ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ባህ ዜብለኒ ስለምንታይ እዩ፧

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ባህ ዜብለኒ ስለምንታይ እዩ፧

ታሪኽ ህይወት

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ባህ ዜብለኒ ስለምንታይ እዩ፧

ፓመላ ሞዝሊ ዘዘንተወቶ

ብ1941 ዓዲ እንግሊዝ ብውግእ ክትሕመስ ከላ: ኣደይ ናብቲ ኣብ ለስተር እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወሰደትኒ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጆሴፍ ራዘርፎርድ ብዛዕባ ሕጻናት ዘቕረቦ ፍሉይ መደረ ሰማዕና። ኣነን ኣደይን ኣብቲ ኣኼባ ምስ ተጠመቕና: እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ክንገብር ዝሓገዙና ሰባት ኣዝዮም ከም እተሓጐሱ ኣስተብሃልኩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ኣይተረድኣንን ነይሩ።

ደቀ መዛሙርቲ ንምዃን ዝገበርናዮ ዕቤት ብ1940 እዩ ጀሚሩ። ነታ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ብመስከረም 1939 ዝጀመረትላ እተፍርህ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክራ። ኣደይ ንብዓታ ብምዕጕርታ እናወረደ “እዛ ዓለም እዚኣ ሰላም ክትረክብ ዘይትኽእል ስለምንታይ እያ፧” ኢላ ብተደጋጋሚ ኽትሓትት ከላ ኣይርስዖን እየ። ወለደይ ብግዜ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ውትህድርና ተኻፊሎምን ነቲ ዘስዓቦ ዜስካሕክሕ ነገራት ርእዮምን እዮም። ኣደይ ነቲ ኣብ ብሪስቶል ዝነበረ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስትያን ኣንግሊካን ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓተተቶ። ንሱ ድማ “ኵሉ ግዜ ውግእ ምስ ሃለወ እዩ: ንድሕሪ ሕጂ እውን ኪህሉ እዩ” ጥራይ በላ።

ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ናብ ገዛና መጸት። ሓንቲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እያ ነይራ። ኣደይ ድማ “እዛ ዓለም እዚኣ ሰላም ክትረክብ ዘይትኽእል ስለምንታይ እያ፧” ኢላ ሓተተታ። እታ ናይ የሆዋ ምስክር: እዚ ዚግበር ዘሎ ውግእ ኣብ መወዳእታ እዚ ሕሱም ስርዓት ንነብር ምህላውና ዚሕብር ትእምርቲ ምዃኑ ገለጸትላ። (ማቴዎስ 24:3-14) ብዙሕ ከይጸንሐ: ጓላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓልና ጀመረት። ክልቲአን ድማ ካብ መንጎ እቶም ኣብ እዋን ጥምቀትና እተሓጐሱ ሰባት ነበራ። ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ንሰባት ኣዝዩ ዜሐጕሶም ስለምንታይ እዩ፧ ጸኒሑ: እዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ፈለጥኩ። ካብቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 65 ዓመት እንታይ ከም እተመሃርኩ እስከ ኽነግረኩም።

ንኻልኦት ምምሃር ዜምጽኦ ሓጐስ ረኸብኩ

ጓል 11 ዓመት ከለኹ ኣብ ብሪስቶል ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክካፈል ጀመርኩ። ሓደ ሓው ፎኖግራፍን ምስክርነት ዝሓዘ ካርድን ብምሃብ: “ሕጂ ነተን በቲ ሓደ ወገን እቲ ጐደና ዘለዋ ኣባይቲ ኽትበጽሕየን ኢኺ” በለኒ። በይነይ ድማ ከድኩ። ሓቂ እዩ: ፈሪሀ ነይረ። ኰይኑ ግን: ነቶም ሰብ ቤት እተቐርጸ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማዕክዎም: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ንኺወስዱ ዚዕድም ምስክርነት ዝሓዘ ካርድ ድማ ኣርኣኽዎም።

ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ምንባብ ዝያዳ ኣትኵሮ ተዋሂብዎ ነበረ። ኣብ ፈለማ: ሓፋር ስለ ዝነበርኩ: ምስ ዘይፈልጦም ሰባት ምምይያጥን ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምግላጽን ከቢዱኒ ነበረ። ቀስ ብቐስ ግን ምትእምማን ኣጥረኹ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ድማ ንኣገልግሎት ብሓቂ ኽፈትዎ ጀመርኩ። ገሊኦም ሰባት ከም ሸየጥቲ መጽሓፍ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእዩና ነይሮም: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እናኣንበብና ኽንገልጸሎም ምስ ጀመርና ግን: ከም መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ኪርእዩና ጀመሩ። እዚ ኣዝዩ ስለ ዘሐጐሰኒ: ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽካፈል ደለኹ። ኣብ መስከረም 1955 ድማ ፈላሚት ብምዃን ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተኹ።

ዘይምሕላል ዓስቢ የምጽእ

ሓደ ኻብቲ እተመሃርክዎ ትምህርቲ: ዘይምሕላል ዓስቢ ኸም ዜምጽእ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ንሓንቲ ቫዮለት ሞሪስ ዝስማ ሰበይቲ ቕዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ሃብክዋ። ክበጽሓ ኢለ ምስ ተመለስኩ: ነቲ ማዕጾ ጋህ ኣቢላ: ነቲ ጥቕስታት ክገልጸላ ኸለኹ ጽን ኢላ ሰምዓትኒ። ክበጽሓ ኣብ ዝኸድኩሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን: ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዋ እያ ትመስል ነይራ። ይኹን እምበር: ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ምስ ሓተትክዋ: “እዞም ቈልዑ ምስ ዓበዩ: ሽዑ ኸርክበሉ እየ” ብምባል ኣበየት። እዚ ብዙሕ ኣጕሃየኒ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንምድላይ ጊዜ አለዎ: ንምጥፋእ ከኣ ጊዜ አለዎ” ይብል። (መክብብ 3:6) ኣነ ግን ከም ዝጠፍአት ገይረ ኸይሕለል ወሰንኩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ: ናብ ቫዮለት ብምምላስ ብዛዕባ ሓድሓደ ጥቕስታት ተዘራረብና። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ ኣፍ ገዛኣ ዄንና ሰሙን ሰሙን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ጀመርና። ኣብ መወዳእታ: “ሕጅስ ውሽጢ ገዛ እንተ ኣተኺዶ ኣይሓይሽን፧” በለትኒ። ቫዮለት እትነኣድ ብጸይትን ፈታዊትን ኰነትኒ! ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ድማ ተጠምቀት።

ሓደ መዓልቲ ቫዮለት: ሰብኣያ ንሳ ኸይፈለጠት ንገዛኦም ከም ዝሸጦን ጠንጢንዋ ኸም ዝኸደን ሰምዐት። እቲ ዜሐጕስ ግን ብሓገዝ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቐትሪ ገዛ ረኸበት። ንየሆዋ ዘለዋ ሞሳ ንምግላጽ ኢላ ድማ ነቲ ዝተረፈ ህይወታ ፈላሚት ኰይና ንኸተሕልፎ ወሰነት። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ከም ዚህልዋ ኺገብር ከሎ: ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ክንድዚ ሓጐስ ዚህበሉ ምኽንያት ተረድኣኒ። እወ: እዚ ዕዮ እዚ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዝቐጸልክዎ ዕዮ እዩ።

ብ1957 ኣነን ሜሪ ሮቢንሰንን ፈለምቲ ዄንና ናብቲ ሩተርግለን ዚበሃል ኣብ ግላስኮ: ስኮትላንድ ዚርከብ ኢንዱስትርያዊ ኸባቢ ተመደብና። ግመ: ንፋስ: ዝናም: ከምኡውን ውርጪ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን ንሰብኽ ነበርና፣ ኰይኑ ግን ጻማ ነይርዎ እዩ። ሓደ መዓልቲ ምስ ጀሲ እትብሃል ሰበይቲ ተራኸብኩ። ምስኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ዜሐጕስ ኰይኑ ረኸብክዎ። እቲ ኮምዩኒስት ዝነበረ ዋሊ ዝስሙ ሰብኣያ ግን ኣብ መጀመርታ ይጐስየኒ ነበረ። ይኹን እምበር: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ገበረ ንሰባት ዜድልዮም ኵሉ እተማልኣሎም መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ፈለጠ፣ በዚ ድማ ኣዝዩ ተገረመ። ኣብ መወዳእታ ኽልቲኦም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ጀመሩ።

ናይ ፈለማ ምላሽ ኬታልል ይኽእል እዩ

ብድሕርዚ ናብ ፐይዝሊ: ስኮትላንድ ተመደብና። ሓደ መዓልቲ እናኣገልገልኩ ኸለኹ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ማዕጾ ኣብ ገጸይ ዓጸወቶ። ብድሕሪኡ ግን ይቕረታ ኽትሓተኒ ስለ ዝደለየት: ከተናድየኒ ጀመረት። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰሙን ምስ ተመለስኩ: “ነቲ ማዕጾ ኣብ ገጽ ኣምላኽ ዝዓጸኽዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ስለዚ ድማ ተመሊሰ ኣናደኹኺ” በለትኒ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ፐርል ትበሃል። ፈተውታን ኣዝማዳን ኣጕህዮምዋ ስለ ዝነበሩ: ናይ ሓቂ ፈታዊ ንኺህባ ናብ ኣምላኽ ከም ዝጸለየት ነገረትኒ። ቀጺላ ድማ “ድሕሪኡ ንስኺ ናብ ገዛይ መጻእኪ። ሕጂ ድማ ናይ ሓቂ ፈታዊት ምዃንኪ ፈለጥኩ” በለትኒ።

ምስ ፐርል ምሕዝነት ምምስራት ቀሊል ኣይነበረን። ገዛኣ ዓቐበት ስለ ዝነበረ: ብእግረይ ክድይብ ነበረኒ። ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣኼባ ኽወስዳ ናብ ገዝኣ ምስ ከድኩ: ብሰንኪ ንፋስን ዝናምን ካብ ምውዳቕ ንስክላ እየ ተሪፈ። ጽላለይ ስለ እተሰብረት ድማ ደርበኽዋ። ፐርል ነቲ ማዕጾ ኣብ ገጸይ ካብ እትዓጽዎ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: ርእሳ ንየሆዋ ወፍያ ብማይ ተጠምቀት።

ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሰብኣያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ወሰነ፣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ድማ ኣሰንዩኒ ናብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ከደ። ከም ልሙድ ከኣ ይዘንም ነበረ። ንሱ ግን “ብዛዕባይ ኣይትጨነቒ። ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ዅነታት ኣየር ደው ኢለ ንሰዓታት ጸወታ ዅዕሶ እከታተል እየ። ንየሆዋ ኽብል እሞ ኸኣ ብርግጽ ዝናም እናወቕዐ ደው ክብል እኽእል እየ” በለኒ። ኵሉ ሳዕ ንጽንዓት ደቂ ስኮትላንድ እንእዶ እየ።

ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ተመሊሰ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን: መብዛሕትኦም እቶም መጽናዕቲ ዝመራሕኩሎም ሰባት ኣብ እምነቶም ከም ዝጸንዑ ምርኣየይ ዓብዪ ዓስቢ እዩ! እዚ ድማ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ዚርከብ ሓጐስ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:17-20) ኣብ ስኮትላንድ ፈላሚት ኰይነ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋለይ: ብ1966 ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ሚስዮናዊት ኰይነ ንኽስልጥን ጻውዒት ቀረበለይ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር

ናብታ 50 ዚዀኑ ኣባላት ዝነበርዋ ኣብታ ትሮፒካዊት ከተማ ሳንታ ክሩዝ: ቦሊቭያ እትርከብ ዝነበረት ጉባኤ ተመደብኩ። እታ ኸተማ ነቲ ኣብ ሆሊውድ ዚርአ ብዛዕባ ምዕራባዊ ገጠራት ኣመሪካ ዜዘንቱ ፊልምታት ኣዘኻኸረትኒ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: ከምቶም ጸገም ዘጋጠሞም ካልኦት ሚስዮናውያን ኣይኰንኩን። ሓራግጽ ኣጥቂዖምኒ ኣይፈልጡን: ብመናዓብቲ ህዝቢ ተኸቢበ ኣይፈልጥን: ኣብ ምድረ-በዳ ኣይጠፋእኩን: ወይ መርከብ ኣይተሰብረትንን። ኰይኑ ግን: ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ኣዝዩ እዩ ባህ ዜብለኒ ነይሩ።

ኣብ ሳንታ ክሩዝ ንፈለማ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩላ ሰበይቲ ኣንቶንያ ትበሃል። ብስጳንኛ ምምሃር ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነይሩ። ሓደ ግዜ ንእሽቶ ወዲ ኣንቶንያ: “ማማ: ከተስሕቐና ኢላ ድያ ፈሊጣ እትጋገ ዘላ፧” በለ። ድሕሪ ግዜ: ኣንቶንያን ዮላንዳ ዝስማ ጓላን ደቂ መዝሙር ኰና። ዮላንዳ ሓደ ዲቶ ዚብል ሳጓ ዘለዎ ተመሃራይ ሕጊ ዝዀነ ዓርኪ ነበራ: ንሱ እውን መጽናዕቲ ኺገብርን ኣብ ኣኼባታት ኪካፈልን ጀመረ። ንዕኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓሉ ኸለኹ: ሓቂ ኽትምህር ከለኻ ሓድሓደ ግዜ ንሰባት ቍሩብ ምድፍፋእ ከም ዜድልዮም ተረዳእኩ።

ካብ መጽናዕቲ ኺርተፍ ምስ ጀመረ: “ዲቶ: የሆዋ ንመንግስቱ ኽትድግፋ ኣይግድደካን እዩ። ባዕልኻ ኽትመርጽ ኣሎካ” በልክዎ። ንኣምላኽ ኬገልግል ከም ዚደሊ ምስ ነገረኒ: “ኣብዚ ኸም ዚርአ ስእልታት ሓደ መራሕ ሰውራ ኣሎካ። ኪበጽሓካ ኢሉ ዚመጽእ ሰብ ነዚ ምስ ረኣየ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ትድግፍ ከም ዘለኻ ኺድምድም ይኽእልዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ። ቍሩብ ክደፋፍኦ ኣድልዩ ነበረ።

ድሕሪ ኽልተ ሰሙን: ሰውራ ተባርዐ፣ ኣብ መንጎ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ፖሊስን ድማ ተዅሲ ተጀመረ። ዲቶ ነቲ ዓርኩ ዓው ኢሉ “ንዓናይ ካብዚ ቦታ ነልግስ” በሎ። እቲ ዓርኩ ግን “ኣይከይድን እየ። እዚኣ እታ እንጽበያ ዝነበረት ዓባይ መዓልቲ እያ” እናበለ ጠበንጃኡ ሒዙ ናብ ናሕሲ እቲ ዩኒቨርሲቲ እናጐየየ ኸደ። ካብቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝሞቱ ሸሞንተ ኣዕሩኽ ዲቶ ድማ እቲ ሓደ ንሱ ነበረ። ዲቶ ናይ ሓቂ ክርስትያን ንኪኸውን እንተ ዘይመርጽ ምሞተ ነይሩ: ንዕኡ ኽርእዮ ኸለኹ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሕጐስ ድማ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም።

