ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓቂ ካብ ካልኦት እንጽበዮ ጥራይ ድዩ፧

ሓቂ ካብ ካልኦት እንጽበዮ ጥራይ ድዩ፧

ሓቂ ካብ ካልኦት እንጽበዮ ጥራይ ድዩ፧

ሓንቲ ጓል 16 ዓመት: “ሓሶት ዚብልዎ እጸልእ: ካልእ ሰብ ሓሶት ኪነግረኒ እውን ኣይፈቱን እየ” ብምባል ተዛረበት። መብዛሕትና ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘሎና። እቲ ብቓል ኰነ ብጽሑፍ ዚወሃበና ሓበሬታ ሓቂ ኪኸውን ኢና እንደሊ። ይኹን እምበር: ንሕናኸ ንኻልኦት ሰባት ሓበሬታ ኸነመሓላልፍ ከለና ሓቂ ዲና እንዛረብ፧

ኣብ ጀርመን እተኻየደ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: መብዛሕትኦም ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት: “ንርእስኻ ወይ ንኻልኦት ካብ ጕድኣት ንምዕቋብ ኢልካ ብንኣሽቱ ነገራት ምሕሳው ጌጋ የብሉን: አረ ምስ ሰባት ተሳኒኻ ንምንባርሲ ሓሶት ኣገዳሲ እዩ” ዚብል ስምዒት ኣለዎም። ሓንቲ ጋዜጠኛ ድማ “ኵሉ ሳዕ ሓቂ ጥራይ ምዝራብ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ: ዜሰልኪ እዩ” በለት።

ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እተበገሰ: ካልኦት ሰባት ኵሉ ግዜ ሓቂ ኺዛረቡና እናደለና ኽነስና: ንሕና ግን ሓድሓደ ግዜ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና ኢልና ብምሕሳብ ሓቂ ዘይኰነ ኽንዛረብ ስለ እንደሊ ደዀን ይኸውን፧ ሓቂ ተዛረብና ኣይተዛረብና ኣገዳሲ ድዩ፧ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ምዝራብ ዜምጽኦ ሳዕቤን እንታይ እዩ፧

ሓቂ ዘይኰነ ምዝራብ ዜስዕቦ ጕድኣት

ሓቂ ዘይኰነ ምዝራብ ዜስዕቦ ጕድኣት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓሶት ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳርን ኣባላት ስድራቤትን ዘይምትእምማን ኪፈጥር ይኽእል እዩ። መሰረት ዘይብሉ ሕሜት: ስም ናይ ሓደ ሰብ ኬበላሹ ይኽእል እዩ። ሰራሕተኛታት ዚፍጽምዎ ምትላል ስራሕ ንምክያድ ዚወጽእ ገንዘብ ክብ የብሎ: እዚ ኸኣ ንዋጋ ፍርያት ኣዝዩ ኽቡር ይገብሮ። ብዛዕባ ኣታዊ ዚገልጽ ናይ ሓሶት ሰነዳት: ነቲ መንግስቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዜድልዮ ኣታዊ ኸም ዘይረክብ ይገብሮ። ተመራመርቲ ዜቕርብዎ ናይ ሓሶት ፈጠራታት ነቲ ተስፋ ዝነበሮ ስርሖም የስእኖም: ንስም እተን ክብሪ ዝነበረን ትካላት ድማ የሕስሮ። እቲ ምትላል ዝመልኦ ቐልጢፍካ ንምህብታም ዚግበር ሜላታት: ነቶም ብቐሊሉ ዚጥበሩ ኣውፈርቲ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ንዝኣከብዎ ገንዘብ ከም ዚስእኑ ይገብሮም: ወይ ከኣ ዝገደደ ሳዕቤን የምጽኣሎም። እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መንጎ እተን የሆዋ ኣምላኽ ዚፍንፍነን ነገራት: “ሓሳዊት መልሓስ” ከምኡውን “ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር” ከም ዝዀና ምጥቃሱ ዜገርም ኣይኰነን።—ምሳሌ 6:16-19

እዚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሓሶት ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት ይኹን ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ነዚ ዘይቅበሎ ሰብ ዳርጋ የለን። እሞ ደኣ ሰባት ደይመደይ ኢሎም ሓቂ ዘይኰነ ነገር ዚዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧ ኵሉ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ሓሶት ድዩ፧ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ናይዚ ሕቶታትን ናይ ካልኦትን መልሲ ኽንምርምር ኢና።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሓሶት ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ዘይምትእምማን ኪፈጥር ይኽእል እዩ