ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባብዐ

ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባብዐ

ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባብዐ

ሓደ ነብዪ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ሰብኣዊ ንጉስ ኪገብረሎም ምስ ሓተትዎ ገሰጾም: ንኣምላኽ ኪእዘዙ ድማ ተላበዎም። ስልጣን ከም ዘለዎ ንምርኣይ ከኣ ንየሆዋ ብመልክዕ ነጕድን ዝናምን ገይሩ ትእምርቲ ንኺገብር ሓተቶ። ኣብቲ እዋን እቲ: ማለት ኣብ እዋን ዓጺድ ስርናይ ከምዚ ዝበለ ሓያል ዝናም ዳርጋ ኣየጋጥምን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነጕድን ዝናምን ገበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም ህዝቢ ንየሆዋን ነቲ ወኪሉ ዝነበረ ሳሙኤልን ፈርህዎም።—1 ሳሙኤል 12:11-19

ነብዪ ሳሙኤል: ጸሓፊ እውን እዩ ነይሩ። እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ጅግንነታዊ ተግባራት ፈረድቲ እስራኤል እውን ዘጠቓለለ ዜደንቕ ጸብጻብ: ናይ 330 ዓመት ታሪኽ ዚሽፍን እዩ። ንኣብነት: ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ዝሓየለ ሰብኣይ ዝነበረ ሲምሶን: ኣብ ግጥሚ: ኦፐራ: ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ስርሓት መድረኽን ፊልምን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። (መሳፍንቲ ምዕራፍ 13-16) ሳሙኤል ብዛዕባ እተን መበለታትን ስኡናትን ዝነበራ ሩትን ሓማታ ናእሚን እውን ጽሒፉ እዩ። እዚ ዜሐጕስ መዛዘሚ ዘለዎ ታሪኽ እውን እንተ ዀነ ዚስሕብ እዩ።—ሩት ምዕራፍ 1-4

ካብቲ ሳሙኤል ዝጸሓፎ ነገራትን ካብ ታሪኽ ህይወቱን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘተባብዐ ብኸመይ እዩ፧

ግዜ ንእስነቱ

እቲ ኣቦ ሳሙኤል ዝነበረ ኤልቃና ንየሆዋ ዜምልኽ ፈቃር ሰብኣይ እዩ ነይሩ። እታ ሰበይቱ ዝነበረት ሃና እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልድልቲ ሰበይቲ እያ ነይራ። ሃና መኻን ስለ ዝነበረት: ኣብታ ኣብ ሺሎ ዝነበረት ቤት የሆዋ ኸይዳ ኸምዚ ኢላ ኣምሪራ ጸለየትን ተመባጽዐትን:- “ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ: ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ: ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ: ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ: ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን።” (1 ሳሙኤል 1:1-11) ሃና ኸምዚ ኽትብል ከላ እቲ ቘልዓ ንኣገልግሎት የሆዋ እተወፈየ ኪኸውን እዩ ማለታ እዩ።

ሃና ብልባ እያ ትጽሊ ነይራ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: “ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ።” እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ዝሰኸረት ስለ ዝመሰሎ ገንሓ። ይኹን እምበር: ሃና ነቲ ዅነታት ብኣኽብሮት ገለጸትሉ፣ ኤሊ ድማ “ብሰላም ኪዲ: ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” በላ። ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ኸኣ የሆዋ ንልማኖኣ ሂብዋ እዩ፣ ከመይሲ: እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ: “መዓልትታት ምስ ሐለፋ: ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ: ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ: ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ” ይብል።—1 ሳሙኤል 1:12-20

ሳሙኤል “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” እዩ ዓብዩ። (ኤፌሶን 6:4) ጡብ ምስ ሓደገ ኸኣ ሃና ናብቲ ኣብ ሺሎ ዚርከብ ቤት ኣምላኽ ወሲዳ ኣብ ቅድሚ ሊቀ ኻህናት ኤሊ ኣቕረበቶ። ኣብ ትሕቲ ኤሊ ዀይኑ ድማ “ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።” እቲ ሃና እተሰምዓ ዓሚቝ ሓጐስ ኣብቲ ደሓር ሳሙኤል ባዕሉ ዝመዝገቦ ምስጋና ዝመልኦ ቓላታ ተገሊጹ ኣሎ።—1 ሳሙኤል 2:1-11

