ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕላማ ህይወት ዘለዋ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ

ዕላማ ህይወት ዘለዋ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ

ዕላማ ህይወት ዘለዋ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ

ኢሊን ሓንቲ ኻብቶም ዕድሚኦም 105ን ካብኡ ንላዕልን እዩ ተባሂሎም ዝርዝር ስማቶም ኣብ ስዊድን ዝወጸ 60 ሰባት እያ። ንሳ እውን ዕድሚኣ 105 እዩ። ንኣረጋውያን ተባሂሉ ኣብ እተሰርሐ መናበዪ እተሓጽረት እኳ እንተ ዀነት: እቲ ዘለዋ ጥዕና ግን ንጥፍቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ንኸተገልግል የኽእላ እዩ፣ እዚ ኸምዚ ዝበለ ህይወት ቅድሚ 60 ዓመት ዝመረጸቶ እዩ።

ኢሊን ንኻልኦት ሰባት ክትሰብከሎም ከላ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መንበሪኡ ተኣሲሩ ኸሎ ዚገብሮ ዝነበረ ኣገባብ እያ እትስዕብ። ጳውሎስ ንዅሎም እቶም ኪበጽሕዎ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ይሰብከሎም ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:16, 30, 31) ኢሊን እውን ብተመሳሳሊ ንኣጽረይቲ: ንሓካይም ስኒ: ንዶክተራት: ንመሸጥቲ: ንኣለይቲ ሕሙማት: ከምኡውን ንኻልኦት ኣብቲ ገዛ እትረኽቦም ሰባት ተዘራርብ፣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ድማ ተካፍሎም። ሓሓሊፉ ኣብታ ንሳ ዘላትላ ጉባኤ ዘለዉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾታ: ካብቲ ፍልጠታን ተመክሮኣን ንኺጥቀሙ ኢሎም ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑሎም ሰባት ናብኣ ይወስድዎም።

ኣባላት እታ ኢሊን እትካፈለላ ጉባኤ: ነቲ ዘለዋ ሕጉስ መንፈስን ህንጡይነትን የማስውሉ እዮም። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለ:- “ምስ ንጥፈታት ጉባኤ ማዕረ ማዕረ ናይ ምኻድ ዜደንቕ ክእለት ኣለዋ። ስማት ኵሎም ቈልዑ ኸምኡውን ስማት እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጉባኤና ዝመጹ ትዝክሮ እያ።” ተቐባሊት ጋሻ: ተዋዛዪት: ከምኡውን ንህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዋ ሰበይቲ እያ።

ኢለን ሓጐሳ ንኽትዕቅብን ኣብቲ ንህይወት ዘለዋ ዕላማ ንኸተተኵርን ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ መዓልታዊ ኻብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንእሽቶ መጽሓፍ: ጥቕሲ ተንብብ። ኣጕሊሑ ዜርኢ መነጸር ተጠቒማ መዓልቲ መዓልቲ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ። ነቲ ሰሙናዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣቐዲማ ትዳለወሉ እያ፣ ኣብኡ ብኣካል ክትከይድ ስለ ዘይትኽእል ግን ነቲ ተቐዲሑ ዚመጸላ እያ እትሰምዕ። ወትሩ ንመጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትን ምንባብና ኸምኡውን ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘይምትራፍና: ዕድመና ብዘየገድስ ዜዕግብን ዕላማ ዘለዎን ህይወት ንኽንነብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝሙር 1:2፣ እብራውያን 10:24, 25