ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቨሰል ኻንስፎርት “ቅድሚ ተሓድሶ ዝነበረ ሓዳሲ”

ቨሰል ኻንስፎርት “ቅድሚ ተሓድሶ ዝነበረ ሓዳሲ”

ቨሰል ኻንስፎርት “ቅድሚ ተሓድሶ ዝነበረ ሓዳሲ”

ሉተር: ቲንደል: ካልቪን ዚብል ስማት: ኵሎም ተመሃሮ እቲ ብ1517 ዝጀመረ ተሓድሶ ፕሮተስታንት ዚፈልጥዎ እዩ። ነቲ ቨሰል ኻንስፎርት ዚብል ስም ዚፈልጥዎ ግን ብዙሓት ኣይኰኑን። እዚ ሰብኣይ እዚ: “ቅድሚ ተሓድሶ ዝነበረ ሓዳሲ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

ቨሰል ብ1419 ኣብታ ኣብ ነዘርላንድስ እትርከብ ከተማ ኽሮኒንየን እዩ ተወሊዱ። ኣብ መበል 15 ዘመን: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺኣትዉ ዚኽእሉ ሰባት ብዙሓት ኣይነበሩን። ቨሰል ግን እዚ ኣጋጣሚ እዚ ረኸበ። ብትምህርቱ ብሉጽ እኳ እንተ ነበረ: ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰነ ወለዱ ኽቱር ድኽነት ስለ ዝነበሮም: ትምህርቱ ኼቋርጽ ነበሮ። ብዕድል ግን ሓንቲ ሃብታም መበለት ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ብልሒ ቨሰል ምስ ሰምዐት: ክትከናኸኖን ንትምህርቱ ኽትከፍለሉን ወሰነት። በዚ ኸምዚ: ትምህርቱ ኪቕጽል ከኣለ። ድሕሪ ግዜ: ማስተር ዲግሪ ረኸበ። ጸኒሑ እውን ብስነ-ሃይማኖት ዶክተርነት መዓርግ ዝረኸበ እዩ ዚመስል።

ቨሰል ሓያል ጽምኢ ፍልጠት ነበሮ። ይኹን እምበር: ብግዜኡ ሒደት ኣብያተ-መጻሕፍቲ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብተንቀሳቓሲ ሓታሚት ምሕታም ተማሂዙ እኳ እንተ ነበረ: መብዛሕትኡ መጻሕፍቲ ግን ብኢድ እተጻሕፈን ክቡርን ነበረ። ቨሰል ሓደ ኻብቶም ካብ ቤተ-መጻሕፍቲ ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኸምኡውን ካብ ገዳም ናብ ገዳም እናኸዱ ብርቂ ኢደ-ጽሑፋትን እተረስዐ መጻሕፍትን ዜናድዩ ጕጅለ ምሁራት እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ: ኣባላት እዞም ጕጅለ ነቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ንዝተረፉ ኣባላቶም የካፍሉ ነበሩ። ቨሰል ብዙሕ ፍልጠት ደለበ: ነታ ናይ ብሕቲ መዘኻኸሪቱ ኸኣ በቲ ኻብ ናይ ግሪኽን ሮማን ጽሑፋት ዝረኸቦ ጥቕስታትን ቍንጽል ጽሑፋትን መልኣ። እዚ ሰብ እዚ: ካልኦት ስነ-ሃይማኖተኛታት ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ይፈልጥ ብምንባሩ: ይጥርጥርዎ ነበሩ። ስለዚ ድማ: ማጊስተር ኮንትራዲክትዮኒስ ወይ ጐይታ ተቓውሞ ኢሎም ጸውዕዎ።

‘ንምንታይ ናብ ክርስቶስ ዘይትመርሓኒ፧’

ካብቲ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ዝጀመረሉ 50 ዓመት ኣቐዲሙ: ቨሰል ምስ ቶማስ ኣ ከምፒስ (ከባቢ 1379-1471) ዚበሃል ሰብ ተራኸበ። እዚ ሰብ እዚ ደራሲ እታ ደ ኢሚቴቲዮነ ክሪስቲ (ምምሳል ክርስቶስ) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ተባሂሉ እዩ ዚእመነሉ። ኣባል እቶም “ኣሕዋት ሓባራዊ ህይወት” ዚበሃሉ: ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዜተኵር ምንቅስቓስ ዚገብሩ ዝነበሩ እዩ ነይሩ። ሓደ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ቨሰል ዝጸሓፈ ሰብ: ቶማስ ኣ ከምፒስ ንቨሰል ሓገዝ ንኺረክብ ናብ ማርያም ንኺልምን ብተደጋጋሚ ኸም ዘተባበዖ ገሊጹ ኣሎ። ቨሰል ግን “ንምንታይ ናብቲ ንዅሎም እቶም ጾር ዝኸበዶም ናብኡ ኺመጹ ብሕያውነት ዝዓደሞም ክርስቶስ ዘይትመርሓኒ፧” ኢሉ መለሰሉ።