መንፈስ የሆዋ ብግብሪ ረኣኹ

ሓደ መዓልቲ: ብጥቓ ሓደ በጺሕናዮ ኢና ኢለ ዝሓሰብክዎ ገዛ ኽሓልፍ ከለኹ: ሓንቲ ሰበይቲ ጸውዓትኒ። ኢግናስያ ትበሃል። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት: እቲ ኣዳልበርቶ ዝስሙ ጕልቡት ሰብኣያ ግን ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ንኸይትገብር ዓገታ። ብዛዕባ ሓያሎ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተደናጊራ ስለ ዝነበረት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓላ ጀመርኩ። ዋላኳ ኣዳልበርቶ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ደው ኬብሎ እንተ ጸዓረ: ኣነ ግን ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ኻልእ ርእሰ ነገር አዘራርቦ ነበርኩ። እዚ ድማ ፈተውቲ ንምዃን ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እዩ።

ኢግናስያ ፍቕርቲ ኣባል እታ ጉባኤ ብምዃን: ካብቲ ነቶም ምጽንናዕ ዜድልዮም ሰባት ዚግበር መንፈሳውን ኣካላውን ክንክን ክትካፈል ብምርኣየይ እተሰምዓኒ ሓጐስ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም! ብድሕርዚ: ሰብኣያን ሰለስተ ውሉዳታን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ኣዳልበርቶ ኣብ መወዳእታ ንትርጕም እቲ ብስራት ምስ ተረድኦ: ናብ መደበር ፖሊስ ተመሊሱ ብምኻድ ብውዕውዕ ስምዒት ኣዘራረቦም፣ 200 ዚኸውን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ንቕሑ! ኰንትራት ድማ ኣእተወ።

የሆዋ የብቍል

ኣብ ሳንታ ክሩዝ ንሽዱሽተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋል: ናብታ ርእሲ ኸተማ ቦሊቭያ ዝዀነት ላ ፓዝ ተመደብኩ፣ ኣብኡ ድማ 25 ዓመት ኣሕለፍኩ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት እቲ ኣብ ላ ፓዝ ዝነበረ ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር 12 ኣባላት ነበሮ። እቲ ዕዮ ስብከት እናሰፍሕ ምስ ከደ ግን ዓበይቲ ህንጻታት ኣድለየ: ኣብታ ብቕልጡፍ እናዓበየት እትኸይድ ዝነበረት ከተማ ሳንታ ክሩዝ ድማ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተሃንጸ። ብ1998 እቲ ጨንፈር ናብኡ ገዓዘ: ኣነ ድማ ኣባል እዚ ሕጂ 50 ኣባላት ዝሓዘ ጨንፈር ንክኸውን ጻውዒት ቀረበለይ።

እታ ብ1966 ኣብ ሳንታ ክሩዝ ዝነበረት ሓንቲ ጉባኤ: ሕጂ ልዕሊ 50 ጉባኤታት ኰይና ኣላ። እቶም ኣብቲ እዋን እቲ 640 ዚዀኑ ኣብ ቦሊቭያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ሕጂ ዳርጋ 18,000 ኰይኖም ኣለዉ!

እቲ ዜሐጕስ: ኣብ ቦሊቭያ ዝነበረ ምድበይ ፍርያም ነበረ። እቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዚነብሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ዜርእይዎ ተኣማንነት እውን ኵሉ ግዜ የተባብዓኒ እዩ። ኵልና ነቲ የሆዋ ንንጥፈት ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝባረኸሉ መገዲ ብምርኣይ ንሕጐስ ኢና። ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምክፋል ናይ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ስኮትላንድ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ከለኹ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ቦሊቭያ ኸገልግል ከለኹ፣ (ንእሽቶ ስእሊ) ካብ መበል 42 ክፍሊ ጊልዓድ ክምረቕ ከለኹ