ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ መማሰዊ ኣምላኽ እዩ

የሆዋ መማሰዊ ኣምላኽ እዩ

የሆዋ መማሰዊ ኣምላኽ እዩ

“ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”—እብራውያን 6:10

1. የሆዋ ንሩት እታ ሞኣባዊት ሞሳ ዘርኣያ ብኸመይ እዩ፧

 የሆዋ ንጻዕርታት እቶም ካብ ልቦም ፍቓዱ ኺገብሩ ዚደልዩ ሰባት ኣጸቢቑ የማስወሉ: ኣብዚሑ ድማ ዓስቦም ይህቦም እዩ። (እብራውያን 11:6) እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ቦኣዝ ነዚ ዜደንቕ መዳይ ባህርይ ኣምላኽ እዚ ይፈልጦ ነበረ፣ ስለዚ ድማ ሩት እታ ሞኣባዊት ብፍቕሪ ተደሪኻ ነታ መበለት ዝነበረት ሓማታ ስለ እተኸናኸነታ: “እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ: ዓስብኺ ኸኣ ካብ . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን” በላ። (ሩት 2:12) ሩት ካብ ኣምላኽ በረኸት ረኺባዶ፧ ብርግጽ ረኺባ እያ! ታሪኻ እኳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። ብዘይካዚ: ንቦኣዝ ተመርዓወቶ: እኖሓጎ ንጉስ ዳዊትን የሱስ ክርስቶስን ድማ ኰነት። (ሩት 4:13, 17፣ ማቴዎስ 1:5, 6, 16) እዚ ኣብነት እዚ: ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዜማስዎም ዜርኢ ሓያሎ ኣብነታት እዩ።

2, 3. (ሀ) የሆዋ ሞሳኡ ምግላጹ ዜደንቕ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ናይ ሓቂ ሞሳኡ ኺገልጽ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ኣብርህ።

2 የሆዋ እንተ ዘየማስዩ: ግፍዒ ወይ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። እብራውያን 6:10: “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ትብል። ኣምላኽ ነቶም ሓጢኣተኛታትን ክብሩ ዝሰኣኑን ውፉያት ሰባት ዜማስዎም ምዃኑ ብሓቂ ዜገርም እዩ።—ሮሜ 3:23

3 ብምኽንያት ዘይፍጽምናና: ንኣምላኽ ተወፋይነትና እነርእየሉ ተግባራት ኣብ ግምት ዘይኣቱን በረኸት የሆዋ ዘይግብኣናን ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። የሆዋ ግን ውሽጣዊ ድራኸናን ኵነታትናን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ: ነቲ ብምሉእ ነፍስና እነቕርቦ ኣገልግሎት ከኣ ብሓቂ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። (ማቴዎስ 22:37) ነዚ ንምብራህ:- ሓንቲ ኣደ ኣብ ሰደቓኣ ሓደ ህያብ ረኺባ ንበል። እቲ ህያብ ሓደ ሕሱር ዝዋጋኡ ስልማት ክሳድ እዩ። ነቲ ህያብ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ርእያ ዕሽሽ ክትብሎ ትኽእል እያ። ኰይኑ ግን: እታ ምስታ ህያብ ዝጸንሓታ ካርቶሊና: ካብታ ንዅሉ እቲ ዘዋህለለቶ ገንዘባ እተጠቕመትሉ ንእሽቶ ጓላ ኸም ዝመጻ ትሕብር። ድሕርዚ እታ ኣደ ነታ ህያብ ብሓድሽ ዓይኒ ትርእያ። ምናልባት ኣብ ኣዒንታ ንብዓት ቅጽርጽር እናበለ: ንጓላ ትሓቝፋ: ልባዊ ሞሳኣ ድማ ትገልጸላ።

4, 5. የሱስ ብምምሳው ዝመጸ ንየሆዋ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ንውሽጣዊ ድራኸናን ድሩት ዓቕምናን ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጦ: ሒደት ይኹን ብዙሕ ብዘየገድስ ዚከኣለና ዅሉ ኽንህቦ ኸለና የማስወሉ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ: የሱስ ፍጹም ነጸብራቕ ኣቦኡ እዩ። እቲ ብዛዕባ እታ መበለት ዘውደቐቶ ኽልተ ለብጦን ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ትዝክሮ ትኸውን። የሱስ “ቍሊሕ ኢሉ: ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፤ ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ: እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት: በለ።”—ሉቃስ 21:1-4