ወላዲ እንተ ዄንካ: ውሉዳትካ ንኣገልግሎት የሆዋ ኸም ሞያኦም ኪገብርዎ ተተባብዖምዶ ኣለኻ፧ ሓደ ሰብ ንጕልበቱ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምትብባዕ እንተ ኣውዒልዎ: ብዝበለጸ መገዲ እዩ ተጠቒሙሉ ማለት እዩ።

ሳሙኤል ምስቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ህይወት ተላመደ። “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየ:” “ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ።” ብኻልኦት ተፈታዊ ዚገብሮ ኣምላኻዊ ባህርያት ከኣ የርኢ ነበረ።—1 ሳሙኤል 2:21, 26

እቶም ዘይረብሑ ዝነበሩ ሆፍንን ፊንሃስን ዝስሞም ደቂ ኤሊ ግን ከምዚ ኣይነበሩን: “ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን።” ጾታዊ ርኽሰት ይፍጽሙ ኸምኡውን ካብቲ እቶም ህዝቢ ናብቲ ቤተ መቕደስ ዜምጽእዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ዘዝበለጸ ይወስዱ ነበሩ። የሆዋ መቕጻዕቲ ኸም ዜውርደሎም ዚነግሮ ነብዪ ድሮ ንኤሊ ልኢኹሉ ነበረ: እዚ ኸኣ ሞት ክልቲኦም ውሉዳቱ ዜጠቓልል ነበረ። (1 ሳሙኤል 2:12, 15-17, 22-25, 27, 30-34) ኰይኑ ግን ካልእ መልእኽቲ ፍርዲ ንምንጋር እውን ንሳሙኤል ተጠቕመሉ።

ሳሙኤል ነብዪ ዀይኑ የገልግል

ኣምላኽ ንሳሙኤል: “[ኤሊ] እቶም ደቁ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ: ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ: ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ” ንገሮ በሎ። ኣዝዩ ኸቢድ መልእኽቲ እኳ እንተ ነበረ: ኤሊ ግን ንሳሙኤል ገለ ኸይሓብአ ኺነግሮ ኣጽኒዑ ሓተቶ። ሳሙኤል ድማ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ነገሮ። ብሓቂ ትብዓት ዚሓትት እዩ ነይሩ!—1 ሳሙኤል 3:10-18

ሳሙኤል እናዓበየ ምስ ከደ: ኵላ እስራኤል ነብዪ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠት። (1 ሳሙኤል 3:19, 20) እቲ ሳሙኤል ኣቐዲሙ እተነበዮ ፍርዲ: ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤላውያን ዓብዪ ስዕረት ምስ ኣውረዱሎም ጀመረ። ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ኣብቲ ውግእ ሞቱ: ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን የሆዋ ማረኽዎ። ኤሊ ደቁ ኸም ዝሞቱን እቲ ታቦት ድማ ከም እተማረኸን ምስ ፈለጠ: ካብ መንበሩ ንድሕሪት ገጹ ወደቐ: ክሳዱ ተሰቢሩ ኸኣ ሞተ።—1 ሳሙኤል 4:1-18

ድሕርዚ: ድሕሪ ዕስራ ዓመት ሳሙኤል ንእስራኤላውያን ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኺርሕቁ ኣተባብዖም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ጣኦታቶም ብምጥፋእን ብጾምን ንሓጢኣቶም ብምንዛዝን ነዚ ምላሽ ሃቡሉ። ሳሙኤል ጸለየሎም: ኣብ ክንዳኦም ድማ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ፍልስጥኤማውያን ምስ ወረርዎም: ኣምላኽ ነቶም ፍልስጥኤማውያን ሕንፍሽፍሽ ኣእተወሎም፣ እስራኤላውያን ድማ ነቶም ጸላእቶም ሰዓርዎም። ኵነታት እስራኤላውያን: በረኸት የሆዋ ስለ እተወሰኾ እናተመሓየሸ ኸደ፣ ነቲ ፍልስጥኤማውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ዓድታት ከኣ መለስዎ።—1 ሳሙኤል 7:3-14

