ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትሕትና ድኽመት ድያ ወይስ ብርታዐ፧

ትሕትና ድኽመት ድያ ወይስ ብርታዐ፧

ትሕትና ድኽመት ድያ ወይስ ብርታዐ፧

ዓለም ነቶም ኵሩዓትን ተረርትን ሰባት እያ ኸም ኣብነት ገይራ እተቕርቦም። ትሑታትን ዓቃላትን ግን ከም ድኹማት: ፈራሃት: ወይ ተመሻኸንቲ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። ናይ ሓቂ ትሕትና ግን ድኽመት ድያ፧ ኵርዓትከ ብሓቂዶ ብርታዐ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ብመጀመርታ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገሊኡ ዓይነት ኵርዓት ብኣወንታዊ ጐድኑ ኸም ዚዛረበሉ ኺጥቀስ ኣለዎ። ንኣብነት: ክርስትያናት: የሆዋ ኣምላኾም ምዃኑን ንሱ ዚፈልጦም ምዃኑን ኬዅርዖም ወይ ኬሐብኖም ኣለዎ። (መዝሙር 47:4፣ ኤርምያስ 9:24፣ 2 ተሰሎንቄ 1:3, 4) ውሉዳት ኣብ ክርስትያናዊ ኣካይዳኦም ሰናይ ኣብነት እንተ ዀይኖምን ጸኒዖም ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንተ ቘይሞምን: ወለዶም ብኣታቶም ኪሕበኑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 27:11) ይኹን እምበር: ኵርዓት ኣሉታዊ ሸነኽ እውን ኣለዎ።

ንዅርዓትን ትሕትናን ብደቂቕ ምምርማር

ሓደ ትርጕም ኵርዓት: ትዕቢት ወይ መን ከማይ ምባል እዩ። ከምዚ ዓይነት ኵርዓት ንሓደ ሰብ ምናልባት በቲ ዘለዎ ጽባቐ: ዓሌት: ደረጃ: ክእለት: ወይ ሃብቲ: ብዛዕባ ርእሱ ኻብ ልክዕ ንላዕሊ ኸም ዚሓስብን ከም ዚንየትን ይገብሮ። (ያእቆብ 4:13-16) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰባት “ተፈኽነንቲ” ኸም ዚዀኑ ይዛረብ። (2 ጢሞቴዎስ 3:4) ብኻልእ ኣዘራርባ ብዛዕባ ርእሶም እተጋነነ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም: እዚ ኸኣ ተቐባልነት ዘለዎ ምኽንያት ኣይኰነን።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ትሑታት ሰባት ዘይፍጹማት ምዃኖምን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሑት ቦታ ኸም ዘለዎምን ስለ ዚፈልጡ: ብዛዕባ ርእሶም ቅኑዕን ሚዛናውን ኣረኣእያ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 5:6) ብዘይካዚ ነቲ ኻልኦት ዘለዎም ብሉጽ ባህርያት ኣፍልጦ ይህቡሉን ብእኡ ይሕጐሱን እዮም። (ፊልጲ 2:3) ስለዚ: ብቕንኢ ኣይማረሩን ወይ ኣይወሓጡን እዮም። (ገላትያ 5:26) ናይ ሓቂ ትሕትና እምበኣር ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህሉ ትገብር: ንስምዒታዊ ውሕስነትን ርግኣትን ድማ ኣበርክቶ ትገብር።

ንኣብነት: ንየሱስ እስከ ንውሰድ። ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ: ኣብ ሰማይ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ሰብ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 17:5፣ 1 ጴጥሮስ 2:21, 22) መዳርግቲ ዘይብሉ ኽእለትን ብልሓትን ፍልጠትን ነበሮ። ኰይኑ ግን: በዚ ኣይተነየተን: የግዳስ ትሑት ነበረ። (ፊልጲ 2:6) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እሞ ኸኣ ኣእጋር ሃዋርያቱ እውን ሓጺቡ እዩ፣ ንሕጻናት ከኣ ናይ ብሓቂ ይግደሰሎም ነበረ። (ሉቃስ 18:15, 16፣ ዮሃንስ 13:4, 5) አረ ሓደ እዋንሲ ንቘልዓ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ: “እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት: ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 18:2-4) እወ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሱስን ኣቦኡን: ናይ ሓቂ ዕቤት ካብ ትሕትና ደኣ እምበር ካብ ትዕቢት ኣይኰነን ዚርከብ።—ያእቆብ 4:10

ትሕትና ብርታዐ እያ

የሱስ ኣብነት ትሕትና እኳ እንተ ነበረ: ተመሻኻኒ ወይ ፈራህ ግን ኣይነበረን። ብትብዓት ሓቂ ተዛሪቡ እዩ: ንሰባት ከኣ ዋላ ሓንቲ ፍርሂ ኣይነበሮን። (ማቴዎስ 23:1-33፣ ዮሃንስ 8:13, 44-47፣ 19:10, 11) ስለዚ: ገለ ኻብቶም ተጻረርቱ እውን ከይተረፉ የኽብርዎ ነበሩ። (ማርቆስ 12:13, 17፣ 15:5) ኰይኑ ግን: የሱስ ዓብላሊ ኣይነበረን። የግዳስ: ብትሕትናን ብሕያውነትን ብፍቕርን ንሰባት ይስሕብ ነበረ: በዚ ኸምዚ ድማ ዕቡያት ኪገብርዎ ብዘይኽእሉ መገዲ ኣልባቦም ይረክብ ነበረ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ ዮሃንስ 13:1፣ 2 ቈረንቶስ 5:14, 15) ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ሚልዮናት ሰባት ንዕኡ ኻብ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕርን ዓሚቝ ኣኽብሮትን ተላዒሎም ብተኣማንነት ይግዝእዎ እዮም።—ራእይ 7:9, 10

