ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍርሃት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ይሃሉኻ

ብፍርሃት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ይሃሉኻ

ብፍርሃት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ይሃሉኻ

“ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ: ኣቱም ቅዱሳኑ: ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ።”—መዝሙር 34:9

1, 2. (ሀ) ህዝበ-ክርስትያን ንፍርሃት ኣምላኽ ብኸመይ ዝበለ እተፈላለየ መገድታት እያ እትርእዮ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 ሰበኽቲ ህዝበ-ክርስትያን: ሰባት ንኣምላኽ ንኺፈርህዎ ኺምህሩ ኸለዉ: ኣምላኽ ንሓጢኣተኛታት ንዘለኣለም ኣብ ሲኦል ብሓዊ ኸም ዜቃጽሎም ብምምሃር ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ይምርኰሱ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰረተ-እምነት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ናይ ፍቕሪ ኸምኡውን ናይ ፍርዲ ወይ ፍትሒ ኣምላኽ ምዃኑ ዚምህሮ ትምህርቲ ይጋጮ እዩ። (ዘፍጥረት 3:19፣ ዘዳግም 32:4፣ ሮሜ 6:23፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ካልኦት ኣገልገልቲ ህዝበ-ክርስትያን በቲ ኻልእ ጫፍ እዮም ዚምህሩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዚብልዎ ፈጺሞም ኣይጠቕስዎን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ኵሉ ዜፍቅድን ኣነባብራና ብዘየገድስ ኵሉ ዚቕበልን ከም ዝዀነ ገይሮም ይምህሩ። እዚ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኣይኰነን።—ገላትያ 5:19-21

2 ከም ሓቂ: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንፈርሆ የተባብዓና እዩ። (ራእይ 14:7) እዚ ሓቂ እዚ ሕቶታት የበግስ እዩ። ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ክንፈርሆ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ፍርሃት እዩ ዚደሊ፧ ንኣምላኽ ምፍራህ ኪጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ካብ ዝሓለፈ ተበጊስና ኣብ መበል 34 መዝሙር እተመርኰሰ መግለጺ ኽንርኢ ኸለና: ነዘን ሕቶታት እዚኣተን መልሲ ኽንረኽበለን ኢና።

ንኣምላኽ እንፈርሃሉ ምኽንያት

3. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ክንፈርሆ እተዋህበና ትእዛዝ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ (ለ) ንየሆዋ ዚፈርህዎ ሰባት ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

3 የሆዋ ፈጣርን ልዑላዊ ገዛእን ኵሉ ፍጥረት ከም ምዃኑ መጠን: ኪፍራህ ይግብኦ። (1 ጴጥሮስ 2:17) ይኹን እምበር: እዚ ፍርሃት እዚ ንሓደ ጨካን ኣምላኽ እነርእዮ ኽቱር ራዕዲ ኣይኰነን። ንመንነት የሆዋ ኣብ ግምት ብምእታው ዚስምዓና ኣኽብሮት: ከምኡውን ንኸይነጕህዮ ዚስምዓና ፍርሃት እዩ። ፍርሃት ኣምላኽ ብሉጽን ልዕል ዜብልን ደኣ እምበር: ዚደቍስ ወይ ዜሸብር ባህርይ ኣይኰነን። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ: ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ኣብ ህይወቶም ኪሕጐሱ እዩ ዚደልዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) ሓጐስ ምእንቲ ኽንረክብ ግን: ምስቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና። እዚ ድማ ንብዙሓት ሰባት ኣነባብራኦም ኪቕይሩ ዚሓትት እዩ። ኵሎም እቶም ኣድላዪ ለውጢ ዚገብሩ: ሓቅነት እተን ከምዚ ዚስዕብ ዚብላ ቓላት ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኪምከርወን ይኽእሉ እዮም:- “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን: ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ: ኣቱም ቅዱሳኑ: ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ።” (መዝሙር 34:8, 9) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ: ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎም: ዝዀነ ይኹን ነባሪ ጥቕሚ ኣይጐድሎምን እዩ።

4. ዳዊትን የሱስን እንታይ መረጋገጺ እዮም ሂቦም፧

4 ዳዊት ነቶም ሰቡ “ኣቱም ቅዱሳኑ” ኢሉ ብምጽዋዕ ከም ዘኽበሮም ኣስተብህል። ክፍሊ እቲ ቕዱስ ህዝቢ ኣምላኽ እዮም ነይሮም። ንዳዊት ብምስዓብ ከኣ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እዮም ዜእትዉ ነይሮም። ካብ ንጉስ ሳኦል ይሃድሙ እኳ እንተ ነበሩ: የሆዋ መሰረታዊ ዜድልዮም ነገራት ከም ዚህቦም ዳዊት ይተኣማመን ነበረ። ስለዚ ድማ: “ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን: ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 34:10) የሱስ እውን ንሰዓብቱ ተመሳሳሊ መረጋገጺ ሂብዎም እዩ።—ማቴዎስ 6:33

