ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ሓቀኛ ትኸውን፧

ስለምንታይ ሓቀኛ ትኸውን፧

ስለምንታይ ሓቀኛ ትኸውን፧

ማንፍሬድ ወዲ 18 ዓመት ከሎ: ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ይስልጥን ነበረ። a እቲ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኩባንያ ንዕኡን ንኻልኦት ሰልጠንትን: ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ኮለጅ ሞያ ንኺመሃሩ መሰናድዎ ገበረሎም። ሓደ መዓልቲ ትምህርቶም ካብቲ እተመደበሎም ግዜ ኣቐድም ኣቢሉ ተዛዘመ። ብመሰረት መምርሒ እቲ ኩባንያ: እቶም ሰልጠንቲ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ሰዓታት ናብ ስራሕ ተመሊሶም ኬሕልፍዎ ነበሮም። ማንፍሬድ ናብ ስርሑ ተመልሰ: እቶም ካልኦት ግን ኪዘናግዑ ኸዱ። ከም ኣጋጣሚ ዀይኑ: እቲ ኣካያዲ ኩባንያ መጸ። ንማንፍሬድ ምስ ረኣዮ ድማ “ስለምንታይ ናብ ትምህርቲ ዘይከድካ፧ እቶም ካልኦትከ ኣበይ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶ። ማንፍሬድ እንታይ ኢሉ ኺምልስ ነበሮ፧

እቲ ንማንፍሬድ ዘጋጠሞ ኣጸጋሚ ዅነታት ልሙድ እዩ። ኰይኑ ግን: ሓቂ ድዩ ኺዛረብ ዘለዎ ወይስ ነቶም መማህርቱ ኺሸፋፍነሎም፧ ሓቂ እንተ ተዛሪቡ ነቶም ካልኦት ጸገም እዩ ዜስዕበሎም: ንማንፍሬድ ድማ ከም ዚጽላእ ይገብሮ። ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ዅነታት ምሕሳው ተቐባልነት ኣለዎዶ፧ ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧ ጸኒሕና ናብ ማንፍሬድ ክንምለስ ኢና: ፈለማ ግን ሓቂ ወይ ሓሶት ንኽትዛረብ ምውሳን እንታይ ከም ዜጠቓልል እስከ ንርአ።

ሓቅን ዘይሓቅን—መሰረታዊ ምጽራር

ሰብኣዊ ታሪኽ ኪጅምር ከሎ: ኵሉ ነገራት ኣብ ሓቂ እተመስረተ ነበረ። ጭቡጥ ንዝዀነ ነገራት ዚጠዊ ኸምኡውን ንሓቂ ዚጕዕጽጽን ዜካፍእን ኣይነበረን። እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ: “ኣምላኽ ሓቂ” እዩ። ቃሉ ሓቂ እዩ: ኪሕሱ ኣይክእል እዩ: ንሓሶትን ንሓሰውትን ድማ ይዅንኖም እዩ።—መዝሙር 31:5፣ ዮሃንስ 17:17፣ ቲቶስ 1:2

ከምዚ እንተ ነይሩ ደኣ እሞ: ሓሶት ብኸመይ ጀመረ፧ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ዝነበሩ ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ቅኑዕ መልሲ ሃበ:- “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።” (ዮሃንስ 8:44) ሓቂ እዩ: የሱስ ነቲ ኣብ ገነት ኤድን ዜጋጠመ ነገራት እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፣ ኣብኡ ሰይጣን ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ብምስዳዕ ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዝዎ ገበሮም: ብሰሪ እዚ ኸኣ ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ወደቑ።—ዘፍጥረት 3:1-5፣ ሮሜ 5:12

ቃላት የሱስ ንሰይጣን ‘ኣቦ ሓሶት:’ ማለት ፈላሚ ሓሶትን ሓቂ ዘይኰነ ነገራትን ብምባል እየን ዚገልጻኦ። ሰይጣን ቀንዲ ተጣባቒ ሓሶት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ: አረ ‘ንብዘላ ዓለም እዩ ዜስሕታ ዘሎ።’ በቲ ብሰንኪ እቲ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ ሓሶት ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዚወርድ ዘሎ ጕድኣት ብቐንዱ ተሓታቲ ንሱ እዩ።—ራእይ 12:9

