ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ቈልዑ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ካብ ቈልዑ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

ካብ ቈልዑ እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

“ስራሕ ቈልዓ ኢኻ እትሰርሕ ዘለኻ!” ተባሂሉ እንተ ዚዝረበና: ከም ዘይንሕጐስ ፍሉጥ እዩ። ቈልዑ ተፈተውቲ እኳ እንተ ዀኑ: ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ ግን ምስ ዕድመ ዚመጽእ ብስለትን ተመክሮን ጥበብን ይጐድሎም እዩ።—እዮብ 12:12

ይኹን እምበር: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ማቴዎስ 18:3) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ዓበይቲ ኪቐድሕዎ ዘለዎም እንታይ ባህርያት እዩ ቘልዑ ዘለዎም፧

ከም ናይ ቈልዓ ዝኣመሰለ ትሕትና ኣማዕብል

ነቲ ንየሱስ ከምኡ ኢሉ ንኺዛረብ ዝደረኾ ዅነታት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ድሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ኣብ ቅፍርናሆም ምስ በጽሐ: ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መገዲ እትዛራረቡሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግን መኖም ከም ዚበልጽ ይከራኸሩ ስለ ዝነበሩ በዚ ሓፊሮም ኣጽቀጡ። ኣብ መወዳእታ: ተቢዖም ንየሱስ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ማርቆስ 9:33, 34፣ ማቴዎስ 18:1

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ የሱስ ዳርጋ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሖም: ብዛዕባ ቦታ ወይ ደረጃ ምምጓቶም ዜገርም ይመስል ይኸውን። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ብዙሕ ኣገዳስነት ዚወሃበሉ ሃይማኖት ኣይሁድ እዮም ዓብዮም። እቲ ዝዓበዩሉ ሃይማኖት ምስቲ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናኦም ተደሚሩ: ንኣተሓሳስባኦም ከም ዝጸለዎ ርዱእ እዩ።

የሱስ ተቐመጠ: ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ ድማ: “እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዅሉን ግዙእ ኵሉን ይኹን” በሎም። (ማርቆስ 9:35) ነዘን ቃላት እዚኣተን ምስ ሰምዑ ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ። ኣተሓሳስባ የሱስ: ምስቲ ኣይሁድ ብዛዕባ ዕቤት ዝነበሮም ኣተሓሳስባ ብቐጥታ ይጋጮ ነበረ! ድሕርዚ: የሱስ ንሓደ ቘልዓ ጸውዐ። ነቲ ቘልዓ ብፍቕሪ ሓቚፉ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነቲ ነጥቡ ኣጕለሓሎም:- “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት: ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።”—ማቴዎስ 18:3, 4

ብዛዕባ ትሕትና ኸመይ ዝበለ ዓሚቝ መልእኽቲ ዘለዎ ውድዓዊ ትምህርቲ ዀን እዩ ነይሩ! ነቲ ትርኢት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ረዘንትን ዓበይትን ሰብኡት ንሓደ ቘልዓ ኸቢቦምዎ እዮም ነይሮም። እቶም ሰብኡት ነቲ ቘልዓ ኣተኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ። እቲ ቘልዓ ሓናኽን ሰብ ዚኣምንን: ውድድርን ተንኰልን ዘይፈልጥ: ምእዙዝን ትሕቱን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እወ: ነታ ኣምላኽ ዚፈትዋ ትሕትና ጽቡቕ ምሳሌ ዚኸውን እዩ ነይሩ።

የሱስ ኬመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ ንጹር እዩ። ኵላትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ክንወርስ እንተ ዄንና: ከም ናይ ቈልዓ ዝኣመሰለ ትሕትና ኸነማዕብል ኣሎና። ኣብቲ ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘሎ ኸም ስድራቤት ዝኣመሰለ ርክብ: ክርክር ወይ ትዕቢት ቦታ የብሉን። (ገላትያ 5:26) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: እዚ ባህርያት እዚ እዩ ንሰይጣን ድያብሎስ ኣብ መጀመርታ ኻብ ኣምላኽ ከም ዚዓሉ ዝገበሮ። የሆዋ ነዚ ባህርያት እዚ ዚጸልኦ ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ምሳሌ 8:13

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኬገልግሉ ደኣ እምበር: ኪጕይተቱ ኣይደልዩን እዮም። እቲ ዚወሃበና ዕዮ ሽሕ ሳዕ ኣይንፍተዎ ወይ እቲ ዚግልገል ሰብ ሽሕ ሳዕ ኣትሒትካ ዚርአ ይኹን ብዘየገድስ: ናይ ሓቂ ትሕትና እንተ ኣልያትና ንኻልኦት ንኸነገልግል ንድረኽ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ብትሕትና ዚግበር ኣገልግሎት ብዙሕ ዓስቢ የምጽእ። የሱስ “ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዚቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ከኣ ነቲ ዚለአኸኒ እዩ እምበር: ንኣይ ኣይኰነን ዚቕበል” በለ። (ማርቆስ 9:37) ከም ናይ ቈልዓ ዝኣመሰለ ልግስን ትሕትናን ምምዕባል: ምስቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዀነ ኣምላኽን ምስ ወዱን ሓድነት ከም ዚህልወና ይገብር። (ዮሃንስ 17:20, 21፣ 1 ጴጥሮስ 5:5) ነቲ ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ንዓጽድ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሰላምን ሓድነትን ኣበርክቶ ብምግባርና እውን ዕግበት ይስምዓና።—ኤፌሶን 4:1-3

