ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞሳኻ ኻብ ምዕባይ ከቶ ኣይተቋርጽ

ሞሳኻ ኻብ ምዕባይ ከቶ ኣይተቋርጽ

ሞሳኻ ኻብ ምዕባይ ከቶ ኣይተቋርጽ

“ዎ ኣምላኽ: ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ: ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ።”—መዝሙር 139:17

1, 2. ንቓል ኣምላኽ ከነማስዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሞሳኡ ዝገለጸኸ ብኸመይ እዩ፧

 ዜደንቕ ርኽበት እዩ ነይሩ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ጽገና ኺግበር ከሎ: ሒልቅያ እቲ ሊቀ ኻህናት “ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር” ረኸቦ: ብዘይ ጥርጥር ድማ እዚ በዅሪ ቕዳሕ ኣስታት 800 ዓመት ኣቐዲሙ እተዛዘመ እዩ! እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ንጉስ ዮስያስ: እቲ መጽሓፍ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ቀረበ ኸመይ ከም እተሰምዖ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ብርግጽ ኣኽቢሩ ርእይዎ: ብኡንብኡ ድማ ሻፋን እቲ ጸሓፊ ዓው ኢሉ ኸም ዜንብበሉ ገይሩ እዩ።—2 ዜና መዋእል 34:14-18

2 ሎሚ ቓል ኣምላኽ: ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ: ብቢልዮናት ሰባት ኪንበብ ይከኣል እዩ። እዚ ግን ንቕዱሳት ጽሑፋት ዘለዎ ጥቕምን ኣገዳስነትን ከም ዚንኪ ዚገብር ድዩ፧ ኣይኰነን! ከመይሲ: ንጥቕምና ኢሉ እተመዝገበ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ: “ዎ ኣምላኽ: ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ: ቍጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 139:17

3. ዳዊት መንፈሳዊ ዕምቈት ዘለዎ ሰብ ምንባሩ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

3 ዳዊት ንየሆዋን ንቓሉን ንስርዓት እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾኡን ዝነበሮ ሞሳ ኸቶ ኣይሃሰሰን። እቲ ዳዊት ዝጸሓፎ ሓያሎ ባህ ዜብል መዝሙራት ከመይ ከም እተሰምዖ ይገልጽ። ንኣብነት: ኣብ መዝሙር 27:4 “ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ: ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ: መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብቲ በዅሪ እብራይስጢ እታ “ንምምርማር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል: ምስትንታን: ብደቂቕ ምምርማር: ብሓጐስን ብደስታን ብኣድንቖትን ምርኣይ ማለት እያ። ብንጹር እምበኣር ዳዊት ንመንፈሳዊ መሰናድዎታት የሆዋ ብሓቂ ዜማስወሉን ካብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣምላኽ ዝገለጾ መንፈሳዊ ሓቂ ዚምገብን መንፈሳዊ ዕምቈት ዘለዎ ሰብ እዩ ነይሩ። ብምምሳው ዝመጸ ዝገደፈልና ኣብነት: ክንቀድሖ ይግባእ።—መዝሙር 19:7-11

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምፍላጥካ ኣማስወሉ

4. ንየሱስ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዚሕጐስ’ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

4 ቃል ኣምላኽ ከተስተውዕሎ ምኽኣል ኣብቲ ትዕቢት ኬምጽእ ዚኽእል ኣእምሮኣዊ ብልሒ ወይ ዓለማዊ ትምህርቲ ዚምርኰስ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ የሆዋ ነቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ትሑታትን ቅኑዕ ዝልቦምን ሰባት ዚህቦም ጸጋ እዩ ዚምርኰስ። (ማቴዎስ 5:3፣ 1 ዮሃንስ 5:20) የሱስ: ገሊኦም ዘይፍጹማት ሰባት ስሞም ኣብ ሰማይ ይጸሓፍ ከም ዘሎ ምስ ሓሰበ: “ብመንፈስ ቅዱስ ተሐጐሰ: በለውን፤ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ: እወ ኣቦይ: ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ: ኤመስግነካ አሎኹ።”—ሉቃስ 10:17-21

5. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ እተገልጸሎም ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቕሊሎም ኪርእይዎ ዘይነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

5 የሱስ ነቲ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ድሕሪ ምጽላዩ: ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ: “ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም: ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ኪርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረአይዎን: ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ: ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዚርእያ ኣዒንቲ ብጹኣት እየን: እብለኩም አሎኹ” በሎም። እወ: የሱስ ንእሙናት ሰዓብቱ ነቲ እተገልጸሎም ክቡር ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቕሊሎም ከይርእይዎ ኣተባብዖም። እዚ ሓቅታት እዚ ነቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ወለዶታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣይተጋህደሎምን: ነቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ‘ብልህታትን ለባማትን’ እውን ኣይተገልጸሎምን።—ሉቃስ 10:23, 24