ሳሙኤል ብርግጽ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባቢዑ እዩ። ንኣብነት: ንገለ ኻብቲ ብውግእ እተረኽበ ምርኮ ንምጽጋን እቲ ማሕደር ከም ዚውዕል ገበረ። በዓል ፋስጋን ኣገልግሎት ሓለውቲ ደገ ዝዀኑ ሌዋውያንን ኣብ ምውዳብ እውን ሓጊዙ እዩ። (1 ዜና መዋእል 9:22፣ 26:27, 28፣ 2 ዜና መዋእል 35:18) ካብቲ ኣብ ራማ ዚርከብ መንበሪኡ በብዓመቱ ንኺፈርድ ኢሉ ናብ እተፈላለያ ኸተማታት ይኸይድ ነበረ። ሓቀኛን ዘየዳሉን ዚብል ስም ድማ እዩ ነይርዎ። እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል የኽብርዎ ስለ ዝነበሩ: ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዞም ክኢሉ እዩ። (1 ሳሙኤል 7:15-17፣ 9:6-14፣ 12:2-5) ሓቀኛነቱን መንፈሳውነቱን ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብነቱ ንኺስዕቡ ኸም ዝደረኾም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ህይወት ሳሙኤል ኣባኻ ኸምዚ ዝበለ ጽልዋ ድዩ ዘለዎ፧

እስራኤላውያን ንጉስ ደለዩ

ሳሙኤል ምስ ኣረገ: ነቶም ዮኤልን ኣቢያን ዝስሞም ደቁ ፈረድቲ ገይሩ ሸሞም። ንሳቶም ግን “ብመገዱ ኣይከዱን: ናብ ስስዔ ደኣ ኣበሉ: መማለዲ ተቐቢሎም ድማ ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።” እቲ ኸምዚ ዝበለ ኣካይዳኦም ከኣ ዓበይቲ እስራኤል ንጉስ ኪግበረሎም ከም ዚሓቱ ገበሮም። (1 ሳሙኤል 8:1-5) እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ክፉእ ኰይኑ ተራእዮ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እዚ ምስ ጸለየ: የሆዋ “ኣነ ኸይነግሶም: ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር: ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ” በሎ። (1 ሳሙኤል 8:6, 7) ኣምላኽ ንሳሙኤል ድሌት እቲ ህዝቢ ኼማልእ ነገሮ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ዚዀኑሉ እዋን: እቲ ዝነበሮም ናጽነት ብእተወሰነ ኸም ዚስእኑ ኣጠንቀቖም። እቶም ህዝቢ በዚ ምስ ጸንዑ ግን የሆዋ: ሳሙኤል ንሳኦል ንጉስ ኪኸውን ኪቐብኦ መሰናድዎ ገበረሉ።—1 ሳሙኤል 8:6-22፣ 9:15-17፣ 10:1

ሳሙኤል ብዛዕባ እዚ ስርዓት እዚ እኳ እንተ ተጠራጠረ: ደገፉ ግን ሃበ። እስራኤላውያን ንዓሞናውያን ስዒሮም ምስ መጹ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ኣብ ጊልጋል ኣከቦም: ሳኦል ንጉስ ከም ዝዀነ ድማ ኣረጋገጸሎም። (1 ሳሙኤል 10:17-27፣ 11:11-15) ሳሙኤል ንእስራኤላውያን ነቲ ሕሉፍ ታሪኾም ኣዘኻኸሮም: ነቲ ንጉስን ነቶም ህዝብን ድማ ንየሆዋ ኺእዘዝዎ ተላበዎም። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ: ኣምላኽ ንጸሎት ሳሙኤል ብምስማዕ ኣብ ዘይእዋኑ ነጕድን ዝናምን ገበረ። እዚ ድማ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ብምንጻግ ንዝገበርዎ ጌጋ ኸም ዚእመኑ ገበሮም። ሳሙኤል ንኺጽልየሎም ምስ ሓተትዎ: “ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እባ ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር: ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ” በሎም። ንየሆዋን ነቶም ህዝብን ዘለዎ ሳህሊ ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ኣብነት ኰን እዩ! (1 ሳሙኤል 12:6-24) ንስኻኸ ነቲ ቲኦክራስያዊ ስርዓት ንምድጋፍን ኣብ ክንዲ ኣመንቲ ብጾትካ ንምጽላይን ፍቓደኛ ዲኻ፧