እቲ ብሰይጣን ድያብሎስ እተጀመረ ኣብ መንጎ ሓቅን ዘይሓቅን ዘሎ ምጽራር: ኣብዚ እዋን እዚ እውን ይቕጽል ኣሎ። ናብቶም ኣብ ኵሉ ደረጃ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዚርከቡ ውልቀ-ሰባት ሰሊዅ ይኣቱን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ይጸሉን እዩ ዘሎ። ሓደ ሰብ ዚነብረሉ መገዲ ድማ ብወገን ሓቂ ወይ ከኣ ብወገን ሓሶት ከም ዚኸውን ይገብሮ። እቶም ብወገን ኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ንህይወቶም ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እዮም ዚስርትዋ። ብፍላጥ ኰነ ብዘይፍላጥ ንመገዲ ሓቂ ዘይስዕብ ሰብ: ኣብ ኢድ ሰይጣን እዩ ዚኣቱ፣ ከመይሲ: ‘ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ እያ ዘላ።’—1 ዮሃንስ 5:19፣ ማቴዎስ 7:13, 14

ሰባት ንኺሕስዉ ዚድረኹ ስለምንታይ እዮም፧

“ብዘላ ዓለም” ብሰይጣን ተታሒዛ ኸም ዘላ ምፍላጥና: ብዙሓት ሰባት ዚሕስዉሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ይሕብረና። ‘እቲ “ኣቦ ሓሶት” ዝዀነ ሰይጣን ስለምንታይ እዩ ዚሕሱ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ሰይጣን: የሆዋ ንዅሉ ዝፈጠሮ ነገራት: እንተላይ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ኪገዝኦም መሰል ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ነዚ ዘይግብኦ ኽብ ዝበለን ፍሉይን ቦታ ኺረክብ ባህጊ ኣሕደረ። ብሰንኪ ስስዐን ህርፋንን ድማ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ቦታ ኺምንዝዕ ውዲት ኣለመ። ነዚ ሸቶኡ ንምውቃዕ ከኣ ሓሶትን ምትላልን ተጠቕመ።—1 ጢሞቴዎስ 3:6

ኣብዚ እዋን እዚኸ ተመሳሳሊ ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት ንኺሕስዉ ዚድርኾም ስስዐን ህርፋንን ምዃኑ ኣይትሰማማዕንዶ፧ ስስዐ ዝመልኦ ንግዲ: ብልሹው ፖለቲካ: ከምኡውን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምትላልን ብሓሶትን ብምጥፍፋእን ብቕጥፈትን ዝመልአ እዩ። ስለምንታይ፧ ከምዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ሰባት ብስስዐን ብህርፋንን ተደሪኾም ረብሓ ንኺረኽቡ ወይ ከኣ ዘይግብኦም ሃብትን ስልጣንን መዓርግን ንኺረኽቡ ስለ ዝደልዩ ደይኰነን፧ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን “እቲ ኺህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ [“ንጹህ ኰይኑ:” NW] ኣይተርፍን” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ምሳሌ 28:20) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) እቲ ቐይዲ ዘይብሉ ስልጣንን መዓርግን ናይ ምርካብ ባህጊ እውን ከምኡ እዩ።

ሓደ ሰብ ከም ዚሕሱ ዚገብሮ ኻልእ ረቛሒ ፍርሂ እዩ: እዚ ድማ ነቲ ዚመጽእ ሳዕቤን ብምፍራህ ወይ ሰባት ነቲ ሓቂ ምስ ዚፈልጡ እንታይ ይብሉ ይዀኑ ኢልካ ብምሕሳብ ምፍራህ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ብኻልኦት ተፈታዊ ኪኸውን ወይ ተቐባልነት ኪረክብ ምድላዩ ባህርያዊ ነገር እዩ። እዚ ድሌት እዚ ግን ነቲ ዘለዎ ጕድለት ንምሽፋን: ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ ዝርዝር ነገራት ንምሕባእ: ወይ ጽቡቕ ጦብላሕታ ንምሕዳር ኢሉ ነቲ ሓቂ ብእተወሰነ ወይ ምሉእ ብምሉእ ንኺጠውዮ ይድርኾ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሰሎሞን “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ብምባል ዝጸሓፈ።—ምሳሌ 29:25

ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እሙን ምዃን

ማንፍሬድ በቲ ኣካያዲ ኩባንያ ሕቶ ምስ ቀረበሉ: እንታይ ኢሉ መለሰ፧ ሓቂ እዩ ነጊርዎ። “እቲ መምህር ኣቐዲሙ ስለ ዝሰደደና: ኣነ ናብ ስራሕ መጺአ። ብዛዕባ እቶም ካልኦት ግን ኣነ መልሲ ኽህበሎም ኣይክእልን እየ። ምናልባት ንዓታቶም ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ” በሎ።