6, 7. (ሀ) ነቲ መለኮታዊ ሓቂ ንኸነማስወሉ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧ (ለ) ሎሚ ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ሃይማኖት እንታይ ፍልልይ እዩ ዚርአ፧

6 ኣብዚ ግዜና: ንመለኮታዊ ሓቂ መማሰውቲ እንዀነሉ ዝያዳ ምኽንያታት ኣሎና፣ ከመይሲ: የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ: ብዛዕባ ቓሉ ዝዓመቘ ምርዳእ ሂብዎም እዩ። (ማቴዎስ 24:45፣ ዳንኤል 12:10) ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ መወዳእታ ግዜ “ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም: ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዳንኤል 12:4) ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ምስትውዓል ወይ ፍልጠት ኣብዚ ግዜና ‘እናወሰኸ ኸም ዝኸደን’ ኣገልገልቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ብግቡእ ከም ዚምገቡን ኣይትሰማምዓሉን ዲኻ፧

7 ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ብልጽግና ህዝቢ ኣምላኽን ሃይማኖታዊ ምድንጋር እታ ዓባይ ባቢሎንን ዓብዪ ፍልልይ ኢና እንርኢ! ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ተስፋ ዝቘረጹ ወይ ዝፈንፈንዋ ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይመጹ ኣለዉ። እዚኣቶም ‘ኣብቲ ሓጢኣት ዓባይ ባቢሎን ኪጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ኪካፈሉ ዘይደልዩ’ ኣባጊዕ መሰል ሰባት እዮም። የሆዋን ኣገልገልቱን ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዅሎም ናብታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ይዕድምዎም ኣለዉ።—ራእይ 18:2-4፣ 22:17

መማሰውቲ ዘበሉ ናብ ኣምላኽ ይውሕዙ

8, 9. እቲ ኣብ ሃጌ 2:7 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ እዩ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ፧

8 የሆዋ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ቤት ኣምልኾኡ: “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” በለ። (ሃጌ 2:7) እዚ ዜደንቕ ትንቢት እዚ: ብግዜ ሃጌ እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ህዝቢ ኣምላኽ ነታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ምስ ሃነጽዋ ተፈጺሙ እዩ። ሎሚ: ቃላት ሃጌ ምስቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብምትሕሓዝ ተወሳኺ ፍጻመ ይረክብ ኣሎ።

9 ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ምእንቲ ኼምልኽዎ: ናብቲ ምሳልያዊ ቤተ መቕደስ ድሮ ውሒዞም ኣለዉ: ኣብ ዓዓመት ከኣ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ይውሕዙ ኣለዉ። (ዮሃንስ 4:23, 24) ንኣብነት: እቲ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ዓመት ኣገልግሎት 2006 ከም ዚሕብሮ: 248,327 ሰባት ርእሶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ንምርኣይ ተጠሚቖም እዮም። እዚ ኸኣ ብገምጋም 680 ሓደስቲ ሰባት ኣብ መዓልቲ ማለት እዩ! ንሓቂ ዘለዎም ፍቕርን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዘለዎም ባህግን ድማ ብሓቂ ኣምላኽ ከም ዝሰሓቦም ዜርኢ መርትዖ እዩ።—ዮሃንስ 6:44, 65

10, 11. ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብኸመይ ከም ዘማስዉሉ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

10 መብዛሕትኦም ካብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት: “ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን: ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ” ኬስተውዕሉ ብምኽኣሎም እዮም ናብታ ሓቂ ተሳሒቦም። (ሚልክያስ 3:18) ዌንን ቨርጂንያን ዘሕለፍዎ ተመክሮ እስከ ንርአ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ምእመናን ቤተ-ክርስትያን ፕሮተስታንት እዮም ነይሮም: ኰይኑ ግን ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ነበሮም። ውግእ ይጸልኡ ነበሩ: ሓደ ቐሺ ንወተሃደራትን ኣጽዋርን ኪባርኽ ምስ ረኣዩ ድማ ተደናገሩን ተረበሹን። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ከዱ: ዋላ እውን ቨርጂንያ ንሓያሎ ዓመታት ትምህርቲ ሰንበት እንተ መሃረት: ካልኦት ምእመናን እታ ቤተ-ክርስትያን ዕሽሽ ከም ዝበልዎም ተሰምዖም። “ዋላ ሓደ ሰብ ኪበጽሓና ኣይመጸን: ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታትና ዚግደስ እውን ኣይነበረን። እታ ቤተ-ክርስትያን ገንዘብና ጥራይ እያ እትደሊ ነይራ። እንገብሮ ሓርበተና” በሉ። ብዘይካዚ: ቤተ-ክርስትያኖም ንግብረ ሶዶም ብዚምልከት ልምሉም ኣረኣእያ ብምሓዛ ዝያዳ ኣደናገሮም።

11 እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ፈለማ ጓል ጓሎም: ጸኒሓ ኸኣ ጓሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰና። ዌንን ቨርጂንያን ፈለማ እዚ እኳ እንተ ኣበሳጨዎም: ጸኒሖም ሓሳቦም ቀየሩ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ድማ ተሰማምዑ። ዌን ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ: “ኣብ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ: ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመት እተመሃርናዮ ንላዕሊ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሃርና! ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ፈጺምና ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ገነታዊት ምድርን ድማ እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን” በለ። ነዊሕ ከይጸንሐ: እዞም ቅኑዕ ዝልቦም ሰብ ሓዳር ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከቡን ኣብ ኣገልግሎት ኪሳተፉን ጀመሩ። ቨርጂንያ “ብዛዕባ እታ ሓቂ ንዅሉ ሰብ ክንነገር ንደሊ ኢና” በለት። ክልቲኦም ኣብ 80ታት ዕድሚኦም ብ2005 ተጠመቑ። “ናይ ሓቂ ክርስትያናት ረኺብናዮም ኢና” ድማ በሉ።

‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ድሉው’ ምዃንካ ኣማስወሉ

12. የሆዋ ንኣገልገልቱ ወትሩ እንታይ እዩ ዚገብረሎም፧ ካብኡ ንኽንጥቀምከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

12 የሆዋ ወትሩ ንኣገልገልቱ ፍቓዱ ኺገብሩ ይሕግዞም እዩ። ንኣብነት: ኖህ ብኸመይ መርከብ ኪሰርሕ ከም ዘለዎ ንጹር ዝርዝር መምርሒታት ተቐበለ: እቲ ዕዮ እውን ብዘይ ገለ ጌጋ ኺስራሕ ነበሮ! ብዘይ ገለ ጌጋ ድማ ተሰርሐ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኖህ “ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:14-22) ሎሚ እውን የሆዋ ንኣገልገልቱ ፍቓዱ ንኺገብሩ ምሉእ ብምሉእ የዕጥቖም እዩ። ልክዕ እዩ: ቀንዲ ዕዮና ነቲ ብስራት እታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ብቑዓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ምሕጋዝን እዩ። ከም ኖህ ድማ: ኣሳልጦና ኣብ ተኣዛዝነትና እዩ ዚምርኰስ። ነቲ የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚህቦ መምርሒ ብተኣዛዝነት ክንስዕብ ኣሎና።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20

13. የሆዋ ስልጠና ዚህበና በየናይ መገድታት ኣቢሉ እዩ፧

13 ነቲ ዕዮ ንምዕማም: ነቲ ቐንዲ መሳርሒና ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ‘ብቕኑዕ ምምቓሉ’ ኽንክእል ኣሎና። “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።” (2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ 3:16, 17) የሆዋ ኸምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝገበሮ: በታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ጠቓሚ ስልጠና ይህበና እዩ። ሎሚ ኣብተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዚርከባ 99,770 ጉባኤታት: ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺሕግዘና ተባሂሉ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ሰሙናዊ ይካየድ ኣሎ። ኣዘውቲርካ ብምእካብን ነቲ እተመሃርካዮ ነገራት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ነዚ ኣገዳሲ ኣኼባታት እዚ ሞሳኻ ተርኢ ዲኻ፧—እብራውያን 10:24, 25

14. ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ንኣምላኽ ምግልጋል ዘለዎም ፍሉይ መሰል ከም ዜማስዉሉ ብኸመይ የርእዩ፧ (ካብቲ ኻብ ገጽ 27-30 ዚርከብ ሰሌዳ ሓሳብ ሃብ።)

