ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉድ ኪዓሉ ኸሎ ጸኒዕካ ምቕጻል

ውሉድ ኪዓሉ ኸሎ ጸኒዕካ ምቕጻል

ውሉድ ኪዓሉ ኸሎ ጸኒዕካ ምቕጻል

ሓንቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጆይ ዚብል ስም ዝሃብናያ ክርስትያን ሰበይቲ: ወዳ ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ ገይራ ኸተዕብዮ ጸዓረት። ኣብ መወዳእታ ዅትትናኡ ግን እቲ ወዲ ዓለወኛ ዀነ: ካብ ገዛ ድማ ወጸ። ጆይ “መዓንጣይ ኵምትር እየ ኢለ። እተኸዳዕኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ: ጕህየ: ተበሳጭየ። ብኣሉታዊ ስምዒታት እየ ተዋሒጠ” በለት።

ምናልባት ንስኻ እውን ውሉዳትካ ንኣምላኽ ከም ዜፍቅርዎን ከም ዜገልግልዎን ጌርካ ኸተዕብዮም ፈቲንካ ኽነስኻ: ገሊኦም ዝባኖም ኪህብዎ ኸለዉ ርኢኻ ትኸውን። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኸቢድ ጓሂ ብኸመይ ክትጻወሮ ትኽእል፧ ኣብቲ ንየሆዋ ዘሎካ ኣገልግሎት ብኸመይ ጸኒዕካ ኽትቅጽል ትኽእል፧

ደቂ ኣምላኽ ኪዓልዉ ኸለዉ

እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ: የሆዋ እንታይ ከም ዚስምዓካ ብልክዕ ከም ዚፈልጥ ምርዳእ እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 49:15 “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ: ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ: ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ” ዚብል ነንብብ። እወ: የሆዋ ኸምቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ዚስምዖም ዓይነት ስምዒት ይስምዖ እዩ። ኵሎም እቶም መላእኽቱ ኣብ ዚውድሱሉን ዜገልግሉሉን ዝነበሩ እዋን ዝነበሮ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ “ካብ ህቦብላ ንፋስ” ኪምልሰሉ ኸሎ: ምስቶም ሓድነት ዝነበሮም መንፈሳውያን ስድራቤቱ ዘሕለፎ ዜሐጕስ ግዜ ኸምዚ ብምባል ዘከረ:- “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ፧ . . . ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለዉ: መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧”—እዮብ 38:1, 4, 7

ድሕሪ ግዜ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ኻብቶም ደቁ ዝነበረ ፍጹም መልኣኽ ካብኡ ኺዓሉን ሰይጣን ወይ “ተጻራሪ” ኪኸውንን ከሎ ረኣዮ። የሆዋ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣዊ ወዱ ዝነበረ ኣዳምን ነታ ፍጽምቲ ሰበይቱ ዝነበረት ሄዋንን ኣብቲ ዕልወት ኪሓብሩ ኸለዉ እውን ርእይዎም እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ራእይ 12:9) ጸኒሑ: ካልኦት መላእኽቲ ‘ሰፈሮም ሓደጉ:’ ካብ ኣምላኽ ድማ ዓለዉ።—ይሁዳ 6

ገለ ኻብቶም ፍጹማት ደቂ የሆዋ መገዲ ዕልወት ምስ ሰዓቡ: የሆዋ እንታይ ከም እተሰምዖ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ: ብልቡ ድማ ጐሀየ” ብምባል ብንጹር ይነግረና እዩ። (ዘፍጥረት 6:5, 6) እቶም ሕሩያት ህዝቢ የሆዋ ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ‘ኣጕህዮምዎን ኣቘጢዖምዎን’ እዮም።—መዝሙር 78:40, 41

የሆዋ ነቶም ብሰሪ ኣካይዳ ዓለወኛታት ደቆም ዚጕህዩ ሰባት ከም ዚርድኣሎም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ነቲ ዘጋጠሞም ኵነታት ንኺጻወርዎ ዜኽእል ጽቡቕ ምዕዶን ምትብባዕን ሂብዎም ኣሎ። ንዅሉ ሓልዮቶም ኣብኡ ኼውድቕዎ: ትሕት ኪብሉ: ንሰይጣን ድያብሎስ ከኣ ኪቃወምዎ ይምሕጸኖም እዩ። ውሉድካ ኺዓሉ ኸሎ: ነዚ ምኽሪ እዚ ምስዓብ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ እስከ ንርአ።

