ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ‘ኻብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነት’ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽባይ

ነታ ‘ኻብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነት’ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽባይ

ታሪኽ ህይወት

ነታ ‘ኻብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነት’ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽባይ

ኒኮላይ ጉሱልያክ ዘዘንተዎ

ን41 መዓልትን ለይትን ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተላዕለ ናዕቢ ነበርኩ። ብሃንደበት: በቲ ተዅሲ መድፍዕ ተበራበርኩ። ታንክታትን ወተሃደራትን ድማ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ጥሒሶም ኣተዉ: ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ከኣ መጥቃዕቲ ኣውረዱ። ህይወተይ ኣብ ሓደጋ እያ ነይራ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ክኣቱ ዝኸኣልኩ ብኸመይ እየ፧ እስከ ብዛዕባ እዚ ኸዘንትወልኩም። እዚ ፍጻመ እዚ ብ1954 እዩ ኣጋጢሙ። ኣብቲ እዋን እቲ ወዲ 30 ዓመት ነበርኩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሶቭየት ዝነበሩ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ ጕዳይ ፖለቲካ ገለልተኛ ብምዃነይን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምንጋረይን ተኣሰርኩ። እታ ኣነ እውን ተኣሲረላ ዝነበርኩ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: 46 ሰብኡትን 34 ኣንስትን ነበርዋ። ኣብቲ ኣብ ማእከላይ ካዛክስታን ጥቓ እታ ከንጊር እትበሃል ቍሸት ዝነበረ ናይ ሸቕሊ ደምበ ኢና ተኣሲርና ኔርና። ኣብኡ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ እሱራት ነበርና።

እቲ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ጆሴፍ ስታሊን ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓመት ሞተ። ብዙሓት እሱራት ድማ እቲ ኣብ ሞስኮ ዝነበረ ሓድሽ ስርዓት: ነቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ጠቒሶም ንዘቕረብዎ ጥርዓን ኪሰምዖም ተስፋ ገይሮም ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም እሱራት ዝነበሮም ቅሬታ እናወሰኸ ብምኻዱ: ናብ ናዕቢ ተቐየረ። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ጐንጺ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ነቶም ተቘጢዖም ዝነበሩ ዓለወኛታትን ነቶም ሓለውቲ ወተሃደራትን ብዛዕባ ኣቕዋምና ኽንገልጸሎም ነበረና። ገለልተኛታት ምዃን ኣብ ኣምላኽ እምነት ኪህልወና ዚሓትት እዩ ነይሩ።

ናዕቢ!

ብ16 ግንቦት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዕልወት ተጀመረ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ 3,200 ዝዀኑ እሱራት ኣብቲ ደምበ ዝሓሸ ዅነታት ንኺህሉን ነቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት ግዳሰ ኺግበረሎምን ጠለብ ብምቕራብ ናብ ስራሕ ምኻድ ኣበዩ። ነገራት ከኣ ብናህሪ ኪኸዱ ጀመሩ። ፈለማ: እቶም እሱራት ነቶም ሓለውቲ ኻብቲ ደምበ ኸም ዚወጹ ገበርዎም። ኣብቲ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኸቢብዎ ዝነበረ ሓጹር ድማ ክፉት ቦታታት ገበሩ። ብድሕርዚ ነቲ ንሰብኡትን ኣንስትን ዚፈላሊ መንደቕ ኣፍረስዎ: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ባራካ ስድራቤት ኢሎም ዚጽውዕዎ ዝነበሩ ፈጠሩ። አረ ገሊኦም እሱራትሲ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዜስደምም መዓልትታት ተመርዕዮም እዮም፣ እቲ ናይ መርዓ ስነ-ስርዓት ድማ በቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ተፈጸመ። ኣብቲ ናዕቢ እተገብረሉ ሰለስተ ኽፋላት እቲ ደምበ: መብዛሕትኦም ካብቶም 14,000 ዝዀኑ እሱራት ኣብዚ ዕልዋ ተሳቲፎም እዮም።