ተቐበልቲ ትምህርትን ሰብ ዚኣምኑን

የሱስ ቀጺሉ ነቲ ዓበይቲ ኻብ ቈልዑ ኺመሃርዎ ዚኽእሉ ነገር ኬጕልሕ ከሎ: “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በሎም። (ማርቆስ 10:15) ቈልዑ ትሑታት ጥራይ ዘይኰኑስ: ተቐበልቲ ትምህርቲ እውን እዮም። ሓንቲ ኣደ: “ከም ሰፍነግ ንሓበሬታ ምጽይ እዮም ዜብልዎ” በለት።

ስለዚ: መንግስቲ ኣምላኽ ንምውራስ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንቅበሎን ክንዓየሉን ኣሎና። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ‘ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽንዓቢ: ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ኽንብህጎ’ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 2:2) ሓደ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ እንተ ኸቢዱካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ሓንቲ ኣላዪት ቈልዑ: “ቈልዑ ንሕቶታቶም ዜዕግብ መልስታት ክሳዕ ዚረኽቡ ‘ስለምንታይ፧’ እናበሉ ምሕታት ኣየቋርጹን እዮም” በለት። በዚ እውን ኣብነቶም ክንቀድሕ ኣሎና። ስለዚ: መጽናዕቲ ኻብ ምግባር ኣይተቋርጽ። ንምኩራት ክርስትያናት ኣዘራርብ። ጥበብ ኪህበካ ንየሆዋ ለምኖ። (ያእቆብ 1:5) እቲ ብዘይምሕላል እተቕርቦ ጸሎት: ፍረ ኸም ዚህልዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ማቴዎስ 7:7-11

ገሊኦም ግን ‘ተቐበልቲ ትምህርቲ ዝዀኑ ሰባት ብቐሊሉዶ ኣይታለሉን እዮም፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ዜተኣማምን መምርሒ እንተ ኣልይዎም ኣይታለሉን እዮም። ንኣብነት: ቈልዑ ብባህርዮም መምርሒ ኻብ ወለዶም እዮም ዚደልዩ። ሓደ ኣቦ: “ወለዲ ንደቆም መዓልታዊ ብምዕቋብን ዜድልዮም ብምምላእን ትውክልቲ ኺግበረሎም ከም ዚኽእል የመስክሩ እዮም” በለ። ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ንኽንኣምኖ እውን ተመሳሳሊ ምኽንያታት ኣሎና። (ያእቆብ 1:17፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10) የሆዋ በቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኣቢሉ ዜተኣማምን መምርሒ ይህበና እዩ። መንፈስ ቅዱሱን ውድቡን ከኣ የጸናንዓናን ይድግፈናን። (ማቴዎስ 24:45-47፣ ዮሃንስ 14:26) ነዚ መሰናድዎታት ምጥቃምና: ካብ መንፈሳዊ ጕድኣት ዕቝባ ይዀነና።—መዝሙር 91:1-16

ኣብ ኣምላኽ ከም ናይ ቈልዓ ዝኣመሰለ ምትእምማን ምሕዳር: ናይ ኣእምሮ ሰላም የምጽኣልና። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: “ቈልዑ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ንጕዕዞ እንኸፍሎ ገንዘብ ዘይብልና: ናብ መወዳእታ ጕዕዞና ብኸመይ ከም እንበጽሕ ድማ ከይሓሰብና ጕዕዞ ንጅምር: ኰይኑ ግን ወለድና ኣብኡ ብደሓን ከም ዜብጽሑና ዋላኳ ኣይንጠራጠርን ነበርና” በለ። ንሕናኸ ኣብ ናይ ህይወት ጕዕዞና ኣብ የሆዋ ተመሳሳሊ ምትእምማንዶ ኣሎና፧—ኢሳይያስ 41:10

ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ምግባርና: ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ኣረኣእያታትን ተግባራትን ንኸነወግድ ይሕግዘና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንተግባራትና ኸም ዚፈልጦን ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክሳዕ ዝደለና ኣምላኽ ከም ዚሓልየልናን ምሉእ ምትእምማን ይህልወና። እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ሓላፍነትና ዕሽሽ ኢልና ኣብቲ ስጋዊ ነገራት ንኸነተኵር ዚቐርበልና ፈተናታት ንኽንጻረሮ ይሕግዘና።—ማቴዎስ 6:19-34