5 እወ: እታ ሰበይቲ ድኻን መበለትን ምዃና ስለ ዝፈለጠ: ነቲ ዝሃበቶ ነገር ዘለዎ ናይ ሓቂ ዋጋ ተረድአ: ኬማስዋ ድማ ተደረኸ። ብዛዕባ የሆዋ እውን ተመሳሳሊ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ኵነታትና ብዘየገድስ ኣብ ኣዒንቲ እቲ መማሰዊ ኣምላኽን ወዱን ሞገስ ክንረክብ ከም እንኽእል ምፍላጥሲ ዜተባብዕዶ ኸይኰነ፧

የሆዋ ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኢትዮጵያዊ ዓስቡ ሃቦ

6, 7. የሆዋ ንዔቤድ-ሜሌክ ሞሳኡ ዘርኣዮ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧

6 የሆዋ ነቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ኸም ዜማስዎም: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት: ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ዔቤድ-ሜሌክ ዚበሃል ኢትዮጵያዊ ዝገበረሉ ነገር ክንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ሰብኣይ እዚ ብግዜ ኤርምያስ ዚነብር ዝነበረ ዀይኑ: ኣብ ቤት እቲ ዘይእሙን ዝነበረ ጼደቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ የገልግል ነበረ። እቶም መሳፍንቲ ይሁዳ ንነብዪ ኤርምያስ ሓስዮም ብምንዓብ ከም ዝኸሰስዎ: ብጥሜት ንኺመውት ከኣ ኣብ ዔላ ኸም ዝደርበይዎ ፈለጠ። (ኤርምያስ 38:1-7) ኤርምያስ ብምኽንያት እቲ ዚሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ኣመና ጽሉእ ምዃኑ ዔቤድ-ሜሌክ እናፈለጠ ኽነሱ: ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ነቲ ንጉስ ለመኖ። እቲ ኢትዮጵያዊ ብትብዓት “ኣታ ጐይታይ ንጉስ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዅሉስ እከይ ገይሮም አለዉ: ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ: ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ” ኢሉ ተዛረበ። ብትእዛዝ ንጉስ ድማ 30 ሰብኡት ወሲዱ ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ኣድሓኖ።—ኤርምያስ 38:8-13

7 የሆዋ: ዔቤድ-ሜሌክ ብእምነት ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ረኣየ: እምነቱ ድማ ንዝዀነ ይኹን ዝነበሮ ፍርሂ ንኸሰንፎ ኣኽኣለቶ። ስለዚ: የሆዋ ንዔቤድ-ሜሌክ ሞሳኡ ኣርኣዮ: ብኤርምያስ ኣቢሉ ድማ “እንሆ: ነተን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እተዛረብክወን ቃላት ንመዓታ እምበር: ንደሓና ዘይኰነ ኸውርደላ እየ: . . . በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናግፈካ እየ: ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሀብን ኢኻ: . . . ኣባይ ስለ እተወከልካ: ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ: ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ” በሎ። (ኤርምያስ 39:16-18) እወ: የሆዋ ንዔቤድ-ሜሌክ ኰነ ንኤርምያስ ፈለማ ኻብቶም እኩያት መሳፍንቲ ይሁዳ: ደሓር ከኣ ካብቶም ንየሩሳሌም ዝደምሰስዋ ባቢሎናውያን ኣድሓኖም። መዝሙር 97:10 “[የሆዋ] ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ: ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም” ትብል።

“እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ”

8, 9. ከምቲ ኻብ ኣብነት የሱስ እንርእዮ: የሆዋ ንኸመይ ዝበለ ጸሎት እዩ ዜማስወሉ፧

8 የሆዋ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ተወፋይነት ከም ዜማስወሉን ከም ዜኽብሮን ዚሕብር ካልእ መርትዖ: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጸሎት ዚብሎ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “ጸሎት ቅኑዓት . . . [ንኣምላኽ] ባህ የብሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 15:8) ብግዜ የሱስ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ናይ ሓቂ መንፈሳውነት እተላዕለ ዘይኰነስ: ብሰባት ንኺረኣየሎም ኢሎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይጽልዩ ነበሩ። የሱስ “ዓስቦም ከም ዝወሰዱ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። ንሰዓብቱ ድማ “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ: ናብ ቤትካ እቶ: ማዕጾኻ ዕጾ: ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ” በሎም።—ማቴዎስ 6:5, 6

