒ: ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኸኣ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ኪሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኵላቶምን: ነቲ ሕጊ ኣምጽኦ። ካብ ዚበርህ ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ: ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ዀይኑ: ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ ዅላቶምን ኰይኑ ኣንበቦ። ኣእዛን ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንመጽሓፍ ሕጊ ኺሰምዕ ጽን ይብል ነበረ።” (ነህምያ 8:2, 3) ኣንስቲ ኻብ ከምዚ ዝበለ ንባብ እቲ ሕጊ ጥቕሚ ይረኽባ ነበራ። ሃይማኖታዊ በዓላት እውን የብዕላ ነይረን እየን። (ዘዳግም 12:12, 18፣ 16:11, 14) ልዕሊ ዅሉ ግን ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ኪህልዋን ብውልቃ ናብኡ ኽትጽልን ትኽእል ነበረት።—1 ሳሙኤል 1:10

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ንኣምላኽ ዚፈርሃ ዝነበራ ኣንስቲ ንየሱስ ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ረኺበን ነበራ። (ሉቃስ 8:1-3) የሱስ ናብ ቢታንያ ድራር ተዓዲሙ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ሓንቲ ሰበይቲ ንርእሱን ንኣእጋሩን ብቕብኢ ለኸየቶ። (ማቴዎስ 26:6-13፣ ዮሃንስ 12:1-7) ኣብ መንጎ እቶም የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ እተራእዮም ሰባት: ኣንስቲ እውን ነይረን እየን። (ማቴዎስ 28:1-20፣ ዮሃንስ 20:1-31) ኣብ መንጎ እቶም የሱስ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ብሓደ እተኣከቡ 120 ዝዀኑ ሰባት: “ሓያሎ ኣንስትን . . . ማርያም ኣደ የሱስን” እውን ኣብኡ ነይረን እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 1:3-15) ኣብቲ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረ ደርቢ ኸለዉ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ብተኣምራት እተፈላለየ ቛንቋታት ኪዛረቡ ዝኸኣሉሉ እዋን: ብዙሓት ካብተን ኣንስቲ ወይ ኵላተን ኣብኡ ምንባረን ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-12

እቲ ኣብ ዮኤል 2:28, 29 ዘሎ ትንቢት ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን እዩ ተፈጸሙ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኻብኡ ብምጥቃስ ከምዚ በለ:- “[ኣነ የሆዋ] ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ: ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ . . . በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:13-18) ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ንእተወሰነ እዋን: ክርስትያን ኣንስቲ ውህበት መንፈስ ነበረን። ብናይ ወጻኢ ቛንቋታት ኪዛረባን ኪንበያን ይኽእላ ነበራ፣ እዚ ግን ናይ ግድን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚኸውን ነገራት ይዛረባ ነይረን ማለት ዘይኰነስ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እየን ዚነግራ ነይረን።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዚነብሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ: “ንፌቤን ሓብትና” ኪቕበልዋ ብውዕዉዕ ስምዒት ነገሮም። ነተን ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ዝስመን ኣሓት እውን “ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ” ብምባል ጠቒስወን ኣሎ። (ሮሜ 16:1, 2, 12) እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቦታ ሽመት እኳ እንተ ዘይነበረን: ንሳተንን ካልኦት ኣንስትን ግን ምስቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ንኺሓብራ ኣምላኽ መሪጽወን እዩ።—ሮሜ 8:16, 17፣ ገላትያ 3:28, 29

