ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ምሃር

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ምሃር

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ምሃር

“ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴዎስ 28:19, 20

1. ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ዝርጋሐ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

 እቲ ቓል የሆዋ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ምድሪ ኻብ ዚርከብ መጻሕፍቲ ብጥንታውነቱ ዀነ ብብዝሒ ዝርጋሐኡ ቐዳማይ እዩ። ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናብ ልዕሊ 2,300 ቋንቋታት ኪትርጐም ከሎ: በዚ ኸምዚ ድማ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ዚኸውን ህዝቢ ዓለም ብእተወልደሉ ቛንቋ ኺረኽቦ ይኽእል።

2, 3. (ሀ) ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምድንጋራት ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ እዮም። ገሊኦም ብዙሕ ሳዕ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣንቢቦምዎ እዮም። ብኣሽሓት ዚቝጸራ ጕጅለታት ሃይማኖት ትምህርትታተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተመስረተ ዚገልጻ እኳ እንተ ዀና: ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ንሓድሕደን ኣይሰማምዓን እየን። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ኣባላት ሓንቲ ሃይማኖት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ዘይምስምማዕ ኣለዎም። ገሊኦም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ምንጩን ኣገዳስነቱን ይጠራጠሩ እዮም። ብዙሓት ሰባት ከም ሓደ መብጽዓ ኽትኣቱ ኸለኻ ወይ ሓቂ ኽትምስክር ክትምሕል ከለኻ እትጥቀመሉ ቕዱስ መጽሓፍ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ።

3 ከም ሓቂ: መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝለኣኾ ሓያል ቃል ወይ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። (እብራውያን 4:12) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኺፈልጥዎ ንደልዮም ኢና። ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኪብሎም ከሎ ዝሃቦም መዝነት ተሓጒስና ኢና እንፍጽሞ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ኣብ ኣገልግሎትና በቲ ኣብዛ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሃይማኖታዊ ምድንጋራት እተበሳጨዉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ንረክብ ኢና። ብዛዕባ መንነት ፈጣሪ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ይደልዩ: ብዛዕባ ትርጕም ህይወት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ድማ ኪመሃሩ ይደልዩ እዮም። ንሓያሎ ሰባት ዜተሓሳስብ ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንርአ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ: ፈለማ መራሕቲ ሃይማኖት ብጌጋ እንታይ ከም ዚብሉ: ድሕሪኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ክንርኢ ኢና። እተን ሕቶታት እዘን ዚስዕባ እየን:- (1) ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧ (2) ስለምንታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧ (3) ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

4, 5. ሰባት: ኣምላኽ ከም ዘይሓልየልና ገይሮም ዚሓስቡ ስለምንታይ እዮም፧

4 እስከ በታ ቐዳመይቲ ሕቶ ንጀምር። ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧ እቲ ዜሕዝን ብዙሓት ሰባት መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘ኣይፋልን’ ኢሎም እዮም ዚሓስቡ። ከምዚ ዚስምዖም ስለምንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት: ኣብ ከባቢኦም ኪርእዩ ኸለዉ: ዓለም ብጽልእን ውግእን ጸበባን ዝመልአት እያ። ‘ኣምላኽ ዚሓልየልና እንተ ዚኸውን: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት መወገዶ ነይሩ’ ይብሉ።

5 ሰባት: ኣምላኽ ዘይድንግጽን ዘይሓልን እዩ ዜብሎም ካልእ ምኽንያት ከኣ: መራሕቲ ሃይማኖት ከምዚ ንኺሓስቡ ስለ ዚድርኽዎም እዩ። ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ: ኣቕሽሽቲ መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ እዮም ዚብሉ፧ ሓንቲ ሰበይቲ ኽልተ ንኣሽቱ ደቃ ብሓደጋ ማኪና ምስ ሞትዋ: እቲ ቐሻ “ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ክልተ መላእኽቲ ስለ ዝደለየ እዩ” በላ። ኣቕሽሽቲ ኸምዚ ዓይነት ሓሳባት ኪህቡ ኸለዉ: ንኣምላኽ በቲ ዜጋጥም ክፉእ ነገር ተሓታቲ እዮም ዚገብርዎ ዘለዉ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ግን: “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:13) የሆዋ ኣምላኽ ጠንቂ ኽፉእ ነገር ከቶ ኣይከውንን እዩ። እወ: “ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሐቕ።”—እዮብ 34:10

6. ጠንቂ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ እከይን መከራን መን እዩ፧

6 እዚ ዅሉ እከይን መከራን ኪህሉ ዝኸኣለ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት: ደቅሰብ ብሓፈሻ ነቲ ጽድቃዊ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ኪግዝኡ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም: በዚ ኸምዚ ድማ ንኣምላኽ ገዛኢኦም ከይኸውን ብምንጻጎም እዩ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ከይተፈለጦም ኣብ ትሕቲ እቲ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ኣትዮም እዮም። ከመይሲ: ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ።’ (1 ዮሃንስ 5:19) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሕማቕ ኵነታት ስለምንታይ ከም ዜጋጥም ንኽንግንዘብ ትሕግዘና። ሰይጣን ጽልእን ምትላልን ጭካነን ዝመልኦ እዩ። ስለዚ: ዓለም እውን ንባህርያት እቲ ገዛኢኣ ኸተንጸባርቕ ኢና ኽንጽበ ዘሎና። ኣብዚ ግዜና እከይ እንተ በዝሐ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!

7. መከራ ዝሃለወሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

7 ካልእ መከራ ዝሃለወሉ ምኽንያት ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እዩ። ሓጢኣተኛታት ሰባት ዓብለልቲ ንኪዀኑ ናይ ምቅላስ ዝንባለ ኣለዎም: እዚ ቓልሲ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ውግእን ጭቈናን መከራን እዩ ኣስዒቡ። መክብብ 8:9 “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ብምባል ጽቡቕ ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። ካልእ መከራ ዝሃለወሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ጊዜን ኣጋጣምን” ተባሂሉ ዘሎ ነገር እዩ። (መክብብ 9:11) መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሖም መከራ ይወርዶም እዩ።

8, 9. የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

8 ኣምላኽ ጠንቂ መከራ ኸም ዘይከውን ምፍላጥና ዜሐጕስ እዩ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለምን ኣብ ህይወትናን ዘሎ ነገራት ይግደስ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ‘እወ’ ዚብል ምዃኑ ዜሐጕስ እዩ። ኣምላኽ ንደቅሰብ ሕማቕ መገዲ ኺስዕቡ ዝፈቐደሎም ምኽንያት ኣብ ቃሉ ስለ ዝገለጸልና: ከም ዚሓልየልና ንፈልጥ ኢና። እቲ ምኽንያታቱ ኽልተ ጕዳያት ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ድማ ንልዑላውነቱን ንንጽህና ደቅሰብን ዚምልከት እዩ። የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ብምዃኑ: መከራ ኪቕጽል ዘፍቀደሉ ምኽንያት ኪገልጸልና ኣይግደድን እዩ። እንተዀነ ግን: ስለ ዚሓልየልና: ንኺገልጸልና ፍቓደኛ እዩ።

9 ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ እስከ ንርአ። ብግዜ ኖህ ምድሪ ብኽፍኣት ምስ መልአት: ‘ብልቡ ጐሃየ።’ (ዘፍጥረት 6:5, 6) ሕጂኸ እተፈልየ ስምዒት ድዩ ዘለዎ፧ የሆዋ ዘይልወጥ ስለ ዝዀነ: እተፈልየ ስምዒት ኣይህልዎን እዩ። (ሚልክያስ 3:6) ንዅሉ ዓይነት ዘይፍትሓውነት ይጸልእ: ደቅሰብ መከራ ኺወርዶም ኪርኢ እውን ኣይደልን እዩ። ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ሰብኣዊ ግዝኣትን ጽልዋ ሰይጣንን ዘምጽኦ ጕድኣት ኬዐርዮ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። እዝስ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ዜርኢ እኹል ምኽንያትዶ ኸይኰነ፧

10. የሆዋ ብዛዕባ መከራ ደቅሰብ ከመይ ይስምዖ፧

10 መራሕቲ ሃይማኖት: እቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዜሕዝን ነገራት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ኺገልጹ ኸለዉ ዘይስሙ እዮም ዚህብዎ ዘለዉ። ከም ሓቂ: የሆዋ ንመከራ ደቅሰብ መወዳእታ ኺገብረሉ ሃረር ይብል እዩ። ቀዳማይ ጴጥሮስ 5:7 “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ” ትብል። ነዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህር!

ስለምንታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧

11. ሃይማኖታት ዓለም ብዛዕባ እቲ ሰባት ኣብ ምድሪ ዘለዎም ህይወት መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ይብላ፧

11 ካልእ ንብዙሓት ሰባት እተተሓሳስቦም ሕቶ እስከ ንመርምር። ስለምንታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧ ሃይማኖታት ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ኣብ ምድሪ ዚነብረሉ እዋን ግዜያዊ ጥራይ ምዃኑ ይምህራ እየን። ንምድሪ ኣብ ካልእ ንምንባር መሰጋገሪት ነቝጣ ዀይና ኸም እተገልግል ገይረን ይርእያኣ። ገሊኦም ኣቕሽሽቲ: ኣምላኽ ሓደ እዋን ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዜጥፍኣ ይምህሩ። ብሰንኪ እዚ ትምህርቲ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ሞት ስለ ዚጽበዮም: እቲ ኣብ ህይወት ይግበር ዚብልዎ ዘበለ ይገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብዚ እንነብረሉ ምኽንያት ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

12-14. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ እንታይ ይምህር፧

12 ኣምላኽ ንምድርን ንደቅሰብን ዜደንቕ ዕላማ ኣለዎ። ንምድሪ “ማሕደር ሰብ ክትከውን” እምበር “ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 45:18) ብተወሳኺ: የሆዋ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ: ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።” (መዝሙር 104:5) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ ምፍላጥና: ስለምንታይ ኣብዚ ኸም እንነብር ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

13 ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1ን 2ን: ኣምላኽ ንምድሪ መንበሪት ሰብ ክትከውን ተጠንቂቑ ኸም ዘዳለዋ ተገሊጹ ኣሎ። ምፍጣር ኣብ ዝወድኣሉ እዋን: ኵሉ ነገር “ብዙሕ ጽቡቕ” ምዃኑ ኣረጋገጸ። (ዘፍጥረት 1:31) ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን: ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ኣብ ዘለዋ ባህ እተብል ገነት ኣንበሮም። እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ዚብል ትእዛዝ ተዋህቦም። ከማታቶም ፍጹማት ውሉዳት ኪወልዱ: ነታ ገነት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኼስፍሕዋ: ንእንስሳታት እውን ብፍቕሪ ኺገዝእዎም ነበሮም።—ዘፍጥረት 1:26-28

14 ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ፍጹማት ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ ዕላማ የሆዋ እዩ። ቃል ኣምላኽ “ጻድቃን ንምድሪ ኺወርስዋ፥ ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም” ይብል። (መዝሙር 37:29 ትርጕም 1990) እወ: ደቅሰብ ንዘለኣለም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ዚህሉ ገነት ኪነብሩ እዮም ተፈጢሮም። እዚ ዕላማ ኣምላኽ እዩ: ነዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህር!

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

15. ሓያሎ ሃይማኖታት ዓለም ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን እየን ዚምህራ፧

15 ሕጂ ነታ ንብዙሓት ሰባት እተተሓሳስቦም ሳልሰይቲ ሕቶ ንርአ። ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ዓለም ስጋና ድሕሪ ሙማቱ: ኣብ ውሽጥና ዘላ ነገር ምንባር ከም እትቕጽል እየን ዚምህራ። ገሊአን ሃይማኖታት: ኣምላኽ ንእኩያት ኣብ ሲኦል ብሓዊ ብምቅጻል ንዘለኣለም የሳቕዮም ዚብል ሓሳባት ሒዘን ኣለዋ። እዝስ ሓቂ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧

16, 17. ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

16 ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።” ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ስለ እተባህሉ: ኪሰምዑ: ኪርእዩ: ኪዛረቡ: ወይ ኪሓስቡ ኣይክእሉን እዮም: ዋላ ሓንቲ እውን ኣይስምዖምን እዩ። ከቶ ረብሓ እውን የብሎምን። ከመይ ኢሎም እዩ እሞ ረብሓ ኺህልዎም፧ ዋላ ሓንቲ ነገር ኪዓዩ እኮ ኣይክእሉን እዮም! ብዘይካዚ: ዝዀነ ይኹን ስምዒት ስለ ዘይብሎም “ፍቕሮምን ጽልኦምን ቅንኣቶምን ድሮ ጠፊኡ እዩ።”—መክብብ 9:5, 6, 10

17 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዚገልጾ ነገር ቀሊልን ንጹርን እዩ። ምዉታት ኣብ ካልእ ቦታ ኣይነብሩን እዮም። ምስ ሞትና ኻብ ስጋና ተፈልያ እትኸይድን ብህይወት ምንባር እትቕጽልን: ከምቲ ገሊኦም ዚኣምኑሉ ኸኣ ኣብ ካልእ ስጋ ዳግም እትውለድ ነገር የብልናን። ነዚ ነገር እዚ: በዚ ዚስዕብ ጌርና ኸነብርሆ ንኽእል ኢና:- ህይወትና ኸም እትነድድ ሃልሃልታ ሽምዓ እያ። እታ ሃልሃልታ ምስ ጠፍአት: ናብ እትኸዶ የብላን። ብሓጺሩ ጠፊኣ እያ።

18. ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ምስ ተማህረ: ኣብ ምንታይ መደምደምታታት እዩ ኺበጽሕ ዚኽእል፧

18 እዛ ቐላል ግን ከኣ ኣገዳሲት ሓቂ እዚኣ እንታይ መልእኽቲ ኸም ዝሓዘለት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዉታት ገለ እኳ ኸም ዘይፈልጡ ምስ ተማህረ: እቶም ዝሞቱ ኣቦሓጎታቱ ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ቂም እኳ እንተ ሓዙ: ሕጂ ኼሸግርዎ ኸም ዘይክእሉ ብቐሊሉ ኺግንዘብ ይኽእል እዩ። እቶም ዜፍቅሮም ዝነበረ ዝሞቱ ሰባት ኪሰምዑ: ኪርእዩ: ኪዛረቡ: ወይ ኪሓስቡ ኸም ዘይክእሉ ኸምኡውን ምንም ነገር ከም ዘይስምዖም ይግንዘብ። ስለዚ ድማ ኣብ መንጽሂ ብጽምዋ ይብልዑ ወይ ብሓዊ ይቃጸሉ ኺህልዉ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ሰባት ከም ዚትንስኡ ይምህር እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!—ዮሃንስ 5:28, 29

ክንጥቀመላ እተዳለወት ሓዳስ መጽሓፍ

19, 20. ከም ክርስትያናት መጠን: እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧ እንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ እያ ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመላ እተዳለወት፧

19 ካብቲ ንብዙሓት ሰባት ዜተሓሳስቦም ሕቶታት ሰለስተ ጥራይ ኢና መርሚርና። ኣብ ሰለስቲኡ መዳያት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹርን ብቐጥታን እንታይ ከም ዚምህር ርኢና ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ዚደልዩ ሰባት ምንጋሮምሲ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ! እንተዀነ ግን: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ዜዕግብ መልሲ ኺረኽቡሉ ዚደልዩ ሓያሎ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣሎ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ሰባት ንመልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንኺረኽብዎ ኽንሕግዞም ሓላፍነት ኣሎና።

20 ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ብንጹርን ልቢ ብዚትንክፍን መገዲ ምምሃር በዳሂ እዩ። ነዚ ዚብድሃና ጸገማት ንምስጋር: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ:” ብፍላይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኽንጥቀመላ ኢሉ ሓንቲ መጽሓፍ ኣዳልዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) እታ መጽሓፍ ከኣ 224 ገጽ ዘለዋ ዀይና መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ።

21, 22. ገለ ኻብቲ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘለዋ ኣገዳሲ መዳያት እንታይ እዩ፧

21 እዛ ኣብቲ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ብ2005/06 እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወጸት መጽሓፍ: እተፈላለየ ኣገዳሲ መዳያት ኣለዋ። ንኣብነት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ዜኽእለና ሓሙሽተ ገጽ ዘለዎ መቕድም ኣለዋ። በቲ ኣብቲ መቕድም ዘሎ ስእልታትን ጥቕስታትን ጌርካ ንኽትመያየጥ ቀሊል ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። በቲ ኣብዚ ኽፋል እዚ ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ እውን ተመሃሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕራፋትን ቍጽርታትን ከመይ ገይሮም ብቐሊሉ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ንምግላጽ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ።

22 ኣጸሓሕፋ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቐሊልን ንጹርን እዩ። ብእተኻእለ መጠን ነቲ ተመሃራይ ብቐጥታ ብምዝርራብ ልቡ ንምትንካፍ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ: ብድሙቕ ፊደላት መእተዊ ሕቶታት ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ከኣ “መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ” ዘርእስታ ሳጹን ኣላ። እዛ ሳጹን እዚኣ ነቲ መእተዊ ሕቶታት ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መልስታት ዝሓዘት እያ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ጽቡቕ ስእልታትን መግለጺታቱን ከምኡውን ምሳሌታት: ንሓደ ተመሃራይ ነቲ ሓድሽ ሓሳባት ብቐሊሉ ንኺርድኦ ይሕግዞ። እቲ ቐንዲ ምዕራፋት እታ መጽሓፍ ኣዝዩ ቐሊል ኪኸውን ከሎ: እቲ ተመሃራይ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደልዩ: 14 ኣገዳሲ ነጥብታት ብዕምቈት ንምምርማሩ ዜኽእል መመላእታ ጽሑፍ ኣለዋ።

23. ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ምስ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብእተተሓሓዘ ብኸመይ ክትጥቀመላ እዩ ሓሳባት ተዋሂቡ ዘሎ፧

23 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ካብ እተፈላለየ ደረጃ ትምህርትን ካብ እተፈላለየ ሃይማኖትን ንዝመጹ ሰባት ንኽንምህሮም ተባሂላ እያ ተዳልያ። ሓደ ተመሃራይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ፍልጠት እንተ ዘይብሉ: ንሓንቲ ምዕራፍ ንምውዳእ ካብ ሓንሳእ ንላዕሊ ምጽናዕ የድልዮ ይኸውን። ንልቢ እቲ ተመሃራይ ክትትንክፍ ደኣ ጽዓር እምበር: ብሃወኽ ነቲ ጽሑፍ ኣይትሸፍኖ። ሓደ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከብ ምሳሌ እንተ ዘይተረዲእዎ: ግለጸሉ ወይ ካልእ ኣማራጺ ተጠቐም። ብግቡእ ተዳሎ: ነታ መጽሓፍ ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽትጥቀመላ ዚከኣለካ ግበር: ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ምእንቲ ኸተማቕል’ ከኣ ኣምላኽ ኪሕግዘካ ጸሊ።—2 ጢሞቴዎስ 2:15

ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ኣመስግነሉ

24, 25. የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት እዩ ሂብዎም፧

24 የሆዋ ኽልተ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት እዩ ሂቡና። ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ኽንፈልጥ ኣኽኢሉና እዩ። ነዚ ውህበት እዚ ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። ከም ሓቂ እኳ: ኣምላኽ ዕላማታቱ ኻብ ዕቡያት ሓቢኡ: ንትሑታት ይገልጸሎም ኣሎ። ነዚ ብዚምልከት: የሱስ “ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ: ኤመስግነካ አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 11:25) ምስቶም ነቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ዜገልግሉ ትሑታት ክንቍጸር ብቐሊሉ ዘይርከብ ክብሪ እዩ።

25 ኣምላኽ ንኻልኦት ብዛዕባኡ ናይ ምምሃር ተወሳኺ ሓላፍነት እውን ሂቡና ኣሎ። እቶም ብዛዕባኡ ሓሶት ዚምህሩ: ዘይስሙ ኸም ዝሃብዎ ኣይትረስዕ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ፈጺሙ ጌጋ ዝዀነ ምርዳእ ከምኡውን ዘይሓልን ዘይድንግጽን እዩ ዚብል ሓሳብ ኣለዎም። ነዚ ግጉይ ሓበሬታ እዚ ንምዕራይ ፍቓደኛን ህንጡይን ዲኻ፧ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚነብሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ትደሊ ዲኻ፧ ከምዚ ትደሊ እንተ ዄንካ: ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣገዳሲ ጕዳያት እንታይ ከም ዚብል ንኻልኦት ብቕንኣት ብምስባኽን ብምምሃርን ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት ኣርኢ። ሓቂ ዚደልዩ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ኣለዎም።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ብኸመይ ንፈልጥ፧

• ስለምንታይ ኢና ኣብ ምድሪ እንነብር ዘለና፧

• ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

• ኣየናይ መዳይ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኢኻ ብፍላይ ጠቓሚ ዀይኑ ዝረኸብካዮ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Top right, girl: © Bruno Morandi/age fotostock; left, woman: AP Photo/Gemunu Amarasinghe; bottom right, refugees: © Sven Torfinn/Panos Pictures

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

መከራ ኸም ዜብቅዕ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ጻድቃን ኣብ ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም