ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣቱም ውሉድ: ንወለድኹም ተኣዘዝዎም’

‘ኣቱም ውሉድ: ንወለድኹም ተኣዘዝዎም’

‘ኣቱም ውሉድ: ንወለድኹም ተኣዘዝዎም’

“ኣቱም ውሉድ: እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ: ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም።” —ኤፌሶን 6:1

1. ተኣዛዝነት ብኸመይ ኬዕቍበካ ይኽእል፧

 ሕጂ ንሕና ብህይወት ዘለናሉ ምኽንያት ስለ እተኣዘዝና ኪኸውን ከሎ: ገሊኦም ግን ምእዛዝ ብምእባዮም ሞይቶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነየን ኢና ተኣዚዝና፧ ንኣብነት: ነቲ ኻብቲ “መስተንክር” ጌርካ እተፈጥረ ኣካላትና ዚወሃበና መጠንቀቕታታት ተኣዚዝና ኢና። (መዝሙር 139:14) ኣዒንትና ጸሊም ደበና ምስ ዚርኢ: ኣእዛንና ድምጺ ነጕዲ ምስ ዚሰምዕ: እቲ ብኤለክትሪክ ዝመልአ ኣየር ከኣ ንጸጕርና ኽይፍ ምስ ዜብሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዚግባእ፧ እቶም ብዛዕባ እቲ ኺስዕብ ዚኽእል ሓደጋታት እተማህሩ ሰባት: እዚ ምልክታት እዚ ኻብቲ ዚመጽእ ንህይወት ዜስግእ ብርቱዕ ዝናምን በርቅን በረድን ናብ መዕቈቢ ንኺሃድሙ መጠንቀቕታ ይዀኖም እዩ።

2. ውሉዳት መጠንቀቕታታት ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ ንወለዶም ኪእዘዙ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣቱም ውሉዳት: ብዛዕባ እቲ ኼጋጥመኩም ዚኽእል ሓደጋታት መጠንቀቕታ የድልየኩም እዩ: ወለድኹም ከኣ ነዚ ንምሃብ ሓላፍነት ኣለዎም። “ሓዊ ኣይትሓዝ: ከይትነድድ፣” “ናብ ጥቓ እቲ ቐላይ ኣይትኺድ: ሓደገኛ እዩ፣” “ጐደና ቕድሚ ምስጋርካ ብኽልቲኡ ኣንፈት ርአ” ተባሂሉ ተነጊሩኩም ይኸውን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን: ገሊኦም ቈልዑ ነዚ ትእዛዝ እዚ ብዘይምሕላዎም ተጐዲኦም ወይ ሞይቶም እዮም። ንወለድኹም እዙዛት ምዃን “ቅኑዕ” ወይ ግቡእ እዩ። ጥበባዊ እውን እዩ። (ምሳሌ 8:33) ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕሲ: ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ “ባህ ዜብል እዩ” ይብል። እወ: ኣምላኽ: ንወለድኹም ንኽትእዘዙ እዩ ዚእዝዘኩም ዘሎ።—ቈሎሴ 3:20፣ 1 ቈረንቶስ 8:6

ተኣዛዝነት ዜምጽኦ ነባሪ ዓስብታት

3. ንመብዛሕትና ናይ ሓቂ ህይወት እንታይ እያ፧ ውሉዳት ኪረኽብዋ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧

3 ንወለድኻ እዙዝ ምዃንካ: “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣ” ዕቝባ ይዀና እዩ። ብዘይካዚ ግን: ተኣዛዝነትካ ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት” እትበሃል “እትመጽእ” ህይወት ንኽትረክብ የኽእለካ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 6:19) ንመብዛሕትና ናይ ሓቂ ህይወት ክትበሃል ከላ: ኣብታ ኣምላኽ ነቶም ንትእዛዛቱ ብተኣማንነት ንዚሕልዉ እተመባጽዖ ሓዳስ ዓለም እንረኽባ መወዳእታ ዘይብላ ህይወት እያ። ሓንቲ ኻብተን ኣገደስቲ ትእዛዛት እቲኣተን: “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ: እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ” እትብል እያ። ስለዚ: ንወለድኻ እንተ ተኣዚዝካ: ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። መጻኢኻ ዜተኣማምን ኪኸውን: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ተስፋ ኺህልወካ እዩ።—ኤፌሶን 6:2, 3

