ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣትን ኣንስቲ: ንሰብኡትክን ኣኽብራ

ኣትን ኣንስቲ: ንሰብኡትክን ኣኽብራ

ኣትን ኣንስቲ: ንሰብኡትክን ኣኽብራ

“ኣትን ኣንስቲ: . . . ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።”—ኤፌሶን 5:22

1. መብዛሕትኡ ግዜ ንሰብኣይ ምኽባር ከቢድ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

 ኣብ ሓያሎ ሃገራት ወድን ጓልን ኪምርዓዉ ኸለዉ: እታ መርዓት ንሰብኣያ ኸም ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም እተርእዮ ቓል ኪዳን ትኣቱ እያ። እቲ ብዙሓት ሰብኡት ንኣንስቶም ዚሕዙሉ መገዲ: ነቲ ቓል ኪዳን ንምሕላው ከቢድ ወይ ቀሊል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መጀመርታ ሓዳር ብጽቡቕ እዩ ተሰሪቱ። ኣምላኽ ካብ መሰንገለ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝነበረ ኣዳም ሓንቲ ወሰደ እሞ: ንዓኣ ሰበይቲ ገይሩ ሰርሓ። ኣዳም: “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ።—ዘፍጥረት 2:19-23

2. ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ኣንስትን ሓዳርን እንታይ ምዕባለታት እዩ ተራእዩ፧

2 ሓዳር ኣብ መጀመርታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ መሰረት እኳ እንተ ነበሮ: ኣብ መጀመርታ 1960ታት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ንኣንስቲ ኻብ ዕብላለ ደቂ ተባዕትዮ ናጻ ንምውጻእ ዝሓለነ ምንቅስቓስ ተጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ መጠነ ዝምድና እቲ ንስድራቤቶም ራሕሪሖም ዚኸዱ ሰብኡት ምስ ኣንስቲ ኺነጻጸር ከሎ 300 ን1 ነበረ። ኣብ መወዳእታ 1960ታት እቲ መጠነ ዝምድና 100 ን1 ዀነ። ሕጂ ኣንስቲ ማዕረ ሰብኡት ኪጻረፋን ኪሰትያን ኬትክኻን ርኹስ ተግባራት ኪገብራን ይኽእላ እየን። እሞ ደኣ እዚ ዝያዳ ሓጐስ ኣምጺኡለንዶ፧ ኣይፋሉን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ዳርጋ ፍርቂ ኻብቶም ዚምርዓዉ ሰባት ውዒሎም ሓዲሮም ይፋትሑ እዮም። እሞኸ እቲ ገሊአን ኣንስቲ ንሓዳረን ንምምሕያሽ ዝገበራኦ ጻዕሪ: ንዅነታተን ኣመሓይሽዎ ድዩ ወይስ ኣጋዲድዎ፧—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

3. ንሓዳር ዚጸሉ ዘሎ መሰረታዊ ጸገም እንታይ እዩ፧

3 እቲ መሰረታዊ ጸገም እንታይ እዩ፧ ብእተወሰነ መጠን: ሄዋን በቲ ዓለወኛ መልኣኽ ዝዀነ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ካብ እትሕበል ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ። (ራእይ 12:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:13, 14) ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ዚምህሮ ትምህርቲ ኣስተናዓቖ። ንኣብነት: ድያብሎስ ንሓዳር ከም ቀያድን መሪርን ገይሩ እዩ ኣቕሪብዎ። እቲ ብመራኸቢ ብዙሓን እዛ ንሱ ዝገዛኢኣ ዓለም ኣቢሉ ዜናፍሶ ፕሮፓጋንዳ: ንመምርሒታት ኣምላኽ ኣድልዎ ዘለዎን ግዜ ዝሓለፎን ኣምሲሉ እዩ ዜቕርቦ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰበይቲ ኣብ ሓዳር ዘለዋ ግደ ብኽፉት ኣእምሮ እንተ መርሚርናዮ ግን: ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ጥበባውን ግብራውን ከም ዝዀነ ንግንዘብ ኢና።