9 ልክዕ እዩ: የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምጽላይ ኣይኰነን ዚዅንን ነይሩ: ከመይሲ ንሱ ንባዕሉ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ቅድሚ ሰባት ጸልዩ እዩ። (ሉቃስ 9:16) ንኻልኦት ክንምስጥ ኢልና ዘይኰነስ: ብሓቂ ኻብ ልብና ኽንጽሊ ኸለና: የሆዋ ብዙሕ የማስወሉ እዩ። ከም ሓቂ: ብብሕቲ እንገብሮ ጸሎት: ብዛዕባ ዕምቈት እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ኣብኡ ዘሎና ትውክልትን ኣጸቢቑ ይሕብር እዩ። ስለዚ ድማ የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ብሕት ኢሉ ኺጽሊ ምድላዩ ዜገርም ኣይኰነን። ኣብ ሓደ እዋን: “ኣንጊሁ ተንሲኡ” ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ጸለየ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ: “ኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ።” ነቶም 12 ሃዋርያቱ ቕድሚ ምምራጹ እውን: ለይቲ ብምልእታ በይኑ ኺጽሊ ሓደረ።—ማርቆስ 1:35፣ ማቴዎስ 14:23፣ ሉቃስ 6:12, 13

10. ጸሎትና ኻብ ልቢ ዝነቐለን ዓሚቝ ስምዒትና ዚገልጽን ምስ ዚኸውን: ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

10 የሆዋ ነቲ ወዱ ኻብ ልቡ ተደሪኹ እተዛረቦ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ጽን ኢሉ ኸም ዝሰምዖ እሞ ገምቶ! እወ: ሓድሓደ ግዜ የሱስ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ጸልዩ “ንኣምላኽ ምፍራሁ . . . ተሰምዔ።” (እብራውያን 5:7፣ ሉቃስ 22:41-44) ብተመሳሳሊ እውን ጸሎትና ኻብ ልቢ ዝነቐለን ብዓሚቝ ስምዒትን ምስ ዚኸውን: እቲ ሰማያዊ ኣቦና ጽን ኢሉ ብሞሳ ኸም ዚሰምዓና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እወ: “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18

11. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ብብሕትና እንገብሮ ነገር ከመይ ይስምዖ፧

11 የሆዋ ብሕቡእ ክንጽሊ ኸለና ዜማስወሉ እንተ ዀይኑ: ብሕቡእ ክንእዘዞ ኸለና ግዳ ኸመይ ብዝያዳ ዘየማስወሉ፧ እወ: የሆዋ ብብሕትና እንገብሮ ነገር ይፈልጦ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:12) ካልኦት ኣብ ዘይርእዩና እዋን እሙናትን እዙዛትን ምዃንና: ንየሆዋ “ብፍጹም ልቢ:” ማለት ብንጹህ ድራኸን ንቕኑዕ ዘበለ ጽኑዓት ብምዃንና: ከም እነገልግሎ ዚሕብር እዩ። (1 ዜና መዋእል 28:9) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ ንልቢ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሶ!—ምሳሌ 27:11፣ 1 ዮሃንስ 3:22

12, 13. ኣእምሮናን ልብናን ክንሕሉ: ከምቲ እሙን ወደ መዝሙር ዝነበረ ናትናኤል ከኣ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 እምበኣር: እሙናት ክርስትያናት ንኣእምሮን ልብን ካብ ዜበላሹ ኸም እኒ ስእለ-ጽዩፍን ዓመጻን ምርኣይ ዝኣመሰለ ሕቡእ ሓጢኣት ኪጥንቀቑ ኣለዎም። ገሊኡ ሓጢኣት ካብ ሰባት ኪሕባእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ኣብቲ “ጸብጻብ እንህቦ . . . ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን” ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣሎና። (እብራውያን 4:13፣ ሉቃስ 8:17) ንኣምላኽ ካብ ዜጕህዮ ነገራት ንምርሓቕ ብምጽዓር: ንጹህ ሕልና ይህልወና: ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ብምፍላጥና ድማ ንሕጐስ። እወ: የሆዋ ነቲ “ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን” ብሓቂ ኸም ዜማስዎ ኣየጠራጥርን እዩ።—መዝሙር 15:1, 2

13 ኣብዛ ብኽፍኣት ዝመልአት ዓለም ንኣእምሮናን ንልብናን ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧ (ምሳሌ 4:23፣ ኤፌሶን 2:2) ንዅሉ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ርእሲ ምጥቃምና: ክፉእ ዘበለ ንምንጻግ: ጽቡቕ ዘበለ ድማ ንምግባር ዚከኣልና ዘበለ ኽንጽዕር ኣሎና፣ ዘይግቡእ ትምኒታት ምእንቲ ኸይጥነስን ንሓጢኣት ምእንቲ ኸይወልዶን ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ያእቆብ 1:14, 15) የሱስ ከምቲ ብዛዕባ ናትናኤል ዝበሎ ብዛዕባኻ እውን “እንሆ: ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ [ሰብ]” እንተ ዚብል ክሳዕ ክንደይ ከም እትሕጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ዮሃንስ 1:47) እቲ በርተሌሜዎስ እውን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናትናኤል: ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ረኺቡ እዩ።—ማርቆስ 3:16-19

“ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት”

14. የሱስ ነቲ ማርያም ዝገበረቶ ነገር ዝሃቦ ምላሽ ምስ ካልኦት ኪነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧

14 የሱስ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ [የሆዋ] ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ: ነቶም ንኣምላኽ ብጽሩይ ልቦም ዜገልግልዎ ሞሳ ብምርኣይ ዝመጸ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ ይመስሎ እዩ። (ቈሎሴ 1:15) ንኣብነት: ካብቲ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበሉ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቐዲሙ: ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቤት ስምኦን ብዓል ቢታንያ ተዓዲሙ ነበረ። በታ ምሸት እቲኣ ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛርን ማርታን “ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ [ዳርጋ ናይ ዓመት ደሞዝ] ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ:” ኣብ ርእስን ኣእጋርን የሱስ ኣፍሰሰቶ። (ዮሃንስ 12:3) ገሊኦም “እዚ ኽንድዚ ዚአክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧” በሉ። የሱስ ግን ነቲ ማርያም ዝገበረቶ ብኻልእ ዓይኒ ረኣዮ። ነቲ ቐሪቡ ዝነበረ ሞቱን ቀብሩን ኣብ ግምት ብምእታው: ዓብዪ ልግስን ዓሚቝ ትርጕምን ከም ዝነበሮ ገይሩ ወሰዶ። ስለዚ: ንማርያም ኣብ ክንዲ ዚነቕፋ: “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ብምባል ኣኽበራ።—ማቴዎስ 26:6-13

15, 16. የሱስ ሰብ ኰይኑ ይነብርን ንኣምላኽ የገልግልን ብምንባሩ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

15 እቲ ናይ ምምሳው ባህርይ ዘለዎ የሱስ: መራሒና ኪኸውንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ! እቲ የሱስ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፎ ህይወት: ነቲ የሆዋ ኣንቢሩሉ ዝነበረ ዕዮ: ማለት ነቲ ፈለማ ናይቶም ቅቡኣት: ድሕሪኡ ኸኣ ናይ ዓለም ሊቀ ኻህናትን ንጉስን ብምዃን ዚዓዮ ዕዮ ኣዳልይዎ እዩ።—ቈሎሴ 1:13፣ እብራውያን 7:26፣ ራእይ 11:15

16 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ: ንደቅሰብ ኣጸቢቑ ይግደሰሎምን ይፈትዎምን ነበረ። (ምሳሌ 8:31) ሰብ ኰይኑ ይነብር ብምንባሩ: ነቲ ንኣምላኽ ከነገልግል ከለና ዜጋጥመና ፈተናታት ምሉእ ብምሉእ ይረድኦ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ: “ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ: ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። የሱስ “ብዘይ ሓጢኣትሲ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ” ስለ ዝዀነ: “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ይኽእል እዩ።—እብራውያን 2:17, 18፣ 4:15, 16

17, 18. (ሀ) እቲ ናብተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚርከባ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ መልእኽትታት ብዛዕባ ዕምቈት ሞሳ የሱስ እንታይ ይገልጽ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ንኺገብሩ እዮም ዚዳለዉ ነይሮም፧

17 የሱስ ነቲ ሰዓብቱ ዜሕልፍዎ ፈተናታት ብዝያዳ ኸም እተረድኦ: ካብ ሞት ምስ ተንስአ ንጹር ኰይኑ እዩ። ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ ናብተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚርከባ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽትታት እሞ ንርአ። ነታ ኣብ ስሚርና እትርከብ ጉባኤ: “ጸበባኻን ድኽነትካን . . . እፈልጥ አሎኹ” በላ። ኣብዚ የሱስ ብኻልእ ኣበሃህላ: ‘ጸገማትካ ምሉእ ብምሉእ ይርድኣኒ፣ እንታይ ተሕልፍ ከም ዘለኻ ብሓቂ እፈልጦ እየ’ እዩ ዚብል ዘሎ። ድሕሪኡ: ንሱ ንባዕሉ ኽሳዕ ሞት ስለ እተሳቐየ: ብድንጋጽ ተላዒሉ: “ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” ዚብል ሓያል መረጋገጺ ሃበ።—ራእይ 2:8-10

