ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—2ይ ክፋል

ኢሳይያስ ከም ነብዪ መጠን እተዋህቦ መዝነት ብተኣማንነት እዩ ፈጺሙ። ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እተነበዮ ነገር: ተፈጺሙ እዩ። ድሕሪኡ ብዛዕባ መጻኢ የሩሳሌም ተወሳኺ ቓል መጾ።

ከተማ የሩሳሌም ክትዓኑ: ተቐማጦኣ ኸኣ ናብ ምርኮ ኺውሰዱ ነበሮም። እቲ ምብዳም ግን ንሓዋሩ ዚቕጽል ኣይነበረን። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ኺምለስ ነበሮ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 36:1–66:24 ዚርከብ መልእኽቲ እውን ብመሰረቱ ነዚ ዜጕልሕ እዩ። a መብዛሕትኡ ኣብዚ ኽፋል እዚ ዚርከብ ትንቢታት ኣብዚ ግዜና ዝዓበየ ወይ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ስለ ዝረኸበ ወይ ከኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪረክብ ስለ ዝዀነ: ካብቲ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ዘሎ ሓሳባት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እዚ ኽፋል መጽሓፍ ኢሳይያስ እዚ ብዛዕባ እቲ መሲህ ዚገልጽ ዜሐጕስ ትንቢታት እውን ኣለዎ።

‘እንሆ: መዓልትታት ኪመጻ እየን’

(ኢሳይያስ 36:1–39:8)

ኣብ መበል 14 ዓመት ግዝኣት ንጉስ ህዝቅያስ (732 ቅ.ክ.): ኣሶራውያን ንይሁዳ ወረርዋ። የሆዋ ንየሩሳሌም ከም ዚከላኸለላ ተመባጽዐ። ሓደ መልኣኽ የሆዋ ንበይኑ 185,000 ኣሶራውያን ወተሃደራት ምስ ቀተለ: እቲ ወረራ ኣብቅዐ።

ህዝቅያስ ሓመመ። የሆዋ ነቲ ህዝቅያስ ዝጸለዮ ጸሎት ብምምላስ ኣሕወዮ: ኣብ ዕድሚኡ እውን 15 ዓመት ወሰኸሉ። ንጉስ ባቢሎን ንህዝቅያስ እንቋዕ ሓጐሰካ ንምባል ልኡኻት ሰደደሉ: ህዝቅያስ ከኣ ነቶም ልኡኻት ኵሉ መዛግብቱ ብምርኣይ ዘይጥበባዊ ተግባር ገበረ። ኢሳይያስ ንህዝቅያስ “እንሆ: ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝአከብዎ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ: ሓንቲ እኳ ኸይተረፈት ናብ ባቢሎን ዚወስዱለን መዓልትታት ኪመጻ እየን” ኢሉ መልእኽቲ የሆዋ ኣብጸሓሉ። (ኢሳይያስ 39:5, 6) ድሕርዚ: ካብ 100 ቝሩብ ኣብ ዚዛይድ ዓመታት: እቲ ትንቢት ተፈጸመ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

38:8—እቲ ጽላሎት ንድሕሪት እተመልሰሉ “መድረኽ” እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ መበል ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ግብጻውያንን ባቢሎናውያንን ሰዓት ጸሓይ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ: እዚ መድረኽ እዚ ኣብቲ ኣካዝ ኣቦ ህዝቅያስ ዘምጸኦ ዓይነት ሰዓት ጸሓይ እተራእየ መጠን ዲግሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-መንግስቲ መደያይቦ ነይሩ ይኸውን። ኣብ ጐድኒ እቲ መደያይቦ ዚርከብ ዓንዲ: በብቝሩብ ኣብቲ መደያይቦ ጽላሎት ይገብር ይኸውን: እዚ ድማ ንግዜ መዐቀኒ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