4. ውሉዳት ንኣምላኽ ኬኽብርዎን ብእኡ ኣቢሎም ኪጥቀሙን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ንወለድኻ ኸተኽብር ከለኻ: ንኽትእዘዞም ዝኣዘዘካ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንዕኡ ኢኻ እተኽብሮ ዘለኻ። እግረ መገድኻ ድማ ትጥቀም። መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካ . . . ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ይብል። (ኢሳይያስ 48:17፣ 1 ዮሃንስ 5:3) እዙዝ ምዃንካ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመካ፧ እዚ ንኣዴኻን ንኣቦኻን የሐጕሶም: ንሳቶም እውን ብግዴኦም ንህይወትካ ሓጐስ ብዚውስኽ መገዲ ባህታኦም የርእዩኻ። (ምሳሌ 23:22-25) ልዕሊ ዅሉ ግን: ተኣዛዝነትካ ንሰማያዊ ኣቦኻ የሐጕሶ: ንሱ ድማ ብዜደንቕ መገዲ ዓስብኻ ኺህበካ እዩ! የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ርእሱ: “ዅሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ” ዝበለ የሱስ ብኸመይ ከም ዝባረኾን ከም ዘዕቈቦን እስከ ንርአ።—ዮሃንስ 8:29

የሱስ—ንፉዕ ሰራሕተኛ

5. የሱስ ንፉዕ ሰራሕተኛ ኸም ዝነበረ ዜእምን እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧

5 የሱስ ንኣዲኡ ማርያም በዅራ ነበረ። እቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ: ጸራቢ ነበረ። የሱስ እውን ጸራቢ ዀነ: እዚ ድማ ካብ ዮሴፍ ተማሂርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 13:55፣ ማርቆስ 6:3፣ ሉቃስ 1:26-31) የሱስ እንታይ ዓይነት ጸራቢ ዝነበረ ይመስለካ፧ ብተኣምራዊ መገዲ ተጠኒሱ ኣብ ማሕጸን ድንግል ኣዲኡ ቕድሚ ምእታዉ: ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ጥበብ ዀይኑ ብምቕራብ: “ሽዑ [“ወሓለ:” ትርጕም 1990] ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ ኣምላኽ] ነበርኩ: ብየዕለቱ ኤሐጕሶ: ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” በለ። የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንፉዕ ሰራሕተኛ ብምንባሩ: ኣምላኽ ብእኡ ሕጉስ ነበረ። መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንፉዕ ሰራሕተኛ: ወይ ንፉዕ ጸራቢ ንምዃን ዚከኣሎ ዅሉ ዝገበረዶ ኣይመስለካን፧—ምሳሌ 8:30፣ ቈሎሴ 1:15, 16

6. (ሀ) የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ገዛ ሰሪሑ ይኸውን እዩ እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ውሉዳት ንየሱስ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧

6 የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ቘልዑ ዚዛረቦ: ሓድሓደ ግዜ ጸወታ ይጻወት ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ዘካርያስ 8:5፣ ማቴዎስ 11:16, 17) ኰይኑ ግን: ኣብ ሓንቲ ብዙሓት ቈልዑ ዘለውዋ ድኻ ስድራቤት ዚነብር በዅሪ ውሉድ ብምንባሩ: ኣብ ልዕሊ እቲ ጸራቢ ንምዃን ካብ ዮሴፍ ዝረኸቦ ስልጠና ኣብ ገዛ ዚዓዮ ነገራት ከም ዝነበሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ጸኒሑ: የሱስ ሰባኺ ዀነ: ብሕታዊ ምሾቱ ብምስዋእ ድማ ንኣገልግሎቱ ገዛእ ርእሱ ወፈየ። (ሉቃስ 9:58፣ ዮሃንስ 5:17) ንየሱስ ክትመስለሉ እትኽእል መገድታት ክትርኢ ትኽእልዶ፧ ወለድኻ ንኽፍልኻ ኸተጽሪ: ወይ ካልእ ዕዮ ገዛ ኽትዓዪ ይሓቱኻዶ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብን እምነትካ ንኻልኦት ብምንጋርን ኣብ ዚግበር ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣምልኾ ንኽትሳተፍ የተባብዑኻዶ፧ የሱስ ብንእስነቱ ተመሳሳሊ ሕቶታት እንተ ዚቐርበሉ: እንታይ ምላሽ ምሃበ፧