ሓልዮትካ ኣብ የሆዋ ኣውድቆ

ወለዲ: ደቆም ርእሶም ከይጐድኡ ወይ ካልኦት ከይጐድእዎም ኣመና ኸም ዜጨንቖም የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዝን ንኻልእ ጭንቀታትን ኪዋጽኡሉ ዜኽእል ሓደ መገዲ ጠቒሱ ኣሎ። “[የሆዋ] ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:7) እዚ ቐሪቡ ዘሎ ዕድመን መጸናንዕን እዚ ብፍላይ ነቶም ዓለወኛ ውሉድ ዘለዎም ወለዲ ብኸመይ እዩ ዚምልከቶም።

ውሉድካ ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ ሓደጋታት ተጠንቂቕካ ተዕቍቦ ኔርካ ትኸውን: ነቲ ንስኻ እትህቦ ፍቕራዊ መምርሒ እውን ይቕበሎ ነይሩ ይኸውን። እናዓበየ ምስ ከደ ግን: እቲ ኣብኡ ዘሎካ ጽልዋ ነክዩ ይኸውን: እቲ ኻብ ጕድኣት ንኸተዕቍቦ ዘሎካ ሓያል ባህጊ ግን ኣይነከየን። አረ ወሲኹ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ከም ውጽኢቱ: ውሉድካ ምስ ዓለወ: መንፈሳዊ: ስምዒታዊ: ወይ ኣካላዊ ጕድኣት ድማ ምስ ኣጋጠሞ: ተሓታቲ ኸም ዝዀንካ ዀይኑ ይስምዓካ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ጆይ: ከምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። “መዓልታዊ ንዝሓለፈ ተግባራት እናዘከርኩ እንታይ ጌጋ እየ ገይረ ኢለ ብምሕሳብ እሳቐ ነበርኩ” ትብል። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት: የሆዋ ‘ሓልዮትካ ኣብኡ ኸተውድቖ’ ይደልየካ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ: ኪሕግዘካ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” በለ። (መዝሙር 55:22) ጆይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽንናዕ ረኺባ እያ። “ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝሓስቦ ዅሉ ነገራት ንየሆዋ ነገርክዎ። ስምዒታተይ ኣፍሰስኩሉ: ካብ ኵሉ ዝዓበየ እፎይታ ድማ ኣምጺኡለይ” በለት።

ዘይፍጹም ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን: ውሉድካ ኸተዕቢ ኸለኻ ጌጋታት ጌርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ ግን ኣብዚ እተተኰር፧ የሆዋ ኣብኡ ኣየተኵርን እዩ፣ ከመይሲ: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ እዩ ዘሚሩ። (መዝሙር 130:3) ኣበር ዘይብልካ ወላዲ እውን እንተ ትኸውን: ውሉድካ ምናልባት ምዓለወ። ስለዚ: ስምዒታትካ ንየሆዋ ብጸሎት ኣካፍሎ: ንሱ ድማ ንኽትጻወሮ ኺሕግዘካ እዩ። ይኹን እምበር: ጸኒዕካ ንየሆዋ ንኸተገልግሎን ግዳይ ሰይጣን ካብ ምዃን ንኸተምልጥን: ዝያዳ ኽትገብር ኣሎካ።

ትሕት በል

ጴጥሮስ “ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:6) ውሉድካ ኺዓሉ ኸሎ ትሕትና ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚስምዓካ ጣዕሳን ጓህን: ውሉድካ ዓለወኛ ብምዃኑ ብእተወሰነ ደረጃ የሕፍረካ እዩ። እቲ ውሉድካ ዚገብሮ ተግባራት ንስም ስድራቤትካ ኸም ዘበላሸዎ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ እቲ ውሉድ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንተ ተወጊዱ ኸኣ እዚ ስምዒት እዚ ይሕይል እዩ። ውርደትን ሕስረትን ተሓዋዊሱ: ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከይትኸይድ ኪዓግተካ ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ: ግብራዊ ጥበብ ከተርኢ ኣሎካ። ምሳሌ 18:1 “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ብምባል ተጠንቅቕ። ሓዘን እናሃለወካ ኽነሱ ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ እትእከብ: ምስቲ ኣገዳሲ ምንጪ ትምህርትን ምትብባዕን ዘሎካ መትረብ ክፉት ኰይኑ እዩ ዚቕጽል። ብዛዕባ እዚ ጆይ ከምዚ በለት:- “ኣብ ፈለማ: ንዋላ ሓደ ሰብ ክርኢ ኣይደለኹን ነይረ። እንተዀነ ግን: መንፈሳዊ ልማዳተይ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘከርኩ። ብዘይካዚ: ኣብ ገዛይ ኮፍ እንተ ዝብል: ብዛዕባ እቲ ጸገማተይ ጥራይ መስተንተንኩ። እቲ ኣኼባታት ኣብ ሃናጺ መንፈሳዊ ነገራት ንኸተኵር ሓጊዙኒ እዩ። ርእሰይ ብዘይምፍላየይን ካብ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ፍቕራዊ ደገፍ ብምርካበይን አመስግነሉ እየ።”—እብራውያን 10:24, 25