5. (ሀ) ብዙሓት ሰዓብቲ የሱስ ከመይ ዝበሉ ዓይነት ሰባት እዮም ነይሮም፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ፍርሂ ዝመጸ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

5 ብዙሓት ካብቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት: ውጹዓትን ትሑታትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣይሁድ ነበሩ። ስለዚ: የሱስ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ትሑታት ሰባት ንየሱስ ንኺስዕብዎ ትብዓት ይረኽቡዶ ይዀኑ፧ ከምኡ ንምግባር: ንሰብ ኣብ ክንዲ ዚፈርሁ: ፍርሃት የሆዋ ኼማዕብሉ ነበሮም። የሱስ ከምዚ በሎም:- “ስጋ ንዚቐትሉ: ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ንዜብሎም ኣይትፍርህዎም። ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፤ ነቲ: ምስ ቀተለስ: ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ: ንእኡ ፍርሁ። እወ: ንእኡ ፍርህዎ: እብለኩም አሎኹ። ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ።”—ሉቃስ 12:4-7

6. (ሀ) እንታይ የሱስ እተዛረቦ ቓላት እዩ ንክርስትያናት ዘበራተዖም፧ (ለ) ንኣምላኽ ብምፍራህ ዝመጸ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና ስለምንታይ እዩ፧

6 ንየሆዋ ዚፈርሁ ሰባት ንኣምላኽ ምግልጋል ንኺሓድጉ ኻብ ጸላእቶም ጸቕጢ ምስ ዚወርዶም: ነቲ የሱስ: “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ: ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚኽሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ይዝክሩ እዮም። (ሉቃስ 12:8, 9) እዘን ቃላት እዚኣተን ንክርስትያናት: ምናዳ ኸኣ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ እተኣገደለን ሃገራት ዚርከቡ: ኣበርቲዐናኦም እየን። እቶም ኣብ ትሕቲ እገዳ ዘለዉ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኰነ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ብጥበብ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) የሱስ ‘ንኣምላኽ ብምፍራህ’ ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ሰሪዑልና እዩ። (እብራውያን 5:7) እቲ ትንቢታዊ ቓል ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ: ‘ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ የሆዋ: መንፈስ ፍርሃቱ ኺዓርፍ እዩ። ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት የሆዋ እዩ’ ይብል። (ኢሳይያስ 11:2, 3) ስለዚ: የሱስ ብዛዕባ ረብሓታት ፍርሃት ኣምላኽ ኪምህረና ምሉእ ዘይጕዱል ብቕዓት ኣለዎ።

7. (ሀ) ክርስትያናት ነቲ ዳዊት ዘቕረቦ ጻውዒት ብኸመይ እዮም ምላሽ ዚህቡሉ፧ (ለ) ወለዲ ነቲ ዳዊት ዝገደፎ ሰናይ ኣብነት ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ኵሎም እቶም ኣብነት የሱስ ዚስዕቡን ትምህርትታቱ ዚሕልዉን: ነቲ ዳዊት “ደቀየ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ: ንዑ ስምዑኒ” ብምባል ዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ይህቡ ኣለዉ። (መዝሙር 34:11) ዳዊት ነቶም ሰቡ መራሒኦም ብምንባሩ: “ደቀየ” ኺብሎም ይኽእል ነበረ። ሓድነትን ሞገስ ኣምላኽን ዘለዎም ምእንቲ ኪዀኑ: ንሰዓብቱ መንፈሳዊ ሓገዝ ሃቦም። እዝስ ንክርስትያን ወለዲ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ! የሆዋ ንኣወዳቶምን ኣዋልዶምን “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም” ብምባል ስልጣን ሂብዎም እዩ። (ኤፌሶን 6:4) ወለዲ ንደቆም መዓልታዊ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ብምምይያጥን ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕን: ብፍርሃት የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ንኺህልዎም ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።—ዘዳግም 6:6, 7

ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ እነውዕለሉ መገዲ

8, 9. (ሀ) ብፍርሃት ኣምላኽ ምምልላስ ማራኺ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንመልሓስና ምሕላው ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

