ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓጐስ ንየሆዋ ምጽባይ

ብሓጐስ ንየሆዋ ምጽባይ

ብሓጐስ ንየሆዋ ምጽባይ

ዘይበሰለ ፍረ በሊዕካዶ ትፈልጥ፧ መቸም በቲ ጣዕሙ ባህ ኸም ዘይበለካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ፍረ ንኺበስል ግዜ ይወስድ እዩ: ነቲ ንኺበስል ዚወስዶ ግዜ ምጽባይ ድማ ረብሓ ኣለዎ። ብምጽባይ ረብሓ እንረኽበሉ ኻልእ ኵነታት እውን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” ይብል። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:26፣ ቲቶስ 2:13) ክርስትያናት ንየሆዋ ኺጽበዩሉ ዚግብኦም መገድታት እንታይ እዩ፧ ንዕኡ ብምጽባይ ጥቕሚ እንረክብከ ብኸመይ ኢና፧

ንኣምላኽ ምጽባይ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

ከም ክርስትያናት መጠን ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበናን እናኣቐላጠፍናን’ ኢና እንነብር። ነቲ እቶም ‘ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት ምስ ጠፍኡ’ እንረኽቦ ቕሳነት ንናፍቖ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:7, 12) የሆዋ እውን ንዅሉ እኩይ ነገራት ኬጥፍኦ ሃንቀው እዩ ዚብል፣ ይኹን እምበር: ንስሙ ኽብሪ ብዜምጽእ መገዲ ንክርስትያናት ኬድሕኖም ስለ ዚደሊ ትዕግስቲ የርኢ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽከ ቝጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ: ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጾሮም: እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም [እዩ]።” (ሮሜ 9:22, 23) የሆዋ ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ ዝገበሮ: ሎሚ እውን ንህዝቡ ዜድሕነሉ ግቡእ ግዜ ይፈልጥ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:20) ስለዚ: ንየሆዋ ምጽባይ ኪበሃል ከሎ: ነቲ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ምጽባይ እውን ዜጠቓልል እዩ።

ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና ኸለና: ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት እዛ ኣብ ዙርያና ዘላ ዓለም እናጐደለ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምርኣይ ንጕሂ ንኸውን። ከምዚ ኺስምዓና ኸሎ: ነቲ “ጻድቕ ካብ ምድሪ ጠፍኤ: ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን” ዚብል ቃላት እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሚክያስ ክንሓስበሉ ሰናይ እዩ። ቀጺሉ ድማ “ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት: ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ [‘ትጽቢት:’ NW] እገብር አሎኹ” በለ። (ሚክያስ 7:2, 7) እቲ ኸነማዕብሎ ዚግብኣና ‘ትጽቢት’ እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ምጽባይ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ: ንኣምላኽ ብምጽባይ ታሕጓስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

እናተጸበኻ ሕጉስ ምዃን

ካብ የሆዋ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ንሱ ዅሉ ሳዕ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) የሆዋ ነቲ ንሰባት ኪፈጥሮም ከሎ ኣትሒዙ ፍጹማት ኪዀኑ ዝነበሮ ዕላማ ምእንቲ ኺወቅዕ ኢሉ: ንዜፍቅርዎ ሰባት ናብ ፍጽምና ኽብ ከም ዚብሉ ንምግባር ኵሉ ሳዕ ስለ ዚዓዪ ብታሕጓስ እዩ ዚጽበ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) ካብቲ ዕዮኡ ባህ ዜብል ውጽኢት ረኺቡ እዩ፣ ከመይሲ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተሳሒቦም እዮም። የሱስ “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር: ኣነውን እገብር አሎኹ” በለ። (ዮሃንስ 5:17) ንኻልኦት ሰባት ሓደ ነገር ምግባር ሕጉስ ንምዃን ኣገዳሲ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣእዳዎም ኣጣሚሮም ዘይጽበዩ። የግዳስ: ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ኺፈልጡ ይሕግዝዎም ኣለዉ።