36:2, 3, 22 ሸብና ኣዛዝ ቤት ኰይኑ ኻብ ምግልጋል እኳ እንተ ወረደ: ነቲ ዝተክኦ ሰብ ጸሓፊኡ ዀይኑ ንንጉስ ኬገልግል ተፈቒዱሉ ነበረ። (ኢሳይያስ 22:15, 19) ንሕና እውን ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ካብቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ሓላፍነት እንተ ወሪድና: ንኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዝፈቐደልና መዳይ ከነገልግሎዶ ኣይግባእን፧

37:1, 14, 15፣ 38:1, 2 ኣብ ግዜ ጸበባ: ብጸሎት ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕናን ኣብኡ ምሉእ ትውክልትና እንተ ጌርናን ጥበባዊ እዩ።

37:15-20፣ 38:2, 3 ኣሶራውያን ንየሩሳሌም ኬጥፍእዋ ኣብ ዝመጹሉ እዋን: እቲ ንህዝቅያስ ዘተሓሳሰቦ ቐንዲ ነገር: ምውዳቕ እታ ኸተማ ኣብ ስም የሆዋ ዜምጽኦ ውርደት እዩ ነይሩ። ሕማሙ ኸም ዚቐትል ምስ ፈለጠ እውን: ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ኣይኰነን ኣተሓሳሲብዎ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘጨነቖ ነገር: ወራሲ ዘይብሉ ሙማቱ ኣብ መስመር ነገስታት ዳዊት ዘለዎ ጽልዋ እዩ። ምስ ኣሶራውያን ኣብ ዚግበር ውግእ መን ከም ዚመርሕ እውን ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ከም ህዝቅያስ ምቕዳስ ስም የሆዋን ምፍጻም ዕላማኡን ካብ ድሕነትና ንላዕሊ ኣገዳሲ ጌርና ኢና እንርእዮ።

38:9-20 እዚ ህዝቅያስ ዝዘመሮ መዝሙር: ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ኻብ ምውዳስ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ከም ዘየልቦ ይምህረና።

‘ክትህነጽ እያ’

(ኢሳይያስ 40:1–59:21)

ኢሳይያስ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌምን ብዛዕባ እቲ ስዒቡ ዚመጽእ ምርኮን ድሕሪ ምንባዩ: ብዛዕባ ምምላስ እቶም ህዝቢ ተነበየ። (ኢሳይያስ 40:1, 2) ኣብ ኢሳይያስ 44:28 የሩሳሌም ‘ክትህነጽ እያ’ በለ። ጣኦታት ኣማልኽቲ ባቢሎን ከም ሓደ ጾር ኰይኖም ኪውሰዱ ምዃኖም ገለጸ። (ኢሳይያስ 46:1) ባቢሎን ክትጠፍእ ምዃና ሓበረ። እዚ ዅሉ ድሕሪ ኽልተ ዘመን ተፈጸመ።

የሆዋ ንህዝቡ “ብርሃን ኣህዛብ” ኪገብሮም ምዃኑ ገለጸ። (ኢሳይያስ 49:6) “ሰማያት” ባቢሎናውያን: ማለት ገዛእቲ ባቢሎናውያን: “ከም ትኪ ኺበኑ:” ተገዛእታ ኸኣ “ከም ጽንጽያ ኺሞቱ እዮም” (ትርጕም 1990)፣ ‘ምርኽቲ ጓል ጽዮን ግን ንማእሰር ክሳዳ ኽትፈትሖ እያ።’ (ኢሳይያስ 51:6፣ 52:2) የሆዋ ነቶም ናብኡ ዚመጹን ዚሰምዕዎን “ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋ: ዘለኣለማዊ ኺዳን: ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ” በሎም። (ኢሳይያስ 55:3) ምስቲ ጽድቃዊ ብቕዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባር ‘ብየሆዋ ደስ ከም ዚብለካ’ ይገብር። (ኢሳይያስ 58:14) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ‘ነቲ ህዝብን ንኣምላኾምን ኣብ መንጎኦም ኰይኑ ዚፈላሊ ኣበሳኦም እዩ።’—ኢሳይያስ 59:2-3