8 ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: ንየሆዋ ምፍራህና ሓጐስና ኣየጥፍኣልናን እዩ። ዳዊት: “ህይወት ዚፈቱ: ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝሙር 34:12) ፍርሃት የሆዋ ነዊሕ ዕድመ ንኺህልወካን ጽቡቕ ንኽትርእን ዜኽእል ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ ንጹር እዩ። ይኹን እምበር: ‘ንኣምላኽ እፈርሆ እየ’ ኢልካ ምዝራብ ቀሊል እዩ። ነዚ ብኣካይዳና ኸነርኢ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ስለዚ: ዳዊት ኣስዕብ ኣቢሉ ፍርሃት ኣምላኽ እነርእየሉ መገዲ ገለጸ።

9 “መልሓስካ ኻብ እከይ: ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ።” (መዝሙር 34:13) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ሕውነታዊት ፍቕሪ ኽትህልዎም ምስ መኸሮም: ብመንፈስ ተደሪኹ ገለ ኽፋል መዝሙር 34 ጠቐሰ። (1 ጴጥሮስ 3:8-12) መልሓስና ኻብ እከይ ምሕላው ኪበሃል ከሎ: ጐዳኢ ሕሜት ካብ ምንፋስ ንቝጠብ ማለት እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ንኻልኦት ወትሩ ሃናጺ ነገር ክንዛረቦም ኢና እንጽዕር። ብዘይካዚ: ተባዓት ክንከውንን ሓቂ ኽንዛረብን ንጽዕር ኢና።—ኤፌሶን 4:25, 29, 31፣ ያእቆብ 5:16

10. (ሀ) ካብ እከይ ምርሓቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ። (ለ) ሰናይ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧

10 “ካብ እከይ ርሐቕ: ሰናይ ከኣ ግበር: ንሰላም ድለያ ስዐባውን።” (መዝሙር 34:14) ካብ ከም ጾታዊ ርኽሰት: ስእለ-ጽዩፍ: ስርቂ: ሓተታ መናፍስቲ: ዓመጻ: ስኽራን: ሓሽሽ ምውሳድ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገራት ንርሕቕ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜፈንፍን ነገራት ዜቕርብ መዘናግዒ እውን ኣይንጥቀምን ኢና። (ኤፌሶን 5:10-12) ኣብ ክንዳኡስ: ግዜና ሰናይ ንምግባር ኢና እንጥቀመሉ። እቲ ኽንገብሮ እንኽእል ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሰናይ ከኣ: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብስሩዕ ብምስታፍ ንኻልኦት ኪድሕኑ ምሕጋዝ እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ሰናይ ምግባር ኪበሃል ከሎ: ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ምድላውን ኣብኡ ምእካብን: ንዓለምለኻዊ ዕዮ ውጽኢት ምግባር: ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምክንኻን: ከምኡውን ንእተሸገሩ ክርስትያናት ሓልዮት ምርኣይ የጠቓልል።

11. (ሀ) ዳዊት ነቲ ብዛዕባ ሰላም እተዛረቦ ባዕሉ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤ ‘ንሰላም ንምስዓብ’ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

11 ሰላም ብምስዓብ ዝመጸ: ዳዊት ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ክልተ ሳዕ ንሳኦል ኪቐትሎ ኣጋጣሚ ነበሮ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት: ሓይሊ ኣይተጠቕመን: ጸኒሑ ኸኣ ሰላም ንኺገብር ኢሉ ነቲ ንጉስ ብኣኽብሮት ተዛረቦ። (1 ሳሙኤል 24:9-12adj.፣ 26:17-20) ሎሚ ሰላም ጉባኤ ኺዘርግ ዚኽእል ኵነታት እንተ ኣጋጢሙና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ‘ንሰላም ክንደልያን ክንስዕባን’ ኣሎና። ስለዚ: ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይናን ዘሎ ርክብ ከም ዝሓርፈፈ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: ነቲ የሱስ “ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ንእዘዝ ኢና። ድሕርዚ: ካልእ መዳያት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽንቅጽል ንኽእል።—ማቴዎስ 5:23, 24፣ ኤፌሶን 4:26

ንኣምላኽ ምፍራህ ብዙሕ ዓስቢ የምጽእ

12, 13. (ሀ) ንኣምላኽ ዚፈርህዎ ሕጂ እንታይ ረብሓታት እዮም ዚረኽቡ፧ (ለ) ድሕሪ ሓጺር እዋን እሙናት ኣምለኽቲ እንታይ ዓብዪ ዓስቢ እዮም ዚረኽቡ፧

12 “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን: ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።” (መዝሙር 34:15) እቲ ኣምላኽ ምስ ዳዊት ዝነበሮ ርክብ: እዘን ቃላት እዚኣተን ሓቂ ምዃነን የረጋግጸልና። ሎሚ: የሆዋ ኸም ዚሕልወና ስለ እንፈልጥ: ሓጐስን ውሽጣዊ ሰላምን ንረክብ ኢና። ኵሉ ሳዕ ዜድልየና ኸም ዚህበና: ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ውጥረት እውን ንኹን ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይጐድለና ንተኣማመን ኢና። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እቲ ብትንቢት እተነግረ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግን ‘እታ መፍርሂት መዓልቲ የሆዋን’ ኬጋጥሞም እዩ። (ዮኤል 2:11, 31፣ ህዝቅኤል 38:14-18, 21-23) እቲ ሽዑ ዜጋጥመና ዅነታት ብዘየገድስ: እተን “ጻድቃን የእውዩ: እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም: ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም” ዚብላ ቓላት ዳዊት ኣባና ኺፍጸማ እየን።—መዝሙር 34:17

13 ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ነቲ ዓብዪ ስሙ ልዕል ኬብሎ ኸሎ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን ኪኸውን እዩ! ልብና ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓብዪ ፍርሃትን ኣኽብሮትን ኪመልእ እዩ: ተጻረርትና ድማ ኪዋረዱ እዮም። “ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ: ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ።” (መዝሙር 34:16) ድሒንና ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ክንኣቱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ዓስቢ ዀን እዩ!

ንኽንጽመም ዜኽእለና መብጽዓታት

14. መከራ እናኣጋጠመና ኽነሱ ንኽንጽመም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

14 እዚ ኽሳዕ ዚኸውን: ኣብዛ ብልሽውትን ተጻባኢትን ዓለም ንየሆዋ እዙዛት ኴንና ምእንቲ ኽንቅጽል ክንጽመም ኣሎና። ተኣዛዝነት ንምምዕባል: ፍርሃት ኣምላኽ ብዙሕ እዩ ዚጠቕመና። እዚ ዘለናሉ ግዜ ጽንኩር ስለ ዝዀነ: ገለ ኣገልገልቲ የሆዋ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ልቦም ዚሰብርን መንፈሶም ዚቕጥቅጥን ከቢድ ሽግራት የጋጥሞም እዩ። ይኹን እምበር: ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዖም: ንኺጽመሙ ኸም ዚሕግዞም ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እተን “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ዚብላ ቓላት ዳዊት ናይ ሓቂ ምጽንናዕ እየን ዚህባ። (መዝሙር 34:18) ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” ኢሉ ኣተባብዐ። (መዝሙር 34:19) ብዝሒ እቲ ዜጋጥመና መከራ ብዘየገድስ: የሆዋ ንኼናግፈና ዜኽእል ሓይሊ ኣለዎ።

15, 16. (ሀ) ዳዊት መዝሙር 34 ድሕሪ ምቅንባሩ ነዊሕ ከይጸንሐ: ብዛዕባ እንታይ መዓት እዩ ዝሰምዐ፧ (ለ) ፈተናታት ንኽንጽመም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

15 ዳዊት ንመዝሙር 34 ድሕሪ ምቅንባሩ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሳኦል ንተቐማጦ ኖብን መብዛሕትኦም ካህናትን ብጅምላ ኸም ዝቐተሎም ሰምዐ። ንሱ ናብ ኖብ ብምኻዱ ቝጥዓ ሳኦል ንኺለዓዓል ምኽንያት ከም ዝዀነ ስለ ዝፈለጠ: እዚ ብዙሕ ኣጕህይዎ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ሳሙኤል 22:13, 18-21) ዳዊት ካብ የሆዋ ሓገዝ ከም ዝደለየ ኣየጠራጥርን እዩ። “ጻድቃን” ኣብ መጻኢ ኸም ዚትንስኡ ብምዝካር ድማ ተጸናኒዑ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

16 ሎሚ: ተስፋ ትንሳኤ ንዓና እውን የበራትዓና እዩ። ጸላእትና ዚገብርዎ ዝዀነ ይኹን ነገር: ነባሪ ጕድኣት ከም ዘየምጽኣልና ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 10:28) ዳዊት እውን “ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ [ኣዕጽምቲ ጻድቕ] ይባልሄን: ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን” ብምባል ተመሳሳሊ ምትእምማኑ ገለጸ። (መዝሙር 34:20) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ የሱስ ቃል ብቓሉ ተፈጺማ እያ። የሱስ ብዜስካሕክሕ መገዲ እኳ እንተ ተቐትለ: ሓንቲ ኻብ ኣዕጽምቱ እኳ ‘ኣይተሰብረትን።’ (ዮሃንስ 19:36) ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ: ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ነቶም ብጾቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ን ዜጋጥሞም ፈተናታት ብዘየገድስ: መዝሙር 34:20 ነባሪ ጕድኣት ከም ዘይወርዶም ተረጋግጸልና እያ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣዕጽምቶም ከቶ ኣይስበርን እዩ።—ዮሃንስ 10:16

