ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ፈጣሪ እተዋህበትና ዘለኣለማዊት ህያብ

ካብ ፈጣሪ እተዋህበትና ዘለኣለማዊት ህያብ

ካብ ፈጣሪ እተዋህበትና ዘለኣለማዊት ህያብ

እቲ ተመራመርቲ ኣብ ዝዀነት ትኹን ፕላነት ንዘሎ ህይወት ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ዚኣምኑሉ ረቛሒታት ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ተጠቒሱ ምህላዉስ ኣየገርመካንዶ፧ እዚ ረቛሒታት እዚ እንታይ እዩ፧

ህይወት ኪብልጽግ እንተ ተደልዩ: ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:2 ተጠቒሱ ዘሎ ብዙሕ ማይ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣብዛ ፕላነት ዚርከብ ማይ ፈሳሲ ዀይኑ ምእንቲ ኪቕጽል: መጠን ሙቐት ልክዕ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸምዚ ንኪኸውን ከኣ እታ ፕላነት ካብ ጸሓይ ኣብ ግቡእ ርሕቀት ክትህሉ ኣለዋ። ጸብጻብ ዘፍጥረት ብዛዕባ ጸሓይን ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዘለዋ ጽልዋን ብተደጋጋሚ እያ እትጠቅስ።

ሰባት ኣብዛ ፕላነት ኪነብሩ እንተ ዀይኖም: እተመጣጠነ ጋዛት ዝሓዘ ኣየር የድሊ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣብ ዘፍጥረት 1:6-8 ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:11, 12 ተገሊጹ ዘሎ ዕቤት ኣትክልቲ: እኹል ኦክስጅን ከም ዚህሉ ገበረ። ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:9-12 ተጠቒሱ ዘሎ እውን ሓንቲ ፕላነት እተፈላለዩ እንስሳታት ኪነብሩላ እንተ ዀይኖም: ንቑጽን ፍርያምን መሬት የድሊ። ኣብ መወዳእታ: መጠኑ ዝሓለወ ዅነታት ኣየር ንኺህሉ: እታ ፕላነት ብግቡእ መጠን ዝቐነነትን ካብ ስፍራኣ ዘይትወጽእን ክትከውን ኣለዋ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ምድሪ ብምኽንያት ሓይሊ ስሕበት ወርሒ ዀይናቶ ዘላ ማለት እዩ። ብዛዕባ ህላወን ጥቕምን ወርሒ ኣብ ዘፍጥረት 1:14, 16 ጐሊሑ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሙሴ ዚበሃል ጸሓፊ: ብዘይ ሓገዝ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ነዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ነገራት ኪጽሕፍ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብፍልጠት ኣመና ቐዲምዎም ስለ ዝነበረ ድዩ፧ ከምኡ ዘይኰነስ: ብመንፈስ እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ ስለ እተደረኸ እዩ። እዚ ድማ ብኣረኣእያ ስነ-ፍልጠት ኪርአ ኸሎ: ልክዕነት ጸብጻብ ዘፍጥረት ዜርኢ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ዜደንቕ ነገራት ዕላማ ኸም ዘለዎ ይገልጽ እዩ። መዝሙር 115:16 “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” ትብል። ካልእ መዝሙር ድማ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ: ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ትብል። (መዝሙር 104:5) ዩኒቨርስን እታ ጽብቕቲ ፕላነትናን ብኣምላኽ እተነድፈን እተፈጥረን እንተ ዀይኑ: ነዚ ዓቂቡ ንምጽናሕ እውን ክእለት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ: ንፍጻመ እቲ “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” ትርጕም 1990] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዚብል ዜደንቕ መብጽዓ ብምትእምማን ክትጽበዮ ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 37:29) ኣምላኽ ‘ንምድሪ ዝገበራ ማሕደር ሰብ ክትከውን እምበር: ጥራያ ኽትከውን ከም ዘይፈጠራ’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፣ በቶም ሞሳ ዘለዎምን ንግብርታቱ ኣፍልጦ ዚህቡን ሰባት ንዘለኣለም ክትምላእ እዩ ፈጢርዋ።—ኢሳይያስ 45:18

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: የሱስ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ኪምህረናን ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህብን እዩ ናብ ምድሪ መጺኡ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም’ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና: እቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ነቲ ናይ ምድሓን መሰናድዎ እተቐበሉ ፈተውቲ ሰላም ዝዀኑ ሰባት ግን ኪድሕኑ እዮም። (ራእይ 7:9, 14፣ 11:18) ሰባት ኣብቲ ዜደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ንዘለኣለም ሓድሽ ርኽበት ኪረኽቡን ብእኡ ባህ ኪብሎምን ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ኰን እዩ!—መክብብ 3:11፣ ሮሜ 8:21

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

NASA photo