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ንኣምላኽ ዚፈርሃ ኣንስቲ እውን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ዘለወን! መዝሙር 68:11 “እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ: እተን ሓጐስ ዜበስራ [ኣንስቲ] ዓብዪ ጭፍራ እየን” ትብል። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ኺንኣዳ ይግብአን እዩ። ንኣብነት: እቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ዚመርሓሉ ኽእለት ዝመልኦ ኣመሃህራ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ናይ ሓቂ ትምህርቲ ኸም ዚቕበሉ ይገብሮም ኣሎ። እተን ንውሉዳተን ኣመንቲ ንኪዀኑ ዚሕግዛ ኸምኡውን እተን ነቶም ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ሓላፍነታት ዘለዎም ሰብኡተን ዚሕግዛ ሰብ ሓዳር ዝዀና ክርስትያናት ኣንስቲ ናእዳ ይግብአን እዩ። (ምሳሌ 31:10-12, 28) እተን ንጽል ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ክቡር ቦታ እዩ ዘለወን: ክርስትያን ሰብኡት ድማ ‘ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት: ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ገይሮም ብዅሉ ንጽህና ንኺምዕድወን’ ተነጊርዎም ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2

ሰብኣይ ዘለዎ እተፈላለየ ሓላፍነት

ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ: ኣምላኽ ዝሃቦ ግደ ኣለዎ፣ ነዚ ንኼማልኦ ድማ ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። ጳውሎስ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ” ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ስለዚ: ሰብኣይ እውን እንተ ዀነ ርእሲ ኣለዎ፣ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ። ብርግጽ እምበኣር: ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ: ብዓብዪኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንርእስነቱ ብፍቕራዊ መገዲ ንኺጥቀመሉ እዩ ትጽቢት ዚገብረሉ። (ኤፌሶን 5:25) እዚ ደቅሰብ ካብ ዚፍጠሩ ኣትሒዙ ዝነበረ ነገር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: ኣምላኽ ምስቲ ሰብኣይ ዘለዎ ናይ ርእስነት ደረጃ ብምስምማዕ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንኖህ ካብቲ ማይ ኣይሂ ብህይወት ንኺድሕን እትሕግዞ መርከብ ንኺሃንጽ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 6:9-7:24) ኣብርሃም እውን ዓሌታትን ህዝብታትን ምድሪ ብዘርኡ ኣቢሎም ከም ዚባረኹ መብጽዓ ተኣትይሉ ነይሩ እዩ። እቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ዘፍጥረት 12:3፣ 22:18፣ ገላትያ 3:8-16) ኣምላኽ ንሙሴ: ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንኼውጽኦም ሸሞ። (ዘጸኣት 3:9, 10, 12, 18) የሆዋ ነቲ ሕጊ ኺዳን ወይ ነቲ ሕጊ ሙሴ ዚበሃል ሕግታት ብሙሴ ኣቢሉ እዩ ሂብዎም። (ዘጸኣት 24:1-18) ኵሎም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሰብኡት እዮም ነይሮም።

የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምዃኑ: “ውህበት ሰብኡት” ሃበ። (ኤፌሶን 1:22፣ 4:7-13 NW) ጳውሎስ ንብቕዓታት ሓለውቲ ኺዝርዝር ከሎ: ንሰብኡት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ስለዚ: ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሰብኡት ብዝዀኑ ሓለውቲ ወይ ሽማግለታት ከምኡውን ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ብእተሸሙ ሰብኡት እየን ዚግልገላ። (ፊልጲ 1:1, 2፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:8-10, 12) ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰብኡት ጥራይ እዮም ከም ጓሶት ኰይኖም ዜገልግሉ። (1 ጴጥሮስ 5:1-4) ይኹን እምበር: ኣቐዲሙ ኸም እተገለጸ: ኣንስቲ እውን ኣምላኽ ዝሃበን ዜደንቕ ሓላፍነት ኣለወን።

በቲ ዘለዎም ግደ ሕጉሳት እዮም

ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ግደ እንተ ኣማሊኦም ሕጉሳት ይዀኑ እዮም። ነቲ ክርስቶስን ጉባኤኡን ዝሓደግዎ ኣብነት እንተ ቐዲሖምዎ ድማ ሕጉስ ሓዳር ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ። . . . ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ።” (ኤፌሶን 5:25-33) ስለዚ: ሰብኡት ንርእስነቶም ስስዐ ብዝመልኦ መገዲ ዘይኰነስ: ብፍቕራዊ መገዲ ንኺጥቀሙሉ ተኣዚዞም ኣለዉ። ሓቂ እዩ: እታ ናይ ክርስቶስ ጉባኤ ብፍጹማት ሰባት ዝቘመት ኣይኰነትን። ኰይኑ ግን: የሱስ የፍቅራን ይሓልየላን እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ኼፍቅራን ኪሓልየላን ኣለዎ።