‘ብኽፍኣት ሕጻናት’

ቈልዑ ዘይፍጹማት ኰይኖም እኳ እንተ ተወልዱ: ንጹህ ልብን ኣእምሮን ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት: “ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ” ኢሉ ዚምሕጸኖም።—1 ቈረንቶስ 14:20

ንኣብነት: ነታ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ሞኒክ ንውሰድ። እዛ ጓል እዚኣ ንኣዲኣ ብታሕጓስ: “ሳራ መሓዛይ ልክዕ ከም ናተይ ዕዅልልል ዝበለ ጸጕሪ እዩ ዘለዋ!” ኢላ ነገረታ። ነቲ እተፈልየ ሕብሪ ቘርበትን ዓሌትን ሳራ ኣይጠቐሰቶን። ሓንቲ ወላዲት: “ቈልዑ ሕብሪ ቘርበት ኣየገድሶምን እዩ። ብዛዕባ ዓሌት ወይ ጽልኢ ዚፈልጥዎ የብሎምን” በለት። በዚ መዳይ እዚ: ቈልዑ ንኣረኣእያ እቲ ዘየዳሉን ንዅሎም ኣህዛብ ዜፍቅርን ኣምላኽና ብሓቂ የንጸባርቑ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ቈልዑ ዘለዎም ይቕረ ናይ ምባል ኣኽእሎ እውን ዜስደምም እዩ። ሓደ ወላዲ: “ጃክን ሊቫይን ኣብ ዚበኣሱሉ እዋን: ይቕረታ ንኺተሓታተቱ ንነግሮም: ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ተሓጒሶም ኪጻወቱ ንርእዮም። ኣይትክዙን: ንዝሓለፈ ኣየበግሱን: ወይ ይቕረ ቕድሚ ምባሎም እዚ ይማላኣለይ ኣይብሉን እዮም። ስቕ ኢሎም እዮም ዚዕረቑ” በለ። እዝስ ዓበይቲ ኪቐድሕዎ ዘለዎም ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!—ቈሎሴ 3:13

ብተወሳኺ: ቈልዑ ቐልጢፎም እዮም ኣምላኽ ከም ዘሎ ዚኣምኑ። (እብራውያን 11:6) ተፈጥሮኣዊ ግርህናኦም ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንኻልኦት ብትብዓት ንኺምስክሩ ይድርኾም። (2 ነገስት 5:2, 3) እቲ ቐሊልን ልባውን ጸሎቶም ንተሪር ዝልቡ ሰብ እውን ኪትንክፍ ይኽእል እዩ። ፈተና ኣብ ዜጋጥሞም እዋን ድማ: ዜደንቕ ስነ-ምግባራዊ ብርታዐ የርእዩ እዮም። ቈልዑ ኸመይ ዝበሉ ኽቡር ውህበት ኰን እዮም!—መዝሙር 127:3, 4

ጽቡቕ ባህርያት ኪምለስ ይከኣል

‘ዓበይቲ ነቲ ኣብ ግዜ ቝልዕነቶም ዝነበሮም ጽቡቕ ባህርያት እንደገና ኺለብስዎ ይኽእሉዶ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እቲ ቐሊልን ዜጸናንዕን መልሲ ‘እወ’ ዚብል እዩ። የሱስ ‘ከም ቈልዓ ኽንከውን’ ትእዛዝ ምሃቡ: ከም ዚከኣል ዜረጋግጽ እዩ።—ማቴዎስ 18:3

ነዚ ንምብራህ:- ሓደ ጕጅለ ስነ-ጥበባውያን ንሓደ ብዋጋ ዘይሽነን ስርሓት ስነ-ጥበብ ንኺሕድሱ ይጽዕሩ ኣለዉ ንበል። ኣብቲ መስርሕ እቲ: ብዙሕ ግዕጋዐ የልግሱ: ነቲ ኣቐዲሙ ብተልመዴን ንምሕዳሱ እተገብረ ፈተነ እውን የዐርዩ። ንነዊሕ እዋን ብትዕግስቲ ድሕሪ ምጽዓሮም: ብሩህ ሕብርታትን ተፈጥሮኣዊ ጽባቐን እቲ በዅሪ ስርሓት ስነ-ጥበብ ንዅሉ ሰብ ይርአ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ከይተሓለልና ምስ እንጽዕር: ከምኡውን ሓገዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኰነ ፍቕራዊ ደገፍ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ እንረክብ: ነቲ ቘልዑ ኸለና ብተፈጥሮ ዚዕምብብ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዚሕደስ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 5:1

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ቈልዑ ብተፈጥሮኦም ትሑታት እዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ቈልዑ ጽልኢ የብሎምን: ቀልጢፎም ድማ ይቕረ ይብሉን ይርስዑን