17. ነቶም ዘይንስሑ ጸላእቲ ህዝቢ የሆዋ እንታይ መዓት እዩ ዚጽበዮም፧

17 ንእኩያት እቲ ዅነታት ካብዚ እተፈልየ እዩ። ነዊሕ ከይጸንሑ እቲ ዝዘርእዎ ሕማቕ ኪዓጽዱ እዮም። “ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ: ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም።” (መዝሙር 34:21) ኵሎም እቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ምጽራር ዘይሓድጉ ሰባት: እቲ ዝኸፍአ መዓት እዩ ዚወርዶም። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዚግለጸሉ እዋን: “ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም።”—2 ተሰሎንቄ 1:9

18. የሆዋ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ድሮ እተበጀዎም ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ እዮም ኪረኽቡ፧

18 እታ ዳዊት ዝዘመራ መዝሙር: “እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን: ካብቶም ኣብኡ ዜዕቍቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይዅነንን እዩ” ብዚብላ ዜተባብዓ ቓላት እያ እትዛዝም። (መዝሙር 34:22) ንጉስ ዳዊት ኣብ ኣጋ መወዳእታ 40 ዓመት ንግስነቱ: ብዛዕባ ኣምላኽ: “ንነፍሰይ ካብ ኵሉ ጸበባ ዘድሐነ” ኢሉ እዩ። (1 ነገስት 1:29) ንየሆዋ ዚፈርህዎ ሰባት እውን: ከም ዳዊት: ድሕሪ ሕጂ ነዊሕ ከይጸንሑ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ኪምልከቱ ኸለዉ: ካብ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ዜምጽኦ በደል ስለ እተበጀዉን ካብ ኵሉ ፈተናታቶም ስለ እተናገፉን ኪሕጐሱ እዮም። ድሮ እኳ መብዛሕትኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ዓስቦም ረኺቦም እዮም። ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ “ብዙሓት ሰብ” ከኣ ምስቶም ዝተረፉ ኣሕዋት የሱስ ሓቢሮም: ንኣምላኽ የገልግልዎ ኣለዉ: ስለዚ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ንጹሃት ብምዃኖም ይሕጐሱ ኣለዉ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ: ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ንኺብጀወና ዘለዎ ሓይሊ እምነት ስለ ዘርኣዩ እዮም። ኣብተን ዚቕጽላ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: እቲ መስዋእታዊ በጃ ዜምጽኦ ምሉእ ጥቕምታት ኪረኽቡ: ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና እውን ኪበጽሑ እዮም።—ራእይ 7:9, 14, 17፣ 21:3-5

19. ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” እንታይ ኪገብሩ እዮም ቈሪጾም ዘለዉ፧

19 እቶም “ብዙሓት ሰብ” ዝዀኑ ኣምለኽቲ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ በረኸት ዚረኽቡ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ ወትሩ ንየሆዋ ኺፈርህዎ: ከምኡውን ብኣድንቖትን ብኣኽብሮታዊ ተኣዛዝነትን ኬገልግልዎ ቘሪጾም እዮም። ብርግጽ ፍርሃት የሆዋ ሕጂ ንህይወት እተሐጕስ ይገብራ: ኣብ መጻኢ ድማ ነታ “ናይ ሓቂ ህይወት:” ማለት ነታ ኣምላኽ ኣብ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም እትርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረኽባ የኽእለና።—1 ጢሞቴዎስ 6:12, 18, 19፣ ራእይ 15:3, 4

ትዝክሮዶ፧

• ንኣምላኽ ክንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንዕኡ ምፍራህከ እንታይ ማለት እዩ፧

• ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ኣኻይዳና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ፧

• ንኣምላኽ ምፍራህ እንታይ ዓስቢ የምጽእ፧

• ንኽንጽመም ዚሕግዘና እንታይ መብጽዓታት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ንየሆዋ ዚፈርህዎ ሰባት ኣብ ትሕቲ እገዳ ጥበብ ይጥቀሙ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንጐረባብትና ኽንገብረሎም እንኽእል እቲ ዝዓበየ ሰናይ: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምክፋሎም እዩ