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

40:27, 28—እስራኤል “መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ: ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ እቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ግፍዒ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ኸም እተሓብአ ወይ ንሱ ኸም ዘይርእዮ ይስምዖም ነይሩ ይኸውን። እቲ ዘይደክምን ዘይሕለልን ፈጣሪ ምድሪ: ንባቢሎን ኬረኻኽበላ ኸም ዚኽእል መዘኻኸሪ ተዋህቦም።

43:18-21—እቶም እተመልሱ ምሩኻት “ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ” ተባሂሉ እተነግሮም ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበሮ ድሕነት ኪርስዑ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: የሆዋ በቲ ባዕላቶም ዚርእይዎ ተግባራቱ: ምናልባት በቲ ቐጥታዊ መገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ የሩሳሌም ብዘይ ገለ ሓደጋ ዚገብርዎ ጕዕዞ ዝኣመሰለ “ሓድሽ ነገር” ኪውድስዎ እዩ ደልዩ። እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝወጹ “ብዙሓት ሰብ” እውን: ንየሆዋ ንኬኽብርዎ ዜኽእሎም ሓድሽን ብሕታውን ምኽንያታት ኪህልዎም እዩ።—ራእይ 7:9, 14

49:6—እቲ መሲህ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ኣብቶም ደቂ እስራኤል እተደረተ ኽነሱ: “ብርሃን ኣህዛብ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ: ብምኽንያት እቲ ድሕሪ ሞት የሱስ እተፈጸመ ነገራት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኢሳይያስ 49:6 ኣብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ የውዕላ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:46, 47) ሎሚ: ቅቡኣት ክርስትያናት በቶም ኣምለኽቲ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ እናተሓገዙ: “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ንሰባት ብምብራህ “ብርሃን ኣህዛብ” ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

53:10—የሆዋ ንወዱ ምሕምሻሽ ዝፈተወ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ደንጋጽን ሓላይን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ: ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ኺሳቐ ኸሎ ምርኣይ ኣሳቕይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ነቲ የሱስ ብፍቓዱ ዘርኣዮ ተኣዛዝነት ከምኡውን ንዅሉ እቲ ብመከራኡን ብሞቱን ኣቢሉ ዚፍጽሞ ነገራት ፈትይዎ እዩ።—ምሳሌ 27:11፣ ኢሳይያስ 63:9

53:11—እቲ መሲህ ‘ንብዙሓት ዜጽድቐሉ’ ፍልጠት እንታይ እዩ፧ እዚ የሱስ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ብምምጻኡን ክሳዕ ሞት ዘይፍትሓዊ መከራ ብምጽጋቡን ዝረኸቦ ፍልጠት እዩ። (እብራውያን 4:15) በዚ ኸምዚ መስዋእታዊ በጃ ኣቕረበልና፣ እዚ ድማ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ነቶም ብዙሓት ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኺጸድቁ ዜኽእሎም ሓገዝ እዩ።—ሮሜ 5:19፣ ያእቆብ 2:23, 25

56:6—እቶም “መጻእተኛታት” መን እዮም፧ ‘ኪዳን የሆዋ ዜጽንዑ’ ዘለዉኸ ብኸመይ እዮም፧ እቶም “መጻእተኛታት” ተባሂሎም ዘለዉ: “ካልኦት ኣባጊዕ” የሱስ እዮም። (ዮሃንስ 10:16) ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣጽኒዖም ዝሓዝዎ ኸኣ: ነቲ ምስቲ ሓድሽ ኪዳን ዚዛመድ ሕግታት ብምሕላው: ምስቲ ብእኡ ኣቢልካ ዚግበር መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ብምትሕብባር: ልክዕ ከምቲ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዚምገብዎ ዓይነት መንፈሳዊ ምግቢ ብምምጋብ: ከምኡውን ነቶም ቅቡኣት ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብምድጋፍ እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