እሙናት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ እናተጸበዩ: ብሓጐስ እዮም ዚውድስዎ። ንኣብነት: ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት ርአ። ንጉስ ሳኦል ሰጐጎ: ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ጠለሞ: ወዱ ድማ ከድዖ። ዳዊት ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ ኣጋጣሚ እዚ: የሆዋ ኣብ ግዜኡ ዕረፍቲ ንኺህቦ እናተጸበየ ሕጉስ ኪኸውን ይኽእልዶ ነይሩ፧ እታ ብዳዊት ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል መበል 71 መዝሙር ከምዚ ትብል:- “ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር: ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ። . . . ኣፈይ ጽድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።” (መዝሙር 71:14, 15) ዳዊት ኣብ ክንዲ ብጓሂ ዚጽበ: ሕጉስ እዩ ነይሩ፣ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ንየሆዋ ኣብ ምውዳስን ነቶም ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዉ ሰባት ኣብ ምብርታዕን ትሑዝ ስለ ዝነበረ እዩ።—መዝሙር 71:23

ንየሆዋ ምጽባይ ኪበሃል ከሎ: ልክዕ ከምቲ ንዝደንጐየት ኣውቶቡስ ክትጽበ ኸለኻ ዚስምዓካ ዜሕርቕ ነገር ኣይኰነን። የግዳስ: ምስቲ ወለዲ: ውሉዶም ዓብዩ ዜዅርዖም ንኪኸውን ብሓጐስ ዚገብርዎ ትጽቢት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እቲ ዓመታት ብብዙሕ ንጥፈት: ማለት ስልጠና: መምርሒ: ከምኡውን ተግሳጽ ብምሃብ እዩ ዚሓልፍ፣ ኵሉ ድማ ነቲ ዚድለ ውጽኢት ንምርካብ ዝዓለመ እዩ። እቶም ንየሆዋ እንጽበ ዘበልና እውን ብተመሳሳሊ: ሰባት ናብ የሆዋ ንኪቐርቡ ብምሕጋዝ ሓጐስ ንረክብ ኢና። ስምረት ኣምላኽ: ብዓብዪኡ ድማ ድሕነት ክንረክብ ንደሊ ኢና።

ተስፋ ኣይትቝረጽ

ንየሆዋ ምጽባይ: ንዕኡ ምፍቃርና ኽንቅጽልን ተስፋ ኸይቈረጽና ኸነገልግሎን ከም ዘሎና ዜመልክት እውን እዩ። እዚ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ከመይሲ: ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ኣብ ማእከል እቲ ንህይወትካ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ኣብ ዘሎካ እምነት እተመርኰሰት እንተ ዀይና ዜላግጸልካ ሕብረተሰብ እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ይኹን እምበር: ኣብነት እቶም ኣብ ባቢሎን ን70 ዓመት ምሩኻት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንተስፋኦም ህያው ገይሮምዎ ዝነበሩ እሙናት እስራኤላውያን እስከ ርአ። ከምዚ ንኺገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ንመጽሓፍ መዝሙር ምንባቦም ከም ዘበራተዖም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሓንቲ ኣብቲ እዋን እቲ ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል መዝሙር ከምዚ ትብል:- “ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ። ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ: እወ: ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ። . . . ዎ እስራኤል: ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።”—መዝሙር 130:5-7

እቶም ነዚ ብምንባብን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ብምንጋርን ንተስፋኦም ህያው ገይሮምዎ ዝነበሩ ኣይሁድ: ባቢሎን ኣብ ኢድ ወረርታ ምስ ወደቐት ዓስቦም ረኺቦም እዮም። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እሙናት ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቲ እዋን እቲ ብዚምልከት: “እግዚኣብሄር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም: . . . ኣፍና ብሰሓቕ: . . . መልኤ” ዚብል ተጻሕፈ። (መዝሙር 126:1, 2) እዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ኣይተሓለሉን፣ የግዳስ: ነታ ዝነበረቶም እምነት ኣደልደልዋ። ንየሆዋ ናይ ውዳሰ መዝሙር ምዝማር እውን ኣየቋረጹን።