ቨሰል ቀሺ ዀይኑ ኪቕባእ ወይ ኪሽየም ኣይደልን እዩ ነይሩ። ኣባል እቶም ማእከላይ ክፋል ርእሶም ዚላጸዩ ኻህናት ስለምንታይ ከም ዘይኰነ ሕቶ ምስ ቀረበሉ: ምስ ኣእምሮኡ ኽሳዕ ዝሞተ ዋላ ብማሕነቕቲ ይሙት ከም ዘይፈርህ መለሰሎም። ከምዚ ኺብል ከሎ: እተቐብኡ ኣቕሽሽቲ ዋላ ሓንቲ መጥቃዕቲ ይወርዶም ዘይምንባሩ እዩ ዚእምት ነይሩ ዚኸውን: እቲ ኣብ ማእከል ርእሶም ዚህሉ ልጻይ ከኣ ንብዙሓት ኣቕሽሽቲ ኻብ ፍርዲ ማሕነቕቲ ኣድሒንዎም ማለት እዩ። ቨሰል ንገሊኡ ንቡር ሃይማኖታዊ ልምድታት እውን ተጻሪርዎ እዩ። ንኣብነት: ኣብታ ዲያሎጉስ ሚራኩሎሩም እትበሃል ብግዜኡ ዝነበረት መጽሓፍ እተዘርዘረ ተኣምራት ምእማን ብምእባዩ ተነቒፉ እዩ። ንሱ ግን “ቅዱሳት ጽሑፋት . . . ምንባብ ይሓይሽ” ኢሉ መለሰ።

“ክንዲ እቲ እንሓቶ ጥራይ ኢና እንፈልጥ”

ቨሰል እብራይስጥን ግሪኽኛን ኣጽንዐ: ብዛዕባ ጽሑፋት እቶም ቀዳሞት ኣበው ቤተ-ክርስትያን ድማ ሰፊሕ ፍልጠት ኣጥረየ። ቅድሚ እቲ ኢራስመስን ሮይኽሊንን ዝነበሩሉ ግዜ ይነብር ብምንባሩ ኸኣ: ብፍላይ ነቲ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ፍቕሪ ዜደንቕ ነበረ። a ቅድሚ እቲ ተሓድሶ ብዛዕባ ግሪኽኛ ዝነበረ ፍልጠት ሰፊሕ ኣይነበረን። ኣብ ጀርመን ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ምሁራት ጥራይ እዮም ግሪኽኛ ዚፈልጡ ነይሮም: ነቲ ቛንቋ ንኽትመሃሮ ዜኽእል ዋላ ሓንቲ ናውቲ ድማ ኣይነበረን። ብ1453 ኮንስታንቲኖፕል ምስ ወደቐት ግን: ቨሰል ምስቶም ናብ ምዕራብ ገጾም ዝሃደሙ ግሪኻውያን ፈለስቲ ተራኺቡ ኪኸውን ኣለዎ: ካባታቶም ድማ መባእታዊ ግሪኽኛ ተማህረ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እብራይስጢ ኣብ ኣይሁድ እተሓጽረ ነበረ: ቨሰል እውን እምነቶም ካብ ዝቐየሩ ኣይሁድ መሰረታዊ እብራይስጢ እተማህረ እዩ ዚመስል።

ቨሰል ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ፍቕሪ ነበሮ። ብመንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ መጽሓፍ ገይሩ ይርእዮ ነበረ: ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ኸኣ ንሓድሕዱ ምሉእ ስኒት ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጕም ከም ዝሓዘ ዚግለጸሉ መገዲ: ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ኪሰማማዕ ደኣ እምበር: ኪጥወ ኸም ዘይብሉ ይኣምን ነበረ። ኵሉ እቲ ብምጥምዛዝ ዚግበር መግለጺ: ብመናፍቕነት ኪጥርጠር ከም ዘለዎ ገለጸ። ሓንቲ ኻብተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚፈትወን ዝነበረ ጥቕስታት እታ ኣብ ማቴዎስ 7:7 እትርከብ “ድለዩ: ትረኽቡ” እትብል እያ ነይራ። በዛ ጥቕሲ እዚኣ ተበራቲዑ ኸኣ: “ክንዲ እቲ እንሓቶ ጥራይ ኢና እንፈልጥ” ዚብል ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ሕቶታት ምሕታት ጠቓሚ ምዃኑ ብጽኑዕ ይኣምነሉ ነበረ።