እቶም ዓለወኛታት ምስቶም ወተሃደራት ንምዝታይ ኣብቲ ደምበ ሓደ ኮሚተ ወደቡ። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ኣብ መንጎ እቶም ኣባላት እቲ ኮሚተ ኽትዕ ተላዕለ: ቍጽጽር እቲ ደምበ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ሕሉፋት ሰባት ኣተወ። እቲ ሃዋህው ብዝያዳ እናኸፍአ ኸደ። መራሕቲ እቶም ዓለወኛታት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ “ስርዓት” ከም ዚህሉ ንምግባር ኢሎም ክፍሊ ጸጥታ: ክፍሊ ወተሃደራት: ከምኡውን ክፍሊ ፕሮፓጋንዳ ወደቡ። ነቲ ኣብ ዓንድታት ተሰቒሉ ዝነበረ መጕልሕ ድምጺ ብምጥቃም ድማ ነቲ ጕሁር መልእኽታቶም የመሓላልፉ ነበሩ: እዚ ኸኣ ነቲ ሽዑ ዚርአ ዝነበረ መንፈስ ዕልወት ተጐሃሂሩ ኸም ዚቕጽል ገበሮ። እቶም ዓለወኛታት: ካልኦት ሰባት ንኸይሃድሙ ኸልከልዎም: ነቶም ዚቃወምዎም ቀጽዕዎም: ምስቲ ንሳቶም ዘጽደቕዎ ንዘይሰማማዕ ሰብ ንኪቐትሉ ድማ ድሉዋት ነበሩ። አረ ገሊኦም እሱራት ከም እተቐትሉ እውን ይውረ ነይሩ እዩ!

እቶም ዓለወኛታት ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኼጋጥም ይኽእል እዩ ኢሎም ብምሕሳብ: ንርእሶም ንምክልኻል ብጥንቃቐ ምድላው ገበሩ። መራሕቲ እቶም ዓለወኛታት ነቲ ቤት ማእሰርቲ ንምክልኻል ድሉዋት ንኪዀኑ ኢሎም ኵሎም እሱራት መሳርያ ንኺዕጠቑ ኣዘዙ። እቶም እሱራት ከኣ ነቲ ኣብ መስኮት ዝነበረ ሓጸውን ብምምሓው: ካራሩን ካልእ ኣጽዋርን ሰርሑ። ጠበንጃን ነተጕትን እውን ነበሮም።

ክንሓብሮም ጸቕጢ ገበሩልና

ኣብቲ እዋን እቲ: ክልተ ዓለወኛታት ናባይ መጹ። ሓደ ኻብኣቶም ሓንቲ ሽዑ እተሳሕለት ካራ ሒዙ ነበረ። “ርእስኻ ንምክልኻል ስለ እትጠቕመካ: እንካ ውሰዳ!” ኢሉ ድማ ኣዘዘኒ። ህድእ ንኽብል የሆዋ ኺሕግዘኒ ብውሽጠይ ጸለኹ። “ኣነ ሓደ ኻብ ክርስትያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ። ኣነን እቶም ኣብዚ ዘለዉ ኻልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ምስ ሰባት ዘይኰነስ: ብዓይኒ ምስ ዘይረኣዩ መናፍስቲ ስለ እንቃለስ ኢና ተኣሲርና ዘለና። ምስ እዚኣቶም ንምቅላስ እንጥቀመሉ ኣጽዋር ከኣ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ተስፋን እዩ” በልክዎም።—ኤፌሶን 6:12

እቲ ዜገርም ድማ እቲ ሰብኣይ ምስዚ ብምስምማዕ ርእሱ ነቕነቐ። እቲ ሓደ ግን ሕራይ ገይሩ ዘበጠኒ። ብድሕሪኡ ተመሊሶም ከዱ። እቶም ዓለወኛታት ካብ ባራካ ናብ ባራካ እናኸዱ: ኣብቲ ናዕቢ ንኺሓብርዎም ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬገድድዎም ፈተኑ። ኵሎም ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግን ኣበዩ።

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ገለልተኛ መርገጽ ኣብቲ እቶም ኮሚተ ዓለወኛታት ዝገበርዎ ኣኼባ ሓደ ዛዕባ ዀይኑ ቐሪቡ ነበረ። “ኣባላት ኵለን ሃይማኖታት: ማለት ኣባላት ሃይማኖት ጴንጠቆስጠ: ኣድቨንቲስት: ባፕቲስት: ከምኡውን ካልኦት ኣብዚ ናዕቢ ይካፈሉ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ኣብዮም ዘለዉ። እንታይ እንተ ገበርና ይሓይሽ፧” ብምባል ተዛረቡ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እቶን እንተ ደርቢናዮ: እቶም ካልኦት ኪፈርሁ እዮም ዚብል ርእይቶ ኣቕረበ። ሓደ ኣቐዲሙ ወተሃደራዊ ብዓል-ስልጣን ዝነበረን በቶም ካልኦት እሱራት ዚኽበርን ሰብኣይ ግን: “እዚ እሞ ዕሽነት እዩ። ንዅሎም ኣኪብና ኣብ ጫፍ እቲ ደምበ: ኣብ ጥቓ ኣፍደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ባራካ ነእትዎም። ሽዑ እቶም ሰራዊት ብታንክታት መጥቃዕቲ ኼውሩድልና እንተ ጀሚሮም: ብመጀመርታ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዚረኽብዎም። ንዕኦም ብምቕታል ድማ ተሓተቲ ኣይንኸውንን” ብምባል ርእይቶ ኣቕረበ። እቶም ካልኦት በዚ ሓሳብ እዚ ተሰማምዑ።