ነቶም ዚምርዓዉ እተዋህበ መጠንቀቕታ

4, 5. (ሀ) መርዓ ኺሕሰብ ከሎ ጥንቃቐ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓንቲ ሰበይቲ ኽትምርዖ ቕድሚ ምውሳና እንታይ ክትገብር ኣለዋ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ መጠንቀቕታ ይህብ እዩ። ኣብዛ ድያብሎስ ዚገዝኣ ዓለም: እቶም ዕዉት ሓዳር ዘለዎም እውን እንተ ዀነ: “መከራ” ኸም ዚረኽቡ ይገልጸልና እዩ። ስለዚ: መርዓ ብኣምላኽ እተሰርዐ እኳ እንተ ዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ናብኡ ዚኣትዉ ግን የጠንቅቖም እዩ። ሓደ ኻብቶም ብመንፈስ ተደሪኾም ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ ሰብኣያ ዝሞታ እሞ እንደገና ንኽትምርዖ ሓራ ዝዀነት ሰበይቲ: “ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር: ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት” በለ። የሱስ እውን ነቶም ‘ኪቕበልዎ ዚኽእሉ’ ዘበሉ: ንጽል ኰይኖም ኪነብሩ ተማሕጸኖም። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ሰብ ኪምርዖ እንተ ወሲኑ: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ:” ማለት ንሓደ ርእሱ ዝወፈየን እተጠምቀን ኣምላኺ የሆዋ ኺምርዖ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 7:28, 36-40፣ ማቴዎስ 19:10-12

5 ብፍላይ ሰበይቲ ንመን ክትምርዖ ኸም ዘለዋ ኽትጥንቀቕ ኣለዋ። ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ “ሰበይቲ: ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ: ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ” ይብል። እንተ ሞይቱ ወይ ዝሙት እንተ ፈጺሙ እሞ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እንተ ተፋቲሖም ጥራይ እያ “ኻብቲ ሕጊ ሓራ” እትወጽእ። (ሮሜ 7:2, 3) ንፈለማ ብምርእኣይ ጥራይ ዚምስረት ፍቕሪ ባህ ዜብል ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ንሕጉስ ሓዳር ግን እኹል መሰረት ኣይኰነን። ስለዚ: ሓንቲ ንጽል: ‘ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሰብኣይ ክኣቱ ድልውቲ ድየ፧’ ኢላ ኽትሓትት ኣለዋ። ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ መርዓ ደኣ እምበር: ድሕሪኡ ኣይኰነን ኪሕሰበላ ዘለዎ።

6. መብዛሕትአን ሎሚ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ውሳነ እየን ዚገብራ፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሎሚ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ኣንስቲ ንዚቐርበለን ናይ መርዓ ሕቶ ይቕበላ ወይ ይነጽጋ እየን። ኰይኑ ግን: ሰበይቲ ነቲ ኣብ ሓዳር እትረኽቦ ምቅርራብን ፍቕርን ሓያል ባህጊ ኺህልዋ ስለ ዚኽእል: ጥበባዊ ውሳነ ምግባር ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበደ ኪዀና ይኽእል እዩ። ሓደ ጸሓፊ: “ሓደ ነገር ክንገብር ዝያዳ ብዝደለና መጠን—ንበል ክንምርዖ ወይ ከረን ክንሓኵር—ብግምት ናይ ምምልላስን ነቲ ኽንሰምዖ እንደልዮ ነገራት ጥራይ ዚነግረና ጸብጻባት ናይ ምቕላብን ዝንባለ እዩ ዚሓድረና” በለ። ሓደ ኸረን ዚሓኵር ሰብ ሕማቕ ውሳነ እንተ ገይሩ: ህይወቱ ኺስእን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ሓዳር ጥበባዊ ዘይኰነ ውሳነ ምግባር እውን ብተመሳሳሊ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

7. መጻምድቲ ብዛዕባ ምድላይ ዝመጸ እንታይ ጥበባዊ ምኽሪ እዩ እተዋህበ፧

7 ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ እቲ ኽትምርዓዎ ዝሓተታ ሰብኣይ ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ኣርዚና ኽትሓስበሉ ኣለዋ። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ሓንቲ ህንዳዊት ጓል: “ወለድና ብዕድመ ይዓብዩናን ብጥበብ ይበልጹናን እዮም: ከማና ኸኣ ብቐሊሉ ኣይታለሉን እዮም። . . . ኣነ ብቐሊሉ እየ ጌጋ ኽገብር ዝኽእል” ብምባል ብትሕትና ተኣመነት። ካብ ወለድን ካልኦትን ዚርከብ ሓገዝ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለ ጥበበኛ ኣማኻሪ: መንእሰያት ዘበሉ ንወለዲ እቲ መጻምድቶም ኪፈልጥዎም ከምኡውን ምስ ወለዱን ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱን ዘለዎ ርክብ ኪዕዘቡ የተባብዖም።

የሱስ ተገዛእነት ዘርኣየሉ መገዲ

8, 9. (ሀ) የሱስ ንኣምላኽ ዝነበሮ ተገዛእነት ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧ (ለ) ካብ ተገዛእነት እንታይ ጥቕሚ ኺርከብ ይከኣል፧

8 ተገዛእነት በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ኣንስቲ ኸምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይረን ኣኽቢረን ኪርእያኦ ይኽእላ እየን። የሱስ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺግዛእ ኢሉ ኽሳዕ ኣብ ዕንጨይቲ ተሸንኪሩ ዚመውት መከራ እኳ እንተ ኣሕለፈ: ንኣምላኽ ተገዛኢ ብምዃኑ ግን ሓጐስ ረኺቡ እዩ። (ሉቃስ 22:41-44፣ እብራውያን 5:7, 8፣ 12:3) መጽሓፍ ቅዱስ “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ” ስለ ዚገልጽ: ኣንስቲ ንየሱስ ከም ኣብነተን ገይረን ኪርእያኦ ይኽእላ እየን። (1 ቈረንቶስ 11:3) ይኹን እምበር: ኣንስቲ ምስ ተመርዓዋ ጥራይ ኣይኰናን ኣብ ትሕቲ ርእስነት ሰብኣይ ዚኣትዋ።

9 መጽሓፍ ቅዱስ እተመርዓዋ ዀና ንጽል ኣንስቲ: ንርእስነት እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ኪግዝኣ ኸም ዘለወን ይገልጽ። (1 ጢሞቴዎስ 2:12, 13፣ እብራውያን 13:17) ኣንስቲ በዚ መዳይ እዚ መምርሒ ኣምላኽ ምስ ዚስዕባ: ኣብቲ ውድባዊ ስርዓት ኣምላኽ ንመላእኽቲ ኣብነት ይዀና እየን። (1 ቈረንቶስ 11:8-10) ኣብ ርእሲ እዚ: ብዕድመ ዝደፍኣ እተመርዓዋ ኣንስቲ: በቲ ሰናይ ኣብነተንን ጠቓሚ ሓሳባተንን ኣቢለን ነተን ንኣሽቱ ኣንስቲ “ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና” ይምህራአን እየን።—ቲቶስ 2:3-5

10. የሱስ ተገዛእነት ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ግቡእ ተገዛእነት ዘለዎ ረብሓ ኣስተውዒሉ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ንሃዋርያ ጴጥሮስ: ንሰበ-ስልጣን ግብሪ ኪኸፍል መምርሒ ሃቦ: እቲ ዚኸፍሎ ገንዘብ እውን ከይተረፈ ሃቦ። ጴጥሮስ ጸኒሑ “ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:13፣ ማቴዎስ 17:24-27) ብዛዕባ እቲ የሱስ ተገዛእነት ዘርኣየሉ ልዕሊ ዅሉ ዜደንቕ ኣብነቱ: “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ” ዚብል ነንብብ።—ፊልጲ 2:5-8

11. ጴጥሮስ: ኣንስቲ ንዘይኣመንቲ ሰብኡተን እኳ ኸይተረፈ ኺግዝኣ ዘተባብዐን ስለምንታይ እዩ፧

11 ጴጥሮስ ንክርስትያናት: ነቶም ሕሱማትን ዘይፍትሓውያንን ሰበ-ስልጣን እውን ከይተረፈ ኺግዝኡ ኼተባብዖም ከሎ: “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” በለ። (1 ጴጥሮስ 2:21) እቲ የሱስ ዘሕለፎ መከራ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑን ብምጽማም ከም እተገዝአን ድሕሪ ምግላጹ ኸኣ: ነቶም ዘይኣመንቲ ሰብኡት ዘለውወን ኣንስቲ: “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” በለን።—1 ጴጥሮስ 3:1, 2