ዘይተለምደ ለመና

ብ1473 ቨሰል ናብ ሮማ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ምስ ጳጳስ ሲክስተስ ራብዓይ ተራኸበ። እዚ ጳጳስ እዚ ሓደ ኻብቶም ብኽቱር ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራቶም ተሓድሶ ፕሮተስታንት ንኺለዓል ዝደፋፍኡ ሽዱሽተ ጳጳሳት እቲ ናይ መጀመርያ እዩ። ባርባራ ታክማን እትበሃል ጸሓፊት ታሪኽ: ሲክስተስ ራብዓይ “ብዘይ ሕንኪ: ብዘይ ምትሕብባእ: ብዘይ ንሕስያ ብሕታዊ ረብሓን ፖለቲካዊ ስልጣንን ምጕያይ” ዝጀመረ ምንባሩ ትገልጽ። እዚ ጳጳስ እዚ ብጋህዲ ንኣዝማዱ የሻሩ ብምንባሩ ንህዝቢ ዘሰምበደ እዩ ነይሩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ: ሲክስተስ ነቲ ስልጣን ጵጵስና ብቤተሰቡ ኸም ዚተሓዝ ኪገብር ከም ዝደለየ ጽሒፉ ኣሎ። ነዚ ብልሽውና እዚ ኪዅንኑ ዝደፈሩ ብዙሓት ኣይነበሩን።

ቨሰል ኻንስፎርት ግን እተፈልየ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሲክስተስ: “ወደየ: ዝደለኻዮ ሕተት: ንሕና ድማ ክንህበካ ኢና” በሎ። ቨሰል ብኡንብኡ: “ቅዱስ ኣቦ: . . . ንስኻ ኣብ ምድሪ ኻብ ኵሉ ዝለዓልካ ኻህንን ጓሳን ስለ ዝዀንካ: . . . እቲ . . . ዓብዪ ጓሳ እተን ኣባጊዕ ምስ መጸ: ‘ሕራይ: ኣታ ሕያዋይ: እሙን ባርያ: ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ ምእንቲ ኺብለካ ሓላፍነትካ ብግቡእ ክትፍጽም እሓተካ” በሎ። ሲክስተስ እዚ ሓላፍነቱ ኸም ዝዀነን ቨሰል ንርእሱ ዚጠቕሞ ኺሓትት ከም ዘለዎን ነገሮ። ቨሰል ከኣ “እምበኣር: ካብ ቤተ-መጻሕፍቲ ቫቲካን መጽሓፍ ቅዱስ ግሪኽኛን እብራይስጥን ኪወሃበኒ እሓትት” ኢሉ መለሰ። እቲ ጳጳስ ነቲ ዝደለዮ ኺወሃቦ ፈቐደሉ: ኣስዒቡ ግን ቨሰል ዕሽነት ከም ዝገበረን መዓርግ ኣቡን ኪሓትት ከም ዝነበሮን ተዛረበ።

“ሓሶትን ጌጋን”

ሲክስተስ ነቲ ሕጂ ውሩይ ቤት ጸሎት ሲስቲን ንምህናጽ ገንዘብ ስለ ዘድለዮ: ንምዉታት ዚግበረሎም ስርየት ሓጢኣት ብገንዘብ ምሻጥ ዚብል ሓሳብ ኣምጽአ። እዚ መሸጣ ስርየት እዚ ኣዝዩ ህቡብ ኰነ። እታ ቪካርስ ኦቭ ክራይስት—ዘ ዳርክ ሳይድ ኦቭ ዘ ፓፓሲ ዘርእስታ መጽሓፍ: “መበለታትን ማእምናትን ደቆም ዝሞትዎም ወለድን ነቶም ዜፍቅርዎም ካብ መንጽሂ ቦታ ምእንቲ ኺወጹ ኢሎም ኵሉ ዝነበሮም ከፈሉ” ትብል። እቶም ተራ ህዝቢ: እቲ ጳጳስ ነቶም ሞይቶም ዝነበሩ ዜፍቅርዎም ሰባት ናብ ሰማይ ንኪኸዱ ውሕስነት ኪህቦም ከም ዚኽእል ስለ ዝኣመኑ: ነዚ ብሓጐስ ተቐበልዎ።