ብተመሳሳሊ: እቶም ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ወይ ኣብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚነብሩ ዘለዉ ንኣምላኽ ዚጽበይዎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ንእምነቶም ህያው ኪገብርዋ ብቐጻሊ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ቃል ኣምላኽ የጽንዑ: ንሓድሕዶም ይበራትዑ: ከምኡውን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንየሆዋ ይውድስዎ።—ማቴዎስ 24:3, 14

ካብ ተግሳጽ ጥቕሚ ንምርካብ ምጽባይ

እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኤርምያስ “ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:26) ኤርምያስ ከምዚ ኺብል ከሎ: የሆዋ የሩሳሌም ንኽትጠፍእ ብምፍቃድ ንህዝቢ ኣምላኽ እኳ እንተ ገሰጾም: ንሳቶም ግን ብዛዕባ እቲ ነዚ ዝገበረሉ መገዲ ኼማርሩ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚገልጽ ዘሎ። ኣብ ክንዳኡስ: ብዛዕባ እቲ ዘይምእዛዞም ብምሕሳብ ከምኡውን ኣረኣእያኦም ምቕያሮም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው: ካብቲ ዝሓለፈ ተመክሮኦም ኪጥቀሙ እዩ ዘለዎም።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:40, 42

ተግሳጽ የሆዋ ምቕባልና ዜምጽኣልና ጥቕሚ: ምስቲ ሓደ ፍረ ዚበስለሉ መገዲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ተግሳጽ ብዚምልከት “ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ይብል። (እብራውያን 12:11) ልክዕ ከምቲ ሓደ ፍረ ንኺበስል ግዜ ዚወስድ: ንሕና እውን ነቲ ኣምላኽ ዚህበና ስልጠና ዘሎና ኣረኣእያና ንኽንቅይር ግዜ የድልየና እዩ። ንኣብነት: ብሰሪ ዘርኣናዮ ዘይእዱብ ኣካይዳ: ኣብታ ጉባኤ ዝነበረና ሓላፍነት እንተ ስኢንና: ንኣምላኽ ንምጽባይ ዘሎና ፍቓደኛነት ከም ዘይንሕለልን ተስፋ ኸም ዘይንቘርጽን ይገብረና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: እቲ “ኵራኡ [ኵራ ኣምላኽ] ንቕጽበት ዓይኒ እዩ: ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ: ምሸት ብኽያት ይሐድር: ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ዳዊት ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 30:5) ናይ ምጽባይ ባህርይ እንተ ኣማዕቢልና ኸምኡውን ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽን ውድቡን ዚወሃበና ምዕዶ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ: ‘እልል’ እንብለሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ።

ብስለት ግዜ ይሓትት

መንእሰይ ወይ ከኣ ኣብ ቀረባ እዋን እተጠመቕካ እንተ ዄንካ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ኪህልወካ ሃንቀው ትብል ትኸውን። ይኹን እምበር: ነዚ ሓላፍነታት እዚ ንምስካም ዜድሊ ብስለት ንምምዕባል ግዜ ይሓትት እዩ። ስለዚ: ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ንምግባር ነዚ ግዜ ንእስነትካ ተጠቐመሉ። ንኣብነት: ግዜ ንእስነት ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ: ክርስትያናዊ ባህርያት ንምምዕባል: ከምኡውን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ክእለት ንምምሕያሽ ጽቡቕ ግዜ እዩ። (መክብብ 12:1) ብትሕትና ናይ ምጽባይ ባህርይ እንተ ኣርኢኻ: የሆዋ ንዓኻ ዝያዳ ሓላፍነታት ዚህበሉ ግዜ ኺመጽእ እዩ።

ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እውን ትዕግስቲ ዚሓትት እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሓረስታይ: ኣምላኽ ነቲ ዘርኢ ኽሳዕ ዜብቍሎ ማይ ምስታዩ ኼቋርጽ ዘይብሉ: ዕዮ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ድማ ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:7፣ ያእቆብ 5:7) ካልኦት ሰባት ንየሆዋ ዘለዎም እምነትን ሞሳን ኣብ ልቦም ከም ዚዓቢ ንምግባር: ኣዋርሕ ካብኡ ሓሊፉ እውን ዓመታት ዚወስድ ትዕግስቲ ዝመልኦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የድሊ ይኸውን። ንየሆዋ ምጽባይ ኪበሃል ከሎ: እቶም ተመሃሮ ነቲ እተማህርዎ ነገር ምላሽ እኳ እንተ ዘይሃቡሉ: ከይተሓለልካ ምቕጻል ዜጠቓልል እዩ። ካልእ እኳ እንተ ተረፈ: ቍሩብ ሞሳ እንተ ኣርእዮም: ንመንፈስ የሆዋ ምላሽ ይህቡሉ ኸም ዘለዉ ዜርኢ ምልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ትዕግስቲ እንተ ኣርኢኻ: የሆዋ ነቲ ተመሃራይካ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ናብ ምዃን ከም ዝዓቢ ኺገብሮ ኸሎ ብምርኣይ ክትሕጐስ ኢኻ።—ማቴዎስ 28:20

ብምጽባይ ፍቕርኻ ምግላጽ

ምጽባይ መግለጺ ፍቕርን ምትእምማንን ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ ምዃኑ ብኣብነት ንምርኣይ: ኵነታት እታ ኣብ ኣንደስ: ደቡብ ኣመሪካ እትነብር ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ እስከ ርአ። ካብቶም ኣብቲ ቝሸት ዘለዉ ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ንሳን ሓንቲ ኻልእ መንፈሳዊት ሓብትን ጥራይ እየን። ስለዚ: ሓደ ክርስትያን ኪበጽሐን ኪመጽእ ምዃኑ ምስ ፈለጣ: ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበያኦ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ሓደ እዋን: ሓደ ገያሺ ሓላዊ ንመጀመርታ ግዜ ኺበጽሐን ናብአን ይጐዓዝ ነበረ: ኣብ መንጎ ግን መገዲ ስሒቱ ጠፍአ። ኣሰሩ ስዒቡ ናብቲ ቕኑዕ መገዲ ኽሳዕ ዚምለስ ድማ ብዙሕ ሰዓታት ወሰደ። ነታ ቝሸት ብርሑቕ ኰይኑ ኣብ ዝረኣየሉ ግዜ: ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ነበረ። ኣብቲ ኸባቢ ኤለክትሪክ ስለ ዘይነበረ: ብርሃን ምስ ረኣየ ኣዝዩ ገረሞ። ኣብታ ቝሸት በጺሑ: እታ ብርሑቕ ዝረኣያ ብርሃን እታ ሓብቲ ዝሰቐለታ ብዘይቲ እትዓዪ መብራህቲ ምዃና ምስ ፈለጠ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ እተሓጐሰ! እታ ሓብቲ ብርግጽ ከም ዚመጽእ ስለ ዝፈለጠት: ትጽበዮ ነበረት።

ንሕና እውን ተመሳሳሊ ትዕግስቲ ብምርኣይ: ብታሕጓስ ንየሆዋ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና። ነቲ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚፍጽም ርግጸኛታት ኢና። ልክዕ ከምቲ ገያሺ ሓላዊ: በቶም ዚጽበዩና ሰባት ንሕጐስ ኢና። ኣምላኽ በቶም ዚጽበይዎ ሰባት ምሕጓሱ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ: ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ” ይብል።—መዝሙር 147:11

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት: ብሓጐስ ንየሆዋ ይጽበይዎ