12. የሱስ ተገዛኢ ብምዃኑ እንታይ ረብሓታት እዩ ተረኺቡ፧

12 ኣደዳ ላግጽን ጸርፍን ክነስኻ: ተገዛኢ ምዃን ከም ምልክት ድኽመት ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። ኰይኑ ግን: የሱስ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣይነበሮን። ጴጥሮስ ብዛዕባኡ: “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: . . . ዘየፋራርሄ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:23) ገለ ኻብቶም የሱስ መከራ ኺጸግብ ከሎ ዝረኣይዎ: እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ኣመንቲ ዀይኖም እዮም፣ ካባታቶም ከኣ እቲ ኣብ ጥቓኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ኸታርን እቲ ኪቐተል ከሎ ዚርእዮ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን ይርከብዎም። (ማቴዎስ 27:38-44, 54፣ ማርቆስ 15:39፣ ሉቃስ 23:39-43) ብተመሳሳሊ: ገለ ኻብቶም ዘይኣመንቲ ሰብኡት ዋላ እኳ ተጻረፍቲ እንተ ዀኑ: ነቲ ተገዛእነት እተን ኣንስቶም ብምርኣይ ክርስትያናት ከም ዚዀኑ ጴጥሮስ ሓቢሩ ኣሎ። ሎሚ እዚ ኺፍጸም ከሎ ርኢና ኢና።

ኣንስቲ ብኸመይ ሞገስ ኪረኽባ ኸም ዚኽእላ

13, 14. ንዘይኣመንቲ ሰብኡት ተገዛኢ ምዃን ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣመንቲ ዝዀና ኣንስቲ በቲ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ኣኻይዳአን ንሰብኡተን ረቢሐናኦም እየን። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ ሰበይቱ: “ንሰበይተይ ዝሕዘሉ ኣገባብ ሕማቕ እዩ ነይሩ። ንሳ ግን ኣዝያ ተኽብረኒ ነበረት። ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ኣዋሪዳትኒ ኣይትፈልጥን እያ። ብግዲ ኸተእምነኒ ኣይፈተነትን። ብፍቕራዊ መገዲ ተኸናኸነትኒ። ናብ ዓበይቲ ኣኼባታት ክትከይድ ከላ: ኣቐዲማ ዝምገቦ ምግቢ ንምድላውን ዕዮ ገዛ ንምውድዳእን ኣበርቲዓ ትዓዪ ነበረት። ኣረኣእያኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግደስ ገበረኒ። እነኹ ኸኣ!” በለ። እወ: ብኣኻይዳ ሰበይቱ “ብዘይ ቃል ከም ረብሓ” ዀይኑ ተረኺቡ እዩ።

14 ከምቲ ጴጥሮስ ዘጕለሖ: ብቐንዱ ሓንቲ ሰበይቲ እትብሎ ዘይኰነስ: እትገብሮ ነገራት እዩ ኣወንታዊ ፍረ ዜፍሪ። ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት እተማህረትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ቈራጽነት ዝገበረትን ሰበይቲ ነዚ ሓቂ ምዃኑ ርእያቶ እያ። ብዓል ቤታ: “ኣግነስ: በዛ ማዕጾ እዚኣ እንተ ወጺእኪ: ተመሊስኪ ኸይትመጺ!” ኢሉ ጨደረላ። በታ “ማዕጾ” እቲኣ ኣይወጸትን: ኣብ ክንዳኡስ ብኻልእ ማዕጾ ወጸት። ኣብታ እትቕጽል ናብ ኣኼባ እትኸደላ መዓልቲ: “ተመሊስኪ ምስ መጻእኪ ኣብዚ ኣይጸንሓክን እየ” ኢሉ ኣፈራርሃ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ንሰለስተ መዓልቲ ጠፍአ። ምስ ተመልሰ ግን: ብሕያውነት “ዚብላዕዶ ትደሊ፧” ኢላ ሓተተቶ። ኣግነስ ካብቲ ንየሆዋ ዝነበራ ተወፋይነት ፈልከት ኣይበለትን። ኣብ መወዳእታ: ብዓል ቤታ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተሰማምዐ: ህይወቱ ንኣምላኽ ወፈየ: ጸኒሑ ኸኣ ብዙሕ ሓላፍነታት ዘለዎ ሓላዊ ዀይኑ ኣገልገለ።

15. ንክርስትያን ኣንስቲ እንታይ “ስልማት” ኪገብራ እዩ ምሕጽንታ ተዋሂብወን፧

15 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣንስቲ ዝዓየያሉ ነገር ጠቒሱ ነይሩ። እዚ ድማ “ስልማት” ኪኸውን ከሎ: “ናይ ስሩሕ ርእስን . . . ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን” ግን ኣይኰነን። የግዳስ: ጴጥሮስ: “ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን” በለ። እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ኣዘራርባን ጠባይን ይንጸባረቕ እዩ። ከምዚ ዓይነት መንፈስ ዘለወን ኣንስቲ ድማ ተኸራኸርትን ምኒን በሃልትን ኣይኰናን። ስለዚ: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ተኽብሮ እያ።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4

ትምህርቲ ዚርከበለን ኣብነታት

16. ሳራ ንክርስትያን ኣንስቲ ሰናይ ኣብነት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

16 ጴጥሮስ “ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ: ንሰብኡተን እናተአዘዛ: ከምዚ እየን እተሰለማ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:5) ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣንስቲ ነቲ የሆዋ ዚህቦ ምኽሪ ብምስዓብ ንዕኡ ምሕጓስ: ሓጐስ ስድራቤትን ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ከም ዜምጽእ ይፈልጣ ነበራ። ጴጥሮስ ነታ ምልክዕቲ ሰበይቲ ኣብርሃም ዝነበረት ሳራ ጠቐሳ: “ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተአዘዘቶ” ድማ በለ። ሳራ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ርሑቕ ሃገር ከይዱ ኼገልግሎ ዝኣዘዞ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰብኣያ ትድግፎ ነበረት። ንዅሉ እቲ ጣዕሚ ናብራኣ ገደፈቶ: ህይወታ እውን ኣብ ሓደጋ ኣእተወት። (ዘፍጥረት 12:1, 10-13) ጴጥሮስ ንሳራ ብትብዓታ ነኣዳ: “ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን: ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ: ኣዋልዳ ኢኽን” ድማ በለ።—1 ጴጥሮስ 3:6

17. ጴጥሮስ: ኣቢጋይል ንክርስትያን ኣንስቲ ኣብነት ትኸውን ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

17 ኣቢጋይል ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ዝገበረት ንኻልእ ዘይትፈርህ ሰበይቲ ነበረት። ጴጥሮስ ንዓኣ እውን ዘኪርዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሳ “ኣስተውዓሊት” ነበረት: ናባል ሰብኣያ ግን “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ።” ናባል ንዳዊትን ሰቡን ሓገዝ ምሃብ ምስ ኣበየ: ንሳቶም ንናባልን ኣብ ቤቱ ዚርከቡ ዅሎምን ኬጥፍእዎም ተላዕሉ። ኣቢጋይል ግን ንቤታ ንምድሓን ስጕምቲ ወሰደት። ምግቢ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዒና ኽትከይድ ከላ ንዳዊትን ንሰቡን ኣብ መገዶም ተጓነፈቶም። ንዳዊት ምስ ረኣየቶ: ካብ ኣድጊ ወረደት: ኣብ ቅድሚ ኣእጋሩ ተደፊኣ ድማ ብታህዋኽ ስጕምቲ ኸይወስድ ለመነቶ። ዳዊት ልቡ ተተንከፈ። “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን” በላ።—1 ሳሙኤል 25:2-33

18. ኣንስቲ ኻብ ካልእ ሰብኣይ ብዚገብረለን ፍቕራዊ ቘላሕታ ዚፍተና እንተ ዀይነን: ንናይ መን ኣብነት ኬስተንትናሉ ኣለወን፧ ስለምንታይከ፧

18 ካልእ ንክርስትያን ኣንስቲ ሰናይ ኣብነት እትኸውን እታ ነቲ ኽትምርዓዎ እተመባጽዓትሉ ትሑት ጓሳ እምንቲ ዝዀነት መንእሰይ ሱላሚት እያ። ሓደ ሃብታም ንጉስ ብዓይኒ ፍቕሪ እኳ እንተ ጠመታ: ንሳ ግን ነቲ ጓሳ ዝነበረታ ፍቕሪ ጽንዕቲ ነበረት። ነቲ ጓሳ ዘላታ ፍቕሪ ኽትገልጽ ምስ ተለዓዓለት: “ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ . . . እሞ: ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ: ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ። ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን: ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን” በለት። (መሃልየ መሃልይ 8:6, 7) እተን ንመርዓ ዝቐረበለን ሕቶ እተቐበላ ደቂ ኣንስትዮ እውን ንሰብኡተን እሙናትን ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለወንን ኪዀና ቘራጽነት ይግበራ።

ተወሳኺ መለኮታዊ ምኽሪ

19, 20. (ሀ) ኣንስቲ ንሰብኡተን ኪእዘዛኦም ዘለወን ስለምንታይ እየን፧ (ለ) ንኣንስቲ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ቐሪቡለን ዘሎ፧

19 ኣብ መወዳእታ: እታ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ፍረ ነገር ዝዀነት ጥቕሲ ተሰዂዓትሉ ዘላ ሓሳባት ንርአ። እታ ጥቕሲ: “ኣትን ኣንስቲ: . . . ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ትብል። (ኤፌሶን 5:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣዛዝነት ወይ ተገዛእነት ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ እታ ቐጺላ ዘላ ጥቕሲ ምኽንያቱ ኽትገልጽ ከላ: “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ትብል። ስለዚ: ኣንስቲ “ኸምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ: ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተአዘዛኦም” ዚብል ምሕጽንታ ተዋሂብወን ኣሎ።—ኤፌሶን 5:23, 24, 33

20 ኣንስቲ ነዚ ትእዛዝ እዚ ንምሕላው: ነቲ እታ ጉባኤ ቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝሓደገቶ ኣብነት ኬጽንዓን ኪስዕባን ኣለወን። ኣብ 2 ቈረንቶስ 11:23-28 እሞ ኣንብብ: ሓደ ኣባል እታ ጉባኤ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እሙን ንኪኸውን ኢሉ እንታይ ተጸሚሙ ኸም ዘሕለፈ ፍለጥ። ኣንስቲ ዀና ዝተረፉ ኣባላት እታ ጉባኤ: ከም ጳውሎስ: ንየሱስ እሙናት ተገዛእቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣንስቲ ነዚ ንሰብኡተን ተገዛእቲ ብምዃን የርእያኦ።

21. ኣንስቲ ንሰብኡተን ንኺግዝኣ ኺድርኸን ዚኽእል እንታይ እዩ፧

21 ሎሚ ብዙሓት ኣንስቲ ተገዛኢ ምዃን ዚብልዎ ሓሳብ ዜበሳጭወን እኳ እንተ ዀነ: ጥበበኛ ሰበይቲ ግን ጥቕምታቱ ትርኢ እያ። ንኣብነት: ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልይዋ: ንሕግታት ወይ ስርዓታት ኣምላኽ ከይጠሓሰት ንርእስነቱ ብዅሉ መዳያት ምስ እትግዛእ: ‘ንሰብኣያ ብምድሓን’ ዜደንቕ ዓስቢ ኽትረክብ ትኽእል እያ። (1 ቈረንቶስ 7:13, 16) ብዘይካዚ: የሆዋ ኣምላኽ ንኣኻይዳኣ ኸም ዚሰምሮን ነቲ ፍቑር ወዱ ብምምሳላ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኻን ብምፍላጣ ዕግበት ክትረክብ ትኽእል እያ።

ትዝክሮዶ፧

• ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸተኽብሮ በዳሂ ኪዀና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

• ንመርዓ ዝቐረበ ሕቶ ምቕባል ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

• የሱስ ንኣንስቲ ኣብነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነቱ ብምስዓብከ እንታይ ረብሓታት ኪርከብ ይከኣል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ንመርዓ ዝቐረበ ሕቶ ምቕባል ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣንስቲ ኻብ ከም ኣቢጋይል ዝኣመሰለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰት ሰበይቲ እንታይ ኪመሃራ ይኽእላ፧