ቨሰል ግን ነቲ ጳጳስ እውን ሓዊስካ እታ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ: ሓጢኣት ይቕረ ንምባል ክእለት ከም ዘይብላ ብጽኑዕ ይኣምን ነበረ። ብዛዕባ እቲ መሸጣ ስርየት “ሓሶትን ጌጋን” ብምባል ብግህዶ ተዛረበ። ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ: ንኻህናት ምንዛዝ ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ገይሩ እውን ይኣምን ነበረ።

ብዘይካዚ ቨሰል: ጳጳሳት ጌጋታት ዚገብሩ ብምዃኖም: ሰባት ኪኣምንዎም ትጽቢት እንተ ተገይሩሎም: መሰረት እታ እምነት ድኹም ከም ዚኸውን ብምግላጽ: ነቲ እቲ ጳጳስ ኪጋገ ኣይኽእልን እዩ ዚብል ሓሳብ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። “ኣቡናት ንትእዛዛት ኣምላኽ ጐስዮም: ሰብ ዘቘሞ ትእዛዛት እንተ ኣተኣታትዮም: . . . እቲ ዚገብርዎን ዚእዝዝዎን ከንቱ እዩ” ኢሉ እውን ጸሓፈ።

ቨሰል ንተሓድሶ መገዲ ጸረገ

ቨሰል ብ1489 ሞተ። ንገለ ኻብቲ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ዝነበረ ጌጋታት እኳ እንተ ተጻረሮ: ክሳዕ መወዳእታ ግን ሰዓቢ እምነት ካቶሊክ ነበረ። ይኹን እምበር: እታ ቤተ-ክርስትያን መናፍቕ ኢላ ፈጺማ ኣይኰነነቶን። ድሕሪ ሞቱ ግን: ሕሉፋት ፈለስቲ ካቶሊክ ንጽሑፋቱ ዘይንጹህ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ: ኬጥፍእዎ ፈተኑ። ሉተር ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ስም ቨሰል ዳርጋ ተረሲዑ ነበረ። ካብቲ ጽሑፋቱ ዋላ ሓንቲ ኣይተሓትመን ነበረ: ካብቲ ኢደ-ጽሑፋቱ ድማ ብዙሕ ዝተረፈ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ: እቲ ቐዳማይ ሕታም ስራሓት ቨሰል: ካብ 1520 ክሳዕ 1522 ኣብ ዝነበረ እዋን ተሓትመ። እቲ ሕታም እቲ ኸኣ ሉተር ብብሕቱ ንጽሑፋት ቨሰል ዝነኣደሉ ደብዳበ ዝሓዘ ነበረ።

ቨሰል ከም ሉተር ሓዳሲ ወይ ፈላሚ ተሓድሶ ፕሮተስታንት እኳ እንተ ዘይነበረ: ገለ ኻብቲ ናብ ተሓድሶ ዝመርሐ ጌጋታት ብግህዶ ዀኒኑ እዩ። ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ እሞ ኸኣ “ካብ መንጎ እቶም ነቲ ተሓድሶ መገዲ ንምድላው ዝሓገዙ ደቂ ጀርመን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ሰብ” ምዃኑ እዩ ገሊጽዎ።

ሉተር ንቨሰል ከም መተሓባብርቱ ገይሩ ረኣዮ። ሎርኔሊስ ኣኹስቲን ዚበሃል ደራሲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሉተር ንዘመኑን ተግባራቱን ምስ ናይ ኤልያስ የወዳድሮ ነበረ። ከምቲ እቲ ነብዪ ንሱ በይኑ ጥራይ ቃልስታት ኣምላኽ ዚቃለስ ዝነበረ ዝመሰሎ: ሉተር እውን ኣብቲ ምስታ ቤተ-ክርስትያን ዚገብሮ ዝነበረ ቓልስታት ንሱ በይኑ ኸም ዝነበረ ይስምዖ ነበረ። ጽሑፋት ቨሰል ምስ ኣንበበ ግን: ጐይታ ‘ኣብ እስራኤል ተረፍ’ ከም ዘድሓነ ኣስተውዓለ።” “ሉተር: ‘ጽሑፋቱ ኣቐዲመ እንተ ዘንብቦ ነይረ: ጸላእተይ ሉተር ኵሉ ነገር ካብ ቨሰል እዩ ቐዲሑ ኢሎም ምሓሰቡ ነይሮም: መንፈሱ ምስ ናተይ ኣጸቢቑ ይሰማማዕ እዩ’ ኢሉ እውን ተዛሪቡ እዩ።” b