ትጉህ ተመሃራይን መምህርን መጽሓፍ ቅዱስ

7. (ሀ) የሱስ ናብ ፋስጋ ምስ መን ተጓዒዙ ኪኸውን ኣለዎ፧ (ለ) ካልኦት ናብ ዓዶም ኪምለሱ ምስ ጀመሩ: የሱስ ኣበይ ነበረ፧ ኣብኡ ዝተረፈኸ ስለምንታይ እዩ፧

7 ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ዅሎም እስራኤላውያን: ኣብቲ ሰለስተ በዓላት ኣይሁድ ንየሆዋ ንኼምልኽዎ ናብ ቤተ መቕደሱ ኪኸዱ ተኣዚዞም ነበሩ። (ዘዳግም 16:16) የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ኵሎም ኣባላት ስድራቤቱ ፋስጋ ንኼብዕሉ ናብ የሩሳሌም ተጓዒዞም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ብኣደ ኣሕዋቱን ኣሓቱን እውን ብሓባር ከይዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ: እታ ምናልባት ሓብቲ ማርያም ዝነበረት ሰሎሜ: ዘብዴዎስ ሰብኣያ: ከምኡውን እቶም ደሓር ሃዋርያት ዝዀኑ ያእቆብን ዮሃንስን ዚበሃሉ ደቃ ምሳታቶም ከይዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። a (ማቴዎስ 4:20, 21፣ 13:54-56፣ 27:56፣ ማርቆስ 15:40፣ ዮሃንስ 19:25) ኪምለሱ ኸለዉ: ዮሴፍን ማርያምን ምስቶም ኣዝማዶም ዘሎ መሲልዎም ነበረ: ስለዚ ፈለማ ኸም ዝተረፈ ኣየስተብሃሉን። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ: “ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን” ረኸብዎ።—ሉቃስ 2:44-46

8. የሱስ ኣብቲ ቤተ መቕደስ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ሰባት እተገረሙኸ ስለምንታይ እዮም፧

8 የሱስ ነቶም መምህራን ‘ዚሓቶም’ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ሕቶታቱ ንናይ ምፍላጥ ሃንቀውታኡ ንምዕጋብ ወይ ሓበሬታ ንምርካብ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። እታ ኣብዚ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: ነቲ ንፍርዲ ዚምልከት መርመራ ዚዕየየላ ዀይኑ: ንመስቀላይ ሕቶ እውን ከተጠቓልል ትኽእል እያ። እወ: የሱስ ገና ንእሽቶ ኸሎ እውን: ንፈላጣት መምህራን ሃይማኖት ዘገረመ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ: “ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ” ይብል።—ሉቃስ 2:47

9. መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ዝመጸ ኣብነት የሱስ ብኸመይ ክትስዕብ ትኽእል፧

9 የሱስ ገና ብንእስነቱ ነቶም ምኩራት መምህራን እኳ ኸይተረፈ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠቱ ኼገርሞም ዝኸኣለ ኸመይ ገይሩ ይመስለካ፧ ልክዕ እዩ: ነቶም ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዞም መለኮታዊ መምርሒታት ዝሃብዎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ብምርካቡ ተባሪኹ እዩ። (ዘጸኣት 12:24-27፣ ዘዳግም 6:6-9፣ ማቴዎስ 1:18-20) ዮሴፍ ንየሱስ ገና ብንእስነቱ ናብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚንበበሉን ምይይጥ ዚግበረሉን ቤት ጸሎት ይወስዶ ምንባሩ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንስኻኸ ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚገብሩን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዚወስዱኻን ወለዲ ተባሪኽካ ዲኻ፧ ከምቲ የሱስ ነቲ ወለዱ ዝገበርዎ ጻዕርታት ኣኽቢሩ ዝረኣዮ: ንስኻኸ ንጻዕርታቶም ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ነቲ እተመሃርካዮ ኸምቲ የሱስ ዝገበሮ ንኻልኦት ተካፍሎም ዲኻ፧

የሱስ እዙዝ ነበረ

10. (ሀ) ወለዲ የሱስ: ኣበይ ከም ዝነበረ ኺፈልጡ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ንውሉዳት እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝሓደገሎም፧