ክርስትያን ሰበይቲ እውን ‘ንሰብኣያ ኸተኽብሮ’ ኣለዋ። (ኤፌሶን 5:33 ትርጕም 1990) በዚ መዳይ እዚ: ንሳ እውን ነታ ጉባኤ ኸም ኣብነት ክትርእያ ትኽእል እያ። ኤፌሶን 5:21-24 ከምዚ ትብል:- “ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ: ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ: ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተአዘዛኦም።” ሓድሓደ ግዜ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸተኽብሮ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ግን “ንጐይታ ዚግባእ” እዩ። (ቈሎሴ 3:18) ከምዚ ምግባር ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባህ ከም ዜብሎ እንተ ዘኪራ: ንሰብኣያ ኽትእዘዞ ቐሊል ይዀነላ።

ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ዋላ ሰብኣያ ኸምቲ ናታ እምነት ኣይሃልዎ: ንርእስነቱ ኽትእዘዝ ኣለዋ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።” (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) እታ ንሰብኣያ ኣብርሃም እትእዘዝ ዝነበረት ሳራ: ንይስሃቅ ናይ ምውላድን እኖሓጎ የሱስ ክርስቶስ ናይ ምዃንን ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸበት። (እብራውያን 11:11, 12፣ 1 ጴጥሮስ 3:5, 6) ከምቲ ሳራ ዘርኣየቶ ዓይነት ኣካይዳ ዜርእያ ኣንስቲ ዓስበን ካብ ኣምላኽ ከም ዚረኽባ ርግጽ እዩ።

ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ግደ እንተ ኣማሊኦምዎ: ሰላምን ስኒትን ይህሉ። እዚ ኸኣ ዕጉባትን ሕጉሳትን ከም ዚዀኑ ይገብሮም። ኣብ ርእሲኡ እውን ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ተሰማሚዖም ብምንባሮም: ክልቲኦም ክብረት ይረኽቡ፣ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ድማ ሓለፍ ዝበለ ቦታ ይህልዎም።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበን ግደ እንታይ ይስምዐን፧

ሱዛን ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ሰብኣየይ ንርእስነቱ ብፍቕራውን ሓልዮት ብዝመልኦ መገድን እዩ ዚጥቀመሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ እንገብሮ ውሳነታት ንመያየጠሉ ኢና: ውሳነ ኺገብር ከሎ ድማ ንጥቕምና ኢሉ ኸም ዝዀነ እፈልጥ እየ። የሆዋ ንክርስትያን ኣንስቲ ዝገበሮ ስርዓት የሐጕሰኒ እዩ: ንሓዳርና እውን ድልዱል ገይርዎ እዩ። ምስ ሰብኣየይ ንቀራረብ ኢና: ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታትና ንምብጻሕ ድማ ብሓደ ዄንና ንዓዪ።”

ሚንዲ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ብምባል ርእይቶኣ ገለጸት:- “እቲ የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ኣገልግልቱ ዝመደበለን ግደ: ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። ንሰብኣየይ ምኽባረይ ከምኡውን ኣብ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታቱ ምድጋፈይ: ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ስርዓት ሞሳ ኸም ዘሎኒ ዘርእየሉ መገዲ ገይረ እየ ዝርእዮ።”

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ምስቲ ሰብኣይ ዘለዎ ናይ ርእስነት ቦታ ብምስምማዕ: ንኖህን ንኣብርሃምን ንሙሴን እተፈላለየ ሓላፍነት ሃቦም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን”