ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካልኦት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንኺእዘዙ ሓግዞም

ካልኦት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንኺእዘዙ ሓግዞም

ካልኦት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንኺእዘዙ ሓግዞም

“እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ: ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ: ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዐቝርዎ: ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም።”—ሉቃስ 8:15

1, 2. (ሀ) እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ንምንታይ ዕላማ እያ ተዳልያ፧ (ለ) ኣብዚ ቐረባ ዓመታት የሆዋ ነቲ ህዝቡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዝገበርዎ ጻዕሪ ዝባረኾ ብኸመይ እዩ፧

 “እታ መጽሓፍ ብልጽቲ እያ። ተመሃሮይ ይፈትውዋ እዮም። ኣነ እውን እፈትዋ እየ። በዛ መጽሓፍ እዚኣ ጌርካ ምስ ሰባት ኣብ ኣፍደጊኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ።” ሓንቲ ፈላሚት: ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ኣቐዲምካ እተጠቕሰ በለት። a ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ እውን: ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸምዚ በለ:- “ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት እተሳተፍኩሉ 50 ዓመት: ሰባት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎ ናይ ምሕግዝ ፍሉይ መሰል ረኺበ እየ። እዛ ንመጽናዕቲ እተዳለወት ጽሕፍቲ ግን ሓለፍ ዝበለት እያ። እቲ ዜነቓቕሕ ስእላዊ ቓላትን ምሳሌታትን ባህ ዜብል እዩ።” ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ነቲ የሱስ: “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃበና ትእዛዝ ንኽትፍጽም ክትሕግዘካ ተባሂላ እያ ተዳልያ።—ማቴዎስ 28:19, 20

2 ኣስታት 6.6 ሚልዮን ዚኣኽሉ መሰኻኽር የሆዋ: ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ንኺገብሩ ዝሃቦም መምርሒ ብፍታው ኪእዘዙ ኸለዉ ምርኣይ: ንልቢ የሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ኣየጠራጥርን እዩ። (ምሳሌ 27:11) የሆዋ ንጻዕርታቶም ይባርኾ ኸም ዘሎ ርኡይ እዩ። ንኣብነት: ኣብ 2005 እቲ ብስራት ኣብ 235 ሃገራት ተሰብከ: ብገምጋም ከኣ ልዕሊ 6,061,500 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሐ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ: ብዙሓት ሰባት ‘ቃል ኣምላኽ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ: ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ገይሮም ተቐበልዎ።’ (1 ተሰሎንቄ 2:13) ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመት: ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንህይወቶም ምስ መለክዒታት የሆዋ ኣሰማምዑ: ርእሶም ድማ ንኣምላኽ ወፈዩ።

3. ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ: እንታይ ሕቶታት ኢና ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንምርምር፧

3 ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ሓጐስ ረኺብካዶ ኢኻ፧ ኣብ ብዘላ ዓለም: ነቲ ቓል ኣምላኽ ሰሚዖምሲ: “ዚዐቝርዎ: ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ” “ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ” ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ኣለዉ። (ሉቃስ 8:11-15) ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ: ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብኸመይ ከም እንጥቀመላ እስከ ንርአ። ኣብዚ ምይይጥና ሰለስተ ሕቶታት ክንምርምር ኢና:- (1) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከተጀምር ትኽእል፧ (2) እንታይ ኣመሃህራ ሜላታት እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧ (3) ንሓደ ሰብ ካብ ተመሃራይ ሓሊፉ መምህር እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንኪኸውን ክትሕግዞ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር

4. ገሊኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዚወላወሉ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ነዚ ንኺሰግርዎኸ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

4 ንሓደ ገፊሕ ውሕጅ ብሓንሳእ ክትዘሎ እንተ ትሕተት: ምናልባት ነቲ ሓሳብ ኣይምተቐበልካዮን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተወሰነ ርሕቐት መሰጋገሪ ኣእማን እንተ ተቐሚጡ ግን: ክትሰግሮ ትሓስብ ትኸውን። ብተመሳሳሊ: ሓደ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ሰብ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ይወላወል ይኸውን። እቲ ብዓል ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣመና ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ዜድሊ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ነዚ ዜወላውሎ ነገር ንኺሰግሮ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ብተኸታታሊ ሓጺር ኣስተምሃሪ ምይይጣት ብምግባር: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ነቲ ሰብ ናብ ስሩዕ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ንምምራሕ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ብግቡእ እንተ ተዳሊኻ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ሰብ እትገብረሉ ምብጻሕ: ምስ የሆዋ ዕርክነት ንኺምስርት ዜኽእሎ መሰጋገሪ እምኒ ኪዀኖ ይኽእል እዩ።

5. ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከተንብባ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

5 ይኹን እምበር: ንኻልእ ሰብ ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኪጥቀም ቅድሚ ምሕጋዝካ: ነታ መጽሓፍ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጣ ኣሎካ። ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣንቢብካያ ዲኻ፧ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንዕረፍቲ ናብ ዚገሹሉ ቦታ ሒዞምዋ ኸዱ: ኣብ ገምገም ባሕሪ እናተዘናግዑ ኸኣ ኬንብብዋ ጀመሩ። ሓንቲ ንበጻሕቲ ሃገር ኣቝሑ እትሸይጥ ሰበይቲ ናባታቶም ምስ ቀረበት: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ እትብል ኣርእስቲ ረኣየታ። ነቶም ሰብ ሓዳር ቅድሚ ሒደት ሰዓታት: ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣምላኽ መልሲ ንኺህባ ኸም ዝጸለየት ነገረቶም። እቶም ሰብ ሓዳር ነታ ሰበይቲ ተሓጒሶም ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ሃብዋ። ቈጸራ ኽትጽበ ኸለኻ ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እትረኽቦ እዋን ዕረፍቲ: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንምንባብ: ምናልባት እውን ንኻልኣይ ግዜ ንምንባብ ‘ግዜ ዓዲግካዶ፧’ (ኤፌሶን 5:15, 16) ከምኡ እንተ ጌርካ: ነዛ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ክትፈልጣ ኢኻ: ብዛዕባ ትሕዝቶኣ ምስ ካልኦት ንኽትዘራረብ እውን ኣጋጣሚ ትረክብ ትኸውን።

6, 7. ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክትጥቀመላ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

6 ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸተበርክታ ኸለኻ: ነቲ ኣብ ገጽ 4, 5, 6 ዚርከብ ስእልታትን ጥቕስታትን ሕቶታትን ብግቡእ ተጠቐመሉ። ንኣብነት: “ንዅሉ እቲ ሎሚ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው: ምንጪ ዜተኣማምን መምርሒ ዚዀነና እንታይ ይመስለካ፧” ኢልካ ብምሕታት ዝርርብ ከተጀምር ትኽእል ኢኻ። ነቲ እቲ ሰብ ዚህቦ ምላሽ ተጠንቂቕካ ድሕሪ ምስማዕ: 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ: መጽሓፍ ቅዱስ ንጸገማት ደቅሰብ ናይ ሓቂ ፍታሕ ከም ዜቕርብ ድማ ግለጽ። ድሕሪኡ: ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ገጽ 4ን 5ን ኣርእዮ እሞ: “ካብዚ ኣብዚ ገጻት ዚርአ ስእልታት: ኣየናይ እዩ ልዕሊ ዅሉ ዜጨንቐካ፧” ኢልካ ሕተቶ። እቲ ብዓል ቤት ናብ ሓዲኡ ምስ ኣመልከተ: ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዘሎ ጥቕሲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኸተንብበሉ ኸለኻ ነታ መጽሓፍ ከም ዚሕዘልካ ግበር። ድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዚርከብ ምስ ኣንበብካ: ነቲ ብዓል ቤት “ካብዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ሽዱሽተ ሕቶታት: ነየናይ ኢኻ መልሲ ኽትረኽበሉ እትደሊ፧” ኢልካ ሕተቶ። እቲ ሰብ ሓንቲ ምስ መረጸ: ነታ ሕቶ እትምልስ ምዕራፍ ኣርእዮ: ነታ መጽሓፍ ሕደገሉ: ተመሊስካ ንኽትበጽሖን ብዛዕባ እታ ሕቶ ንኽትመያየጡን ንጹር ቈጸራ ግበር።

7 እዚ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣቀራርባ: ሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ እዩ ዚወስድ። ኣብዘን ሒደት ደቓይቕ ግን: ነቲ ብዓል ቤት እንታይ ከም ዜተሓሳስቦ ፈሊጥካ: ክልተ ጥቕስታት ኣንቢብካን ትርጕሙ ገሊጽካን: ከምኡውን ተመሊስካ ንምብጻሕ መሰረት ኣንቢርካ ኢኻ። እቲ ምስቲ ብዓል ቤት እትገብሮ ሓጺር ዝርርብ: ንሱ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝረኸቦ ልዕሊ ዅሉ ዜተባብዕን ዜጸናንዕን ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ሓደ ብስራሕ እተዋጠረ ሰብ እኳ ኸይተረፈ: ናብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ’ ንኺኣቱ ኣብ ምሕጋዝ እተሕልፈን ሒደት ደቓይቕ ብሃንቀውታ ኺጽበየን ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 7:14) ድሕሪ ገለ ግዜ: ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት እናዓበየ ምስ ከደ: ንውሓት እቲ መጽናዕቲ ኺሰፍሕ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ኮፍ ኢልኩም ንዝነውሐ ግዜ ንምጽናዕ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ብሉጽ ሜላታት ኣመሃህራ

8, 9. (ሀ) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ነቲ ኼጋጥሞ ዚኽእል ዕንቅፋታትን ፈተናታትን ንኺዋጽኣሉ ብኸመይ ከተዳልዎ ትኽእል፧ (ለ) እቲ ድልድልቲ እምነት ንምህናጽ ዜኽእል ሓዊ ዚጻወር ናውቲ ኻበይ ኪርከብ ይከኣል፧

8 ሓደ ሰብ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኺእዘዝ ምስ ጀመረ: ንግስጋሰኡ ኺዓናቕጽ ዚኽእል ዕንቅፋታት የጋጥሞ ይኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ጳውሎስ ነዚ ፈተናታት እዚ ምስቲ ንዘይረብሕ ናውቲ ህንጸት ኣቃጺሉ: ነቲ ኸም ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ዝኣመሰለ ናውቲ ኸይጐድኦ ዚተርፍ ሓዊ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 3:10-13፣ 1 ጴጥሮስ 1:6, 7) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ንዜጋጥሞ ፈተናታት ኪጻወር ዜኽእሎ ባህርያት ከም ዜማዕብል ንምግባር: በቲ ሓዊ ዚጻወር ናውቲ ንኺሃንጽ ክትሕግዞ ኣሎካ።

9 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ “ቓላት እግዚኣብሄር” ምስ “ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ: ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (መዝሙር 12:6) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ድልድልቲ እምነት ንኽንሃንጽ ዜኽእለና ዅሉ ዓይነት ክቡር ናውቲ ዝሓዘ እዩ። (መዝሙር 19:7-11፣ ምሳሌ 2:1-6) እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ: ኣብ ኣጠቓቕማ ቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ውጽኢታዊ ኸም እትኸውን ትሕብር።

10. ነቲ ተመሃራይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜተኵር ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

10 መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ: ንኣቓልቦ እቲ ተመሃራይ ኣብቲ እትመያየጡሉ ዘለኹም ምዕራፍ ዚርከብ ጥቕስታት ከም ዜተኵር ግበሮ። እቲ ተመሃራይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ጥቕስታት ንኺርድኦን ብብሕቱ ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎን ምእንቲ ኪኽእል በቲ ሕቶታት ተጠቐም። እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ኸይትነግሮ ተጠንቀቕ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብነት የሱስ ስዓብ። ሓደ ፈላጥ ሕጊ ሕቶ ምስ ሓተቶ: የሱስ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ሰብኣይ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መልሲ ሃበ: የሱስ ከኣ ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ከም ዚዓየሉ ንኺግንዘብ ሓገዞ። ምሳሌ ብምሃብ ድማ: እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዘለዎ ኣረድኦ። (ሉቃስ 10:25-37) እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ: ንሓደ ተመሃራይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ህይወቱ ንኼውዕሎ ኽትሕግዞ ትኽእል እያ።

11. ሓደ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ኽንደይ ዚኣክል ኪሽፍን ኣለዎ፧

11 ከምቲ የሱስ ንእተሓላለኸ ሓሳባት ብቐሊል ቃላት ገይሩ ዝገለጸ: እዛ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እውን ንቓል ኣምላኽ ንምግላጽ ቀሊልን ቀጥታውን ቋንቋ እያ እትጥቀም። (ማቴዎስ 7:28, 29) ኣብነት የሱስ ስዓብ። ነቲ ትምህርቲ ብቐሊልን ብንጹርን ብልክዕን ኣመሓላልፎ። ብታህዋኽ ኣይትሸፍን። ኣብ ክንዳኡስ: ብዝሒ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ እትመያየጡሉ ሕጡብ ጽሑፍ ብዅነታትን ክእለትን እቲ ተመሃራይ ወስኖ። የሱስ ዓቕሚ ደቀ መዛሙርቱ ይፈልጥ ብምንባሩ: ካብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዜድልዮም ዝነበረ ሓበሬታ ንላዕሊ ብምሃብ ጾር ኣየሰከሞምን።—ዮሃንስ 16:12

12. ነቲ መመላእታ ጽሑፍ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኣሎካ፧

12 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ: 14 ኣርእስትታት ዝሓዘ መመላእታ ጽሑፍ ኣለዋ። መምህር ከም ምዃንካ መጠን: ኣብቲ ነቲ ተመሃራይ ዜድልዮ ነገራት ተመርኲስካ: ነዚ ጽሑፍ እዚ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ኽትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ክትውስን ኣሎካ። ንኣብነት: ሓደ ተመሃራይ ንሓደ ርእሰ ነገር ምርዳእ እንተ ኸቢድዎ ወይ ኣቐዲሙ ኻልእ እምነታት ስለ ዝነበሮ ሕቶታት እንተ ተላዒሉዎ: ናብቲ ኣብቲ መመላእታ ጽሑፍ ዚርከብ ንዕኡ ዚኸውን ክፋል ምምራሑን ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኸም ዚምርምሮ ምግባሩን እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ተመሃራይ ግን: ነቲ ጽሑፍ ብሓባር ኴንኩም ክትሽፍንዎ የድሊ ይኸውን። እቲ መመላእታ ጽሑፍ: ከም እኒ “‘ነፍሲ’ ኸምኡውን ‘መንፈስ’ ዚብላ ቓላት ብሓቂ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧” ከምኡውን “ነታ ‘ዓባይ ባቢሎን’ ምልላያ” ዝኣመሰለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ርእሰ ነገራት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ኣርእስትታት እዚ ምስ ተመሃራይካ ኽትመያየጠሉ ትደሊ ትኸውን። እቲ ኣብቲ መመላእታ ጽሑፍ ዘሎ ርእሰ ነገራት መመያየጢ ዚኸውን ሕቶታት ስለ ዘይብሉ: ትርጕም ዘለዎ ሕቶታት ምእንቲ ኸተቕውም ነቲ ሓበሬታ ኽትፈልጦ ኣሎካ።

13. ጸሎት ንእምነት ኣብ ምድልዳል እንታይ ግደ ኣለዎ፧

13 መዝሙር 127:1 “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ” ትብል። ስለዚ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ክትዳሎ ኸለኻ: ሓገዝ የሆዋ ኺወሃበካ ጸሊ። እቲ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ እትጽልዮ ጸሎት: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ዜንጸባርቕ ይኹን። ነቲ ተመሃራይ ንቓል የሆዋ ንኺርድኦ ዜኽእል ጥበብ ኰነ ነቲ ምኽሩ ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ ዜኽእል ብርታዐ ምእንቲ ኺረክብ ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኣተባብዓዮ። (ያእቆብ 1:5) እቲ ተመሃራይ ከምኡ እንተ ገይሩ: ፈተናታት ንኺጽመም ብርታዐ ኺረክብን ብእምነት ኪብርትዕን እዩ።

ነቶም ተመሃሮ መምህራን ኪዀኑ ሓግዞም

14. ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዕቤት እዮም ኪገብሩ ዜድልዮም፧

14 እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ሰባት: ነቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ዝኣዘዞም ኵሉ’ ኺሕልዉ እንተ ዀይኖም: ካብ ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ ናብ መምህራን ዕቤት ኪገብሩ ኣለዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8) ሓደ ተመሃራይ ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

15. ንተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኺእከብ ከተተባብዖ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

15 ካብታ መጽናዕቲ ዝጀመርኩምላ መዓልቲ: ነቲ ተመሃራይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንኺእከብ ዓድሞ። መምህር ቃል ኣምላኽ ንምዃን ስልጠና ዚርከብ ኣብ ኣኼባታት ምዃኑ ግለጸሉ። ንብርክት ዝበለ ሰሙናት: ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ: ነቲ ኣብ ንኣሽቱን ዓበይትን ኣኼባታት ዚርከብ መንፈሳዊ ትምህርቲ ግለጸሉ። ብዛዕባ እቲ ኻብቲ ኣጋጣሚታት ዚርከብ ረብሓታት ብውዕዉዕ ስምዒት ተዛረብ። (እብራውያን 10:24, 25) እቲ ተመሃራይ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ኺእከብ ምስ ጀመረ: መምህር ቃል ኣምላኽ ንምዃን ዘለዎ ዕድል ዝሰፍሐ እዩ ዚኸውን።

16, 17. ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኬውጽኦን ኪበጽሖን ዚኽእል ገለ ሸቶታት እንታይ እዩ፧

16 ነቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኪበጽሖ ዚኽእል ሸቶታት ኬውጽእ ሓግዞ። ንኣብነት: ነቲ እተማህሮ ንፈታዊኡ ወይ ንዘመዱ ኺነግር ኣተባብዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ ንምንባብ ሸቶ ኼውጽእ እውን ሓሳብ ሃቦ። ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጅምርን ኵሉ ሳዕ ንኪቕጽሎን እንተ ሓጊዝካዮ: እዚ ልማድ እዚ ምስ ተጠምቀ ንነዊሕ ግዜ ኺሕግዞ እዩ። ብተወሳኺ: እቲ ተመሃራይ ካብ ነፍሲ ወከፍ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ምዕራፍ: ቀንዲ ሕቶ እትምልስ ሓንቲ ጥቕሲ ንምጽናዕ ሸቶ ኺገብር ንምንታይ ሓሳብ ዘይተቕርበሉ፧ ከምዚ ምስ ዚገብር “እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ” ኪኸውን እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:15

17 ሓደ ተመሃራይ ነቶም ምኽንያት እምነቱ ዚሓትዎ ዘበለ መልሲ ኺህብ ከሎ: ነቲ ጥቕስታት ሸምዲዱ ኺደግሞ ወይ ሓሳባቱ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺጠቕሶ ኣብ ክንዲ እትምህሮ: ገሊኡ ጥቕስታት ምስቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ኪገልጽ ኣተባብዓዮ። ንስኻ ኸም ሓደ ብዛዕባ እምነቱ ንኺገልጽ እትሓትቶ ዘለኻ ዘመድ ወይ መሳርሕቲ እናኣምሰልካ ሕጽር ዝበለ ልምምድ ምግባር ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እቲ ተመሃራይ ኪምልስ ከሎ: ከመይ ገይሩ “ብለውሃትን ብኽብርን” ከም ዚምልስ ኣርእዮ።—1 ጴጥሮስ 3:15 ትርጕም 1990

18. ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንምዃን ምስ በቕዐ: እንታይ ተወሳኺ ሓገዝ ኢኻ ኽትህቦ እትኽእል፧

18 ድሕሪ ግዜ: እቲ ተመሃራይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንኺጽመድ ብቕዓት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኺካፈል ኪፍቀደሉ ምኽኣሉ ንባዕሉ ዓብዪ ኽብሪ ምዃኑ ኣጕልሓሉ። (2 ቈረንቶስ 4:1, 7) እቶም ሽማግለታት: እቲ ተመሃራይ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ንምዃን ከም ዝበቕዐ ምስ ወሰኑ: ቀሊል ኣቀራርባ ኺዳሎ ሓግዞ: ድሕሪኡ ኣሰኒኻዮ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺድ። ኣብ እተፈላለየ መዳያት ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣዘውቲርካ ምስኡ ዕየ: ከመይ ገይሩ ተዳልዩ ውጽኢታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም ዚገብር ምሃሮ። ንስኻ እተርእዮ ሰናይ ኣብነት ከኣ ኣወንታዊ ጽልዋ ኪዀኖ እዩ።—ሉቃስ 6:40

‘ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ኣድሕን’

19, 20. እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

19 ሓደ ሰብ ናብ “ፍልጠት ሓቂ” ንምምጻእ: ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ዜጠራጥር ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ይኹን እምበር: ንሓደ ሰብ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ንኺሕሉ ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስ ዚወዳደሮ የልቦን። (1 ተሰሎንቄ 2:19, 20) ኣብዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ትምህርቲ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!—1 ቈረንቶስ 3:9

20 የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስን በቶም ሓያላት መላእኽቱን ኣቢሉ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሰባት ፍርዱ ኺፍጽም እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-8) ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ጌርካ እንተ ወሓደ ንሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትመርሕ ሸቶ ኽትገብር ትኽእልዶ፧ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽትጽመድ ከለኻ: “ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን” ኣጋጣሚ ኽትረክብ ኢኻ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ: ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንኺሕልዉ ምሕጋዝ ህጹጽ ኰይኑ ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

እንታይ ተማሂርካ፧

• እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንምንታይ ዕላማ እያ ተዳልያ፧

• በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• እንታይ ኣመሃህራ ሜላ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧

• ንሓደ ተመሃራይ ብኸመይ ኢኻ መምህር ቃል ኣምላኽ ኪኸውን ክትሕግዞ እትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብግቡእ ትጥቀመላዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ሓጺር ምይይጥ ነቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ሸውሃት ኪኸፍቶ ይኽእል እዩ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ተመሃራይ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜተኵር ንምግባር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ዕቤት ኪገብር ሓግዞ