10 ማርያምን ዮሴፍን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንየሱስ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸብዎ ኸመይ እተሰምዖም ይመስለካ፧ ብዘይ ጥርጥር እፎይ ኢሎም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ግን ወለዱ ኣበይ ከም ዝነበረ ብዘይምፍላጦም ምግራሙ ገለጸሎም። ክልቲኦም ብዛዕባ እቲ ተኣምራዊ ኣወላልዳኡ ይፈልጡ ነበሩ። ብተወሳኺ: ኵሉ እቲ ዝርዝር ነገራት እኳ ይፈልጡ እንተ ዘይነበሩ: ኣብ መጻኢ መድሓንን ገዛእን መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። (ማቴዎስ 1:21፣ ሉቃስ 1:32-35፣ 2:11) ስለዚ ድማ: የሱስ “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም። ይኹን እምበር: ብተኣዛዝነት ምስ ወለዱ ናብ ናዝሬት ተመልሰ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ “ይእዘዞምውን ነበረ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ይብል።—ሉቃስ 2:48-51

11. ካብ የሱስ ብዛዕባ ተኣዛዝነት እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ ትኽእል፧

11 ወትሩ ንወለድኻ እዙዝ ብምዃን ዝመጸ: ንየሱስ ክትመስሎ ቐሊል ኰይኑ ዲኻ እትረኽቦ፧ ወይስ ወለድኻ እዚ ዘመናዊ ዓለም ዘይርድኦምን ንስኻ ኻባታቶም ንላዕሊ ትፈልጥን ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ፧ ብዛዕባ ገሊኡ ነገራት: ምናልባት ብዛዕባ ሞባይል ተሌፎን: ኮምፕዩተር: ወይ ዘመናዊ ኣቕሑ ንስኻ ዝያዳ ኽትፈልጥ ከም እትኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ብዛዕባ እቲ ንምኩራት መምህራን “በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን” ዘገረሞም የሱስ እሞ ሕስብ ኣብል። ምስኡ ኽትነጻጸር ከለኻ ብዙሕ ከም ዘይትፈልጥ ትሰማምዓሉ ትኸውን። እንተዀነ ግን: የሱስ ንወለዱ እዙዝ ነበረ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ነቲ ውሳነታቶም ወትሩ ይሰማምዓሉ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብ ብምሉኡ ዀተቴ ዀይኑ ዘሕለፎ ዓመታት ‘ይእዘዞም ነበረ።’ ካብቲ ዝገደፎ ኣብነት እንታይ ትምህርቲ ኽትረክብ እትኽእል ይመስለካ፧—ዘዳግም 5:16, 29

ተኣዛዝነት ቀሊል ኣይኰነን

12. ተኣዛዝነት ንህይወትካ ኼድሕኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 እዙዝ ምዃን ቀሊል ኣይኰነን። ንኣብነት: ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ክልተ ንኣሽቱ ኣዋልድ ኣብ ሓደ ሽዱሽተ ማካይን ጐድኒ ንጐድኒ ዜኽይድ ሰፊሕ ጐደና: በቲ ብላዕሊ እተዳለወ መገዲ ኣጋር ኣብ ክንዲ ዚሰግራ: ጐዪየን በቲ ጽርግያ ሰንጢቐን ኪሰግራ ሓሰባ። ንሓደ ብጻየን በቲ ንኣጋር እተዳለወ መገዲ ኪኸይድ ኪብል ከሎ: “ጆን: ምሳና ደይኰንካን እትኸይድ፧” በላኦ። ምስ ተወላወለ: ሓንቲ ኻብተን ኣዋልድ “ፈራህ!” ኢላ ኣባጨወትሉ። ጆን ዋላ እኳ እንተ ዘይፈርሀ: “ኣደይ ዝበለትኒ ኽሰምዕ ነበረኒ” በለ። ድሕሪ እተወሰነ ህሞት በቲ ንኣጋር እተዳለወ መገዲ ኪኸይድ ከሎ: ማኪና ሕጭጭ ኪብል ሰምዐ: ናብ ታሕቲ ገጹ እንተ ጠመተ: እተን ኣዋልድ ብማኪና ተገጭየን ረኣየን። ሓንቲ ኻባታተን ሞተት: እታ ኻልአይቲ ኸኣ ኣዝያ ስለ እተጐድአት እግራ ኪቝረጽ ነበሮ። ኣደ እተን ኣዋልድ ንደቃ በቲ ብላዕሊ ዜሳግር መገዲ ኣጋር ኪኸዳ ነጊራተን ነበረት: ጸኒሓ ድማ ንኣደ ጆን: “ከም ወድኺ እዙዛት እንተ ዝዀናለይ ነይረን” ኢላ ተዛረበታ።—ኤፌሶን 6:1