14 ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ህዝቢ ኣምላኽ: ኣብ ኣገልግሎት ዚከኣሎም ብምግዳል ነቲ ስልጠና ዘለዎም ሞሳ የርእዩ እዮም። ንኣብነት: ዓመት ኣገልግሎት 2006 እንተ ወሲድና: 6,741,444 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብድምር 1,333,966,199 ሰዓት ኣብ ኵሉ መዳያት እቲ ዕዮ ኣሕለፉ: እዚ ድማ ነቶም 6,286,618 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ የጠቓልል። እዚ ጸብጻብ እዚ ኻብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ እተዘርዘረ ዜተባብዕ ኣብነታት ሒደት ጥራይ እዩ። ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ኻብቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኦም ዚግበር ዝነበረ ምስፋሕ ዕዮ ስብከት ዚገልጽ ጸብጻብ እተተባብዑ: ንስኻ እውን ነቲ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ተጠንቂቕካ ኽትምርምሮን ካብኡ ምትብባዕ ክትረክብን ንዕድመካ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:5-11, 41, 47፣ 4:4፣ 6:7

15. ዋላ ሓደ ሰብ በቲ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሱ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ኪጕሂ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ ኣብ ዓዓመት ናብ ኣምላኽ ዚዓርግ ዓብዪ ድምጺ ውዳሰ: ነቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ንዕኡ ብምፍላጦምን መሰኻኽሩ ብምዃኖምን ዚስምዖም ዓሚቝ ሞሳ እዩ ዜንጸባርቕ። (ኢሳይያስ 43:10) ገሊኦም ኣረጋውያን: ሕሙማት: ወይ ምሱናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜቕርብዎ መስዋእቲ ውዳሰ: ምስቲ እታ መበለት ዘውደቐተን ክልተ ለብጦን ኪመሳሰል ከም ዚኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋን ወዱን ንዅሎም እቶም እተኻእሎም ዘበለ ዅሉ ብምግባር ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሶም ዜገልግሉ ሰባት ብሓቂ ኸም ዜማስውዎም እውን ኣይንረስዕ።—ሉቃስ 21:1-4፣ ገላትያ 6:4

16. ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜያት እንታይ መምሃሪ ናውቲ እዩ ሂቡና፧

16 የሆዋ ኣብ ርእሲ እቲ ንኣገልግሎት ዚህበና ስልጠና: ብውድቡ ገይሩ እውን ብሉጽ መምሃሪ ናውቲ የዕጥቐና እዩ። ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወጸ መምሃሪ ናውቲ ናብ ናይ ዘልአለም ህይወት እትመርሕ ሐቂ: ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስተን መጻሕፍቲ ይርከባኦ። እቶም ብሓቂ ነዚ መሰናድዎታት እዚ ዜማስዉሉ ኣብ ኣገልግሎት ብግቡእ ይጥቀሙሉ እዮም።

ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብግቡእ ተጠቐመላ

17, 18. (ሀ) ኣብ ኣገልግሎትካ ኣየናይ ክፋል እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኢኻ ኸተጕልሕ እትደሊ፧ (ለ) ሓደ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እንታይ እዩ እተዓዘበ፧

17 እታ 19 ምዕራፋትን ዝርዝር መመላእታ ጽሑፍን ዘለዋ: ንጹርን ቀሊልን ቋንቋ እትጥቀም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ኣገልግሎት ብሓቂ በረኸት እያ ዀይና ዘላ። ንኣብነት: ምዕራፍ 12 “ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። እዛ ምዕራፍ እዚኣ ነቲ ዜንብባ ተመሃራይ ከመይ ገይሩ ዓርኪ ኣምላኽ ከም ዚኸውን ትገልጸሉ: እዚ ድማ ብዙሓት ከቶ ዘይከኣል ዚመስሎም ነገር እዩ። (ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990) እዛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር እትሕግዝ መጽሓፍ ከመይ ዝበለ ተቐባልነት እያ ረኺባ፧

18 ኣብ ኣውስትራልያ ዚርከብ ሓላው ወረዳ: እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ “ንሰብ ቤት ቀልጢፉ ናብ ዝርርብ ዚመርሕ ዚማርኽ ነገር” ከም ዘለዋ ገለጸ። እታ መጽሓፍ ንኽትጥቀመላ ኣዝያ ቐላል ምዃና ድሕሪ ምግላጽ: “ንሓያሎ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት ሓድሽ ምትእምማንን ሓጐስን እያ ሂባቶም። ገሊኦም እምበኣር ወርቂ ኢሎም ምጽዋዖም ዜገርም ኣይኰነን” በለ።

19-21. ጥቕሚ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ ዜጕልሕ ገለ ተመክሮታት ኣዘንቱ።