ናብ ሓደገኛ ቦታ ተወሰድና

ብዙሕ ከይጸንሐ: እቶም እሱራት እናዞሩ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ውጹ!” እናበሉ ኺጭድሩ ጀመሩ። ነቶም 80 እንኸውን ድማ ናብቲ ኣብ ጫፍ እቲ ደምበ ዚርከብ ባራካ ኸብኪቦም ወሰዱና። ሰፊሕ ቦታ ንኺህሉ ኢሎም ነቲ ኣብቲ ባራካ ዝነበረ ዓራውቲ ኣውጽእዎ: ናብኡ ንኽንኣቱ ኸኣ ኣዘዙና። እዚ ባራካ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኻልእ ቤት ማእሰርትና ዀነ።

እተን ኣብቲ ጕጅለና ዝነበራ ኣሓት ብሕት ምእንቲ ኺብለለን: ኣንሶላታት ኣላጊበን ሰፈያ: ብእኡ ጌርና ኸኣ ነቲ ባራካ ናይ ሰብኡትን ናይ ኣንስትን ኢልና ኸፈልናዮ። (ድሕሪ ግዜ: ሓደ ኣብ ሩስያ ዚነብር ናይ የሆዋ ምስክር: ከምቲ ኣብ ታሕቲ ዚርአ ዘሎ እቲ ባራካ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ብኢዱ ሰኣሎ።) ኣብዛ ጸባብ ክፍሊ እዚኣ ዄንና: የሆዋ ጥበብ ከምኡውን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ንኺህበና ብሓባር ልባዊ ጸሎት ነቕርብ ነበርና።—2 ቈረንቶስ 4:7

ኣብቲ እዋን እቲ: ኣብ ሓደገኛ ቦታ: ማለት ኣብ መንጎ እቶም ዓለወኛታትን ሰራዊት ሶቭየትን ኢና ኔርና። ሓዲኦም እንታይ ስጕምቲ ኸም ዚወስዱ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ክርስትያን ሓው “ብዛዕባ እቲ ዚኸውን ነገራት ክትግምቱ ኢልኩም ኣይትፈትኑ: የሆዋ ኣይሓድገናን እዩ” ብምባል ኣተባብዓና።

ዓበይቲ ይኹና ንኣሽቱ ፍቑራት ክርስትያን ኣሓትና: ፍልይ ዝበለ ጽንዓት እየን ኣርእየን። ሓንቲ ኻብኣተን ጓል 80 ዓመት ነበረት: ዝያዳ ሓገዝ ድማ የድልያ ነበረ። ካልኦት እውን ሕሙማትን ሕክምናዊ ኣቓልቦ ዜድልየንን እየን ነይረን። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ: እቶም ዓለወኛታት እንታይ ንገብር ከም ዘለና ንኺከታተሉ ኢሎም ንማዕጾ እቲ ባራካ ዅሉ ሳዕ ጋህ ከም ዚብል ይገብሩ ነበሩ። ለይቲ ኪኸውን ከሎ: እተዓጥቁ እሱራት ናብቲ ባራካ ይመጹ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ “መንግስቲ ኣምላኽ ደቂሳ እያ ዘላ” ኺብሉ ኸለዉ ንሰምዖም ነበርና። ኣብ መዓልቲ ናብቲ ምግቢ እንበልዓሉ ኣዳራሽ ክንከይድ ከለና ኣይንፈላለን ኢና ኔርና፣ የሆዋ ኻብ ዓመጸኛታት ሰባት ንኼዕቍበና ድማ ንጽሊ ነበርና።

ኣብቲ ባራካ ኸለና: ንሓድሕድና ብመንፈሳዊ መዳይ ንተሓጋገዝ ነበርና። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሓው ክንሰምዖ ኸም እንኽእል ገይሩ ዓው ብምባል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጸብጻብ ይጠቅስ ነበረ። ነዚ ድማ ምስ ምስቲ ዅነታትና የተሓሕዞ ነበረ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው: ብፍላይ ብዛዕባ ሰራዊት ጊዴዎን ምዝራብ ባህ የብሎ ነበረ። “እቶም 300 ዝዀኑ ሰብኡት ነቲ መሳርሒታት ሙዚቃ ኣብ ኢዶም ሒዞም ብስም የሆዋ ምስቶም 135,000 ዝዀኑ ዕጡቓት ወተሃደራት ተዋግኡ። ኵሎም ድማ ዋላ ሓንቲ ኸይተጐድኡ ተመልሱ” ብምባል የዘኻኽረና ነበረ። (መሳፍንቲ 7:16, 22፣ 8:10) እዝን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታትን ከኣ መንፈሳዊ ብርታዐ ሃበና። ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ዘይገበርኩ እኳ እንተ ነበርኩ: እቶም ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘርኣይዎ ነቕ ዘይብል እምነት ግን ብሓቂ ኣተባቢዑኒ እዩ። የሆዋ ናይ ብሓቂ ምሳና ኸም ዝነበረ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።

ውግእ ጀመረ

ሰሙናት እናሓለፈ ምስ ከደ: ኣብቲ ደምበ ዝነበረ ቕልውላው ወሰኸ። እቲ ኣብ መንጎ እቶም ዓለወኛታትን መንግስትን ዚግበር ዝነበረ ዘተ ድማ ጽዑቕ እናዀነ ኸደ። መራሕቲ እቶም ዓለወኛታት: እቲ ኣብ ሞስኮ ዘሎ ማእከላዊ መንግስቲ ምስኦም ዚራኸብ ተወካሊ ንኺልእኽ ጠለቡ። እቶም ሰበ-ስልጣን ከኣ እቶም ዓለወኛታት ኢዶም ንኺህቡ: ኣጽዋሮም ንኼረክቡ: ከምኡውን ናብ ስራሕ ንኺምለሱ ሕቶ ኣቕረቡ። ክልቲኦም ወገናት ምስምማዕ ኣበዩ። እዚ ኪኸውን ከሎ: እቲ ደምበ በቶም ንኼጥቅዑ ትእዛዝ ዚጽበዩ ዝነበሩ ሰራዊት ተኸበ። እቶም ዓለወኛታት እውን እንተ ዀኑ: ንኺዋግኡ ኢሎም መከላኸሊ ብምስራሕን ኣጽዋር ብምእካብን ተዳልዮም ነበሩ። ኵሉ ሰብ ድማ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ሰራዊትን እሱራትን ዚግበር ግጥም መዓስ ኰን ይጅምር ይኸውን ኢሉ ይጽበ ነበረ።

ብ26 ሰነ በቲ ዜጽምም ኣድራጋ ተዅሲ መድፍዕ ተበራበርና። ታንክታት ነቲ ሓጹር ጨፍሊቐን ናብቲ ደምበ ፈንጢሰን ኣተዋ። ደድሕሪአን ድማ ጕጅለ ወተሃደራት ብትርሺ እናተኰሱ መጹ። እቶም እሱራት: ሰብኡትን ኣንስትን: እናጨደሩ ኸምኡውን ኣእማንን ኣብ ቤት እተሰርሐ ቦምብን ኣብ ኢዶም ዝረኸብዎ ዘበለን ናብተን ዝመጻ ዝነበራ ታንክታት ገጾም እናደርበዩ ጐየዩ። ኣዝዩ ዜሰቅቕ ውግእ እናተኻየደ ኸሎ: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘበልና ኣብ ማእከል ተቓቐርና። እቲ የሆዋ ንኺሕግዘና ዘቕረብናዮ ጸሎት ብኸመይ ምላሽ ይረክብ ይኸውን፧

ብሃንደበት: ወተሃደራት ናብቲ ዝነበርናሉ ባራካ ኣተዉ። “ኣቱም ቅዱሳት: ንዑ ውጹ! ቀልጥፉ: ካብዚ ሓጹር ውጹ!” ብምባል ጨደሩ። እቲ ሓላፍነት ዝነበሮ ብዓል-ስልጣን ናባና ኸይትኵሱ: ኣብ ክንዳኡስ ኬዕቍቡና ኣዚዝዎም ነበረ። እቲ ውግእ እናተኻየደ ኸሎ: ንሕና ኻብቲ ደምበ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዚርከብ ብሳዕሪ እተሸፈነ ቦታ ኾፍ ኢልና ነበርና። ንኣርባዕተ ሰዓት ዚኸውን ድማ ነቲ ኻብ ውሽጢ እቲ ደምበ ዚስማዕ ዝነበረ ድምጺ ነታጕን ተዅስን ኣውያትን እህህታን ንሰምዕ ነበርና። ብድሕሪኡ ኵሉ ነገር ሃድአ። ምስ ወግሐ: እቶም ወተሃደራት ነቶም ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ደምበ ኼውጽእዎም ከለዉ ረኣናዮም። ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ቍሱላትን ምዉታትን ከም ዝዀኑ ፈለጥና።