13. (ሀ) ንወለድኻ ኽትእዘዝ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ሓደ ውሉድ ነቲ ወለዱ ኺገብሮ ዝኣዘዝዎ ነገር ምግባር ኪኣብዮም ግቡእ ዚኸውን መዓስ እዩ፧

13 ኣምላኽ: “ኣቱም ውሉድ: . . . ንወለድኹም ብጐይታ ተአዘዝዎም” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ንወለድኻ ተኣዛዚ ብምዃንካ: ንኣምላኽ ኢኻ እትእዘዞ ዘለኻ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ወለድኻ ኻባኻ ንላዕሊ ተመክሮ ኣለዎም። ንኣብነት: እዚ ኣብ ላዕሊ እተዘንተወ ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙ ሓሙሽተ ዓመት ኣቐዲሙ: ንኣደ ጆን ጓል መሓዛኣ ነቲ ሰፊሕ ጐደና እቲ ኽትሰግር ክትብል ተቐቲላ እያ! ሓቂ እዩ: ወትሩ ነቲ ወለድኻ ዝኣዘዙኻ ምሕላው ቀሊል ኣይኰነን: ኣምላኽ ግን ክትእዘዞም እዩ ነጊሩካ። በቲ ኻልእ ሸነኽ: ወለድኻ ወይ ካልኦት ክትሕሱ: ክትሰርቕ: ወይ ኣምላኽ ዚጸልኦ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትገብር እንተ ኣዚዞምካ: “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ” እዩ ዚግብኣካ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም” ዚብል። እዚ ኸኣ ንወለድኻ ኣብ ኵሉ እቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዚሰማማዕ ነገራት እትእዘዞም ምዃን የጠቓልል።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

14. ንፍጹም ሰብ ተኣዛዝነት ቀሊል ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ኰይኑ ግን ብዛዕባ ተኣዛዝነት ኪመሃር ዜድልዮ ስለምንታይ እዩ፧

14 ፍጹም እንተ ትኸውን ኔርካ: ማለት ከም የሱስ ‘ርኽሰት ዜብልካን: ካብ ሓጢኣት እተፈለኻን’ እንተ ትኸውን ኔርካ: ንወለድኻ ኽትእዘዝ ወትሩ ቐሊል ምዀነልካዶ፧ (እብራውያን 7:26) ፍጹም እንተ ትኸውን ኔርካ: ከምዚ ሕጂ ዘለኻዮ ሕማቕ ንኽትገብር ዝንባለ ኣይምሃለወካን። (ዘፍጥረት 8:21፣ መዝሙር 51:5) ይኹን እምበር: የሱስ እኳ ኸይተረፈ: ተኣዛዝነት ኪመሃር ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ: “ወዲ እኳ ኽነሱ: በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ” ይብል። (እብራውያን 5:8) ስቅያት ንየሱስ ኣብ ሰማይ ፈጺሙ ዘይተማህሮ ተኣዛዝነት ዝመሃሮ ብኸመይ እዩ፧

15, 16. የሱስ ተኣዛዝነት እተማህረ ብኸመይ እዩ፧

15 ዮሴፍን ማርያምን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋ ዀይኖም: ንየሱስ ካብ ጕድኣት ኣዕቈብዎ። (ማቴዎስ 2:7-23) ውዒሉ ሓዲሩ ግን: ኣምላኽ ካብ የሱስ ልዕለ-ባህርያዊ ዕቝባኡ ኣልገሰ። ንየሱስ ዘጋጠሞ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ስቅያት: ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን . . . ጸሎትን ምህልላን . . . ኣቕረበ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (እብራውያን 5:7) እዚ መዓስ እዩ ዀይኑ፧