18 እቲ ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ መልእኽትታት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዜጋጥሞም ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፈልጦን ነቲ ብንጽህና ንምንባር ዝገበርዎ ጻዕሪ ኸም ዜማስወሉን ዚገልጽ ቃላት ዝመልአ እዩ። (ራእይ 2:1–3:22) እቶም እዚ መልእኽቲ እተላእከሎም ሰባት: ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ንምግዛእ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ምንባሮም ኣይትረስዕ። ኣሰር ጐይታኦም ብምስዓብ: ነቲ ዓብዪ ዕዮኦም እዮም ዚዳለዉ ነይሮም። እዚ ኸኣ ነቲ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ዜምጽኦ ረብሓታት: ብድንጋጽ ተደሪኽካ ኣብ ጥቕሚ ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ምውዓል እዩ።—ራእይ 5:9, 10፣ 22:1-5

19, 20. እቶም ን“ብዙሓት ሰብ” ዜቝሙ ሰባት: ንየሆዋን ንወዱን ሞሳ ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

19 ልክዕ እዩ: የሱስ ንቕቡኣት ሰዓብቱ ዘላቶ ፍቕሪ ነቶም እሙናት “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን እተጠቓልል እያ፣ ካብዚኣቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑ “ኻብ ኵሎም ኣህዛብ” እተዋጽኡ “ብዙሓት ሰብ” ኬቝሙ እዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9, 14) እዚኣቶም ካብቲ ንመስዋእታዊ በጃ የሱስን ንተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዘለዎም ሞሳ ተላዒሎም ኣብ ጐድኒ የሱስ ንምቛም ይውሕዙ ኣለዉ። ሞሳኦም ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧ ‘ንኣምላኽ ለይትን መዓልትን ብምግልጋል’ እዩ።—ራእይ 7:15-17

20 እቲ ኻብ ገጽ 27 ክሳዕ 30 ዚርከብ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ዓመት ኣገልግሎት 2006: እዞም እሙናት ኣገልገልቲ ብሓቂ ንየሆዋ “ለይትን መዓልትን የገልግልዎ” ኸም ዘለዉ የርኢ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት: ንሳቶምን እቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናትን ብድምር 1,333,966,199 ሰዓት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ወፍዮም እዮም: እዚ ኸኣ ልዕሊ 150,000 ዓመት ዚኣክል እዩ!

ሞሳኻ ምግላጽ ኣይተቋርጽ!

21, 22. (ሀ) ሞሳ ብምርኣይ ዝመጸ: ክርስትያናት ብፍላይ ሎሚ ኺጥንቀቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

21 የሆዋን ወዱን ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብ: ብሓቂ ዜስደምም ሞሳ ኣርእዮም እዮም። እቲ ዜሕዝን ግን: መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ጕዳያቶም ስለ ዜተኵሩ: ንኣምላኽ ኣይግደሱሉን እዮም። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዚህልዉ ሰባት ኪገልጽ ከሎ: “ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: . . . ዘየማስዉ [ኪዀኑ እዮም]” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እዚኣቶም ካብቶም ካብ ልቦም ብምጽላይ: ብፍታው እዙዛት ብምዃን: ከምኡውን ብምሉእ ነፍሶም ኣገልግሎት ብምሃብ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ሞሳ ዜርእዩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ዀን እዮም!—መዝሙር 62:8፣ ማርቆስ 12:30፣ 1 ዮሃንስ 5:3

22 ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ: ገለ ኻብቲ የሆዋ ብፍቕሪ ዘዳለወልና ሓያሎ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ክንርኢ ኢና። ሃየ እምበኣር ነቲ “ጽቡቕ ውህበት” ከነስተንትነሉ ኸለና: ሞሳና ብዝያዳ ነዕቢ።—ያእቆብ 1:17

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ መማሰዊ ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ካልኦት ኣብ ዘይርእዩና እዋን: ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

• የሱስ ሞሳኡ ዝገለጸ በየናይ መገድታት እዩ፧

• የሱስ ሰብ ኰይኑ ምንባሩ ደንጋጽን መማሰውን ገዛኢ ንኪኸውን ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ሓንቲ ፈቃር ወላዲት ነቲ ጓላ ዝገበረትላ ተራ መግለጺ ፍቕራ እትፈትዎ: የሆዋ ኸኣ ዚከኣለና ዘበለ ኽንህቦ ኸለና ይሕጐስ እዩ