ብድሕርዚ: ሓደ ዝፈልጦ ብዓል-ስልጣን ናባና መጸ። “ኒኮላይ: ንሕና ዲና ወይስ የሆዋ እዩ ኣድሒንኩም፧” ኢሉ ድማ ብሓበን ሓተተ። ንህይወትና ስለ ዘድሓንዋ ብኣኽብሮት ኣመስገናዮ: “እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽና የሆዋ እዩ ልክዕ ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገልገልቱ ዘድሓነ: ንኸተድሕኑና ደሪኽኩም” ከኣ በልናዮ።—እዝራ 1:1, 2

እቲ ብዓል-ስልጣን: እቶም ወተሃደራት መን ምዃንናን ኣበይ ከም ዝነበርናን ብኸመይ ከም ዝፈለጡ ነገረና። ኣብ መንጎ እቶም ዓለወኛታትን እቶም ሰራዊትን ዘተ ኣብ እተገብረሉ እዋን: እቶም ሰራዊት ነቶም ዓለወኛታት: ንዘይደገፉኹም ሰባት ቀቲልኩምዎም ብምባል ከም ዝኸሰስዎም ነገረና። እቶም ዓለወኛታት ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናዕቢ ኸም ዘይተኻፈሉን ከም ዘይተቐትሉን ነገርዎም። ከም መቕጻዕቲ ግን ንዅላቶም ኣብ ሓንቲ ባራካ ኸም ዝኣሰርዎም ተዛረቡ። እቶም ሰበ-ስልጣን ነዚኣ ሒዞማ ነበሩ።

ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና ደው በልና

ኣሌክሳንደር ሶልዠኒትሲን ዝስሙ ፍሉጥ ሩስያዊ ደራሲ: ኣብታ ዘ ጉላግ ኣርኪፓለጎ ዘርእስታ መጽሓፉ ነቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እተላዕለ ናዕቢ ጠቒስዎ ነበረ። እቲ ናዕቢ እተላዕለሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ: “ናጽነት ኢና ደሊና. . . ኰይኑ ግን መን ይሃበና፧” በለ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበርና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን: ናጽነት ክንረክብ ሃረር ንብል ነበርና። ይኹን እምበር: ነቲ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ብምውጻእ እንረኽቦ ናጽነት ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ከተምጽኦ እትኽእል ናጽነት ኢና ሃንቀው ንብል ኔርና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለና: ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና ደው ንኽንብል ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ብርታዐ ኸም ዜድልየና ንፈልጥ ነበርና። የሆዋ ድማ ዜድልየና ዅሉ ሂቡና እዩ። ካራ ይኹን ቦምብ ከይተጠቐምና ዓወት ከም እንረክብ እዩ ገይሩና።—2 ቈረንቶስ 10:3

የሱስ ክርስቶስ ንጲላጦስ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንሲ: . . . ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን: ንሕና እውን ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ ኣይንካፈልን ኢና። ኣብቲ ናዕብን ብድሕሪኡን እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ንኻልኦት ብግልጺ ዚርአ ብምንባሩ ሕጉሳት ኢና። ሶልዠኒትሲን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረና ኣካይዳ ብዚምልከት: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕግታቶም ሓልዮም እዮም: ዕርዲ ምስራሕን ምሕላውን እውን ኣብዮም እዮም” ብምባል ጸሓፈ።

እዚ ህውከት ዝመልኦ ፍጻመ እዚ ኻብ ዜጋጥም ልዕሊ 50 ዓመት ሓሊፉ እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ እዋናት እዚ ብሞሳ እየ ዝዝክሮ፣ ከመይሲ: ንየሆዋ ኽጽበዮን ኣብታ ሓያል ቅልጽሙ ኽውከልን ከም ዘሎኒ ዚሕብር ነባሪ ትምህርቲ ረኺበ እየ። እወ: ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልእ ክፋል ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበሩ ፍቑራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣነ እውን የሆዋ ነቶም ‘ካብዛ ዓለም እዚኣ ዘይኰነት’ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጽበዩ ሰባት: ናጽነትን ዕቝባን ምድሓንን ብሓቂ ኸም ዚህብ ርእየዮ እየ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ተኣሲርናሉ ዝነበርና ኣብ ካዛክስታን ዚርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንስቲ ዝነበራሉ ኽፋል እቲ ባራካ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ተፈታሕና ምስ ክርስትያን ኣሕዋት ከለኹ