16 እዚ ነገር እዚ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ምድራዊ ህይወት የሱስ: ሰይጣን ንንጽህናኡ ንምብልሻው ሓያል መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ እዩ ዀይኑ። የሱስ በቲ ኸም ገባር እከይ ኰይኑ ዚሞቶ ሞት ኣብ ስም ኣቦኡ ኼምጽኦ ዚኽእል ሕማቕ ነገር ኣዝዩ ስለ እተሳቐየ: ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ “ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።” ድሕሪ ሒደት ሰዓታት: እቲ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ዚሞቶ ሞት ኣዝዩ ዜሳቒ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን” ጸለየ። (ሉቃስ 22:42-44፣ ማርቆስ 15:34) በዚ ኸምዚ “በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ:” ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንልቢ ኣቦኡ ኣሐጐሰ። ሕጂ ኣብ ሰማይ ኰይኑ: ነቲ ንኽንእዘዝ ክንቃለስ ከለና ዚስምዓና ስቓይ ይርድኦ እዩ።—ምሳሌ 27:11፣ እብራውያን 2:18፣ 4:15

ካብ ተኣዛዝነት ትምህርቲ ምቕሳም

17. ተግሳጽ ምቕባል ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

17 ኣቦኻን ኣዴኻን ተግሳጽ ኪህቡኻ ኸለዉ: ጽቡቕካ ኸም ዚደልዩን ከም ዜፍቅሩኻን እዩ ዜርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧” ይብል። ወለድኻ ኣጸቢቖም ዘየፍቅሩኻ ብምዃኖም: ግዜ ወሲዶም ንኺእርሙኻ ጻዕሪ ዘይገብሩ እንተ ዚዀኑስ ኣየሕዝንንዶ፧ ብተመሳሳሊ: የሆዋ ስለ ዜፍቅረካ ይእርመካ እዩ። ሓቂ እዩ: “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።”—እብራውያን 12:7-11

18. (ሀ) ፍቕራዊ ተግሳጽ ናይ ምንታይ መግለጺ እዩ፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ተግሳጽ ንሰባት ብጽቡቕ ከም ዚቐርጽ ካብ እተዓዘብካዮ ኣብነታት ጥቐስ።

18 እቲ የሱስ እኳ ዓብዪ ጥበብ ከም ዝነበሮ ዝጠቐሶ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን: ወለዲ ፍቕራዊ መአረምታ ኺህቡ ኸም ዜድሊ ተዛረበ። “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ: ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” ኢሉ ጸሓፈ። ብዘይካዚ ድማ እቲ ፍቕራዊ መአረምታ ዚቕበል: ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን ተዛረበ። (ምሳሌ 13:24፣ 23:13, 14፣ ማቴዎስ 12:42) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ቘልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትርብሽ ከላ: ኣቦኣ ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ኽትቅጻዕ ምዃና ይነገራ ኸም ዝነበረ ትዝክር። ኣቦኣ ነቲ ንህይወታ ብጽቡቕ መገዲ ዝቐረጸላ ፍቕራዊ ተግሳጽ ብምሃቡ: ሕጂ ብዙሕ እያ እትፈትዎ።

19. ንወለድኻ ኽትእዘዞም ዘሎካ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

19 ካብ ፍቕሪ እተላዕለ ግዜ ወሲዶም ብፍቕራዊ መገዲ ዚግስጹኻ ወለዲ እንተ ኣልዮምኻ: ነዚ ኣመስግነሉ። ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዮሴፍን ንማርያምን ወለዱ እተኣዘዘ: ንስኻ እውን ተኣዘዞም። ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ የሆዋ ኣምላኽ ክትእዘዞም ስለ ዝነገረካ: ተኣዘዞም። ከምኡ ብምግባርካ ንርእስኻ ኽትጠቅም ኢኻ: “ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ” እዩ።—ኤፌሶን 6:2, 3

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 841 ተወከስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ውሉዳት ንወለዶም እዙዛት ብምዃን እንታይ ረብሓታት ይረኽቡ፧

• የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንወለዱ እዙዝ ብምዃን ዝመጸ እንታይ ኣብነት ሓደገ፧

• የሱስ ተኣዛዝነት እተማህረ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከሎ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ካብ ስቅያት ተኣዛዝነት እተማህረ ብኸመይ እዩ፧