ቀዳሞት ክልተ ሰብኣውያን ነገስታት እስራኤል

ሳኦል ስምረት ኣምላኽ ዝረኸበ ትሑት ሰብኣይ ነበረ። (1 ሳሙኤል 9:21፣ 11:6) ድሕሪ ግዜ ግን ኣምላኻዊ መምርሒ ሸለል ኪብል ጀመረ። ንኣብነት: ኣብ ክንዲ ነቲ እተዋህቦ ትእዛዝ ብምሕላዉ ብዓቕሊ ዚጽበ: ብታህዋኽ መስዋእቲ ብምቕራቡ ሳሙኤል ገሰጾ። (1 ሳሙኤል 13:10-14) ነቲ ኣማሌቃዊ ዝነበረ ንጉስ ኣጋግ ብህይወት ምስ ሓደጎ እውን ሳሙኤል “እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ: ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ” በሎ። ሳሙኤል ባዕሉ ንኣጋግ ቀተሎ: ብዛዕባ ሳኦል ከኣ ይሓዝን ነበረ።—1 ሳሙኤል 15:1-35

ብድሕርዚ የሆዋ ንሳሙኤል: “ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ: ንስኻ ኽሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እትጕህየሉ፧” በሎ። ንሳሙኤል ናብ ቤት-ልሄም ንኪኸይድ ብምልኣኽ ከኣ ንሓደ ኻብቶም ደቂ እሰይ ንጉስ ኪኸውን ኪቐብኦ ነገሮ። የሆዋ ነቲ ሕሳስ ልደ ዝነበረ ዳዊት ክሳዕ ዚሓርዮ: ሳሙኤል ካብ ደቂ እሰይ ኣየናይ ንጉስ ከም ዚኸውን ንምፍላጥ በብሓደ ብቕድሚኡ ኣሕለፎም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሓንቲ ዓባይ ትምህርቲ ተማህረ:- “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:1-13

ሳኦል ዜርእዮ ዝነበረ ዘይምእዛዝ ንሳሙኤል የጕህዮ ነበረ: ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ንዳዊት ኪቐትሎ ይሓስብ ከም ዘሎ ምስ ፈለጠ ብዝያዳ ሓዚኑ ኪኸውን ኣለዎ! እዚ ዅሉ ፈተና እናሃለወ ኽነሱ: ሳሙኤል ኣብ ግዜ እርጋኑ ንጡፍ ኰይኑ የገልግልን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከኣሎ ይገብርን ነበረ።—1 ሳሙኤል 19:18-20

ውርሻ ሳሙኤል

ሳሙኤል ምስ ሞተ: እስራኤላውያን ነዚ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዝተንከፈ ትሑትን ተባዕን ነብዪ ሓዚኖምሉ እዮም። (1 ሳሙኤል 25:1) ሳሙኤል ፍጹም ሰብ ኣይነበረን: ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ፍርዲ ይጋገ ነይሩ እዩ። ዓቕሙ ድሩት ክነሱ ግን: ንየሆዋ ንበይኑ ጥራይ እዩ ውፉይ ነይሩ፣ ካልኦት ከምዚ ኺገብሩ ንምሕጋዝ ድማ ብዘይምሕላል ይዓዪ ነበረ።

ካብቲ ሳሙኤል ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ብዙሕ ነገራት ተቐይሩ እዩ: እቲ ብዛዕባ ህይወቱ ዚገልጽ ጸብጻብ ግን ንዓና ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉን ኣተባቢዑን እዩ። ንስኻኸ ኸምዚ ዲኻ ትገብር ዘለኻ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]

ንህይወት ሳሙኤል ኣስተንትነሉ

• ከምቲ እቶም ንሳሙኤል ወለዱ ዝነበሩ ቓል ኣምላኽ ዝመሃርዎ: ንስኻ ኸኣ ንውሉዳትካ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኣዕብዮም።—ኤፌሶን 6:4

• ውሉዳትካ ልክዕ ከም ሳሙኤል ንየሆዋ ምግልጋል ከም ሞያኦም ንኺገብርዎ ኣተባብዓዮም።

• እቲ ሳሙኤል ዜርእዮ ዝነበረ ኣምላኻዊ ባህርያት ብኻልኦት ከም ዚፍቶ ገበሮ: በዚ ኸምዚ ድማ ንዓና ሰናይ ኣብነት ሓደገልና።

• ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምትብባዕ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ: ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ሳሙኤል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣተባብዐ: ብፍታው ድማ መንፈሳዊ ሓገዝ ሃበ