ማንፍሬድ ጕርሒ ዝመልኦን ዜታልልን መልሲ ብምሃብ በቶም ሰልጠንቲ ኸም ዚፍቶ ኺገብር ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር: ምስ ሓቂ ብተኣማንነት ዝጠበቐሉ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ማንፍሬድ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። ቅንዕናኡ ጽሩይ ሕልና ኸም ዚህልዎ ገበሮ። ንኣስራሕቱ ኸም ዚኣምንዎ ድማ ገበሮም። ኣብቲ መብዛሕትኡ እዋን ሰልጠንቲ ዘይምደብዎ ኽፍሊ ስልማት ንኺስልጥን ተመደበ። ማንፍሬድ ድሕሪ 15 ዓመት ኣብቲ ኩባንያ ተወሳኺ ሓላፍነት ምስ ተዋህቦ: እቲ ኣካያዲ እንቋዕ ደስ በለካ ንምባል ከምኡውን ነቲ ሓቀኛ ዝዀነሉ ፍጻመ ንምዝኽኻር ተሌፎን ደወለሉ።

የሆዋ: ኣምላኽ ሓቂ ስለ ዝዀነ: ዝዀነ ይኹን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኪህልዎ ዚደሊ ሰብ ‘ንሓሶት ንየው ኪብሎ’ ኸምኡውን ‘ሓቂ ኺዛረብ’ ኣለዎ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ ሓቂ ኺፈቱ ኣለዎ። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “እሙን ምስክር ኣይሕሱን” ብምባል ጸሓፈ። ሓሶት ግን እንታይ እዩ፧—ኤፌሶን 4:25፣ ምሳሌ 14:5

ሓሶት እንታይ እዩ፧

ኵሉ ሓሶት ሓቂ ኣይኰነን: ሓቂ ዘይኰነ ዅሉ ግን ሓሶት እዩ ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ሓደ መዝገበ-ቓላት ነታ ሓሶት እትብል ቃል: “ሓደ ሰብ እቲ እተዛረቦ ነገር ሓቂ ዘይምዃኑ እናፈለጠ ወይ እናኣመነሉ: ደይመደይ ኢሉ ንምትላል ዚዛረቦ ነገር” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ። እወ: ሓሶት ንኻልእ ሰብ ንምትላል ኢልካ ምሕላን እውን ዜጠቓልል እዩ። ስለዚ: ከይፈለጥካ ሓቂ ዘይኰነ ነገራት ምዝራብ: ማለት ንሓደ ሰብ ብጌጋ ቕኑዕ ዘይኰነ ሓበሬታ ወይ ኣሃዝ ምንጋር ምስ ሓሶት ሕደ ኣይኰነን።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን እቲ ሓበሬታ ዚሓትት ዘሎ ሰብ ምሉእ መልሲ ኺወሃቦ ዚምልከቶ እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት ከነእትዎ ኣሎና። ንኣብነት: ማንፍሬድ ብኣካያዲ ኻልእ ኩባንያ ተመሳሳሊ ሕቶታት ቀረበሉ ንበል። ናይ ግድን ኵሉ ነገር ኪነግሮ ኣለዎዶ፧ የብሉን። እቲ ኣካያዲ ኸምዚ ዝበለ ሓበሬታ ዘይምልከቶ ስለ ዝዀነ: ማንፍሬድ ነቲ ሓበሬታ ኺህቦ ኣይምተገደደን። ሓቂ እዩ: ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተ ዀነ ኺሕሱ የብሉን።