ትሑታት ብቐሊሉ ምኽሪ ስለ ዚቕበሉን ንኽትምህሮም ድማ ባህ ዜብሉ ብምዃኖምን: ቃል ኣምላኽ ትሕትና የተባብዕ እዩ። (ሉቃስ 10:21፣ ቈሎሴ 3:10, 12) ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ክርስትያን መምህር ዝነበረ ሊቅ ተባሂሉ እተጸውዐ ኣጵሎስ ዝገበሮ: ትሑታት ሰባት ሓድሽ ቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ቀረበሎም ኣረኣእያኦም ተሓጒሶም የዐርዩ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26) ሕቶታት ምሕታት ኣየፍርሆምን እዩ: እቶም ዕቡያት ግን ዘይምፍላጦም ምእንቲ ኸይቃላዕ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሓቱን እዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እሞ ሕስብ ኣብል። ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተረድኦን ነይሩ። ፊልጶስ ዚበሃል ክርስትያን ወደ መዝሙር: “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ሃገሩ ዓብዪ ቦታ ኸም ዝነበሮ ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለናስ: ከመይ ዝበለት ትሕትና ዀን እያ ነይራቶ! ሳላ ትሕትናኡ ኸኣ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ፍልጠት ረኸበ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-38

እቲ ኢትዮጵያዊ ኻብቶም ንርእሶም ብሃይማኖታዊ መዳይ ብሉጻት ገይሮም ዚርእዩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:5-7) እዞም ሰባት እዚኣቶም ንየሱስን ሰዓብቱን ብትሕትና ኣብ ክንዲ ዚሰምዕዎም: የናሽውዎምን ጕድለት ኪረኽቡሎም ይጽዕሩን ነበሩ። በዚ ኸምዚ: ትዕቢቶም ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ከም ዘይወጹ ገበሮም።—ዮሃንስ 7:32, 47-49፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29-33

ልምሉም መሬት ዲኻ ወይስ ተሪር መሬት፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ምስ ሰራሕ መሬት: ንሰባት ከኣ ምስ መሬት ጥዑም የመሳስሎም። (ኢሳይያስ 64:8) ትሕትና ንሓደ ሰብ ኣብ ኣእዳው ኣምላኽ ከም ልምሉም መሬት ንኪኸውን: ማለት ናብ ዜድሊ ኣቕሓ ኪቕረጽ ከም ዚኽእል ይገብሮ። ዕቡይ ግን ከም ሓደ ኺስበር ጥራይ ዚኽእል ንቑጽን ተሪርን መሬት ይኸውን። ሓደ ኻብቶም ብትዕቢት ዝመጸ ፍሉጥ ኣብነት ዝዀነ: እቲ ምስ የሆዋ ብምድፋሩ ብሞት እተቐጽዐ ገዛኢ ጥንታዊት ግብጺ ዝነበረ ፈርኦን እዩ። (ዘጸኣት 5:2፣ 9:17፣ መዝሙር 136:15) ውድቀት ፈርኦን ነቲ “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ዚብል ምስላ ጽቡቕ ገይሩ ዜጕልሕ እዩ።—ምሳሌ 16:18

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳባት: ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ትዕቢት ከም ዘይቃለሱ ኣይኰነን ዚሕብር ዘሎ። ንኣብነት: ሃዋርያት የሱስ መኖም ከም ዚዓቢ ብዙሕ ሳዕ ተኸራኺሮም እዮም። (ሉቃስ 22:24-27) ኰይኑ ግን: ንየሱስ ሰሚዖም ኣብ መወዳእታኡ ኣረኣእያኦም ኣዐረዩ ደኣ እምበር: ብትዕቢት ኣይተዋሕጡን።

ሰሎሞን: “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 22:4) ትሕትና ንኸነማዕብል ብዙሕ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ትሕትና ብርትዕትን እትፍቶን ባህርይ ጥራይ ዘይኰነትስ: ሞገስ ኣምላኽን ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንኽንረክብ እተኽእለና ባህርይ እያ።—2 ሳሙኤል 22:28፣ ያእቆብ 4:10

ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

ኵሉ ዓይነት ኵርዓት ሕማቕ ድዩ፧2 ተሰሎንቄ 1:3, 4 

ትሕትና ተቐበልቲ ትምህርቲ ንኽንከውን እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ግብሪ ሃዋርያት 8:26-38 

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትሕትና ኼማዕብሉ የድልዮምዶ፧ሉቃስ 22:24-27 

ትሑታት ኣብ መጻኢ እንታይ እዮም ዚረኽቡ፧ምሳሌ 22:4 

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ትሑት ስለ ዝነበረ: ቈልዑ ናብኡ ተሳሕቡ