19 ሓንቲ ኣብ ጊያና እትነብር ሰበይቲ ንሓደ ናብ ቤታ ዝኸዳ ፈላሚ “ኣምላኽ ልኢኹካ ኪኸውን ኣለዎ” በለቶ። እቲ ምስታ ሰበይቲ ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ: ንዓኣን ንኽልተ ንኣሽቱ ደቃን ራሕሪሕዎም ከደ። እቲ ፈላሚ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 1 ገንጺሉ: ኣብ ትሕቲ “ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ዘይፍትሓዊ ነገራት ከመይ ይስምዖ፧” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ: ሕጡብ ጽሑፍ 11 ዓው ኢሉ ኣንበበላ። “እቲ ነጥቢ ውሽጣ ተንከፋ። አረ ተንሲኣ ናብ ድሕሪ እቲ ድኳና ኸይዳ በኽያ እያ” በለ። እታ ሰበይቲ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ሓብቲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ዝቐረበላ ዕድመ ተቐበለት: ሕጂ ኸኣ ዕቤት ትገብር ኣላ።

20 ሆሴ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ኰይኑ: ሰበይቱ ብሓደጋ ትራፊክ እያ ሞይታቶ። ካብ ሓሽሽ ምጽንናዕ ኪረክብ ፈተነ: ካብ ሰብ ሞያ ድማ ሓገዝ ደለየ። ይኹን እምበር: እቶም ሳይኮሎጅያውያን ነታ ንሆሴ ብዙሕ ዝረበሸቶ “ኣምላኽ ንሰበይተይ ክትመውት ስለምንታይ ፈቐደ፧” እትብል ሕቶ ኺምልስዋ ኣይከኣሉን። ሓደ መዓልቲ ሆሴ ምስ ፍራንቸስክ ዚበሃል መሳርሕቱ ተራኸበ። ፍራንቸስክ ከኣ ነታ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እትርከብ “ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ምዕራፍ 11 ኺመያየጡላ ሓሳብ ሃቦ። እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መግለጺ ኸምኡውን እቲ ብዛዕባ ሓደ መምህርን ሓደ ተመሃራይን ዚገልጽ ምሳሌ ንሆሴ መሰጦ። ብትግሃት ኬጽንዕ ጀመረ: ኣብ ኣኼባ ወረዳ ተኣከበ: ሕጂ ኸኣ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ይእከብ ኣሎ።

21 ሮማን ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘለዎ ኣብ ፖላንድ ዚርከብ ወዲ 40 ዓመት ነጋዳይ እዩ። ብስራሑ ኣመና ትሑዝ ስለ ዝዀነ: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዕቤት ኣይገበረን። ኰይኑ ግን: ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ተኣከበ: ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ድማ ተዋህበቶ። ድሕሪኡ: ኣብ ኣረኣእያኡ ዓብዪ ምምሕያሽ ገበረ። “ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዅሉ እቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ብምትእስሳር ከም ሓደ ምሉእ ስእሊ ዀይኑ እዩ ዚረኣየካ” በለ። ሕጂ ሮማን ኣዘውቲሩ መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕን ጽቡቕ ዕቤት ይገብርን ኣሎ።

ሞሳኻ ብቐጻሊ ኣዕቢ

22, 23. ነቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩ ዘሎ ተስፋ ዘሎና ሞሳ ብቐጻሊ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

22 ኣብቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ባህ ዜብል ኣኼባታት ኣውራጃ ኸም እተገልጸ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ: በቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ ድማ ኪርከብ ዚከኣል “ናይ ዘለኣለም ምድሓን” ሃረር ይብሉ እዮም። ‘ነቲ ህያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል: ካብ ምዉት ግብሪ’ ወትሩ ርእስና ምንጻህና: ነዚ ኽቡር ተስፋ ዘሎና ሞሳ እንገልጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ።—እብራውያን 9:12, 14

23 እወ: ኣብዚ ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩሉ እዋን: ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምጽናዖም ተኣምር እዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ጻዕሮም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጦም’ ንኣምላኽ ምግልጋል ከም ዜማስዉሉ ዚሕብር መርትዖ እውን እዩ። ሞሳና ኻብ ምዕባይ ከቶ ኣይነቋርጽ!—1 ቈረንቶስ 15:58፣ መዝሙር 110:3

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ንኣምላኽን ንመንፈሳዊ መሰናድዎታቱን ዘሎና ሞሳ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

• እቲ ኣብ ሃጌ 2:7 ዚርከብ ቃላት ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ንኣገልገልቱ ብውጽኢታዊ መገዲ ኼገልግልዎ ዘዕጠቖም ብኸመይ እዩ፧

• ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ሰናይ ሞሳኻ ንምርኣይ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27-30 ዘሎ ሰሌዳ]

2006 SERVICE YEAR REPORT OF JEHOVAH’S WITNESSES WORLDWIDE

[Picture on page 25]

የሆዋ ዕዮኡ ንኽንገብር ምሉእ ብምሉእ የዕጥቐና