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት “ጸጾሩ ኺጸውር:” ማለት ክርስትያናዊ ሓላፍነቱ ኺስከም ከም ዚግባእ እውን ኣይትረስዕ። (ገላትያ 6:5) የሆዋ ንወለዲ: ንደቆም ኬፍቅሩን ኪግስጹን ይጽበዮም እዩ። ንውሉዳት እውን ንወለዶም ኪእዘዙን ኬኽብሩን ይጽበዮም እዩ። ወለዲ ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንምዕባይ ዚከኣሎም እንተ ገይሮም: እቶም ወለዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም እዩ ዚህልዎም። (ኤፌሶን 6:1-4) ሓደ ውሉድ ካብቲ ፈቃር ወላዲኡ ዚህቦ ተግሳጽ እንተ ዓልዩ: ስም እቲ ቘልዓ እዩ ዚበላሾ። ምሳሌ 20:11 “ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ: ብግብሩ የፍልጥ” ትብል። ዕልወት ሰይጣን ንስም የሆዋ ኣብቶም ነቲ ጕዳይ ብሓቂ ዚፈልጥዎ ዘበሉ ኸም ዘየበላሸዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ንድያብሎስ ተቓወሞ

ጴጥሮስ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ድያብሎስ ከም ኣንበሳ ስለ ዝዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ንንኣሽቱን ተመክሮ ንዘይብሎምን እዩ ዜጥቅዕ። ብግዜ ጥንቲ ኣንበሳ ኣብ እስራኤል ይርከብ ነበረ: ንእንስሳታት ዘቤት ድማ ዜስግእ ነበረ። ሓንቲ ዕየት ካብ መጓሰኣ እንተ ርሒቓ: ብቐሊሉ እያ ግዳዩ እትኸውን። ሓንቲ ዝወለደት በጊዕ ንዕየታ ንኽትከላኸል ክትብል ንርእሳ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱ ትኽእል እያ። ይኹን እምበር: ዓባይ በጊዕ እውን እንተ ዀነት: ንኣንበሳ ኸተሰንፎ ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ: ነተን መጓሰ ዚከላኸሉ ተባዓት ጓሶት የድልዩ ነበሩ።—1 ሳሙኤል 17:34, 35

የሆዋ ነተን ምሳልያውያን ኣባጊዑ ኻብ “ዚጓዝም ኣንበሳ” ንምዕቋብ: ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓለቓ ጓሶት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚዓዩ ንመጓሰኡ ዚጓስዩ መንፈሳውያን ጓሶት ኣዳልዩ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 5:4) ጴጥሮስ ነዞም እተሸሙ ሰባት “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ: ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር: ብግዲ ኣይኹን: ብታሕጓስ እምበር: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 5:1, 2) እዞም ጓሶት እዚኣቶም ምሳኻ ምስ ወላዲ ብምትሕብባር: ነቲ ውሉድካ ብመንፈሳዊ መዳይ መገዱ ንኺእርም ኪሕግዝዎ ይኽእሉ ይዀኑ።

ክርስትያን ጓሶት ንዓለወኛ ውሉድካ ኺመኽርዎ ኣብ ዜድልዮም እዋን: ካብቲ ዚወሃቦ ተግሳጽ ክትከላኸለሉ ድራኸ ይሓድረካ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ምስዓብ ዓብዪ ጌጋ እዩ። ጴጥሮስ “ብእምነት ጸኒዕኩም [ንድያብሎስ] ተቓወምዎ:” ደኣሉ ዝበለ እምበር: ንመንፈሳውያን ጓሶት ተቓወምዎም ኣይበለን።—1 ጴጥሮስ 5:9