“ትረኽቡ”

እቲ ተሓድሶ ምስ ተጀመረ: ብሃንደበት ኣይኰነን ብዙሕ ለውጥታት መጺኡ። እቲ ናብቲ ተሓድሶ ዝመርሐ ዋሕዚ ሓሳባት: ንእተወሰነ ዓመታት ይውሕዝ ነይሩ እዩ። ቨሰል ውድቀት እቶም ጳጳሳት ኣብ መወዳእታኡ ናብ ተሓድሶ ኸም ዚመርሕ ኣስተውዒሉ ነበረ። ሓደ ግዜ ንሓደ ተመሃራይ: “ኣታ ጻዕረኛ ወዲ: ትምህርትታት . . . ተኻታዕቲ ስነ-ሃይማኖተኛታት: ብዅሎም ምሁራት ናይ ሓቂ ክርስትያን ዚንጸገሉ እዋን ክትርኢ ኢኻ” በሎ።

ቨሰል ገለ ጌጋታትን ብልሽውናን እኳ እንተ ኣስተውዓለ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ኬብርሆ ኣይከኣለን። ኰይኑ ግን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪንበብን ኪጽናዕን ዘለዎ መጽሓፍ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ብመሰረት እታ ሂስትሪ ኦቭ ክርስትያኒቲ ዘርእስታ መጽሓፍ: ቨሰል “መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ስለ ዝዀነ: ንእምነት ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ልዕሊ ዅሉ ስልጣን ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ።” ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም: ናይ ሓቂ ክርስትያናት: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ኰይኑ ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቅታት ንምርካቡ ስዉር ወይ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ሎሚ: እቲ “ድለዩ: ትረኽቡ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት: ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ሓቅነቱ ተራእዩ እዩ።—ማቴዎስ 7:7፣ ምሳሌ 2:1-6

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ነቲ ኣብ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር መጽናዕቲ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ብ1506 ሮይኽሊን ሰዋስው እብራይስጢ ኣሕተመ: እዚ ድማ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንኺግበር መገዲ ጸረገ። ብ1516 ከኣ ኢራስመስ ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ መሰረት ኰይኑ ዜገልግል ጽሑፍ ግሪኽኛ ኣሕተመ።

b ቨሰል ኻንስፎርት (1419-1489) ኤንድ ኖርዘርን ሂዩማኒዝም: ገጽ 9, 15

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቨሰልን ስም ኣምላኽን

ኣብ ጽሑፋት ቨሰል ስም ኣምላኽ ብሓፈሻ “ዮሃቫ” ብዚብል ተጠቒሱ ኣሎ። ኰይኑ ግን: ቨሰል እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት: ነታ “ዪሆቫ” እትብል ስም ተጠቒሙ እዩ። ሃይኮ ኦበርማን ዚበሃል ደራሲ: ብዛዕባ ኣረኣእያ ቨሰል ኪገልጽ ከሎ: ቶማስ ኣኳይነስን ካልኦትን እብራይስጢ እንተ ዚፈልጡ ነይሮም: “እቲ ንሙሴ እተገልጸ ስም ኣምላኽ ‘እቲ ዘለኹ እየ ዘለኹ’ ማለት ዘይኰነስ: ‘እቲ ዚኸውን: ኪኸውን እየ’ ዝትርጕሙ ኸም ዝዀነ ምረኸብዎ ነይሮም” ዚብል ስምዒት ከም ዝነበሮ ገለጸ። c ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ኢሉ ብልክዕ ተርጒምዎ ኣሎ።—ዘጸኣት 3:13, 14

[እግረ-ጽሑፍ]

c ቨሰል ኻንስፎርት (1419-1489) ኤንድ ኖርዘርን ሂዩማኒዝም: ገጽ 105

[ምንጪ ስእሊ]

Manuscript: Universiteitsbibliotheek, Utrecht

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ቨሰል ነቲ ጳጳስ ሲክስተስ ራብዓይ ዘጽደቖ መሸጣ ስርየት ነቐፈ