የሱስ ክርስቶስ በዚ መዳይ እዚ እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈልና፧ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስቶም ብዛዕባ ጕዕዞኡ ተገዳስነት ዘሕደሩ ዘይኣመንቲ ሰባት ይዘራረብ ነበረ። ንሳቶም “ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በልዎ። የሱስ እንታይ ኢሉ መለሰሎም፧ “ንስኻትኩም ደኣ [ናብ የሩሳሌም] ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ: ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ: ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ።” ብድሕርዚ ግን ነዊሕ ከይጸንሕ የሱስ ናብቲ በዓል ናብ የሩሳሌም ደየበ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ኸምኡ ኢሉ መሊሱ፧ ንሱ ኣበይ ከም ዚህሉ ዚገልጽ ዝርዝር ነገራት ኪፈልጡ ኣይምልከቶምን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ዋላኳ የሱስ ሓቂ ዘይኰነ ነገር እንተ ዘይተዛረበ: ነቲ ኣብኡን ኣብ ሰዓብቱን ኬውርዱሎም ዚኽእሉ ጕድኣት ንምድራት ኢሉ ግን ዘይተማልአ መልሲ ሃቦም። እዚ ሓሶት ኣይነበረን፣ ከመይሲ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ክርስቶስ “ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ: ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ” ብምባል ጽሒፉ እዩ።—ዮሃንስ 7:1-13፣ 1 ጴጥሮስ 2:22

ብዛዕባ ጴጥሮስከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ኣብታ የሱስ እተታሕዘላ ምሸት: ጴጥሮስ ሰለስተ ሳዕ ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ብምኽሓድ ኣይሓሰወንዶ፧ ሓቂ እዩ: ጴጥሮስ ንሰብ ብምፍራህ ተሰነፈ: ሓሰወ ድማ። ኰይኑ ግን ብኡንብኡ “መሪር ብኽያት በኸየ:” ተነስሐ: ሓጢኣቱ ኸኣ ይቕረ ተባህለሉ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካብ ጌጋኡ ተማሂሩ እዩ። ድሕሪ ገለ መዓልትታት: ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ ተዛረበ፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ኣይሁድ ስብከቱ ደው ንኼብል ምስ ኣፈራርህዎ ድማ ብጽንዓት ኣበየ። እምበኣር: እቲ ንጴጥሮስ ዘጋጠሞ ግዜያዊ ዕንቅፋትን ብቕልጡፍ ምምላሱን ንዓና መተባብዒ እዩ ዚዀነና፣ ከመይሲ: ብቐሊሉ ብድኽመት ክንዕብለልን ብቓል ይኹን ብግብሪ ኽንዕንቀፍን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 26:69-75፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:18-20፣ 5:27-32፣ ያእቆብ 3:2

ሓቂ ንሓዋሩ ትነብር

ምሳሌ 12:19 “ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር: ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ” ትብል። እወ: ሓቀኛ ዘረባ ነባርን ቀጻልን እዩ። ሰብኣዊ ርክብ ዝያዳ ጽኑዕን ዜዕግብን ዚኸውን: ሰባት ሓቂ ዚዛረቡን ምስኡ ተሰማሚዖም ዚነብሩን ምስ ዚዀኑ እዩ። ብርግጽ: ሓቂ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዓስቢ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ጽሩይ ሕልናን ጽቡቕ ስምን ዜጠቓልል እዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ መንጎ ሓዳር: ኣብ መንጎ ስድራቤት: ኣብ መንጎ ፈተውቲ: ከምኡውን ኣብ ስራሕ ድልዱል ርክብ ከም ዚህሉ ይገብር።

ሓሶት ግን ነዊሕ ኣይጸንሕን እዩ። እታ ሓሶት እትዛረብ መልሓስ ንግዜኡ ተታልል ትኸውን: ሓቂ ዘይኰነ ነገር ግን ንነዊሕ እዋን ተሓቢኡ ኣይጸንሕን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ነቲ ሓቂ ዘይኰነ ነገርን ነቶም ሓሶት ዜስፋሕፍሑ ሰባትን ስቕ ኢሉ ዚርእየሉ ግዜ ደረት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ንጽልዋ እቲ ኣቦ ሓሶት ዝዀነን ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎን ሰይጣን ድያብሎስ ኬጥፍኦ ምዃኑ ይመባጻዕ እዩ። የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሓሶትን ንሓሰውትን መወዳእታ ኺገብረሎም እዩ።—ራእይ 21:8

ኣብ መወዳእታኡ እታ “ሓቀኛ ኸንፈር” ንሓዋሩ ኽትነብር ምስ ጀመረት ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዩ ኪኸውን!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ንኺሕስዉ ዚድርኾም ስስዐን ህርፋንን እዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኵሉ ሓሶት ሓቂ ኣይኰነን: ሓቂ ዘይኰነ ዅሉ ግን ሓሶት እዩ ማለት ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ጴጥሮስ ንየሱስ ምኽሓዱ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓቂ ምዝራብ ጽኑዕን ዜዕግብን ርክብ ከም ዚህሉ ይገብር