ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምቕላልሲ ቐሊል እዩ: ግንከ ልክዕ ድዩ፧

ምቕላልሲ ቐሊል እዩ: ግንከ ልክዕ ድዩ፧

ምቕላልሲ ቐሊል እዩ: ግንከ ልክዕ ድዩ፧

ኣብ መስከረም 2005 ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ንምውጻእ እቲ ዘ 100-ሚኒት ባይብል (መጽሓፍ ቅዱስ 100-ደቒቕ) ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ብሓጐስ ኣጽደቐቶ። እዚ ኣብ ውሽጢ 100 ደቒቕ ኪንበብ እተዳለወ ትርጕም: ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ውሽጢ ሓሓደ ገጽ ዝሓዘ 17 ኽፋላት: ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሓደ ገጽ ዝሓዘ 33 ክፋላት ኣሕጽር ኣቢሉ እዩ ዜቕርቦ፣ ከምቲ ሓደ ወሃብ ርእይቶ ዝበሎ ኸኣ ንዅሉ እቲ “ዜሰልኪ ኽፋላት” መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኸይጠቐሰ ዚሓልፎ። ንምንባብ ቀሊል እኳ እንተ ዀነ: ግንከ ልክዕ ድዩ፧

እቶም መስተውዓልቲ ዝዀኑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ መጽሓፍ እዚ ነቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ከም ዘይጠቅስን ካልእ ብዙሕ ነገራት ከም ዜጕድልን ኪርድኡ ይኽእሉ እዮም። (መዝሙር 83:18 NW) ንኣብነት: እቲ 1ይ ክፋል: ኣምላኽ “ንሰማይን ንምድርን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ፈጠረ” ይብል። ዘፍጥረት 1:1 ግን “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” እያ እትብል። ብመሰረት እቲ በዅሪ ጸብጻብ: ብድሕርዚ ኻልእ ምስ ምድሪ ዚተሓሓዝ ተወሳኺ ፍጥረታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ “መዓልቲ” ተፈጥረ። ዘፍጥረት 2:4 ንብምሉኡ እቲ ናይ ፍጥረት እዋናት ከተጠቓልሎ ኸላ: “በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ” ብምባል ትገልጽ።

እዚ ዘ 100-ሚኒት ባይብል ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጾ: እቲ ንጽህናኡ ሓልዩ ዝነበረ እዮብ በቲ “ኸሳስ ደቅሰብ ብምዃን ንኼገልግል ሓላፍነት እተዋህቦ . . . ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ [ኣምላኽ] ዝዀነ ሰይጣን” መጥቃዕቲ ወሪድዎ ነበረ። ነቲ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ነገራት ኣስተብሂልካሉዶ፧ እታ “ሰይጣን” እትብል ቃል “ተጻራሪ” ማለት እያ። ስለዚ: ሰይጣን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ቀንዲ ጸላኢ ኸምኡውን ንርእሱ ባዕሉ ዝሸመ ኸሳስ ደቅሰብ እዩ።—ራእይ 12:7-10

ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዘ 100-ሚኒት ባይብል ዚበሃል መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እዚ ሓድሽ ትርጕም እዚ: ኣብቲ ንኣባጊዕን ኣጣልን ብዚምልከት እተነግረ ምሳሌ: “ክሳዕ ክንደይ ዘይረብሕ ምዃኑ ብዘየገድስ ንዝዀነ ይኹን ሰብ” ዝሓገዘ: ሞገስ የሱስ ከም ዚረክብ ይጠቅስ፣ ይኹን እምበር: የሱስ ነቶም ንሰዓብቱ: ማለት ነቶም ‘ንኣሕዋቱ’ ሰናይ ዚገብሩ ሰባት ከም ዚባርኾም እዩ ገሊጹ። (ማቴዎስ 25:40) እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ዚገልጽ ጽማቝ ሓሳብ: “እታ ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት ሮሜ ፈጺማ ኽትጠፍእ እያ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዚገልጽ። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ: ንመንነት እታ “ዓባይ ባቢሎን” ብዚምልከት ከምዚ ዝበለ መግለጺ ኸም ዘይተዋህበ ይፈልጡ እዮም።—ራእይ 17:15–18:24

እቶም ንፈጣሪና ኺፈልጥዎን ንዕላማኡ ኺርድኡን ዚደልዩ ሰባት: ነቲ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባቦም መተካእታ የብሉን። ሓቂ እዩ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ካብ 100 ደቒቕ ንላዕሊ ኺወስድ ይኽእል እዩ፣ ከምዚ ምግባር ግን ዘይተኣደነ ዓስቢ ኣለዎ። (ዮሃንስ 17:3) እምበኣር: ነዚ ጻዕሪ ዜድልዮ ዕዮ እዚ ተቐበል: ዓስቢ ድማ ርኸብ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17