40:10-14, 26, 28 የሆዋ ሓያልን ሕያዋይን: ኵሉ ዚኽእልን ብሉጽ ጥበብ ዘለዎን: ካብቲ ኺርድኣና ዚኽእል ንላዕሊ ኸኣ ኣእምሮ ዘለዎ እዩ።

40:17, 23፣ 41:29፣ 44:9፣ 59:4 ፖለቲካዊ ኺዳናትን ጣኦታትን “ከንቱነት” እዮም። ኣብኦም ምውካል ዋጋ የብሉን።

42:18, 19፣ 43:8 ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ኣዒንትና ምዕማትን ነቲ ኣምላኽ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ኣእዛንና ምድፋንን: ብመንፈሳዊ መዳይ ዕዉራትን ጸማማትን ምዃን እዩ።—ማቴዎስ 24:45

43:25 የሆዋ ስለ ርእሱ ኢሉ እዩ ንገበን ዚድምስሶ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምዃንናን ህይወት ምርካብናን: ብኣገዳስነቱ ድሕሪ ምቕዳስ ስም የሆዋ እዩ ዚስራዕ።

44:8 ደገፍ እቲ ኸም ከውሒ ቐዋምን ጽኑዕን ዝዀነ የሆዋ ኣሎና። ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ኻብ ምምስካር ክንፈርህ የብልናን።—2 ሳሙኤል 22:31, 32

44:18-20 ኣምልኾ ጣኦት ምልክት ምብልሻው ልቢ እዩ። ነቲ ንየሆዋ ዚግባእ ኣብ ልብና ዘሎ ቦታ ዋላ ሓደ ነገር ኪሕዞ የብሉን።

46:10, 11 የሆዋ ‘ምኽሩ ኬቕውም’ ምኽኣሉ: ማለት ዕላማኡ ኺፍጽም ምኽኣሉ: ንኣምላኽነቱ ዜረጋግጽ ንጹር መርትዖ እዩ።

48:17, 18፣ 57:19-21 ድሕነት ካብ የሆዋ ንጽበ እንተ ዄንና: ናብኡ እንተ ቐሪብና: ከምኡውን ንትእዛዛቱ እንተ ሰሚዕና: ሰላምና ኸም ወሓዚ ይብርክት: ጽድቃዊ ተግባራትና ድማ ከም ማዕበል ባሕሪ ይበዝሕ። እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘይሰምዑ: “ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም።” ሰላም የብሎምን።

52:5, 6 ባቢሎናውያን: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድኹም መሰሎም። እስራኤል ኪማረኽ ዝኸኣለ: ንየሆዋ ስለ ዘጕሃዮ ምዃኑ ኣይተረድኦምን። ንኻልኦት መዓት ኬጋጥሞም ከሎ: ብታህዋኽ ጠንቁ እዚ እዩ ኢልና ኽንድምድም ጥበባዊ ኣይኰነን።

52:52:7-9፣ 55:12, 13 ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እንካፈለሉ እንተ ወሓደ ሰለስተ ምኽንያታት ኣሎና። ኣእጋርና ነቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚጠምዩ ትሑታት ጽቡቓት እየን። ንየሆዋ “ዓይኒ ንዓይኒ” ንርእዮ: ወይ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ይህልወና። መንፈሳዊ ብልጽግና እውን ንረክብ።

52:11, 12 “ኣቓሑ” የሆዋ: ማለት ንቕዱስ ኣገልግሎቱ ዝገበሮ መሰናድዎታት: ንኽንጸውር ብቕዓት ምእንቲ ኺህልወና: ብመንፈሳውን ብስነ-ምግባራውን መዳይ ንጹሃት ክንከውን ኣሎና።