እቲ ተግሳጽ ተሪር ኪኸውን ከሎ

ውሉድካ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑን እተጠምቀ ክርስትያን እንተ ዀይኑን: ሓያል ዓይነት ተግሳጽ ኪወሃቦ ይኽእል ይኸውን: ማለት ካብታ ጉባኤ ይውገድ ይኸውን። እቲ ድሕርዚ ኺህልወካ ዘለዎ ኣካይዳ: ኣብ ዕድመኡን ካልእ ኵነታትን ይምርኰስ።

እቲ ቘልዓ ዘይባጽሐን ኣብ ቤትካ ዚነብርን እንተ ዀይኑ: ብስጋ ዜድልዮ ነገራት ምምላእ ኣይተቋርጽን ኢኻ። ስነ-ምግባራዊ ስልጠናን ተግሳጽን እውን የድልዮ እዩ: ነዚ ንኽትገብረሉ ድማ ሓላፍነት ኣሎካ። (ምሳሌ 1:8-18፣ 6:20-22፣ 29:17) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሉ ትደሊ ትኸውን: ኣብኡ ድማ ብቐጥታ ኺሳተፍ ይኽእል እዩ። ኣብ እተፈላለየ ጥቕስታትን ኣብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋትን ከም ዜተኵር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። (ማቴዎስ 24:45) ነቲ ቘልዓ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሒዝካዮ ኽትከይድን ምሳኻ ኾፍ ከተብሎን ትኽእል ኢኻ። እዚ ዅሉ ኸኣ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ልቡ ኼሕድሮ እዩ ብዚብል ተስፋ ኢኻ እትገብሮ።

እቲ እተወገደ በጽሒ እንተ ዀይኑን ካብ ገዛኻ ወጻኢ ዚነብር እንተ ዀይኑን ግን እቲ ዅነታት እተፈልየ እዩ ዚኸውን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ: ወይስ ስሱዕ: ወይስ መምለኽ ጣኦት: ወይስ ተጻራፊ: ወይስ ሰካር: ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ: ምስኡ ኸይትጽምበሩ: ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ” ኢሉ መዓዶም። (1 ቈረንቶስ 5:11) ኣብ ስድራቤት ዚለዓል ኣገዳሲ ጕዳያት ንምፍጻም ምስቲ እተወገደ ምርኻብ ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ: ሓደ ክርስትያን ወላዲ ግን ዘየድሊ ምቅርራብ ንኸይገብር ኪቃለስ ኣለዎ።

ሓደ ኣባሲ ውሉድ ብክርስትያን ጓሶት ምስ ተገሰጸ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስጕምቲ ኽትነጽጎ ወይ ከተቃልሎ ጥበባዊ ኣይኰነን። ምስቲ ዓለወኛ ውሉድ ምውጋንካ: ካብ መጥቃዕትታት ድያብሎስ ናይ ሓቂ ዕቝባ ኣይኰንካን እትዀኖ ዘለኻ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ናይ ርእስኻ መንፈሳዊ ጥዕና ኢኻ ኣብ ሓደጋ እተእቱ ዘለኻ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ነቲ እቶም ጓሶት ዚገብርዎ ጻዕርታት ብምድጋፍካ: ‘ብእምነት ትጸንዕ:’ ንውሉድካ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ሓገዝ ትህቦ።—1 ጴጥሮስ 5:9

የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

ውሉድካ እንተ ዓልዩ: ንስኻ ጥራይ ኣይኰንካን ከምዚ ኣጋጢሙካ ዘሎ። ካልኦት ክርስትያን ወለዲ እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም። ዜጋጥመና ፈተናታት ብዘየግድስ: የሆዋ ይድግፈና እዩ።—መዝሙር 68:19

ብጸሎት ናብ የሆዋ ተጸጋዕ። ኣዘውቲርካ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሕበር። ነቲ እቶም እተሸሙ ጓሶት ዚህብዎ ተግሳጽ ደግፎ። ከምዚ ምስ እትገብር: ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰናይ ኣብነትካ ኸኣ ንውሉድካ ነቲ የሆዋ ንኺምለስ ዚገብረሉ ፍቕራዊ ጻውዒት ንኪቕበል ይሕግዞ ይኸውን።—ሚልክያስ 3:6, 7

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸሎትን ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤን ብርታዐ ርኸብ