58:1-14 ውፉይ ወይ ጻድቕ ከም ዝዀንካ ዜምስል ግብዝና ዝመልኦ ተግባር ከንቱ እዩ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ሕውነታዊ ፍቕርን ኬርእዩ ኣለዎም።—ዮሃንስ 13:35፣ 2 ጴጥሮስ 3:11

59:15-19 የሆዋ ንጕዳያት ሰባት ይዕዘብ: ኣብ ግዜኡ ኸኣ ኢዱ የእቱ።

“ክቡር ኣኽሊል” ክትከውን ኣለዋ

(ኢሳይያስ 60:1–66:24)

ኢሳይያስ 60:1 ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥንትን ኣብዚ ግዜናን ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ እተመልሰሉ ዅነት ብዚምልከት: “ብርሃንኪ መጺኡ: ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ: ተንስኢ: ብርሂ” ትብል። ጽዮን “ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል” ክትከውን ኣለዋ።—ኢሳይያስ 62:3

ኢሳይያስ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ባቢሎን ኣብ ምርኮ ዀይኖም ዚንስሑ ደቂ ዓዱ: ናብ የሆዋ ጸለየ። (ኢሳይያስ 63:15–64:12) እዚ ነብዪ እዚ ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ምስ ናይ ሓሶት ድሕሪ ምንጽጻሩ: የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ ብኸመይ ከም ዚባርኾም ገለጸ።—ኢሳይያስ 65:1–66:24

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

61:8, 9—እቲ “ዘለኣለማዊ ኺዳን” እንታይ እዩ፧ እቶም “ዘርኢ” መን እዮም፧ እዚ ኺዳን እዚ: የሆዋ ምስ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝኣተዎ ሓድሽ ኪዳን እዩ። እቶም “ዘርኢ” ኸኣ ነቲ መልእኽቲ እተቐበሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” እዮም።—ዮሃንስ 10:16

63:5—ንኣምላኽ ነድሩ ዚድግፎ ብኸመይ እዩ፧ ነድሪ ኣምላኽ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዚኸውን ስምዒት ኣይኰነን። ጽድቃዊ ቝጥዓኡ እዩ። ስለዚ: ነድሩ ነቲ ጽድቃዊ ፍርድታት ንኺፍጽም ይድግፎን ይድርኾን።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

64:6 ዘይፍጹማት ሰባት ንርእሶም ኬድሕኑ ኣይክእሉን እዮም። ንሓጢኣቶም ብምትዕራቕ ዝመጸ: ከም ጽዩቕ ክዳን ካብ ምዃን ሓሊፎም ዚረብሑ ኣይኰኑን።—ሮሜ 3:23, 24

65:13, 14 የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ እቲ ዜድልዮም መንፈሳዊ ነገራት ኣኺሉ ኽሳዕ ዚተርፍ ብምሃብ ይባርኾም።

66:3-5 የሆዋ ግብዝና ይጸልእ።

‘ተሓጐሱ’

እቲ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት: ነቶም ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዕዎም ኪኸውን ዘለዎ! የሆዋ “እንሆ: የሩሳሌም ንእልልታ: ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ: በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ” በሎም።—ኢሳይያስ 65:18

ንሕና እውን ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት ኣብ ዜጐልበበሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (ኢሳይያስ 60:2) “ክፉእ ዘመን” መጺኡ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስለዚ: እቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚርከብ የሆዋ ዝለኣኾ መልእኽቲ ድሕነት: ብዙሕ የተባብዓና እዩ።—እብራውያን 4:12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ኢሳይያስ 1:1–35:10 መብርሂ እንተ ደኣ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ዚጐልሕ ነጥብታት—1ይ ክፋል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቅያስ ካብ ኢድ ኣሶራውያን ኪድሕን ዝጸለየሉ ቐንዲ ምኽንያት ትፈልጦዶ፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

“እቲ ብስራት ዜበስር . . . ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን”